Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምልኪ ብመሰረቱ ናይ ፍትሓውያን ምዕቡላት ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። መላኺ ብውልቀ ሰባት ይንጸባረቕ፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን መንግስቲ፡ ኣብ ኣካላዊ ግዝፊ ጥራሕ’ዩ ዝተኣማመን። ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት፣ ማሕበራዊ ክፍልታት፣ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ዝለዓል መሰረታዊ ድዩ

ዘይመሰረታዊ ናይ ርእይቶን ረብሓን ፍልልያት፡ ብመጠን ኣካላዊ ግዝፉ፣ ብዝሒ ሰራዊቱ፣ ዓይነትን ብዝሕን ዝውንኖ ኣጽዋር ኲናት፣ ዝውንኖ ነገራዊ ሃብቲ …ወዘተ ጥራሕ ዝልክዕ፡ ንኹሉ ነገር ብስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ ክፈትሕ ኣንቂዱ ዝሰርሕ ድሑርን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ’ዩ።

ኣብ ኣካላዊ ግዝፍን ነገራዊ ሃብትን ዝተኣማመኑ ግን፡ ህዝብታት ከም ህዝብታት ዘይኮኑስ፡ ብስም ህዝብታት ዝነግዱ ተበለጽቲ’ዮም። መለኽቲ ብቑጽሮም ካብ’ቶም ህዝብታት ኣዝዮም ዝወሓዱ’ዮም። ኣበየናይ ክፍለ ዓለምን ሃገርን ኣለው? ሕብሪ ቆርበቶም እንታይ ይመስል? ደረጃ መነባብሮኦም፡ ቋንቋኦም፡ ባህሎም፡ ብዘየገስድ ተመሳሳሊ ባህሪ’ዩ ዘለዎም። ዘበዝሑ ህዝብታት ድማ ናይ ሸፈጥ ዘይኮነ፡ ብሓቂ ብሓሳብ፡ ብሕግን ብተግባርን ዝተረጋገጸ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ህዝባዊ ልምዓታዊ ዕቤት፣ ኣድልዎ ዘይብሉ ህዝባዊ ስርዓተ ፍርዲ፣ ኮታ ንኹሉ ዘዕግብ ውሑስ ማሕበራዊ ፍትሒ ረኺቦም እፎይ ኢሎም ክነብሩ’ዩ ባህጎም።

ህዝብታት ንስርዓተ ምልኪ፡ ዓመጽ፡ ኣምሱልነት፡ ኣግላልነት፡ ኣድላዊ፡ ዓፈና መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ድማ ይጽየኑ። ይኹንኑ። ህዝብታት ከም ህብዝታት ንመላኺ ዓማጺ ኣተሓሳስባ ይጽየኑ ይኹንኑ ማለት ግን፡ ኩሎም ህዝብታት ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን ሚዝናውያን’ዮም ማለት ኣይኮነን። ኣብ ውሽጦም ዝኾነ ኣሉታዊ ኣበር፡ ኣዕናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት የለውን ማለት ኣይኮነን። ከም’ቲ ቅኑዕ ሕጋዊ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ካብ ህዝቢ ዝፍልፍል፡ ድሑር ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያን ኣሰራርሓን’ውን ካብኡ ካብ ባሕሪ ሓፋሽ’ዩ ዝውለድ። ከም ፍልሖ ካብ መሬት ኣይውጽእን። ካብ ሰማይ ድማ ኣይወርድን።

ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዝውንኑ ወገናት ካብ’ቲ ህዝቢ ስለ ዝወጽኡ ድማ፡ ብናቶም ኣተሓሳስባ ብኣሉታ ዝጸልውዎም መትከል እግሪ ዝኾንዎም ሰባት ኣለውዎም። ስለዚ ስርዓተ ምልኪ ብብዙሓት ድጉፍ ኣይኮነን ክበሃል እንከሎ፡ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ፈጺሙ ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ኣይንጸባረቕን ማለት ኣይኮነን። ይንጸባረቕ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዝሰወደ ምልኪ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚታት’ውን ብዙሕ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ጾታዊ ማዕርነት፡ ዝተስተኻኸለ ኣረኣእያ የለን። ዛጊት ድሑር ተባዕታዊ ትዕቢትን ልዕልነትን ህልዊ’ዩ። እዚ ግን ንኹሎም ደቂ-ተባዕትዮ ዝገልጽ ኣይኮነን። ጸዓዱ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ንዕቀት ኣለዎም። እከለ ዝተባህለ ዓሌት ወይ ብሄር ኣብ ልዕሊ እከለ ዝተባህለ ንኡስ ዓሌት ወይ ብሄር፡ ከምኡ’ውን ኣብ እከለ ዝተባህለ ሃይማኖት ዘምልኹ፡ ኣብ ልዕሊ እከለ ኣብ ዝተባህለ ሃይማኖት ዘምልኹ ሰባት …ወዘተ ናይ ልዕልነት ስምዒታት ከንጸባርቑ ንዕዘብ ኢና።እዚ ኩሉ ግን ንህዝቢ ከም ህዝቢ ንሃይማኖት ድማ ከም ሃይማኖት ኣይውክልን። ንውሑዳት ዝውክል፡ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ኮይኑ ዝስውድ ናይ ድሕረት ፖለቲካዊ ሕማም ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ስለዚ ከም’ቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ብኣብዘሓ ቅቡልነት ዘለዎ፡ ምልካዊ ኣተሓሳስባ’ውን ናቱ ማሕበራዊ መሰረት ከም ዘለዎ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ትሕቲ ፍጹም መላኺ ኣገዛዝኣ’ዮም ዝርከቡ። እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፍጹም መላኺ ኣገዛዝኣ ድማ፡ ካብ ኣብራኽ ህዝብታት ኤርትራ ዝተወልደ’ዩ። ካብ ካልእ ኣይመጽአን። ኤርትራዊ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ደረጃ መነባበሮ፣ ትሑት ፖለቲካዊ ንቕሓት፣ ዘይስጡም ውሽጣዊ ሓድነት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ስነ-ልቦናዊ ኣተሓሳስባ’ውን ሕርሕራይ ገይሩ ስለ ዝፈልጥ፡ እነሆ ምልካዊ መሓውሩ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘርጊሑ ብቕልጽሙ ይገዝእ ኣሎ። ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመር ሒዙ፡ ንህዝቢ ኣንቂሑ ወዲቡ ዘይኮነስ፡ ቅድሚ ሰብኣዊ ክብረት ክብረት ግኡዝ መሬት ሰሪዑ ብዝተዛበዐ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስን ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ናይ ራዕዲ ምሕደራን ኣተኣታትዩ ብዘይ ትርጉም ዘሎ ተቓውሞ ከም ቃሕታኡ ይገዝእ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ድማ ንፍጹም መላኽን ምልካዊ ምሕደራኡን ዝጽየኑ ወገናት ካብ ስርዓተ ምልኪ ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ምቅላስ ይርከቡ ኣለው። እንተኾነ ግን ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ገለ ኣብ ህላወ ኢሳያስን ህግደፍን፣ ሞይቱ ዝተባህለ ቅዋም 1997 ክትግበር፣ ኣሱራት ክፍትሑ፣ ኣዕናዊ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ግዜ ክገበረሉ፣ እቲ ገዛእ ርእሱ ሓራ ዘይወጽአ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝርከብ እኩብ በዓል ብረት ልኡላውነት ሃገር ከኽብር …ወዘተ ዝጠልቡ’ዮም። ገለ ኢሳያስ ብባህሪያዊ ድዩ ብሰብ ብሞት እንተተወጊዱ ሃገራዊ ሰላም ክረጋገጽ’ዩ፡ ልዕልና ሕጊ ክሰፍን’ዩ፡ ዝብል እምነት ኣለዎም። ካልእ ከኣ ብዝኾነ ኣገባብ እዚ ስርዓት ጥራሕ የልግሰልና ዝብል ጠለብ ኣለዎም። ካብ ኩሉ ዝሓሸ ርእይቶ ዘለዎም ድማ፡ እዚ ስማዊ ስርዓት ካብ መሰረቱ ተሓግሒጉ ክጽረግን ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትካእ ኣለዎን ክብሉ ይስምዑ።

ዝበዝሕ ካብ እዚ ኣረዳድኣ’ዚ ገዛእ ርእሱ ዘይተዓረቐ ናይ ኣረኣእያ ጸገማት ዘለዎ’ዩ። ንጹርነት ፖለቲካዊ መርገጽ ዝጎደሎ’ዩ። ካብ’ቲ ብተግባር ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒ ዝፈጠረሉ ምረትን፡ ክኾነሉ ዝምነዮ ሰናይ ድሌትን ጥራሕ ዝብገስ’ዩ። መጻኢ ኣንፈቱ ንጹር ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፍለጥን። ብንጹር ዝተቐመጠ ስልትን ስትራተጂን የለን። ናይ ተግባር መደባትን ስጥመት ውደባን ከም’ቲ ዝድለ ኣይኮነን። ብዘይካይ’ቲ ፍጹም መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ካብ መሰረቱ ኣልጊሱ፡ ብሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ክትካእ ኣለዎ ዝብል ሸነኻት፡ መብዘሕቲኡ ሓሳባዊ ለውጢ ዘይኮነ ኣካላዊ ለውጢ ዝደሊ’ዩ ዝመስል።

ኣብ’ዚ ድማ’ዩ ዘሎ እቲ መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ጸገም። ስለምንታይ’ሲ ኣካላዊ ለውጢ ማለት ኢሳያስ ኣልጊስካ ብካልእ ብርሃነ ድዩ መሓመድ ዝተባህለ ስም ምቕያር ማለት’ዩ። ብሓጺሩ ናይ ሰባት ምልውዋጥ ንሓደ ግዙእ ግፉዕ ደላዪ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ዘምጸኣሉ ቁም-ነገር የለን። ድሌትን መድሕን ህዝቢ (ህዝብታት) ኣካላዊ ለውጢ ዘይኮነ በተሓሳስባን ተግባርን ዝተወደነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ዩ። ኣካላዊ ለውጢ ማለት’ኮ ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ መልከዓዊ ለውጢ’ዩ። ነቲ ስርዓተ ምልኪ ከም ዘለዎ ክቕጽል ዝገብር’ዩ። ናይ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ልዕልነት እንተደኣ ኮይኑ ግን፡ ብሓቂ ህዝቢ ዝደልዮ ጠለብ ዝምልስ’ዩ።

ንርከበሉ ዘለና ዞባ ናይ ፖለቲካ፡ ኢኮኖሚ፡ ጸጥታ ግርጭት ዘይፍለዮ ዞባ’ዩ። ዳርጋ ኩሉ’ቲ ዞባ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘድልዮ’ዩ። ህዝብታት’ዚ ዞባ ብተፈጥሮ ዘይኮነ ብሰብ ዝሰርሖ ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ ሕሰም ወትሩ ምስተ ሸገሩ’ዮም። ካብ መቑሕ መለኽቲ ስርዓታት ክወጽኡ ወትሩ ምስተቓለሱ’ዮም። ክቃለሱ፡ ክእሰሩ፡ ክስደዱ፡ መስዋእቲ ክኸፍሉ ‘ምበር፡ ባዕሎም ዝውንንዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣጣይሶም ብሰላም ክነብሩ ግን ኣይረኣዩን።

ስለምንታይ? ናይ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዕጥቂ ስለዝጎድሎም። ብቑዓት መራሕቲ ስለ ዘይብሎም። ብሓፈሻ ናይ’ቲ ብጽዲያ ዓረብ ዝፍለጥ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ ገለ ሃገራት ሰሜን ኣፈሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተራእየ ህዝባዊ ተቓውሞ ሒዝዎ ዝተበገሰ ሕቶ፡ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ኣብ መወዳእታ’ቲ ቅኑዕ ሕቶ ከመይ ከም ዝበርዓነ፡ መን ከም ዝተጠቕመሉ፡ ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከብን ድሕሪት ተመሊስና ንገምግሞ’ሞ ካብኡ ክንወስዶ ዘለና ትምህርቲ ንውሰድ። ኣብ ቀረባ ርሕቀትና ዝርከባ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ትማሊ ዘይኮነ ሎሚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዋ እንታይ ብደሆታት የጋጥመን ኣሎ፡ እቲ ዝገጥመን ዘሎ ብደሆ ካበይ ይብገስ ተገዲስና ነንብብ ነመዛዝን። ካብኡ ዝረኸብናዮ ውጽኢት ምስ ርእይቶና ውሽጣዊ ሃገራዊ ሽግርና ኣካይዳና ነነጻጽሮ። ወጽዓና ካበይ ይብገስ፡ ወጻዒና ከመይ ክውገድ ኣለዎ፡ ሕጂ እንታይ ንብልን ንገብርን ኣለና፡ ሸቶና እንታይ’ዩ፡ ጽቡቕ ኣመት ክንረክብ ኢና። ጸገምና ብኣካላዊ ለውጢ ዘይኮነ፡ ብቕኑዕ ናይ ሓሳብ ልዕልና ጥራሕ ከም ዝፍታሕ ክንግንዘብ ኢና። ስለዚ ንሕና ምስ ገዛእ ርእስና፡ ንሕና ምስ ሕድሕድና፡ ንሕና ምስ ጎርባብትናን ዓለምን ከመይን ብኸመይን ነንብብ’ሞ፡ ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንገስግስ። እቲ ፍታሕ ንሱ’ዩ። ካብ ስርዓተ ምልኪ ናብ ስርዓተ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር፡ ኣካላዊ ዘይኮነ ናይ ሓሳብ ልዕልነት ይረጋገጽ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 23-10-2019