Written by: ዛራ ማና

ኣብ ሃገራት ዘጋጥም ውድቀት መሰረቱ ብክልተ ምኽንያት’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ሓደ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ዝወለዶ ግጉይ ዘቤታዊ ፖሊስን ኣሰራርሓን ። ካልኣይ ካብ ግዳም ዝመጽእ ተጻብኦን ጽልእን። እቲ ካብ ግዳም ዝብገስ ተጻብኦን ጽልእን ንገዛእ ርእሱ ክልተ መልክዕ ከም ዘለዎ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ተገዲዱ ወይ ተዓዲሙ ዝኣትዎ ጽልኢ ድዩ ወይስ፡ ባዕሉ ኣንቂዱ ዘበገሶ ተጻብኦን ጽልእን? ብንቕሓትን ብዕምቆትን ክግምገምን ልክዕ ዝኾነ መርገጽ ክውሰደሉን ይግባእ። ስለምንታይ’ሲ ካብ ግዳም ዝመጽእ ኩሉ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጻብኦ፡ ጽልእን ጎቦጣን ጥራሕ ስለ ዘይብገስ።

ንኣብነት፡- ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ዝተናወሐን ዝመረረን ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ጠንቁ ብዘየደናገር ግዳማዊ ተጻብኦን ጎቦጣን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር’ዚ ብደይ መደይ ካብ ግዳም ዝመጽአ ተጻብኦን ጎቦጣን ክምክት ሓቢሩ ደው ክብል፡ ታሪኻዊ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ዘእምን መርተዖ ስለ ዝነበሮ’ዩ፡ ናብ’ቲ ደማዊ ኲናት ተገዲዱ ኣትዩ። ኣብ እዋኑ ብዝነበሩ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ዓንገልቶምን ብዝኽተልዎ ዝነበሩ ዓመጻዊ ኣገባብ ተገዲዱ ‘ምበር ደሙ ከፍስስ ወይ ደም ካልኦት ከፍስስ ደስ ስለ ዝበሎ ፈትዩን ረድዩን ኣይኣተዎን። ተዓዲሙ’ዩ ኣትይዎ። ብዙሕን ክቡርን ዋጋ ከኣ ከፊልሉ። ሃገራዊ ነጻነቱን ህዝባዊ ሓርነቱን ንምጉንጻፍ ተገዲዱ ኣብ ዝኣተዎ ደማዊ ኲናት ብዝኸፈሎ መስዋእትን ዝተጎናጸፎ ዓወትን ከኣ ወትሩ ክሕበን ይግበኦ።

ኣብ’ዚ ዝኣተወሉ ምኽንያት፡ ዝገጠሞ ናይ ቀረባን ርሑንቕ ዝተዋደደ ተጻብኦ፡ ዝኸሰሮ ግዜ፡ ዝኸፈሎ ሰብኣውን ነዋታውን ዋጋ፡ ከም ህዝቢ ዘርኣዮ ፈተኽ ዘይብል ጽንዓትን ተወፋይነትን፣ ዓው ኢሉ ክዛረበሉ፡ ክትርኸሉ፡ ብግቡእ ሰኒዱ ክምህረሉ ቅኑዕን ግድን ክገብሮ ዘለዎን’ዩ። ብሕሉፍ ታሪኹ ክዛረብ፡ ክትርኽ፡ ክስንድ፡ ክምህረሉ ኣለዎ ማለት ግን፡ ኣብ ጽልኢ ክነብር ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዳግም ከምኡ ዓይነት ከየጋጥም፡ ንሱ’ውን ኣብ ልዕሊ ካልእ ተመሳሳሊ ዓመጻዊ ተግባር ከይፍጽም ቅድመ መረዳእታ ንምርካብ’ዩ ክግልገለሉ ዘለዎ።

ነቲ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መርተዖ ዘይነበሮ ብንሕና ንበዝሕ ንሕይል፡ ኣያታት ኣለውና፡ ኣነ ኣደ ንስኻ ውላድ ዝብል ሕሉፍ ስሰዐን ፈጠራዊ ድራማዊ ሕቶን ዝመንቀሊኡ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ በደል፡ መጀመርታ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ መዕለቢ ክረክብ ተቓሊሱ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። ሰላማዊ ሕቶኡ ሰማዒ እዝኒ ምስ ሰኣነ ካልእ ኣማራጺ ክርኢ ባህሪያዊ’ዩ። ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ድማ ምርጫ ወሲዱ። ተዓዊትሉ ከኣ። ስለዚ ከኣ ተሃንዲዱ ንዝመጽኦ ዓማጺ ግዳማዊ ሓይልን ዓንገልቱን ዝሰዓረሉ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ጀግንነታዊ ታሪኽ፡ ንሕጅን ንመጻእን ኣብ ዝጠመተ ዝገብሮ ንጥፈታት ከም መወከሲ ክጥቀመሉ፡ ካብ ነካስ ጽልኢ ብዝደሓነ ከም ህዝባዊ ታሪኽ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ከሰጋገሮ ዘመጉሶም ‘ምበር ዘንቅፎ የብሉን። ምኽንያቱ ተበዲሉ ‘ምበር ኣይበደለን።

ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ብውርደትን ስዕረትን ዓማጺ ሓይልን ዓንገልቱን ብሓበንን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ብሓይልን ብሕግን ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ 1998 ዶብን ባድመን ሽፋን ብምግባር ዝተወለዐ ኣብራሲ ኲናት ግን፡ ጠንቂ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ክደናገር ኣይግባእን። ብትዕዝብተይ ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ጀማርን ወራርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ1998 ዝተወለዐ ኣብራሲ ኲናት ህግደፍ ከም ዝኾነ ተረዲኡ ኣሎ። ገለ ብሕልናኦም ዘይኸዱ፡ ኣብ’ቲ ዘይመረጽዎ መንግስቲ ፍጹማዊ እምነት ዘለዎም፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ትግረዎት ከኣ ብፍላይ፡ መረዳእታ ዘይብሉ ዕሙት ጽልኢ ዘይሕደሩ ወገናት ግን፡ ነቲ ሓቂ ብግልባጡ ከንብብዎን ከንበድብድዎን ንሰምዕ ኣለና። ተጋጊኹም ኢልካዮም ኣይሰምዑን። ጭብጢ ኣምጽኡ ኢልካዮም ኣየቕርቡን። ጭቡጥ መረዳእታ ኣቕሪብካሎም ኣይቅበሉን።

ኢትዮጵያ ትማሊ ጸላኢትና፡ ሎሚ ጸላኢትና። ትማሊ ስርዓታት ሃ/ስላሴን ደርግን ኣድምዮምና፡ ብ1998 ከኣ ወያነ ወሪሩና። ከም’ዚ ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ዝገበረ ወያነ’ዩ። ወያነ ሓሳድ’ዩ። ትግረዎት ዝእመኑ ኣይኮኑን ጠላማት’ዮም። ሳላ መንግስትናን፡ ሓይልታት ምክልኻልናን ግን ንኹሉ ሰጊርናዮ። ከም ዝሓሰብዎ ኣይኮነሎምን። ኣይከሰርናን። ኣይወደቕናን። ከም ህዝቢ ብጎደና ልምዓትን ዕቤትን ንምርሽ ኣለና …ወዘተ ዝብል ሃሰስ ኢልካ ፍረ ነገር ዘይትረኽበሉ፡ ኣዝዩ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ተዓጢቖም፡ ኣንጻር ሓቂ ክነብሑ ንሰምዕ ኣለና።

ካብ ማህጸን ናይ’ቲ ኣላሽ ከይበለ ብዝተናወሐ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝመጽአ ህዝቢ፡ ከም’ዚ ዝበለ ውዱቕ ኣተሓሳስባ ክትሰምዕ ምሒር የሕፍር። ቅድሚ 1991 ኣብ ትሕቲ ጎቦጣ ኢትዮጵያ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ 1998 ድማ እቲ መንግስትና፡ “ንሕና ንሱ” ዝብልዎ መሰል ኣልቦ ገይሩ ብባርነት ጉልበቶምን ገንዘቦምን ዝማጽዮም ዘሎ ጉጀለ፡ ንባድመ ወሪሩ ክልተ ሃገራት ኣብ ዲቕ ዝበለ ደማዊ ኲናት ክኣትዋ ከም ዝገበረ እናፈለጡ ከምዘይፈለጡ ኮይኖም ኣብ ጎኒ ዓማጺ ጉጅለ ምስላፎም ከም ኤርትራዊ ምሒር የቐንዙ።

ሓደ ፍትሓዊ ዳኛ፡ ሞያዊ ርትዓዊ ዳንነታዊ ፍርዲ ክህብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣበጋሲ ወይ ጠንቂ ናይ’ቲ ጉዳይ መን ምዃኑ ኣጻርዩ ክፈልጥ ኣለዎ። መን ጠንቂ ከይፈለጠ ውሳኔ እንተሂቡ ግን፡ ዝሃቦ ውሳኔ ሚዛናውነት ዘየርኢ ግምታዊ ወይ ኣድላዊ’ዩ ክኸውን። ግምታዊ ወይ ኣድላዊ ፍርዲ ኸኣ ቅኑዕ ኣይኮነን። ነቲ ዳኛ ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ የውድቖ። ነቲ ክፍታሕ ዝድለ ዘሎ ጸገም ድማ ካብ መሰረቱ ኣየደቅሶን። ናይ’ዞም ደድሕሪ ህግደፍ ዝሃሉ ዘለው ውሑዳት ግን ከኣ ጸየቕቲ ኤርትራውያን ኣረዳድኣ ‘ምበኣር ኣብ ርእሲ ጉድኣት ጉድኣት፡ ኣብ ርእሲ ስዕረት ስዕረት፡ ኣብ ርእሲ ድኽነትን ስደትን ድኽነትን ስደትን ዝወልድ’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ንህዝቢ ኤርትራ ዘምጸኦ ኣወንታዊ ፍታሕ የለን።

ኣብ ክንዲ ውሽጦም ዝፍትሹ ዝግምግሙ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍብርኾ ሓሶት ከም ዘለዎ ተቐቢሎም፡ ዶብ ሰጊሮም ብሰንኪ እከለ ከም’ዚ ኮይና እናበሉ ይቑዝሙ ኣለው። ንዓንዳሪ ኣረኣእያን ፋሽሽታዊ ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ ከም ቅኑዕን ቅቡልን ይሕበንሉን። ይኾርዕሉ። መን ከማኻ ይብልዎ። ሓቂ ክሒዶም ብ03 እናተመርሑ ደም ንጹሃት ከፍስሱ ስለዘዋፍሮም ንቑሓትን ቡቑዓትን ይመስሎም። ተዛትዮም ዝተኸልዎ ቅዋም፡ ዝመረጽዎ መንግስትን መራሒ መንግስትን ከም ዘለዎም ኣፎም መሊኦም መንግስትና ሕግና ይብሉ። ወያነ ዝብል ቃል ጸርፊ መሲልዎም ክሳብ ዝዓፍሩ ወያነ ወያነ ይደጋግሙ። ውድብን ህዝብን’ውን ኣይፈልዩን። ናይ ፈታውን ጸላእን መሰረታዊ ፖለቲካዊ መምዘኒታት የብሎምን። ይፈቶ ይጸላእ ጉርብትና ህዝብታትን ሃገራትን ብዘይካ ተሳኒኻን ተኸባቢርካን ኩሉ ግዜ እናተጻረፍካን እናተኾራበብካን ሕቖ ንሕቖ ተዋሂብካ ምንባር ከም ዘይከኣል ኣይርደኦምን።

ኮታ ብኣምለኽቲ ህግደፍ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ተታሒዙ ዘሎ ፖለቲካዊ ርድኢትን ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታትን ኣይኮነን ሃገራዊ ውልቀ-ሰባዊ ሚዛን’ውን የብሉን። ነቲ ብ1998 ብጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተወለዐ ብድሌት ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ቅድሚ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሕጊ ዝተጣየሰ ኮሚሽን ካሕሳ፡ ጀማሪት ናይ’ዚ ኲናት ኤርትራ’ያ ክብል ዝሃቦ ብይንን ህግደፍ ዕረ እናጠዓሞ ብወግዒ ተቐቢልዎ ዝሓደረ ሓቅን ክኽሕዱ ወይ ክዓባብጡ ይፍትኑ። እዚ ግን ዓለም ዝፈልጦ፡ ብግቡእ ዝተሰነደ ስለዝኾነ፡ እንተደለኻ’ውን ክትዓብጦ ኮነ ክትክሕዶ ዝከኣል ኣይኮነን። ብክሕደትን ጸለመን ከኣ ኣይህጠርን። ኣይክበርን። ወራሪ ፖለቲካዊ ባህሪ ካብ ኢትዮጵያ ወገን ‘ምበር፡ ካብ ማህጸን ኤርትራ ክውለድ ኣይኽእልን ብዝዓይነቱ ተዓሚቱ ዝከራኸር ከኣ ጭብጣዊ መረዳእታን ፍትሕን ዝጎደሎ ኣዝዩ ሕሱር ኣረኣእያ’ዩ።

ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ብወግዓውን ዘይወግዓውን (ብ03) ዝግበር ዘሎ ግልባጥ ሓቂ ዝኾነ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ምቕባል፡ ውጽኢቱ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት’ዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ካብ’ዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይልክም ግን ካብ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስያዊ ለውጥን ልዑል ጥንቃቔ ምግባር የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ደላዪ ሰላምን ፍቕርን’ዩ። ኣይኮነን ሎሚ ኣብ ባይታ ዘየለ ህግደፍ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጽልኢ ምስ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ’ቲ ናይ 30 ዓመት ደማዊ ኲናት ዝበጽሖ በደል ዘኪሩ’ውን ቁስሉ ክሓክኽ ኣይደልን። ገዳፍ’ዩ። ባህሪ ህዝብታት ኤርትራ ብቂምን ቅርሕትን ዝግለጽ ኣይኮነን።

ሎሚ ብሰንኪ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ከፋፋሊ፡ ኣዕናውን ወራርን ፖሊሲ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሃገር ከደን ኩለንተናዊ ዕንወት ብሰንኪ ወያነ ኢሉ ዝቑዝመሉ ምኽንያት የለን። ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ውድቀት ኤርትራ እንኮ ተሓታቲ ህግደፍ ምዃኑ ሕርሕራይ ገይሩ ዝፈልጥ ህዝቢ’ዩ። ንምድንጋሩን መኣዝኑ ንምስሓቱን ግን ዛጊት ይስራሕ ኣሎ። ኤርትራ ብናይ ሰብ ደርቂ ክጥቃዕ ዝገበራ ወያነ’ዩ። ክትደኪ ዝገበራ ወያነ’ዩ። ህዝቢ ክስደድ ዝገበረ ወያነ’ዩ። ቀጻሊ ዝኸይድ ዘሎ ጎስጓሳት’ዩ። ጉጅለ ህግደፍን ኣምለኽቱን ተመኺሮም ክሰምዑ ወይ ካብ ግጉይ ተመክሮኦም ክመሃሩ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ባዕላዊ ውድቀትካ ክትሓብእ ንካልእ ምጽላም ግን፡ መግለጺ ብቕዓትን ትብዓትን ዘይኮነ፡ ድርብ ስዕረት’ዩ። ደለይቲ ደሞክራስን ፍትሕን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ድማ፡ ነዚ ድሑርን ዘርኣውን ፖለቲካዊ ወፍሪ’ዚ፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ክንምክቶን መስመሩ ከነትሕዞን ይግባእ።

                                             ካብ ዛራ ማና

                                             20-05-2020