^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 43 guests and no members online

ውድባዊ ሰሚናር ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ሰሚናርኣብ ሳልሳይመዓል 9/18/17፡      “

ኣብ ውድባዊ ሰሚናር ንምይይጥ ዝተዳለወ ሰነድሎሚ ሳልሳይ መዓልቱ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ብክብ ዝበለ ሓላፍነታዊን መድረኻዊን ክትዓትን ምምይያጥን ኣካይድሉ።ንዕኡ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ናይ ሳልሳይ መዓልቲመዛዘሚ ናይቲ ሰሚናር ሓላፍነት ዝመልኦም ርእይቶታትን ገምጋማትን ለበዋታትን ካብ ተሳተፍቲ ክቐርቡ እንከለዉ፡ እዚ ሰሚናር እዚ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ብሩህን ትስፉውን መጻኢ ነጥበ-መቐይሮ ክፈጥር ኢዩ ዝብል ብምሉእ ዕገበትን ምትእምማንን ኣስሚረሙሉ

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ኣብ ሕቶ ሓድነት ሓይልታት ደንበ-ደለይቲ ፍትሒኤርትራ ዘለዎ መትከላዊ እምነትን፡ ንምዕዋቱ ዝግበር ቃልስን፡ ዝገጥምዎ ብድሆታትን ዝኸፍለሎም ዘሎ መስዋእትን ኣመልኪቱ ኣብውድባዊ ሰሚናርእዚኣዝዩ ርሱንን ዓሚቝን ሰፊሕን ክትዓት ከካይድ ምዃኑ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ዘይስሕቶ ሓቂ ኢዩ፡ ንምታይሲ እዚ ሕመረት ናይ ህዝብታትና ጭርሖመሰረታዊድሌትን ጠለብን ስለዝኾነ። ውድባዊ ሰሚናርና፡ ንመብርሂን መጽፈፊን መደባት ቃልሲ ተጠቒሙ፡ ንውድባዊ ጉባኤና ቅድመ-ተደላይነታቱ ዘዋድድ፡ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣገዳስነቱን ናብ ተግባር ኣወዓዕልኡን ብዝምልከት ዝነውሔ ጊዜ ዘካትዔ ኢዩ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ።

ውደባዊ ሰሚናር ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ውዕዉዕን ዓሚቝን እዋናውያንን ኣርእስትታትን ኣልዒሉ ክትዓት ምክያድ፡ ሰሚናር ብንጹር መርሆን ምርድዳእን መደቡ ሎሚ መዓልቲ 18 መከረም 2017 ዛዚሙ። ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕርፍቲ ድማ ናብቲ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ዘለና 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ክእቶ ኢዩ።  

ውድባዊ ሰሚናርና፡ መናሃርያ ምዕማቝ ደሞክራስያዊ እምነታትና ኢዩ!

   

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!   

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ብክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ካብ ቦታ ሰሚናር  

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/     

18 መስከረም 2017

 

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox