^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 88 guests and no members online

ለውጢ ብደረጃ ሃገራዊ መሪሕነት፡ መርገም ዘይኮነ ዓቢ ምርቓ’ዩ።

ዘ ኢትዮጵያን ሄራልድ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃ/ማርያም ደሳለኝ፡ ብሰናይ ፍቓዶም ስልጣኖም ክለቁ ምዃኖም ኣብ ዝሓበርሉ ግዜ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮነ መንግስታት ኣፍሪቃ ከይገረሞም ኣይተረፈን። ሓደ ካብ’ቲ ኣግራሞት ዝፈጥር ሃንደበትነት ናይ’ቲ ውሳነ’ዩ። ካልኣይ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃንደበትነት ውሳነ ኣብ ውሽጥን ወጻእ እዛ ሃገር ክፈጥሮ ዝኽእል ጽልዋታት’ዩ።

ገለ ኢትዮጵያውያን ይኹን ወጻእተኛታት ወሃብቲ ርእይቶ ግን፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝነበሮም ናይ መንግስቲ መሪሕነት ምእላይ ማለት ካብ ስልጣን ምውራድ፡ ዘምጸኦ ለውጢ ኣይክእሉ’ዩ በሃልቲ’ዮም። እቶም ተዓዘብቲ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ኣብ ናይ ኢህወደግ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓት እምነት ከምዘይብሎም ከውግዑ ይስምዑ ይብል’ሞ እቲ ርእሰ ዓንቀጽ ዘ ኢትዮጵያን ሄራልድ፡ እስከ ነዚ ምዕባሌታት ህድእ ኢልና ክንድሕስሶ ብምባል፡ መጀመርያ ኢህወደግ እዚ ይገበረለይ መሰለይ ይከበረለይ ዕድል ስራሕ ይፈጠረለይ ዝብል ንቕሓትን ትብዓትን ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ክፈጥር ከም ዝኸኣለ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ንቕሓት ዘለዎ መሰለይ ዝብል ወለዶ ድማ፡ ሓደ ሓያል መሪሕነት ከም ዘድልዮ ዘጠራጥር ኣይኮነን። መሪሕነት ክበሃል እንከሎ ድማ ካብ ሓፋሽ ወይ መሰረታት በብደረጃኡ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ዘለዎ መንግስታዊ ጽፍሒ ሓላፍነታት ማለት’ዩ።

ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ብዘይምርግጋእ ክትሕቆን ዝጸንሐት ሃገራ’ያ። ብካልእ መልክዑ ከኣ፡ ነቲ ብጭቡጥ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው ከይዘንጋዕና፡ እዛ ሃገር ብሳላ ብቕዓት ኣመራርሓ ኢህወደግ ዝገርም ኢኮኖሚያዊ ኣግሮ ኢንዳስትሪያላዊ ምዕባለታት ክትጎናጸፍ ዝኸኣለት ሃገር’ውን ኢያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ድማ፡ ናተይ ካብ ስልጣን ምውራድ መሰረታዊ ዕላማኡ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምልዛብ ወይ ናብ ንቡርን ስሩዕን ሃዋህው ንምዕጻፍ ሓጋዚ ተራ ክጻወት’ዩ። ማለት ነዚ ብሃገር ደረጃ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ኣብ ምፍታሕ መንገዲ ክጸርግ’ዩ። በዚ ኣቢልካ ከኣ መጻኢ ዕድል እዛ ሃገር ውሕስነት ዘለዎ ዘተኣማምን ሰላምን ደሞክራስን ንምጉልባት’ዩ በሃሊ’ዮም። በዚ መሰረት ኣብ ናይ መግስቲ ኣሰራርሓን ኣካይዳን ለውጢ ክመጽእ’ዩ። ግን ድማ ኣብ’ቲ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክፍተት ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ካልእ ዘይኮነስ ኣብ’ቲ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ዘይተለምዱን ዘይጽቡቓትን መንፈሳት እናሳዕረሩ ስለዝመጽኡ እቲ ጋብ ኣሎ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ዘይተደላዪ ኣሉታዊ ስምዒታት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ስልጣን ምዃኑ ከኣ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ከቢድ ይገብሮ።

ስለዚ ድማ ኢና ኣብ ናይ መንግስቲ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት ክህሉ ምዃኑ እንዛረብ። ትጽቢትና ካብ ባዶ ዝብገስ ኣይኮነን። መንግስቲ ኢህወደግ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኢትዮጵያ ባና ብርሃን ወሊዑላ’ዩ እንተተ ባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈጥረ ባና ብርሃን ግን ነቲ ዝተፈጥረ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብግቡእ ዘይርዳእ ወይ ምስኡ ሓቢሩ ክነብር ዘይደሊ ገለ ሕንቁቕ ርእይቶታት ክመጽእ ኮይኑ። ብዝኾነ እቲ ኢህወደግ ሕጂ ብህጹጽ ክምልሶ ዘለዎ መሰረታዊ ሕቶ፡ ሕቶ መሪሕነት’ዩ። ብህዝቢ ተኣማንነት ዘለዎ፡ ሓላፍነት ዝስመዖ፡ ሰሪሑ ዘስርሕ ኣመራርሓ ክረክብ ኣለዎ። ብስም ህዝብን ሃገርን ገዛእ ነብሶም ክጠቕሙ ካብ ዝደልዩ ኣመራርሓ ምጥንቃቕ ግቡእ’ዩ። እዞም ብስመ ህዝብን ሃገርን ንውልቆም ክጠቕሙ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣብ ወሳኒ ናይ ስልጣን ቦታታት ከይድይቡ፡ ብኣጋ ክልለዩን ክእለዩን ኣለዎም። ምኽንያቱ ነዚኦም ከም’ዚ ዝበለ ባህርን ባህልን ዘለዎም ሒዝካ ስሉጥ ሃገራዊ ህዳሰ ምርግጋጽ ስለዘይከኣል።

ይቕጽል መጽሔት ዘ ኢትዮጵያን ሄራልድ፡ መንግስቲ ውሽጣዊ ጸገም ከም ዘለዎ፡ ቅድሚ ናብ ደገ ምኽሳሱ ናብ ውሽጡ ክርኢ ምኽኣሉ፡ ኣብቲ ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ክህብ ትጽቢት ዝግበረሉ መሪሕነት ከይተረፈ ምጥርጣራት ኣሎ ኢሉ ምእማኑ ዝድነቕ’ዩ። ከምኡ ዓይነት ውሽጣዊ ጸገማት ምህላው፡ ብሓሳብ እንተተኣሚኑ ዝተርፍ ግብራዊ ኣራሚ ስጉምቲ ምውሳድ’ዩ። ኢህወደግ ከም ውድብ ዘለዎ ባህሊ፡ ግዜ ሂቡ ንውሽጡ ኣዳቒቑ ዝፍትሽ ምዃኑ’ዩ። ኣይነሓሓፍን ይነቓቐፍ። እዚ ድማ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ንኡድ ነገር’ዩ። ናይ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብሰናይ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ምውሳኖም ‘ምበኣር ካብ’ዚ ቅዱስ ባህሊ’ዚ ዝብገስ ምዃኑ ምግንዛብ ጽቡቕ’ዩ።

ኣብ’ዚ ተሃዋሲ ኩነታት’ዚ ህዝብታት ኢትዮጵያ ልቦና ዘለዎ ሓያል ጥንቃቐ ክገብሩ ከድልዮም’ዩ። ሃገራዊ ዕቤት ዝረጋገጽ፡ ድኽነት ዝሰዓር፡ ናይ ልምዓት ትካላት ዓቂብካ ‘ምበር እናቃጸልካ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ዜጋታትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ክፍልታት ምጥርጣርን ጎንጽን ክፍጠር እናጸዓርካን ሰባት እናቐተልካን ኣይኮነን ይብል’ሞ ኣብ መወዳእታ ህልዊ ኩነታት ፖለቲካዊ ኢትዮጵያ ተስፋ ዘቑርጽ ዘይኮነስ ዘተባብዕ’ዩ። ብፍላይ ኢህወደግ ብቕዓትን ህዝባውነት ዘለዎም ዜጋታት ኣለልዩ ናብ መሪሕነት ከደይብ እንተኽኢሉ፡ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ልምዓት ክመጽእ ምዃኑ ኣይጠራጥርን ክብል ደምዲሙ

                                 ትርጉም ብዓ.ኢ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 04-04-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox