Written by: ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለው

ENCDCካብ ወጋሕታ 4 ሕዳር 2020 ማዕከናት ዜናታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ክልላዊ መንግስታት ትግራይን ኣምሓራን፡ ኣብ ትግራይ ኩናት ከም ዝተባረዐ ብወግዒ ዝሕብር በብወገኖም ዝሃብዎ መግለጺታት ተኸታቲልና። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደጋ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን፣ ብሰፊሕ ዘመተ ኣንበጣን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን መርድእ ኩናት ምስማዕ ኣዝዩ ኣጒሃይን ኣሕዛንንዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክምዕብል ዝጸነሐን ዘሎን ዝተሓላለኸ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ክስተታት ብደቂቕ ክንከታተሎ ጸኒሕና ኣሎና። ብፍላይ ድማ ብወገን ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ኩኑን ዝኾነ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ቐጥታዊ ኢድ ኣእታውነት ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራ ከቢድ ሳዕቤን ብምኽታል ንልዑላውነት ሃገርናን ሓድነት መረትናን ዓቢ ስግኣት ከም ዘለና ብተደጋጋሚ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብናህሪ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስኡ ተዛሚዱ ዝኸይድ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኢትዮጵያን፡ ንኢትዮጵያን ንዞናናን ናብ ሓደገኛ ቅልውላው ክመርሓ ምዃኑ ዓለም ብምሉኡ ዝከታተሎ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራን ሃገራውያን ሓይልታቱን መስርሕ ልምዓታን ዕብየታን ኢትዮጵያ ዝኾልፍ ዓውደ ጽዑቕ ኩናት ምብርዑ ኣዚዩ ከም ዘሕዝኑ ውሁብ ኢዩ። ኩናት ሕድሕድ ዝወስዶ ጊዜ ብዘየገድስ፡ ዝቀዝፎ ህይወት ንጹሃት ዜጋታትን ዘዕንዎም ንብረትን ትሕተ ቅርጻን ክትግምቶ ዘሸግር ከቢድ ዋጋ ኢዩ ዘስዕብ። እዚ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሓድሕድ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዝትንክፍ ኩናት ኢዩ። ናይ ኩናት ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ ብቐንዱ መላእ ውጹዓት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኢዮም።

እዚ ኣዕናዊ ኩናት ሓድሕድ ናይ ዓሰርታት ኣሻሓት ንጹሃት ዜጋታት ህይወት ከይቀዘፈን፡ ስፍሓቱ እናወሰኸ ብቐጥታ ናብ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይን ኣምሓራን ከይተሰጋገረን፡ ብዝዝኾነ መልክዕ ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያውን ከይለሓመን ከሎ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት ልዑል ነፍስ ምቁጽጻር ብምውናን፡ ነዚ ተባሪዑ ዘሎ ኣዕናዊ ኩናት ብቕልጡፍ ደው ከብሉን ብዘይወዓል ሕደር ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዘተ ክኣትዉን ንጽውዕ። ከምኡውን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ነዚ ኲናት ጠጠው ንምባልን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብን ቅልጡፍ ዝተወሃሃደ ጻዕርታት ከካይዱ ንጽውዕ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን፣ ኣብ ጎረበት ሃገር ኣብ ዞናናን ሰላምን ርግኣትን ክህሉ ስለ ዘገድሰና ናብኡ ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕርታት ወትሩ ከም ዘተባብዑን ዓቕሞም ዘፍቕዶ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገብሩን ድሉዋት‘ዮም።

እዚ ኣዕናዊ ተረኽቦ ንሃገርና ኤርትራ ኣዝዩ ዝትንክፍ ክኸውንዩ። ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ቀንዲ መሳወርን ኣካል ናይዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ተባሪዑ ዘሎ ኩናትን ኮይኑ ብምህላዉ፣ መሬት ኤርትራውን መናሃርያ ናይዚ ውግእ ኽገብሮ ዝኽእል ብዙሕ ምልክታት ኣሎ። ካብዚ ተበጊስና ድማ ጉጅለ ህግደፍ፣ ከም ልማዱ ንህዝብና ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኣእቲዩ ሃገርና ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ክትከፍል ምዃና ርግጽ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፣ ስራዊትን ህዝብን ኤርትራ ኣንጻር ኣዕናዊ ተግባራት ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ብትሪ ደው ንኽብል፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣትሪሩ ጽውዕ

ኣብዚ መዳይ ኩሎም ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ውድባትን ሃገራትን ከምኡውን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ከኣ ብፍላይ ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛ ግዳይ ናይ ውግእ ንኸይከውን፣ ዘድሊ ምክብኻብ ክግበረሉ ምሕጽንታና ነቕብ። ካብ ውግእ ዝካየድሉ ቦታታት ኣሊዮም ስላም ናብ ዝረኽበሉ ቦታታት ንኸዕዝ ክተሓባበርዎ ድማ ምሕጽንታትና ነቕርብ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለው

05/10/2020