^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 56 guests and no members online

መስዋእቲ ዋጋ ሰላም (Sustainable Peace)

ከምቲ ወረ ውግእ፡ ኣብ ሰባት ስግኣትን ሽበራን ዚፈጥር፣ ወረ ሰላም ድማ ብኣኡ መጠን፡ ኣብ ገሊኡ ኩነታት፡ ስግኣትን ጥርጠራን ይፈጥር እዩ። ብመሰረቱ፡ ክልቲኡ ክስተታት ኣብ ሓድሽን ዘይትፈልጦን ኩነታት ስለ ዘእትወካ፡ ናይ ክልቲኡ መወዳእታ እውን ኣረጋጊጽካ ክትፈልጦ ስለ ዘይትኽእል፡ እቲ ስግኣት ኩሉ ግዜ ኣብ ቦታኡ እዩ። ርሑስ ቀብሪ’ሎ፡ ተካል መርዓ’ሎ ዝበሉኮ ካብ ባዶ ተላዒሎም ኣይኮኑን። ጊንጥነት ነገራት ስለ እተዓዘቡ ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር፡ እቲ ሰላም ተቐልቂሉ ወይ ወረ ሰላም ይነፍስ ኣሎ ብምባል ዚሰግእ ሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰላም ጸሊኡ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሰላም ብብዙሕ መገዲ ስለ ዚጥምቶ እዩ። በየን መጺኡ? መን ኣምጺኡዎ? ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ? ብፍላይ ብሃንደበት ዚቃላሕ ወረ ሰላም፡ ኣብ ጥርጠራ የእትወካ እዩ።

እቲ ሰላም ዚብሃል ዘሎ፡ ነቲ ዝሓለፈ ቅርሕንቲታትን ቅሬታታትን ብምሉኡ ይስርዞ ዲዩ ወይስ ንገሊኡ ፈኸም ንኺብል ሸለል ይብሎ እዩ፡ ወይ’ውን ጓስዩዎ ይሓልፍ እዩ? ፈሓም ኣብ ፈርኔሎ ኣናኺስካ፡ ምግብኻ ምስ ሰራሕካን ኩሉ ምስ ወዳእካን፡ ነቲ ዚቕህም ጓህሪ ሒዙ ዘሎ ፈርነሎኻ ኣብ ሓደ ቦታ ኢኻ እትውግኖ። ግን ብገለ ምኽንያት ተናኺሱ ገዛ ከየባርዓልካ ድማ፡ ማይ ትንብንበሉ ኢኻ። ፈጺሙ ከም ዝጠፍአ ኣረጋጊጽካ ኢኻ ልብኻ ኣውዲቕካ ካብ ገዛ እትወጽእ። ገለ ዘይጠፍአ ጓህሪ ምስ ዚተርፍ ግን፡ ከም ብሓድሽ ኪናኸስ ዘለዎ ዕድል ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ብኽንደይ ዕዳን ዕንዲዳን ዘሰራሕካዮ ገዛኻውን ሒዙዎ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።

እቲ ፈኸም ኪብል ተኽእሎ ዘለዎ ፈሓም፡ ንሱ እዩ ጸኒሑ ነገር ዚፈጥር። ኣብ ልቡ ሰላም ዘይብሉ ሰብ፡ ሰላም ኪፈጥር ኣይክእልን። ከመይሲ ኩሉ ክፍኣት ይኹን ሰናይ ነገር ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚነቅል። ሰላም፡ ብውዕላት ንግድን ቁጠባን ብዲፕሎማስን ብምትዕርራይ ዶባትን ጥራይ ኪረጋገጽ ኣይክእልን። ከም መበገሲ ግን ኪውሰድ ይኽእል እዩ፡ እቲ ምኽንያት መበገሲ ጥዑይ ምስ ዝኸውን። ንእዋኑ ነቲ ዝደለኻዮ ንምርካብ ኢልካ፡ ብሓደ ኢድካ ካራ ሓቢእካ፡ በታ ሓንቲ ሰላም ብምባል ምስቲ ጸላኢኻ ናይ ዕርቂ ጸወታ ከተካይድ ትኽእል ኢኻ። እቲ እትዕረቖ ዘሎኻ ሰብ’ውን፡ ዚጥርጥረካ እንተ ኾይኑ፡ ብወገኑ ተመሳሳሊ ስልትን ዕላማን ኪህሉዎ ይኽእል እዩ።  ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ሰላም ከም መጋበሪ (means to an end) እምበር ከም ዕላማ (aim) ከም ዘይተወስደ የረድኣካ። ክልተ ጎሓላሉስ ሓምዅሽቲ ስንቆም እኮ ተባሂሉ እዩ።

ሰላም ምስ መን? ምስ ኩሉ። መኣስ? ኣብ ኩሉ እዋን። ኣብ ቅንዕና እተመርኮሰ ሰላም፡ ሰብን ግዜን ቦታን ኣይፈልን እዩ። ኩሉ ናይ ሰላም ውዕላትን  ስምምዓትን ምርድዳእን ኣብ ሓደ ግዜ ዚካየድ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ መዓልቲ ወይ ቦታ ከይፈለኻ ናይ ሰላም ምልክታት ምርኣይ ግን ናይ ጽሩይ ልብን ናይ ቅኑዕ ዕላማን ነጸብራቕ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ምስቲ ከም ቀንዲ ደመኛኻ እትቖጽሮ መባእስትኻ ገዲፍካ፡ ምስ ሓዉ ወይ ምስ ሓውቱ ወይ ምስ ሓማቱ ክትዕረቕ ምፍታን ፋይዳ የብሉን። ኣርማድዮ ሓዊ ኪነድድ ከሎ፡ ነቲ ኣርማድዮ ገዲፍካ ነቲ ኮሞዲኖ ማይ ክትጭንጕዓሉ ምውዓል፡ ውጽኢት ኪህሉዎ ኣይክእልን። እቲ ዚቃጸል ዘሎ ኣርማድዮ ብኣጋኡ እንተ ደኣ ዘይጠፊኡ፡ ነቲ ገዛ እውን ለኪሙዎ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።

ምብኣስ ዘይኮነ ድፍረት ዘድልዮስ፡ ምትዕራቕ እዩ ዝያዳ ድፍረትን ትብዓትን ቆራጽነትን ዘድልዮ። ከምቲ ኣብ ኵናት ኣንጻር መዳፍዕን ታንክታትን ናፓላትን ብትብዓትን ቆራጽነትን እትቃለስ፡ ኣብ ምትዕራቕ ድማ ምስ ትዕቢትካን ኣነነትካን ከንቱ ሕልምኻን ሓድሓደ ግዜውን ምስቲ ሽጣራኻ ምቅላስ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ግዜ ሰላምን ኣብ ግዜ ኵናትን፡ እተን ኣብ ከባቢኻ ዘለዋ ሃገራት፡ ገሊአን ካብቲ ሰላምካ ኪረብሓ ከለዋ፡ ገሊአን ግን ካብቲ ነውጽታትካን ወጥርታትካን ኪጥቀማ ይደልያ እየን። ገለ ሃገራት፡ ብናትካ ሰላም ኪረብሓ ዘይክእላ ኣለዋ፡ ካብ ጸገማትካ ግን ብዙሕ ኪኸስባን ኪብልጽጋን ይኽእላ። ነቲ ናትካ ሰላም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ቁጠባዊ ምዕባለን ስትራተጅያዊ ረብሓን ከውዕላኦ ዚደልያ ኸኣ ኣለዋ። ከምዚ ምግባረን ጽቡቕ እኳ እንተ ኾነ፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ረብሓአን ብገለ መገዲ ምስ ዚጎድለን፡ ናትካ ህውከትን ነውጽን ሃረር ዚብላን ዚጽበያን ኪኾና እውን ይኽእላ እየን። ዓለም ከም ልጓም ዘይብሉ ፈረስ ትሕምብጥ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፡ እቲ ጀዮፖለቲካዊ ሚዛናትውን ምስኡ ይገላበጥ ብምህላዉ፡ ዝኾነ ነገር ከጋጥም ከም ዚኽእል ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ንኹሉ ተዳሊኻ ምጽናሕ!

ባዕዳውያን ገዛእቲ ኤውሮጳ፡ ኣብ ግዜ ምድምዳም ኮሎኒያሊዝም፡ ነተን ዚገዝኡወን ዝነበሩ ሃገራት ገዲፎምወን ኪወጹ ኸለዉ፡ ነቲ ዶባት ንኣታቶም ብዚምችእ መገዲ እዮም ጠፋጢፈምዎ ዝወጹ። ከም ህያብ ድማ ነቲ ሃገር ተዛማዲ ሰላም ኣበርኪቶምሉ እዮም ዝኸዱ። ግን እቲ ዶባት ንኣታቶምን ንስትራተጅያዊ ረብሓታቶምን እምበር፡ ነተን ዝገደፉወን ሃገራት ዘርብሕ ስለ ዘይነበረ፡ ገና መራኽቦም ገይሮም ናብ ዓዳቶም ከይኣተዉ ኸለዉ፡ እቲ ምሕንጻጽ ዶባት ዝበደሎ ናይ ቀቢላውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ሕቶን ቅርሕንትን ፈኸም ኪብል ጀሚሩ። እቲ ኣብ 40ታት ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን እተኻየደ ኣብ ሃይማኖት እተሰረተ ደማዊ ኵናት/ህልቂት ከም ኣብነት ኪቐርብ ይኽእል። ናይ እስራኤልን ፓለስቲንያን ኩነታት እውን ካብዚ ዚፈለ ኣይኮነን።

ኣብ 50ታት እውን፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንስትራተጅያዊ ረብሓኣ ኽትብል፡ ነቲ ሰላም ከምጽእ ተባሂሉ ብሕቡራት መንግስታት እተወሰነ ናይ ፈደረሽን ውሳነ ከም ዝወድቕ ገይራ እያ፡ በዚ ኸኣ ናይቲ ኣብ ሃገርና ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለ ሞትን ብርሰትን ጥፍኣትን ህልቂትን ቀንዲ ተጸዋዒት እያ። ከምዚ ብምግባራ ክትክሰስ ይግባኣ ነይሩ፡ ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ብምዃኑ ግን ዓገብ ዝበላ የልቦን። ግን ሕጂውን፡ ወድ ድሙስ ነይገድፍ ግብረ እሙ እዩሞ፡ ምጥንቃቕስ ከድሊ እዩ።

ኣብ ገዛኻ ሰላም ዘየልቦ፡ ናብ እንዳማትካ ኬድካ ሰላም ከተቐብል ወይ ክትቀባበል ኣይከኣልን። ኣበይ ምስ ፈለጥካያ ደኣዩ ሰላም ተጎዝጒዝካ ናብዝን ናብትን ወዘኽዘኽ ትብል ዘሎኻ? መጀመርታ ኣብ ገዛኻ ሰላምን ቅሳነትን ምትእምማንን ትፈጥር እሞ፡ ብድሕሪኡ ምስቲ ጎረቤትካ ብዛዕባ ሰላም ከተዕልል ትኽእል። እታ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሰላም ሒዛ እትነፍር ርግቢት፡ ነቶም ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ኤርትራ ዚማስኑ ዘለዉ ብኣሸሓት ዚቝጸሩ እሱራት እንተ ትርእዮም ነይራ፡ ነቲ ቆጽላ ደርብያቶ ምተመልሰት ነይራ፡ ወይውን ፈጺማ መኒና ናብ ደብረቢዘን ምተዓቝበት ነይራ።

ብተወሳኺ፡ ምስቲ ሰላም እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ፡ ነቲ ዝርካቡ መዓርጉ ክብ ተብለሉ ኣሎኻ ማለት እዩ። ናይ ሰሜን ኮረያ መራሒ፡ ኪም ዮንግ፡ ብዛዕባ ናይ ዞባ ኮረያ ሰላም ምስ ትራምፕ ምዝርራቡ ጠቒሙዎ እዩ። ናይ ሰላም ሰብ ዘይኮነ ከሎስ፡ ናይ ሰላም ሰብ መሲሉ ኣብ መላእ ዓለም ተቓሊሑሉ። ኣብ ገዝኡ ግን ሰላም የብሉን፡ እንተሎውን ናይ መቓብር ሰላም እዩ። ኣብ ሃገሩ፡ ኣብ ፈቐዶ ሕቡእ ጎዳጒድን ጋለርያታትን ግን ተኾዲመን መዓልተን ዚጽበያ ኑክለራውያን ቦምባታት ወይ ሮከታት ኣዲአን ትቝጸረን። ናይዚ ዓለም ዘገርም ግን፡ ባዕላ ኣመሪካ ኹሉ ዓይነት ንወድሰብ ዘጽንት መሳርያታት ኮሚራቶ ኸላ፡ ንኻልኦት ከይትሕዙ ኢላ ምፍርራሃ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዓለም ከኣዩ፡ እንትርፎ እቲ ኣብ በይናዊ ረብሓን በይናዊ ጸጥታን እተመርኮሰ ሰላም፡ ናይ ሓቅን ዘላቕን ሰላም ኪህሉ ዘይክእል፡ ንኽህሉውን ተስፋ ዘይብሉ።

ሰላም ናይ ወድሰብ ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ኣይኮነን፡ ኣንጻር እንስሳዊ ባህርያትካ ተቓሊስካ እዩ ዚርከብ። ወድሰብ ከም ፍጡር፡ ኣብ ምትዅታዅን ኣብ ምቅላስን ኣብ ምዕብላልን ምግባትን ዝዘንበለ ባህርያ እዩ ዘለዎ። እዚ ባህርይዚ ኸኣዩ ምስ እንስሳታት ሓደ ዚገብሮ (survival of the fittest)። ኣብ ዓለም ንኺነብርውን ነዚ ባህርያታዚ ከንጸባርቖ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ካብዚ ለመምታዊ ዝኾነ (reptilian) ባህርያት ንኺላቐቕ ግን ምስ ኣነንቱን መሰረታዊ ደመነፍሱን (basic instincts) ኪቃለስ ግድን እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን (ብናተይ ኣረኣእያ)፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ተቕዋማት ወይ ቅርጽታት፡ ብገለ ሸነኸሲ በቲ ናይ ወድ-ሰብ መሰረታዊ ደመ-ነፍሳዊ ባህርያት እተበከለ እዩ ዚመስል ኪብሃል ይከኣል። እዚ ብከላዚ ኸኣዩ ንኹሉ ማሕበራዊ ወይ መንግስታዊ ስርዓት ብዘይ ኣፈላላይ ብኩል (infected) ዚገብሮ።

ካብዚ ብምግጋስ፡ ዝኾነ ናይ ሰላም ተበግሶ፡ ኣብቲ ናይ ወድ-ሰብ መሰረታዊ ደመ-ነፍሳዊ ባህርያት እተመርኮሰ ኣበራት (defects) ስለ ዘለዎ፡ እቲ ሰላም ከምጽእ ዚደሊ ሰብ ካብ ኩሉ ሓላፊ ረብሓታትን፡ በይናዊ መኽሰባትን፡ ናይ ስልጣን ህርፋንን፡ ግዜያዊ ዝናን፡ ሕቡእ ኣጀንዳን ነጻ ንምዃን ምስ ነብሱ ብርቱዕ ቃልሲ ከካይድ ይግባእ። ሰላም፡ ንብምጋሳ ቀሊል እዩ፡ ንምዕቃባ ግን፡ ካብ ብረታዊ ኵናት ዝለዓለ ናይ ኣነነትን ትዕቢትን ከንቱ ረብሓን ዝናን መስዋእቲ ከም ዘድልያ ክንግንዘብ ይግባእ።

                                     ብኣማኒኤል ሳህለ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 09-07-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox