Written by: ዛራ ማና

ኣብ ዝኾነ ሓባራዊ ጉዳይ ካብ ብተናጸል ብሓባር ከተድምጸሉ፡ መደብ ኣውጺእካ ክትወፍረሉ እንከለኻ’ዩ ኣድማዒ ውጽኢት ዘምጽእ። ዋላ ምሉእ ንምሉእ ኣበር ዘይብሉ ቅቡልን ሃናጽን ሓሳብ ይኹን፡ ብግቡእ ዘይተወደበ ዝተበታተነ ኣብ ውልቀታት ዝተታሓዛ ርእይቶ ከምቲ ዝድለ ኣየድምዕን ኣየስምዕን። ኣብ ውልቀታት ዝርከብ ቅቡል ርእይቶ፡ እንተተወዲቡ ጥራሕ’ዩ ሓይሊ ፈጢሩ ዘስምዕን ዘድምዕን። ዝተበታተነ ሓናጺ ሓሳባት ዝግምገመሉ፡ ዝቀራረበሉ ውዳበ ክፍጠር ኣለዎ፡፡ ክውደብ ኣብ መንጎ’ቶም ሰብ ጉዳይ ወይ ተዋሳእቲ ዘየሰማምዕ ኣረኣእያታት ምስ ዘጋጥም፡ ብወግዒ ተፈሊጡ ብግልጺ ዝመሓደረሉ፡ እቲ ዘሰማምዕ ከኣ ሓባራዊ መደብ ተታሒዝሉ ናብ ተግባር ዝውፈረሉ መድረኽ ድማ ኣኼባ፡ ዋዕላ ጉባኤ …..ወዘተ’ዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ክስረሓሉ ዝጸንሐን ዝስረሓሉ ዘሎን ቅኑዕን ቅቡልን ሜላ’ዩ።

ኣድላይነት ናይ ሓሳብ ሓድነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኤርትራ’ውን ካብ መጀመርታ 40ታት ድሕሪ ምምስራት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ጀሚሩ ክፍተን ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ’ውን ብሓሳብ ደረጃስ ህልዊ’ዩ። ውጽኢታዊ ዝኾነሉ ታሪኽ ግን ደፊርካ ኣፍካ መሊእካ ትዛረበሉ ኣይኮነን። ተሓሲቡ ተፈቲኑ ‘ምበር ተተግቢሩ ተዓዊቱ ዝብል መረዳእታ ዛጊት የለን። ስለምንታይ’ዩ ካብ መጀመርያ 40ታት ክሳብ ሎሚ ውጽኢታዊ ዘይኮነ? ብሓሳብ ደረጃ ተታሒዙ ብተግባር ዘይተተርጎመ ገነ ዘይተመለሰ ሕቶ’ዩ። በቶም ናይ ትማሊ ኮነ ናይ ሎሚ ተዋሳእቲ ዝቕርብ ምኽንያት ብዙሕ’ዩ። ብቐረባን ብዕምቆትን ምስ ዝግምገም ግን እቲ ዝወሃብ ምኽንያት ዘዕግብ ኣይኮነን።

መዛግብቲ ታሪኽ ፖለቲካ ኤርትራን ሰብ ጸጋ ዕድመ ኤርትራውያንን ከም ዘረጋግጽዎ፡ ኣብ’ቲ ብሓባር ዘራኽብ ጉዳይ ብሓባር ንዘይምስራሕ ዝቐርብ መመኽነይታ ቅቡል ኣይኮነን። ስለምንታይ? ውሽጥኻ ህዝቢ ኣሳቲፍካ ብግቡእ ከይገምገምካ፣ ጉድለትካ ብግልጺ ከየልዓልካ፣ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣረኣእያ ከይወነንካ፣ፖለቲካዊ መርገጽካ ንፈታውን ጸላእን ብወግዒ ከይሓበርካ፣ ግልጽነት ብዘይብሉ ኩሉ ሕማቕ ነገር ናብ’ቲ ካልእ ምስባብ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣበር ዘይብሉ ህዝባውን ደሞክራስያውን ገይርካ ምቕራብ፡ ዘይደሞክራስያውን ዘይሃናጽን ድሑር ፖለቲካዊ ባህሊ ሰፊኑ ስለ ዘሎ።

ባዕላዊ ሕመቕካ ናብ ካልእ ብምልጋብ ( ምስባብ) እንታይ ክንገብር በዓል እከለ ዓንቂፎምና፡ ወድዓዊ ኩነታት ዘርዩና፡ እናበልካ ካብ ሓቅን ሓላፍነትን ምህዳም ዘይንቡር ክንሱ፡ ከም ንቡር ተወሲዱ ይስረሓሉ ስለ ዘሎ’ዩ። ዝተፈላለየ ሓሳባት ሒዝካ ትኣትወሉን ናይ ሓሳብ ሓድነት ሒዝካ ብሓባር ትወጽኣሉን ትርጉም ዘለዎ ኣኼባ፡ ዋዕላ፡ ጉባኤ ኣብ ታሪኽን ተመክሮን ፖለቲካ ኤርትራ ዛጊት ኣይተመዝገበን።

ካብ መጀመርያ 40ታት ክሳብ ምፍራስ ፈደሬሽን፣ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን 1961 ክሳብ ምንፍጫል ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ተሓኤ፣ ካብ 70ታት ክሳብ ተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ጠቕሊላ ዝወጽኣትሉ መጀመርያ 80ታት፣ ካብ መጀመርያ 80ታት ክሳብ 1991 ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ካብ ማህጸን ተሓኤ ዝተጨጭሑ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዝተገብሩ ፈተነታት ኣይተዓወቱን። ነቶም ኣብ በበይኑ እዋናት ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ዝተገብሩ ናይ ምሕዝነትን ሓድነትን ፈተነታት ከይሓወስና፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንሃገራዊ ቻርተር (ኤምሃቻ) 1992፣ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ 1999፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ምንቅስቓስ ሕድሪ፣ መድረኽ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ….ወዘተ ዝኣመሰሉ ብዙሕ ፕሮፖጋንዳዊ ምውዕዋዕ ዝተገብረሎም ሓባራዊ ኣኼባታት፣ ዋዕላታት ጉባኤታት ክካየዱ ህዝቢ ሰሚዑን ተዓዚቡን’ዩ።

እዞም መድረኻት እዚኣቶም ብዙሕ’ዩ ተዘሪብሎም። ብዙሕ ገንዘብ’ዩ ፈሲሱሎም። ብዙሕ መብጸዓዩ ተኣትዩሎም። ብፋሽሽታዊ በትሪ ህግደፍ ዝግረፉ፡ ብራዕዲ ዝመሓደሩ ዘለው ህዝብታት ኤርትራ’ውን ከም ዜጋታትን ህዝብታትን ሓራ ክኾኑ ብዙሕ’ዮም ተተስፍዮም። ኣኼባ ተኻይዱ፣ ዋዕላ ተገይሩ፣ ጉባኤ ተሰላሲሉ ብተግባር እንታይ ውጽኢት ኣምጺኡ እንተተባሂሉ ግን መልሱ ምንም ዝብል’ዩ። እቲ ኩሉ ዝተዘርበሉ ተራ ግዝያዊ ፕሮፖጋንዳዊ ድኻም ኮይኑ ተሪፉ። እቲ ንህዝቢ ዝተኣትወ መብጸዓ በኒኑ ተሪፉ። እቶም ተዋሳእቲ ተመባጻዕቲ ቃሎም ብዘይምኽባሮም ክስከፉ፡ ብወግዒ ይቕረታ ክሓቱ፡ ካብ ጉድለቶም ክመሃሩ ዝግበኦም ክንሶም፡ ብኣንጻሩ ምንም ጉድለት ከምዘይፈጸሙ ክወራዘዩ ነቲ ዝቐደመ ጌጋ ዝደግም ንጥፈታት ክገብሩ ጸኒሖምን ኣለው።

ብዕድል ህዝብን ሃገርን ይምሕሉን ይጥሕሉን ከም ዘለው ሓላፍነትን ተሰሚዕዎም ኣይስከፉን። እቲ ቀዳማይ መድረኽ ዘይተዓወተሉ ምኽንያት ብዕምቆት ከይገምገሙ፡ ኣብኡ መርገጽ ወሲዶም ነብሶም ከይነቐፉ፡ ንህዝቢ ምሉእን ወግዓውን መረዳእታ ከይሃቡን ከም ጉድለት ዘይፈጸሙ ኣብ ተመሳሳሊ ርእይቶ ጋም ማን ክብሉ ህዝቢ ክዕዘብ ጸኒሑን ኣሎን።

ነቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ምሕዝነትን ሓድነት መሰረት ገይሩ ዝተበረ ኣኼባታት ዋዕላታት ጉባኤታት ንጎኒ ገዲፍና፡ ካብ 1992 ኣብ ስዑዲያ ዝተኻየደ ኤርትራዊ ምሕዝነትን ሃገራኢዊ ቻርተር (ኤምሃቻ) ክሳብ’ዚ ሎሚ ኣይምውት ኣይስሩር ኮይኑ ዝሰሓግ ዘሎ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ እቶም ዝደሓሩ ካብ’ቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ዘይተዓወተ መድረኻት፡ ተመክሮ ወሲዶም ኣረኣእያኦምን ኣሰራርሓኦምን ኣሪሞም ክኸዱ ኣይረኣዩን። ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ፡ ካብ ናይ ካልኦት መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ውድቀት ዘይመሃር ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ከኣ ብዘይጥርጥር፡ ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ዝተዘርገ፡ ብቑዕ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ዝሰኣነ ኣካላዊ ምሕዝነታት’ዩ። ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ምህላው ጸጋ ‘ምበር ሓጥያት፡ መንገዲ ፖለቲካዊ ዕቤት’ምበር ናይ ለውጢ ዕንቅፋት ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ዝፈላልን ዘሰማምዕን ነጥብታት ተነጺሩ፡ ኣብ’ቲ ብሓባር ዘቃልስ ምትእኽኻብ ክግበርን ብተግባር ክስረሓሉን ኣይተራእየን። ምስ ብዙሕ ሓሰሩን ጉርዱን ተሰማሚዕና ተዓዊትና ተበሂሉ ንሓጺር ግዜ ከበሮ ይድሰቐሉ። ርሑቕ ከይጸንሐ ድማ ይሕማም’ሞ ብዘይ ወግዓዊ ኣዋጅ ይመውት። ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ፍሩይ መግለጺ ኣካላዊ ምትእኽኻብ መርሖ ኣልቦ ደንበርበርን ከቢድ ሞራላዊ ውድቀትን’ዩ።

ከም መርኣያ ናይ’ቲ ዘይመትከላዊ ምትእኽኽባ ድማ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ‘ምበር ናብ ዝሓሸ ደረጃ ይሰጋገር የለን። ከም ሰባት፡ ከም ዜጋታት ኮነ ከም ህዝብታት ድማ እነሆ ንከቢድ ሓደጋ ተሳጢሕና ንርከብ። ብከም’ዚ ዘለናዮ ክንቅጽል ኣይንኽእልን። ነዚ ባርነታዊ ምሕደራ ተሰኪሙ ዝቕጽል ሕልና ክህልወና’ውን የብሉን። ስለምንታይ’ሲ ብኸምዚ ዘለናዮ ክንቅጽል ዝሓስብ የዋህ እንተሃልዩ፡ ህዝባዊ ልኡላውነትና ኣብሪሱ፡ ሃገራዊ ልኡላውነትና ኣፍሪሱ ምሉእ ንምሉእ ሰብኣዊ ክብረትን ሃገራዊ መንነትን ናብ ዘይብሎም ሕሱራት ሰባት ምውራድ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ።

ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ሎሚ ገጢሙና ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ከም’ቲ ኣብ 1991 ብሓይሊ ዝተሳዕረ፡ ብ1993 ከኣ ብሕጊ መደምደምታ ዝተገብረሉ ሰብ ኣምጸኦ ‘ምበር ዘይድፋእ ባህሪያዊ መዓት ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ ካብ’ዚ ዘለናዮ ዝሩግ ኩነታት ክንወጽእ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምርጫ ዘይኮነ ግዴታ’ዩ። ከመይ ንቃለስ ከም’ቲ ዝሓለፈ ብጸቢብ ግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ እንተመራሕና ወይስ ንጹር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ወኒና? ፖለቲካዊ ቋንቋ መትከላዊ፡ ዘሰሓሕበና ድማ መትከላዊ ብምግባር? ኣጸቢቕና ክንሓስበሉ ምስ ባህሪና ክንዕረቐሉን ዘለና ኣገዳሲ ዛዕባ’ዩ። ኣካላዊ ምትእኽኻብን ምሕዝነትን ወጊድ ክበሃል ኣለዎ፡፡ ካብ ዝመጻእናዮ ግጉይ ኣፈታትሓ ግርጭት ወጺእና ንጹር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ብምውናን ውግንናና ንብዙሓትን ውጹዓት ክገብር ኣለና። ናብ መንገዲ ዓወትን ሃገራዊ ምዕባለን ዘብጽሑና ቅኑዓት ስትራተጂታትን ፖሊሲታትን ቀሪጽና ውሁድ ሓባራዊ ግብራዊ ንጥፈታት ከነካይድ ኣለናን ይግባእን።

ማይ ቤት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝርገትናን ድኽነትናን ዝነብር ናይ ጠለምትን ገፋዕትን ኳና ምዃኑ ተገንዚብና፡ ካብ ኣሰልቻዊ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ወጺእና ብናይ ሓሳብ ሓድነት ተጠርኒፍና ንውፈር። መድረኻትና ብሓቂ ሓሳብ ብሓሳብ ዝጋጨውሉ ነጻ ኮይና ንበሃሃለሉ ኣረኣእያታት ዝንጸረሉን ዝጥመርሉን መድረኻት ክኸውን ኣለዎ። ኣነ ፈላጥ ዝብል ጸረ ምዕባለ ዝኾነ ኣረዳድኣ ወጊድ ኢልና፡ ኩሉ ግዜ ሓድሽ ሓሳባት ክንሰምዕ፡ ኣብኡ ክንመራመር ተመሃሮ ኮይና ክንርከብ ኣለና። ሕዙናት ክንስና ከም ሕጉሳት ብዙሕ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣብ ዘይንጸባረቐሉ ጓይላን ዳንኬራን ግዜና ከነጥፍእ ኣይግባእ።

ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዝውደብ ሓባራዊ ኣኼባ፡ ዋዕላ ኮነ ጉባኤ ናይ ኣረኣእያ ጽሬት ዝካየደሉ ክኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ብዙሕ ክትዓት ኩልና ንዓግበሉን ብተግባር ሓቢርና ንሰርሓሉ ናይ ሓሳብ ሓድነት ሒዝና ንወጽኣሉ መድረኻት ክኸውን ኣለዎ። ውጽኢት ኣኼባ ታሕተዎት ካድራትን ሓፋሽ ህዝብን በብደረጃኡ ብሕጋዊ ሰነዳት ኣብ እዋኑ ዝከታተልሉን ርእይቶኦም ዘስፍረሉን ክኸውን ይግባእ። ላዕለዎት መራሕቲ ውድባት ከም ቃሕታኦም ደስ እንክብሎም ብመልክዕ ምጽወታ ንዕኦም ብዝጥዕም ኣገባብ ዝተኹቡልካ፡ ደስ እንተዘይልዎም ከኣ ሓበሬታ ዝነፍጉኻ መድረኻት ክኸውን የብሉን። ላዕለዎት መሪሕነታዊ ኣካላት ናይ ሓጺር ግዜ ልኡኻት ‘ምበር ከም ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደስ ዝበሎም ዝገብሩ ነበርቲ ሓወልቲ ተገይሮም ክውሰዱ የብሎምን፡፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ዝድይብሉ ሰባት፡ ገበርቲ ሓደግቲ ዝኾንሉ ዕድል ክዕጸሎ ኣለዎ። ብምሉእ ርሱን ተሳትፎ ታሕተዎት ካድራትን ህዝብን ዘይሃብተመ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ሰነድ፡ ብወግዒ ኣብ እዋኑ ዘይወረድ ውጽኢት ኣኼባ፡ ዋዕላን ጉባኤን ዝኾነ ስምምዓት ካብ ክግበር ዘይክግበር’ዩ ዝምረጽ። ስለዚ ዝሓለፍናዮ ኣብ ጌጋ ዝነብርን ዘንብርን ስማዊ ምሕዝነትን ሓድነትን ፎእ ክበሃል ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብኣካል ኣጽሊልካ፡ ዘይልባዊ ወይ ዘይመትከላዊ ፖለቲካዊ ቃላትን ሓረጋትን ተለዋዊጥካን፡ ሳዕሲዕካን ምውጻእ ንህዝብታት ኤርትራ ዝህቦ ረብሓ ስአ ዘየለ ይኣክል ኣካላዊ ምትእኽኻብ ሕራይ ንሓሳባዊ ምሕዝነት ክበሃል ኣለዎ።

ስለዚ ብመን ብዘየገድስ ንቕድሚት ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝግበር ሓባራዊ ኣኼባ፡ ዋዕላ፡ ጉባኤ፡ ሰሚናር ምሉእ ንምሉእ ካብ ኣካላዊ ሓድነት ዝደሓነ ክኸውን ኩሉ ደላዪ ለውጢ ብግቡእ ክከታተሎም ኣወንታዊ ተሳትፎኡ ከረጋግጸሉን ይግባእ። ጠንቂ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድቀትና ብርግጽ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ንጉጅለ ህግደፍ ስዒርናን ወጊድ ኢልናን ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ከይንህሉ ዓንቂጹና ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ንሕና እቶም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ተሓተቲ ኢና። ዝተዘርገ ሓሳብና ከነጽርን ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይከኣልናን። ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዘይጻወር፡ እግረ መንገዱ እናወሰነ ዝኸይድ ሓላፍነት ዘይስመዖ ልጓም ኣልቦ ሃላሊ ርእይቶታት ሒዝካ ዝጽዋዕ ሓባራዊ መድረኻት ኣወንታዊ ውጽኢት ከምጽእ ምጽባይ የዋህነት’ዩ።

ድኻምናን ፍሽለትናን ልቢ ኢልና እስከ ንፈትሾ ንመርምሮ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሓደ ሓባራዊ ኣኼባ፡ ዋዕላ ጉባኤ ንገብር ኣለና ወይ ይግበር ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብመራኸቢ ብዙሓን ይዝርጋሕ። እቲ ክገበር’ዩ ንገብር ኣለና ዝብል መቓልሕ ልክዕ ተረጋጊኡ ሃገር ከም ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ዓይነት፡ እቲ ኣጀንዳ ኣቐዲሙ ንፈታውን ጸላእን ረኣዩልና ስምዑልና ተባሂሉ ይብተን። ኣቐዲሙ ምዝጋሑ ዘይቅኑዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ትሕዝቶኡ ሓድሽ ዘይብሉ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ፡ መጽናዕትን ውሁድ መንፈስ ዝጎደሎ ብይኹን ይኹን ዝተዳለወ፡ ምውጋድ መላኺ ስርዓትን ምኽባር ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝብል ይኸውን።

መሰረታዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክርኢ ሃሃር ዝብል ዘሎ ህዝቢ ድማ ካልእ ዝሪኦ ስለ ዘይብሉ ሎሚስ ግዲ ይልብሙ ይኾኑ ኢሉ ብተስፋ ክጽበ ይጅምር። እንተኾነ እቶም ሰብ ጉዳይ ማለት ናይ ሓባር ኣኼባ፡ ዋዕላ ድዩ ጉባኤ ንገብር ኣለና ዝብሉ ወገናት፡ ዝዘርግሕዎ ዛዕባ ምስ ኣንበብካ ገና ዘይፈትሕዎ ጸገም ከም ዘለዎም ትግንዘብ። ካብ’ቲ ምውጋድ መላኺ ስርዓትን ምኽባር ሓድነትን ህዝብን ሃገርን ዝብል ወጻኢ፡ ብሰፊሑ ክዝረበሎም ብመጽናዕትን ዓሚቕ ክትዓትን በሲሎም ክሓልፉ ብትብዓት ነጥበ ስምምዓትን ፍልልያትን ተነጺሩ፡ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጸሓሎምን ዝግባእ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ተዘንጊዖም ይጸንሑኻ ‘ሞ ትግረም።

ኣብ’ቲ ዝተታሕዘ ዛዕባ መትከላዊ ስምምዕ ከምዘየለ’ውን ትርዳእ። ንኣብነት ህግደፍ ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ። ግን ኣብ ከምኡ ዝብል ፖለቲካዊ መደምደምታ ዘይበጽሑ ኣካል ናይ’ቲ ይገብር ኣሎ ወይ ክገበር’ዩ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ኣኼባ፡ ዋዕላ ድዩ ጉባኤ ዝኾኑ ውድባት ኣለው። ጉጅለ ህግደፍ ጠንቂ ናይ ኩሉ ገጢሙና ዘሎ ቅልውላው ምዃኑ፡ ስለዚ ከኣ ጸላኢ ምዃኑን ጠቕሊሉ ክወገድ ከም ዘለዎን ዘይኣምን ኣረኣእያ ዘለዎ ምትእኽኽባ ኣካላዊ ‘ምበር መትከላዊ ዘይምዃኑ’ዩ ዘመልክት። ህግደፍ ጸላኢ’ዩ ዝብል መርገጽ ከነጽር ዝኸብዶ፡ ጠቕሊሉ ክውገድ የብሉን ኢሉ ዝማጎት፡ ኢሳያስን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ውልቀ ሰባትን ብፖለቲካዊ ባህሪኦምን ተግባሮምን ዘይኮነ ብትውልዶም ኣይናትናን ስለ ዝኾኑ፡ ንዕኦም ኣልጊስካ ተጸጊኑ ክቕጽል ኣለዎ ኢሎም ዝከራኸሩ ወገናት ዝሓቖፈ ምትእኽኻብ እንታይ ለውጢ የምጽእ ንምትንባይ ኣየጸግምን። እዚ ኣካላዊ ምሕዝነትን ‘ምበር ናይ ሓሳብ ናይ ዕላማ ሓድነት ኣየመልክትን። ብተዘዋዋሪ ድማ ንህልውና ህግደፍ ዝጣበቕ ውዱቕ ርእይቶ’ዩ።

እቲ ምኽባር (ምዕቃብ) ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝብል ብተመሳሳሊ ኣብ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ዘይተበጽሓሉ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ፍልልያት ዝሓቖፈ’ዩ። ኣብ ባህርን ተግባርን ጉጅለ ህግደፍን ከመይነት ኣወጋግዳኡን ኣብ ሓደን ሓባራዊ መትካላዊ ስምምዕ ከይበጻሕካ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ካብ መን ኢኻ ትከላኸል ንጹር ኣይኮነን። ካልእ ኤርትራ ናይ ሓደ ህዝቢ ሃገር ኣይኮነትን። ብብዙሑነት ዝቖመት ሕብረ ብሄራዊት ሃገር’ያ። ነቶም ብጉጅለ ህግደፍ በደል በጺሕዎም፡ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ኣልዒሎም ብብሄራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለው ወገናት ከመይ’ዩ ዘተኣናግዶም? ነዚ ናይ መሰል ሕቶን መልክዕ ውደባን ብእምነት ብመትከል ዝቕበልን ብተግባር ድማ ዝሰርሓሉ፡ ኤርትራ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ምዃና ኣሚኑ ዝቃለስ ኣሎ። ብኣንጻሩ ኤርትራ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ምዃና ዘይቅበል፡ ብብሄራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ተወዲብካ ምቅላስ ብቋንቋ ህግደፍ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒት ኢሉ ዝኣምንን ዘጸልምን ርእይቶ ዘለዎም ኣለው። ስለዚ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ከይተዓረቐ ዝእቶ ኣኼባ፡ ዋዕላን ጉባኤን ካብ ዝተለምደ ኣካላዊ ሓድነት ዝተፈልየ ፍረ ምጽባይ ከቢድ’ዩ። ኣብ ቅድሚና ዝግበር ሓበራዊ ኣኼባ፡ ዋዕላን ጉባኤን ከም’ቲ ንደልዮ ክኾነልና ግን ካብ ሕጂ ኩሉ ግዱስ ብቐረባ ክከታተሎ ኣወንታዊ ደገፍ ክገብረሉ ፖለቲካና ብሓቂ ፖለቲካ ፖለቲካ ክመስል ክረባረብ ኣለዎ።

                                                 ካብ ዛራ ማና

                                                 15-03-2020