Written by: ዛራ ማና

ሰብኣዊ ፍጡር ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ ይብል ምሁራት ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት። ይኹን ግን ይብሉ እዞም ምሁራት፡ ሰብኣዊ ፍጡር ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ረቛሒታት ኣለዎ። ባዕሉ ተበላሒቱ ዘይኮነስ፡ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ፡ ሕማቕን ጽቡቕን፣ ጎዳእን ጠቓምን፣ ፈታውን ጸላእን ኢሉ ነገራት ዝመምየሉ ልዑል ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ ይብሉ።

ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ብዝተዓደሎ ናይ ምሕሳብን ምምርማርን ህያብ ተጠቒሙ፡ ካብ ዕለታዊ ምንቅስቓሱ ዝመሃር፣ ድሕሪት ተመሊሱ ከመይን ብኸመይን መጺኡ ታሪኹ ዘጽንዕ፡ ዝርዳእን ዝዕቅብን፣ ዝነብረሉ ዘሎ ውድዕነት ዘንብብ፣ መጻኢኡ ናበይ ብኸመይን ዝትንትን ዝእምት፣ ንልግሲ ተፈጥሮ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ገይሩ ናብ ረብሓኡ ንምቕያር ዝጽዕት፣ ገዛእ ርእሱን ከባቢኡ ዘመሓድር ዘነባብር ፍጡር ምዃኑ ይምህሩ።

ኩሎም እንስሳታት፡ ገዛእ ርእሶም ዝነብርሉ ካብ ተጻባእትን ጸላእንት ዝከላኸልሉ፡ ዝዕቆብሉ፡ ወሊዶም ንውላዶም ተኸናኺኖም ኣብ ዝብጻሕ ዘብጽሕሉ፡ ካብ ተፈጥሮ ዝተለገሰሎም ህያብ ኣለዎም’ዩ። ንኣብነት፡- ኣዕዋፍ ብኸመይ ጎጀአን ይሰርሓ፡ ደቀን ይምግባ፡ ሓቚፈን ምቖት ይህባ፣ ሳሬት ጸላእታ ተጥቀዓሉ መጻወዲያ ብከመይ ከም እትሰርሕ፣ ድሙ ብዘደንቕ ብልሓትን ጥንቃቐን ኣንጭዋ ከም እትሕዝ፣ ከም ውኻርያ፡ ነብሪ፡ ኣንበሳ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ስጋ ዝምገቡ ኣራዊት፡ ናብ ሃደን ብኸመይ ከም ዝወፍሩ፡ ከመይ ኣድብዮም ቦታ ከም ዝሕዙ፡ ዝደልይዎ እንስሳ ምስ ረኸቡ ፈልዮም ኣብ ጎሮሮ ሒዞም ትንፋስ ብምዕጻው ከም ዝቐትሉ፣

ከምኡ’ውን እንስሳ ዘቤት፡ ከልቢ ንዋንኡ ፈልዩ ከም ዝፈቱ ብተኣማንነት ከም ዘገልግል፡ ከብቲ (ኣሓ) ብከመይ መራሕን ተመራሕን ኮይነን ከም ዝኸዳ፡ ጓሳአንን ደምበአንን ይፈልጣ፡ ብዕራይ ኣብ መንጎ ብእኽሊ ዘቑጸልጸለ ክልተ ግራት ዘሎ ደረት ዝርከብ ሳዕሪ ጥራሕ በሊዑ ምስ ጸገበ ተጠንቂቑ ብዝእተወሉ ደረት ከም ዝወጽእ፡ ተስታይ ኣብ እዋን ማሕረስ ድምጺ ዋንኡ ሰሚዑን ኣኽቢሩን ናብ ኣርዑት ከም ዝቐርብ …ወዘተ ርኢኻ ትግረም። እንስሳ ፈጺሙ ኣይሓስብን ዝብል ርድኢት ጌጋ ምዃኑ ከኣ ትግንዘብ።

ግን ከኣ እንስሳ ብዛዕባ ዝመጽኣሉ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ፡ ዝነብረሉ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት፡ መጻኢ ኣንፈቱን ዕድሉን ፈሊጡ ብመደብ ከም ዝኸይድ መረዳእታ ስለ ዘየለ፡ ብደመ ነፍስ ከም ዝምራሕ፡ ተፈጥሮ ዝለገሰሉ ማእሪሩ ንግዝይኡ ጥራሕ ከም ዝነብር ትርዳእ’ሞ፡ ኣማን ብኣማን ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣሎ ኣብ ዝብል መደምደም ትበጽሕ።

ደቂ-ሰብ ሳሕቲ ዘጋጥም ዘይንቡር ኣፈጣጥራ እንተዘይኮይኑ፡ ኩሎም ማዕረ ዝሓስብሉ ህይወቶም ዝመርሕሉ ዝነባበርሉ ሓንጎል ሒዞም’ዮም ዝውለዱ። ተፈጥሮ ከም’ቲ ኣብ ጾታ፣ ሕብሪ፣ ቁመት፣ መልክዕ፣ ርጉዲ ወይ ቅጥኒ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝረአ ፍልልይ፡ ኣብ ሓንጎል ፍልልይ ኣይገበረን። ወይ ከም ዝገበረ መረዳእታ የለን። ንኹሉ ወዲ-ሰብ ልክዕ ከም ሞት ብማዕረይ’ዩ ሓንጎል ሂብዎ። ነዚ ህይወቱ ክመርሓሉ ከመሓድረሉ ዝተዓደሎ ክቡር ናይ ምሕሳብ ምግንዛብ ተኽእሎ ብማዕረ ክግልገለሉ ግን ኣይረአን። ለባምን ዓሻ ዝብል ሚዛን ድማ ካብ’ዚ ይጅምር።

ገለ ሰባት ገንዘብ ወይ ጥሪት እናሃለዎም፡ ብጉድለት ኣጠቓቕማ ወይ ምሕደራ ኣብ ከርፋሕ ድኽነት ዝነበሩ ከም ዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ገለ ከኣ ተፈጥሮ ብማዕረ ንዝለገሰትሎም ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ብግቡእ ክጥቀምሉ ብዘይምኽኣሎም፡ ገዛእ ርእሶም ጎደሎ ፍጡራት ዝቖጽሩ ኣለው። በዓል እንከለ ‘ምበር ኣነ ደኣ እንታይ ኣፍልጦ ኣለኒ። በየናይ ኣፍልጦይ፡ ምስኡ፡ ምሳኣ ማዕረ እኸውን? ንሱ ወይ ንሳ ካብ ወለዶም ጀሚርካ ዓበይቲ’ዮም፡ ለባማት’ዮም፡ ገዳይም ተጋደልቲ’ዮም፡ ምሁራት’ዮም፡ ስለዚ ኣነ ማዕሪኦም ክስራዕ ኣይክእልን። ብዛዕባ ውልቀ ህይወተይ፡ ብዛዕባ ከመይነት ምሕደራ ህዝብን ሃገርን ንሳ ወይ ንሱ ጥራሕ’ዮም ዝፈልጡ። ኣነ ዝተባሃልክዎ ክሰምዕ፡ ዝተኣዘዝክዎ ክፍጽም ጥራሕ’ዩ ዘለኒ። ጎደሎ’የ። ምሉእ ኣይኮንኩን። እዚ ዕድለይ’ዩ ብዝብል ዝንቡዕን ኣተሓስስባ ፖለቲካዊ ነብሰ ቅትለት ይፍጽም። ኣብ ክንዲ ጎይታ ነብሱ ኣገልጋሊ ወይ ባርያ ናይ ካልኦት ኮይኑ ክነብር ገዛእ ርእሱ የእምን። ኣስታት ን 30 ዓመት ብዘይፈልጥዎን ዘይጠቕሞምን ናይ ጥፍኣት ፖለቲካዊ መስመር፡ ፖሊስን ስትራተጂን ብዘይመረጽዎ መራሕን ሕጉሳት ኮይኖም ክነብሩ ምርኣይ ዘይንቡር’ዩ። ዝኾነ ይኹን ናትና ዝብልዎ ሕጋዊ ፖለቲካዊ መሰነይታ ኣብ ዘይብሉ፡ ሞትናን ሕየትናን ምስ ህግደፍን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝብሉ ዘለው ወገናት፡ ህልዋት ምውታት’ዮም። ደጋዊ ተኸለ ሰብነቶም ርኢኻ ኣብ ሚዛን ናይ ሰብ ከተቐምጦም ዘጸግም ዝወደቐ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዜጋታት’ዮም። ልክዕ ከም’ቲ እንስሳ ልግሲ ተፈጥሮ ከም ዘለዎ ናይ ምጥቃም ዕድል ዘለዎ፡ ንሳቶም ድማ ካብ ላዕሊ እሞ ካብ ሓደ ሰብ ብዝወርደሎም ትእዛዝ እናተመርሑ ዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ ክብረትን ፖለቲካዊ ሓርነትን ዘይብሎም ክንሶም ኣለና ኢሎም ይነብሑ ኣለው።

ከም ተባዕታይ ኣድጊ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ኣሜን ኢሎም ዘገልግልዎ ዝረኸበ ተበላጺ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ከኣ፡ ዘይብሱል ኣተሓሳስባኦም መዝሚዙ ኣብ ቃሕ ዝበሎ መደባት የዋፍሮም ኣሎ። በየናይ ቃላት ይጥበሩ፡ ብኸመይ’ከ ይርዕዱ ውሽጣዊ ስምዒቶም ተቖጻጺሩ፡ ብዘተሃራርፍ ግን ከኣ ዘይትግበር ባዶ ናይ መብጸዓ ቃላት ይጻወተሎም ኣሎ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝተባህለ ብኣታቶም ገይሩ ከኣ ህዝብን ሃገርን የፍርስ ኣሎ። ከም ምሉእ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎም ሰብኣውያን ፍጡራት ዘይኮነ፡ ከም ተኾብኲቢ እንስሳ ወይ መካኒካዊ ማሽን ክጥቀመሎም ዕድል ረኺቡ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ንሱ ዝበሎም ከም ደጋሚት ዑፍ ከም ዘለዎ ክደግሙ ንሰምዕ ኣለና። ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ጉልበቶም ይምዝምዞ ኣሎ። ኣዳመቕቲ ዘይፍትሓዊ ኲናት ይገብሮም ኣሎ። ከም ግኡዝ ነገር ወይ ድማ ከም’ቲ ነጋውስ ቀደም ንደቂ ሰባት ምስ ኣንበሳን ነብር እናበኣሱ ይዛናግዑ ነይሮም ዝበሃል ይዘናገዓሎም ዕድመ ስልጣኑ የናውሓሎም ኣሎ። ነዚ እቲ ሃብታም ባህልና፡ “ዓሸ በትሪ ለባማት” ክብል ይገልጾ። ብሓቂ ከኣ ካብ ተመክሮ ዘይመሃሩ በሃማት ፖለቲካ፡ ኣገልገልቲ ውሑዳት ተበለጽቲ ኮይኖም ህዝብን ሃገርን ለኪሞም ክጠፍኡ ላዕሊ ታሕቲ ክብሉ ንዕዘብ ኣለና። ለበዳ ሕማም ኮሮና ምኽንያት ብምግባር ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘባውን ዓይነታውን ደገፍ ዘይገበረ ኣብ ረፈረንዶም ከምዘየድመጸ ይቑጸር ኢሎም ብወግዒ ዝጉስጉሱ ምሁራዊ ካባ ዝለበሱ ዕሉላት ካድራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ንሰምዓሉ ወቕቲ በጺሕና ኣለና።

ፖለቲካዊ ድኽነት፡ ሰብ ጸጋ ዕድመ ኢና፡ ገዳይም ተጋደልቲ ኢና፡ ምሁራት ኢና በሃልቲ ኣምለኽቲ ህግደፍ፡ ደረት የብሉን። ዝያዳ ግን ኣብ’ቲ ግድን መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ማዕርነታዊ መሰላት ዜጋታትን ህዝብታትን ክረጋገጸሉ ዝግባእ ዓውዲ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ ጎሊሁ ዝረኣ ዘሎ። ናቶም ፖለቲካዊ ሚዛንን መንነትን ዘይብሎም በሃማት፡ ነቶም ብስመ ነጻነት፡ ትማሊ ነበርናን ገበርናን ሃገራዊ ልኡላውነትን ዝሽቅጡ ውሑዳት ጠቕመ ፈሊጣውያን ኣሜን ኢሎም የገልግሉ ኣለው። ውሑዳት ጠቕመ ፈሊጣውያን “ሃሊሉ ንዝመጸካ ኣኽቢድካ ጸዓኖ” ከም ዝተባህለ፡ ከይተሰከፉን ብዘይክፍሊት ኣብ ውልቀ ዋኒኖም የውዕልዎም ኣለው፡፡ ሰብኣውያን ፍጡራት ክንሶም፡ ሰብኣዊ ክብረቶም ገፊፎም ኣብ ውዑይን ዝሑል እናእተው ይጻወትሎም፣ ኣብ ዘይፈልጥ ፈላጣት መሲሎም ክዛረቡ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክምድሩ ብድሕሪት ኮይኖም ከተባብዕዎም፡ ኣብ ገበናዊ ተግባራት ድማ ከዋፍርዎም ክንዕዘብ ጸኒሕና። ገና’ውን ንዕዘብ ኣለና።

እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብን ሃገርን ብሓይሊ ተቖጻጺሩ ካብ ምህላው ወጻኢ፡ ከም ውድብ ሕጋዊ ህላወ የብሉን። ከም መንግስቲ ዝመርሓሉ ኮነ ዝምረሓሉ ቅዋማዊ ሕጊ፡ ስትራተጂን ፖሊስን የብሉን። ግን ከኣ ንነብሱ ከም መንግስቲ ይፈልጥ። ህላወ መንግስትነቱ፡ ዜጋታት ብምስቓይ፡ ብምቕታል፡ ንብረቶም ብምዝማት፡ ኣባይቶም ብምፍራስ፡ ክደኽዩ፡ ክስደዱ፡ ተስፋ ክቖርጹ፡ ሕድሕዶም ከይተኣማመኑ ክፈላለዩ ብምግባር የንጸባርቕ።

ሰብ ጸጋ ዕድመ፡ ትማሊ ቆጽሊ በሊዕና ስለ ዝሓለፍና ናይ ሎሚ ወለዶ በታ ዝሓለፍና’ያ ክሓልፍ ኣለዎ ኢሉም ከይተሰከፉ ዝምድሩ ገዳይም ተጋደልትን ምሁራት ኢና በሃልትን ኣምለኽቱ ድማ፡ ንሕና ንሱ፣ ሃገር ቅድሚ ኹሉ፣ መኸተ፣ ብደሆ፣ ንሕና ነስምዕ ነድምዕ፣ ዶብን ባድመን፣ ወያነ ዓጋመ፣ መን ከማና፣ ኣበይ ከም ፖሊሲና ስርዓተ ምሕደራና …ወዘተ ዝተፈብረኸ ቃላትን ጥቕስታትን ከም ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ከም ሕጋዊ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፣ ከም ፖሊስን ስትራተጂን ተቐቢሎም ከኮማስዕዎን ክምርሕሉን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ኣስታት ን30 ዓመታት ክደጋገም ንሰምዖ ዘለና ብጠቐመ ፈሊጣውያን ዝተፈብረኽበ ናይ ቃላት ጸዋታ ቀመም ናይ ፕሮፖጋንዳ ካም ምዃን ሓሊፉ ፋይዳ የብሉን።

እዞም ብንሕና ንሱ፣ ግኡዝ መሬት ቅድሚ ኩሉ፣ዓወት ንሓፋሽ፣ መኸተ፣ ብደሆ፣ ንሕና ነስምዕ ነድምዕ፣ ዶብን ባድመን፣ ዓጋመ ወያነ፣ ዝብል ኣብ ጽልእን ምድንጋርን ዝተመስረተ ብባዶ ቃላትን ሓረጋትን፡ ዝተኸሸነ ፕሮፖጋንዳ ዝምገቡ ወገናት፡ ከም ህዝብን ከም ሃገርን ሰብኣዊ ክብሮም ኣዋሪዶም የዋርዱና ኣለው። ብሓሳብን ብተግባርን በትሪ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብምዃን ደም ንጹሃት የፍስሱ ኣለው። ታሪኾም ኣብ ጸሊም መዝገብ የስፍሩ ኣለው። ንስለ ረብሓን ዝናን ሓደ ሰብ ብመን ሕራይ ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት ይፍጽሙ ኣለው።

እዚ ከም’ዚ ዓይነት ሕልና ኣልቦ ውድቀት ሰብኣዊ ክብረትን ፖለቲካዊ ድኽነትን ኣብ’ቲ ብሰሪ ኣነባብራኡ ናብ ፖለቲካ ቅርበት ዘይብሉ ተበታቲኑ ዝነብር፡ ሃገራዊ፡ ከባብያውን ዓለማውን ምዕባሌታት ብቐረባ ናይ ምክትታል ዕድል ዘይብሉ ክፍሊ ሕብረተ ሰብና እንተዝረእ ኣይምኸፍአን። ነዚ ዝኸፍአ፡ ዝገርምን ዘሕፍርን ዝገብሮስ፡ ገዳይም ተጋደልቲ ኢና፡ ተማሂርና ኢና፡ ብዛዕባ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ልዕሊ ካልእ ንፈልጥ ኢና ኢሎም ከይተሰከፉ ብዓውታ ብዝጀሃሩ ዜጋታት ይበሃልን ይግበርን ምህላው’ዩ።

በዓል ጸጋ ዕድመ፡ ገዲም ተጋዳላይ፡ ፖለቲከኛ፡ ብኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ፍልጠት ዝደለበ ምሁር፡ በዚ ንመማቕርቲ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ዝተማህዘ ባዶ ቃላትን ሓረጋትን ንክንዲዝ ዝኸውን ዓመታት ክምርሑ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ሓደ ሰብ ክወድቁ ከም ህዝብን ከም ዜጋን ብሕፍረት ርእሲ ዘድድን’ዩ። ከም ሰባት ሓደ ግዜ ይጋገዩ። ካልኣይ ግዜ’ውን ይጋገዩ። ካብኡ ንደሓር ኣይመሃሩን? እንታይ ይብልን ይገብር ኣለኹ ወይ እንታይ ንብልን ንገብር ኣለና ኢሉ/ኢሎም ገዛእ ርእሶም ኣይፍትሹን ኣይግምግሙን? ዕድመን መድረኻትን ቤት ትምህርቲ’ዮም። ካብ ካልእ ከይተጸበዩ ገዛእ ርእሶም ክፍትሹ ክግምግሙ፡ ክእረሙ ክዕረዩ፡ ንህዝቢ ይቕረታ ሓቲቶም፡ ናብ ህዝባዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ መንነት ዘለዎ ጥዑይ ሰብ ክቕየሩ ነይርዎም። ግን ኣይገበርዎን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ናይ ሰብ’ዶ እንስሳ?

ኣስታት 30 ዓመት ብዘይፈልጥዎ ሕጊ ተጠርኒፎም፡ ብዘይመረጽዎ ውልቀ ሰብ ተመሪሖም ህዝብን ሃገርን ለኪሞም ብጎደና ጥፍኣት ይሕንበቡ ኣለው። “ዓሻ በትሪ ለባማት” ዝተባህለ ምስላ ብተግባር ንርኢ ኣለና። “ፍረ ፖለቲካዊ ድኽነት፡ ፖለቲካዊ ነብሰ ቅትለት” ምዃኑ’ውን ከምኡ። ግን ከም’ቲ “ክምብል በለ ‘ምበር ኣይተኻዕወን” ዝተባህለ ውሑዳት ጠቐመ ፈሊጣውያንን ሰብኣዊ ክብሮም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ኣምለኽትን ክንዲ ዝኾነ ጫውጫው እንተበሉ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓትን ውጹዓትን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ፍትሒ ደው ክብሉ ዘኽእሎም ፖለቲካዊ ሕቖ ስለዘይብሎም፡ ለበማት፡ ሓላፍነታውያንን ውፉያትን ዜጋታት፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓሳብ ምስ ተግባር ብምጥዕዓም ብሓባር ወፊርና ከነፍሽሎም ክንረባረብ  ይግባእ።

                                                     ካብ ዛራ ማና

                                                     03-05-2020