^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 76 guests and no members online

ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ

ሕርሻ ሃገርና ይምዕብል ድዩ ዘሎ ወይስ የንቆልቁል?

ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ፡ ሕርሻ ሃገርና ኣብ ምምዕባል ብዙሕ ይሰርሕን ይስጉምን ከም ዘሎ፡ ብዘይካ’ቲ ንሱ ብመንግስታዊ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ኣእትዩ፡ ኣብ ባርካ የልመዖ ኣለኹ ዝብሎ ሕርሻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ገጠራት፡ ሓጽብታት፣ ራህያታት፣ ምክልኻል ፍግረ-መሬት፣ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፣ ምክንኻን እንስሳን ..ወዘተ ብስሉጥ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ዝሓሸ ውጽኢት ድማ የመዝግብ ከም ዘሎን በብግዜኡ ክግለጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ኣብ ሕርሻ ለውጢ እናመዝገብኩ ይጎዓዝ ኣለኹ ዝብሎ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ናይ’ቲ ኣብ ሕርሻን ጥሪትን ተመርኲሱ፡ ናብራኡ ዝመርሕ ገባራይ ይኹን ሰበኽ ሳግም እንታይ ዘምጸኦ ለውጢ ኣሎ? ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣተኣሳሲርና እንታይ ይመስል ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ።

እዚ ቅድሚ ምርኣይና ግን፡ ቅኑዕ ሕርሻዊ ፖሊሲ ናይ ሓደ ደሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዝኽተል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ እንታይ ይመስል ብምርኣይ፡ ምስ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ፖሊሲ እናነጻጸርና ክንመዝን ክሕግዘና ምእንቲ መጀመርያ ንዕኡ ንርአ። ኤርትራ ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር’ያ፣ እዚ ማለት ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ባህላዊ ብዙሕነት ተተኣናግድ ሃገር’ያ። ዝበዝሐ ህዝባ ወይ 85% ዝኸውን ኣብ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ዝምርኮስ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ህይወት ዘሕልፍ ገባራይ፡ ብድሕረት፡ ድኽነትን መሃይምነትን እናተሳቐየ ዝነብር ሕብረተ-ሰብዩ።

ዝበዝሐ ህዝበን ገባራይ ኣብ ዝኾነሉ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ዘይማዕበላ ሃገራት፡ ሓደ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክኽተሎ ዝግባእ፡ ቅኑዕ ናይ ልምዓት ስትራተጂ፡ ገጠርን ሕርሻን ማእከል ገይሩ ዝረባረብ ምስ ዝኸውን’ዩ ዕወት ዝኸውን። እዚ ከኣ ነቲ ብሃገር ደረጃ ዝቕረጽ ምጣነ ሃብታዊ ፖሊሲ ብዝምድናዊ /ብተነጻጻሪ/ ኣዘራርባ ነጻነቱ ዘረጋግጽ፡ ስሉጥ ቀጻልነት ዘለዎ ዕቤት ዘጎልብት፡ ኩሉ ሓፋሽ ህዝቢ በብደረጃኡ ካብ’ቲ ልምዓት ተጠቃሚ ዝኾነሉ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝረጋገጸሉን ክኸውን ኣብ መድረኽ ሕርሻ-ዝመርሖ እንዳስትሪ፡ ናይ ልምዓት ስትራተጂ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ናይ ሕርሻ ጽላት ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ እዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዝበዝሕ ገባራይ ዝርከቦ ሕብረተ-ሰብ፡ እቲ ቀንዲ ናይ ልምዓት ዓቕሚ፡ ርእሰ ማልን ተክኖሎጂን ዘይኮነስ፡ ናይ ዝበዝሐ ገባራይ ጉልበትን መሬትን ብምጥቃም’ዩ ርእሰ-ማል ብምውህላል ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዝከኣል። እዚ ከኣ ደረጃ ብደረጃ ሕርሻ ንእንዱስትሪ ኣድላዪ ጥረ ነገራት ብምቕራብ፡ እንዱስትሪ ከኣ ኣድላዩ መሳርሒ ንሕርሻ ብምቕራብ፡ ተደጋጊፎም ብምዕባይ ተክኖሎጂካዊ ምምሕያሻት ብምትእትታው፡ ናብ ዝለዓለ ናይ እንዳስትሪ መርሆ ናይ ልምዓት ስትራተጂ ንምስግጋር ዝከኣል። ዕቤት ናይ’ዘን ቁጠባዊ ትካላት እዚኣተን ብግዲአን ንግዳዊ ጽላት ክሰፍሕን ናይ ውሽጢ ሃገር ዕዳጋ ክዓብን ዓቢ ተራ’የን ዝጻወታ።

ምኽንያቱ ገባራይ ትርፊ እቶቱ ሸይጡ፡ ዝሓሸ ርእሰ-ማል ኣብ ዘዋህልለሉ፡ ሕርሻኡ ንምምዕባል ይኹን ንመነባብሮኡ ዘድልይዎ እንዳስትሪ ዘፍረዮ ሸቐጥ ክሽምት ዝሓሸ ናይ ዕዳጋ ዕድል’ዩ ዝፈጥረሉ። በዚ ከኣ ርእሰ-ማል ዘለዎም ነጋዶ ናይ ሕርሻን እንዳስትሪን ፍርያት እና ዓደጉ ካብ ገባራትን ወነንቲ እንዳስትሪታትን ክገዝኡን ክሸጡን ንቑጠባ ሃገር ዘዕቢ ሰፊሕ ዕዳጋ ይፈጥሩ። እዚ ናይ ሃገር ልምዓት ብቐዳምነት፡ ናይ ውሽጢ ሃገር ዕዳጋ ብዘይ ምቁራጽ እናሰፍሐ ክኸይድ ዘኽእል ትልሚ’ዩ። ንዕኡ ብዝድግፍን ብዘደልድልን መንገዲ ከኣ፡ ናይ ወጻኢ ንግዲ ክዓቢ ይገብር። ነዚ ከኣ እቲ ገባራይ ይኹን መላእ ሕብረተ-ሰበ ናይ’ታ ሃገር፡ ብመግቢ ነብሱ ምኽኣል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ክወዳደር

ዝኽእል ኣድላዪ ኣዝርእቲ፣ ፍረታት፣ እንስሳታት፣ ውጽኢት ናይ ኣግሮ እንዳስትሪ እቶት ብዓይነትን ብዓቐንን ብምስሳን ናይ ወጻኢ ንግዲ ክዓቢ ብምግባር ዝሓሸ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምውህላል ይከኣል። ነፍስ ወከፍ ስድራ ቤት ናይ መግቢ ውሕስነት ክረጋገጸሉ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ እኹል መግቢ ዝረኽበሉ ዓቕሚ ክህልዎ ምግባር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሕርሻ-ዝመርሖ እንዳስትሪ መድረኽ ስራሕን እቶትን ክረከበሉ ዝኽእል ዕድል ምፍጣር እቲ ዝበዝሐ 85% ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ ብምዃኑን እቶም ዝተረፉ 15% ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ተዋፊሮም ዝረኽብዎ እቶት፡ ብተመሳሳሊ ናይ መግቢ ውሕስነት ዘረጋግጸሎም ክኸውን ምግባር ምስ ዝከኣል’ዩ፡ እቲ ሕብረተ-ሰብ ናብ ዝሓሸ ምዕቡል መነባብሮ ዝስጉምን ናብ ናይ ማእከላይ ደረጃ እቶት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ንምስግጋር ምቹእ ባይታ ዝፈጥርን።

መሬት ከም ቀንዲ ምንጪ ናይ ሃብቲ መጠን፡ ዝኾነ ገባራይ ንማሕረስ ዘድልዮ መሬት ብነጻ ክረክብን ሓሪሱ ክጥቀመሉን ወይ ብሕጊ ንዝተወሰነ ግዜ ከካርዮ፡ ጉልበት ቆጺሩ ከስርሕ፣ ክሳብ ንቐጻሊ ብሕጊ ናይ መሬት ምዕዳልን ምድልዳል ዝካየድ፡ ንወረስቱ ከወርስ ዘለዎ መሰል ብሕጊ ክረጋገጸሉ ምግባር ደኣምበር፡ እቲ ሓባራዊ ንብረት ህዝብታት ዝኾነ መሬት፡ ክሽየጥ ይኹን ክልወጥ፡ ወይ ብወለድን ሓረጣን ክተሓዝ ኣይግባእን። ህዝባዊ መንግስቲ ከኣ፡ እዚ ባህሪያዊ ሃብቲ’ዚ ብኣገባብ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል ምእንቲ ከመሓድሮ ይግባእ። ነቲ ናይ ህዝቢ ንብረት ካብ ሕጊ ወጻኢ ከም ድሌቱ እናሸጠን እናለወጠን ንጸቢብ ረብሓኡ ዘውዕሎ እንተደኣ ኮይኑ ግን፡ ናይ ህዝቢ ስርዓት ዘይኮነስ፡ ካብ መስመሩ ዝተኣልየ ጽግዕተኛ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት’ዩ ዝኸውን።

ህዝባዊ መንግስቲ ንገባራይ ዘይተቖጠበ ናይ ንዋት፣ ስልጣናን፣ ፍትሓዊ ናይ ልቓሕ ኣገልግሎት፣ ደገፍ ክኢላ ሓይሊ ሰብ፣ ካብ ፍርያቱ ብጉቡእ ተጠቃሚ ክኸውን ዘኽእሎ ፖሊሲ ስርዓተ ግበሪ፣ ንዕቤቱ ሓጋዚ ዝኾነ ዝተመጣጠነ ዝርገሐ ትሕተ ቅርጻን ካልኦትን ዝምልከቱ መምርሒታት በብግዜኡ እናሓንጸጸ፡ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዝሰርሕ ይኸውን። ህዝባዊ መንግስቲ ትኹረቱ፡ ገጠርን ሕርሻን ማእከል ገይሩ ክሰርሕ እንከሎ፡ ገባር ኣብ ዝሓርሶ መሬት ዘመናዊ ናይ ማሕረስ ኣገባብ ብምትእትታው፡ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ዘመናዊ ድኹዕን ምሩጽ ዘርእን ብስፍሓት ክጥቀም፣ ፍግረ መሬት ናይ ምክልኻል ኣገንዝቦኡን ዓቕሙን ክብ ክብል፡ ሰፊሕ ናይ መስኖ ሕርሻ ስራሕ ብምክያድ፡ ናይ ሕርሻ ልምዓት ክቀላጠፍ ምግባር፣ ንእንስሳታት ብግቡእ ሒዙ ከፍርየን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብሰፊሑ ክዝውተር ብምግባር፣ ጥዕናአን ናይ ምክንኻን ኣገንዝቦኡ ክብ ክብል ዘኽእሎ ክእለትን ብቕዓትን ከረጋገጽ ምግባር፣ ገባሮ ይኹኑ ሰበኽ-ሳግም ብዘይድሌቶም ካብ መሬቶምን መረበቶምን ከይፈናቐሉ፡ ኣብ ቀዋሚ ቦታ ክሰፍሩ፡ ከልምዑ፡ ዘፍርይዎ ምህርቲ ብነጻ ክሸጡን ክልውጡን ጉልበቶም ኣወሃሂዶም ሕርሻዊ ትሕዝቶኦም ንምምዕባል፡ ኣብ ነጻ ድሌቶም ዝተመሰረተ ማሕበር ተራድኦ ክምስርቱ መንግስቲ ናይ ምትብባዕ ተራ’ዩ ዝጻወት።

ህዝባዊ መንግስቲ ምስፋሕ ትሕተ ቅርጻ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ትምህርቲ፡ ንናይ ሕርሻ መፍራይነት ንምምሕያሽ ናይ ሕርሻ ስራሓት ዘዕቢ ተክኖሎጂ ብዘይምቁራጽ ንምዕባይ ቀንዲ መሳርሒ ስለዝኾነ፡ ናብ ኩሉ ናይ ገጠር ህዝቢ ክዝርጋሕ፡ ብውሑዱ ናይ ቀዳመይ ደረጃ ክሳብ 8 ክፍሊ ክበጽሕ ክገብር ይህልዎ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ጥዕናኡ ዘይተሓለወ ገባራይ መፍራያይ ክኸውን ስለዘይክእል፡ ኣብ ቀረባኡ ብቑዕ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክረክብ፡ ናይ ጥዕና መደበራት ኣብ ኩሉ ገጠራት ክባጽሕ ይህልዎ። እዚ ማእከሉ ሕርሻን ገጠርን ዝገበረ ናይ ልምዓት ስትራተጂ’ዚ፡ ኣብ ከተማ ንዝነብር ሓፋሽ ህዝቢ’ውን ዘገልግልን ዘርብሕን’ዩ። ዝበዝሐ ሓፋሽ ከተመኛ ህዝቢ ቀንዲ ምንጪ እቶቱ ንመነባብሮኡ ዘድልዮ ነገራት ንምሽማት ዘውዕሎ ብምዃኑ፡ እዚ ከኣ እቲ ናይ ገባራይ ፍርያት እናዓበየ ክኸይድ እንከሎ፡ ብሕሱር ዋጋ ክገዝእ፡ ናይ እንዳስትሪ ፍርያት’ውን ብተመጣጣኒ ዋጋ ክሽምት ዘኽእሎ’ዩ ዝኸውን። እዚ እቲ ቅኑዕ ፖሊሲ ናይ ሓደ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኣብ ሕርሻ ዝኽተሎ ኮይኑ፡ በዚ መንጽር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕርሻ ዝኽተሎ ፖሊሲ እንታይ ይመስል፡ ሕርሻ ሃገርና ይምዕብል ድዩ ዘሎ የንቆልቁል ቀጺልና ንርአ፡-

  1. ሕርሻ እቲ ዝዓበየ ክፋል ከባቢ 85% ናይ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ሰሪሑ ኣፍርዩ እቶቱ ከኽዕብተሉ ዝኽእል፡ ናይ መግቢ ውሕስነት ከረጋግጸሉ ዘኽእሎ፡ እቲ ዝዓበየ ቁጠባ ሃገር ክሽፍን ዝግበኦ ዓውዲ’ዩ። እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዝዓበየ ጽላት ናይ ቁጠባ ሃገር ዝኾነ ሕርሻ፡ ይኹን ካልኦት ጽላታት፡ ከም ሃብቲ ባሕርን ሕቑር ገና ዘይተዳህሰሰ ባህሪያዊ ሃብትን ሰሪሑን ኣስሪሑን ናብ ረብሓ ሓፋሽ ህዝብና ከውዕሎ ዘኽእሎ ቅኑዕ ሃገራዊ ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣለዎ’ዶ ዝብል ሕቶ ክለዓልን መልሲ ክረክብን ይግባእ። መልሲ ናይ’ዚ ከኣ ፍጹም የብሉን ዝብል’ዩ። ምኽንያቱ፡ ገባራይ ይኹን ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ቀጻልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕቤት ከረጋግጽ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብቐዳምነት ሰላሙን ድሕነቱን ዘረጋግጽ ፖለቲካዊ ሓርነት ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ከኣ፡ ካብ ስትራተጂካዊ ጸላኢ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ክርከብ ትጽቢት ትገብረሉ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ፡ ሕርሻ ይኹን ካልኦት ሃገራዊ ቁጠባዊ ዓውድታት፡ ሓቢሮም ኮነ ተነጻጺሎም ክዓብ’ዩ ኣይክእሉን’ዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ብግዝኣተ ሕጊ ዘይመሓደር ዓፋኒ ቀንጻሊ መንግስታዊ ግብረ ሽበራዊ ሓይሊ ስለዝኾነ፡ መባእታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ከኽብር ኣይክእልን’ዩ። ብኣተሓሳስባ ደረጃ ንባዕሉ ሓራ ዘይኮነ ስርዓት፡ ንሕብረተ-ሰብ ብፖለቲካዊ ይኹን ብቑጠባ ሓራ ከውጽእ ብተግባር ኣይክእልን’ዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ድማ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ዕጫኡ ናይ ምንቁልቋልን ውድቀትን ደኣምበር፡ ናይ ሕውየትን ዕቤትን ኣይኮነን።
  1. ንዕቤት ሕርሻ ይኹን ጠቕላላ ቁጠባ ሃገር ዘዕቢ ተራ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ውልቀ-ሰብ ሃብትን መንግስትን ፈላሊ’ዩ ኣብ ማእቶት ዘሳትፍ ባህሪ ድዩ ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ እንተኢልና፡ መልሱ ኣይኮነን’ዩ። ኩሉ ቁጠባዊ ምንጭታት ሃብቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ወይ ገቢቱ ንኹሎም ደረኽቲ ሓይልታት ናይ ማእቶት ከም ቁርዲድ እናመጸየ (እናመዝመዘ) ዝነብር ደኣምበር፡ ነብሲ ወከፍ ናይ ማእቶት ሓይሊ ከከም ዓቕሙን ክእለቱን ተርኡ ክጻወት ዘፍቅድ ኣይኮነን። ቁጠባዊ ትካላቱ ንናይ ውሽጢ ሃገር ቁጠባ ገቢተን ክሳብ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እናተዋፈራ ዝምዝምዛ’የን። ኣብ ንግዳዊ ቁጠባዊ ምዝመዛ ከይተሓጽራ፡ ኣብ ስለያዊ ስራሓት ዝነጥፋ ትካላት’የን። ብተግባር ኣብ ሕርሻ ዝኸተሎ ዘሎ ኣገባብ ምስ እንምልከት ድማ፡ “መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ” ብዝብል ምስምስ፡ ሓረስቶት ክጥቀምሉ ዝጸንሑ ልሙዕ መሬት ብሓይሊ መንዚዑ፡ ንሱን ውሱናት መጋበርያታቱን ብነጻ ጉልበት ግዱዳት ወተሃደራት ኣፍሪዩ’ዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ። ከም ስርዓት ዝወስዶ ዓማጺ ስጉምቲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ጎይተኦም ዝኣመኑ ጀነራላቱ ብወገኖም፡ ብውልቀን ብጅጉለን ኣብ ከከባቢኦም ዝለምዐ መሬት ካብ ሓረስቶት እናመንዝዑ፡ ዓበይቲ ጀነሬተራት ገይሮም ዝተፈላለዩ ዘራእትን ኣሕምልትን ብነጻ ጉልበት ወተሃደራትን እሱራትን እናፍረዩ’ዮም ክጥቀሙ ጸኒሖምን ዝጥቀሙ ዘለውን፡፡

መሬት ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንሓሪሱ ክጥቀም ዝኽእል ገባራይ ዝዕደል፡ ብቐዳምነት’ውን ነቶም ደቂ-ዓዲ፣ ከባቢ፣ ቀቢላ፣ ብሄረ፣ ብሄረ-ሰብ ተረባሕቲ ዝገብር ዝኸውን ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ብቐጥታ መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ ብዝብል ካብ ብዙሓት ዓድታት መሬቶም መንዚዑ፡ ተቓውሞ ንዘስምዑ ከኣ፡ ብሓይሊ ኣሲሩ እናጨፍጨፈ ዘካየዶ ኣረሜናዊ ተግባር ብጣዕሚ ሕሱም ነይሩን ኣሎን። ኣብ ግዜ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ፡ ኢትዮጵያ ወሪራትና’ያ ዝብል ሽፋን ህዝቢ ኣለዓዒሉ ብስም ምክልኻል ሃገር ዝኣከቦ ገንዘብ ከይኣኽሎ፡ ብልቓሕ ቦንድ ግዝኡ ብዝብል ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነበሩ ዜጋታት ዝመንዘዖ ገንዘብ ዕዳኡ ኣብ ክንዲ ምስ ወለዱ ኣማሊኡ ዝምልሰሎም፡ ገዛውቲ ክትሰርሑ መሬት ውሰዱ ኢሉ፡ መሬት እናሸንሸነ ሌላን ጉሌላን እናገበረ ንኣባላት ሰልፉን ደገፍቱን እናመጠወ በዚ ንብረት ሓፋሽ ይዘምት፡ በቲ ካልእ ከኣ፡ ክንደይ ጽዒሮም ዘምጽእዎ ኣሽሓት ዶላራት ብኢደ ወነኑ መህጠሪ ጁባኡ ገይሩ መዕጸዊ ኣፍ ብመሬት ህዝቢ ክጥብሮም ፈቲኑ /ገይሩ/። ኣብ ከበሳ ዝርከብ ናይ መሬት ጽበት ምኽንያት ብምግባር’ውን ብዙሓት ዓድታት ብዘይድልየተን ክፈናቐላን ናብ ጋሽ ባርካ ክኸዳ ዝተገደዳን እዚ ምፍንቓል’ዚ ዝፈጠሮ ዲሞግራፊያዊ ምቅይያርን ምስ’ቲ ቅድሚኡ ንተጋደልቲ ምጥያስ ብዝብል ዝዕድሎ ዝነበረ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ሕቶ መሬት ተባራዒ እዋናዊ ህዝባዊ ሕቶ ክኸውን፡ ሕቶ ብሄር ምስ ሕቶ መሬት ተኣሳሲሩ ንቕድሚት ክመጽእ ካብ ዝገብር ሓደ ረቓሒ’ዩ ነይሩ።

         ካልኣይ ክፋሉ ይቕጽል!

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 15-09-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox