Written by: ኣሮን በሩሀ

መሰረት ገድልን ተጋዳላይን ፖለቲካዊ ወጽዓ’ዩ። ኣድላይነት ትምህርቲ ድማ ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ድሕረትን ቁጠባዊ ድኽነትን ምንጋፍ’ዩ። ኣንጻር ወጻዒ ምግዳል ኮነ ምምሃር ከኣ መሰል’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ዘቤታዊ ድዩ ካብ ግዳም ዝመጽአ ብዘይገድስ ነቲ ብፖለቲካ ዝዕፍነካ፡ ብቑጠባ ዝምዝምዘካ፡ ብባህልኻን ቋንቋኻን ከይትጥቀም ዝዕንቅጸካ ገዛኢ ሓይሊ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ብወግዒ ኣይግዛእን እምቢ ኢልካ እንተዘይተቓሊስካዮ፡ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮነካ ድሕረኻ ዝመጽእ ወለዶ ‘ውን ኣብ ባርነት ክነብር’ዩ። ስለዚ ካብ’ቲ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰናይ ፍቓዶም ንሳቶም ርሂጾም፣ ደምዮም፡ ኣካሎም ተቖሪጾም፡ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም በጂዮም ንዝተረፈ ክሕሾ ዝተጋደሉ ህልዋትን ስውኣትን ኤርትራውያን ልዑል ክብሪ ይግበኦም። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም፡ ንግዜኦም ብግቡእ ተጠቒሞም ብቀልምን ሞያን ትምህርቲ ዝደፍኡ፡ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ሊቕነት ዝበጽሑ ዜጋታት’ውን ዝቐሰምዎ ፍልጠት ናይ ውልቂ ሃብቶም ዘይኮነ ነቲ ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ዝነብር ዘሎ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ብኣወንታ ዝጸሉ፡ ዝካፈል ሃብቲ’ዩ ካብ ዝብል ቅኑዕ ሕልና ተበጊስካ ክሙጎስ ክተባባዕ ይግባእ። ናብ ደረጃ መስፋናዊ ኣተሓሳስባ ዘይወረደ ዘይተጋነነ ሚዛኑ ዝሓለወ ክብሪ’ውን ክወሃቦም ይግባእ።

ገድልን ተጋዳላይን ግን፡ ብኣካል ጥራሕ ትዋስኣሉ ሜዳ ኣይኮነን። ናይ ሓሳብ ልዕልና ተረጋግጸሉ ዓውዲ’ዩ። ስለዚ ከኣ፡ መጀመርያ ካብ’ቲ ክትጋደል ዝቐሰበካ ወጻዒ (ጸላኢ) ዝውንኖ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪ፡ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ሰብኣዊ ክብርን ህዝባዊ ባህሪ ክህልወካ ኣለዎ። ናብ ዝበዝሐን ዝተወጸዐን ሓፋሽ ዝወገነ፡ ዘይንቕነቕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ወኒንካ ክትርከብ እንከለኻ’ዩ እቲ ገድሊ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ገድሊ ዝበሃል፡፡ ብውልቀ ሰብን ውድብን ደረጃ ድማ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ተጋዳላይን ውድብን ምዃንካ ዝገልጸካን ምሉእ ፖለቲካዊ ሚዛንን ክብርን ዘውህበካን። ውጹዕ ክንስኻ ወጻዒ ወይ ኣድላዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ኣብ ውሽጥኻ እንተሃልዩ ግን ምግዳልካ ኣካላዊ ‘ምበር ሓሳባዊ ኣይኮነን።

ናብ ገድሊ ዘውይፈረካ ሕቶ ብታሪኽ፡ ብፖለቲካ ኮነ ብሕጊ ቅኑዕ፡ ብተግባር ዝኸፈልካዮ ኩለ-መዳያዊ ዋጋ’ውን ቅቡልን ክቡርን ኮይኑ፡ ብባህሪ ውጹዑ ወጻዒ እንተደኣ ኮይንካ፡ ንድኻምካ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ይገብሮ። ምኽንያቱ፡ ምግዳልካ ናይ ዕድል ዝሰኣነ ውጹዕ ወጻዒ ተራ ህልኽ ‘ምበር፡ ሓቀኛ ደላዪ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ ምዃንካ ኣየርእን። ህዝባዊ ኣረኣእያ ዘይብሉ ገድልን ግድምና ገድልን ከኣ፡ ክንድዝኾነ ወተሃደራዊ ዓወታት የመዝግብ ውጽኢቱ ንጠልብ ህዝቢ ብምልኣት ዝምልስ ክኸውን ኣይክእልን። ህዝባዊ ውግንና ዘይብሉ፡ መስመሩ ዘይነጸረ ንሕና’ኮ ናይ ተግባር ‘ምበር ናይ ዘረባ ኣይኮናን ዝብል ፖለቲካ ማዕበያ (ምልመላ) ከይዱ ከይዱ ህዝባውን ሃገራውን ክሳራ ‘ምበር፡ ህዝባውን ሃገራውን መኽሰብ ኣየረጋግጽን። ከምኡ’ውን ካብ እንክብገስ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ጸረ ምዕባለ ዝኾነ ድሑር ኣተሓሳስባን ንሱ ዝጠንቁ ድኽነትን ምውጋድ ማእከሉ ዘይገበረ ቀለማውን ሞያውን ትምህርቲ ብተመሳሳሊ ዋላ ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ መምዘኒ ሊቅነት ይብጻሕ፡ ተልእኾኡ ዝሰሓተ ትምህርቲ’ዩ ዝኸውን። ኣድላይነት ትምህርትን ተልእኾ ምሁርን ብግቡእ ብሓላፍነት ንዝርዳእ ሰብ፡ ዕላማ ምምሃር ንውልቀ ዝናን ገንዘባውን ነዋታውን ውህለላን ከምዘይኮነ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ብመስከረም 1961 ዝተወለዐ ብረታዊ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ፡ ብግድምናኡ ምስ’ቶም ኣብ ዓለምና ዝነውሐ ዕድመ ዘቑጽሩ ሰውራታት ከም ዝቑጸር ኣየካትዕን። ኣብ’ዚ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ላዕሊ ታሕቲ ዝበዝሖ መሪር መስርሕን ዝሓለፈ ሰውራ፡ ብዙሓት ናይ ንእስነት ዕድሜኦም ብስምዒት፡ ብይኸዱ ስለ ዘለው ብላኼማ ዘይኮነ፡ ብርድኢት ብፖለቲካዊ ንቕሓት፣ ትርጉም ሰብኣውን ህዝባውን ክብረት ተረዲኦም ንስለኡ ክቡር ዋጋ ከፊሎም’ዮም። ዕድመ ንእሰነቶም ጥራሕ ዘይኮነ ኣካሎምን ህይወቶምን በጃ ኮይኖም’ዮም። ክኒዮ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ዝማእከሉ ሓርበኛዊ ወተሃደራዊ ስምዒትን ተወፋይነትን፣ ትርጉም ሰብኣዊ ክብረት ዝርድኡ ህዝባዊ ወገናውነት ዝነበሮምን ዛጊት’ውን ዘለዎምን ንቑሓት ደሞክራስያውያን ባእታታት ነይረሞ ማለት ግን፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበራ ውድባት ኤርትራ ብፍላይ ተሓኤን ህግሓኤ ህዝባውን ደሞክራስያውን ባህሪ ነይርወን ከስምዕ የብሉን።

ተሓኤን ህግሓኤ፡ ንቕሓት ተጋደልትን ህዝብን ሓቀኛ ትርጉም ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነት ክፈልጡ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝኾነ ምኽንያት ዘለቕለቕ ዘይብል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ክዓጥቑ ዝገብር ባህሪ፡ ስትራተጂን ተግባርን ኣይነበረንን። ውጹዓትን ግፉዓትን ኣብ ዙርያአን ብምዕሳል ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእታዊ ሓይልን ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ሓርነታዊ መሰላትን ብንቕሓትን ብብስለትን ከቃልሳ ትጽቢት ዝግበረለን ፖለቲካዊ ውድባት ክንሰን፡ ብሰንኪ ከምኡ ዝገብር ባህሪ፡ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ኣሰራርሓን ዝወነነ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይምርካብ ትሕቲ ትጽቢት ህዝቢ’የን ነይረን። ብድሌትን ሕልምን ብትምክሕትን ጽበትን ዝራግሑ ውሑዳት ወሰንቲ መሪሕነታዊ ኣካላት ዝዝወራ ውድባት’የን ነይረን። ስለዚ ከኣ ብራዕድን ኣምልኾን ዝተኣስረ ኣእምሮ ‘ምበር፡ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ዝሰመዖ ረብሓን መሰልን ህዝቢ ዘኽብር፡ ባዕሉ ተኻቲዑ ብዘጽደቖ ሕግን ብነጻነት ብዝመረጾም መራሕትን ዝምራሕ ሓርነታዊ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ኤርትራ ክዝራእ፡ ክበቁል፡ ክዕንብብን ክፈርን ኣይገበራን። ከምኡ ክገብራ ትልሚ ከም ዝነበረ ዘርድእ ጭብጢ’ውን የለን። ሕጂ ኣብ ኤርትራውያን ተፈጢሩ ዘሎ ዝርገተ ሓሳብን ኩለንተናዊ ውድቀት ከኣ ናታቶም ፍርያት’ዩ።

ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ገለ ወገናት፡ ሎሚ ኣብ ክንዲ ካብ ዝነበረ ናይ ባህርን ኣሰራርሓን ጌጋታት ተማሂሮም ሰብኣውን ህዝባውን ኣረኣእያ ወኒኖም ወገን ህዝቢ ዝኾኑ፡ ብኣካል ኣብ መሳራዕ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብባህሪኦም ኣብ’ቲ ዘዕበዮም ጸረ-ደሞክራስያዊ ትምክሕታዊ ደምበ ክስለፉ ምርኣይ ከገርም ኣይክእልን። ንሳቶም ዘዕበዮም ፖለቲካዊ ባህሊ መሲሎም’ዮም ዝኸዱ ዘለው። ሰውራ ኤርትራ ኸኣ ዝዘርኦ’ዩ ዝዓጽድ ዘሎ።

ነዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ብ20 ነሓሰ 2020 ስሙ ክጸርሖ ዘይደለኹ ሰብ ኣብ ቴሌቭዥ ኣሰና ብዛዕባ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሓቲቱ ዝሃቦ ፖለቲካዊ ብስለትን ሓላፍነት ዝጎደሎ መልሲ’ዩ። እዚ ሰብ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ። ብትምህርቲ ኣብ ደረጃ ሊቕነት ዝበጽሐን ኣብ’ቲ ዝማዕበለ ዝበሃል ክፍሊ ዓለም ዝነብርን’ዩ። ብዕድመ’ውን ዓቢ’ዩ። ዝሃቦ መልሲ ግን፡ ካብ ገዲም ተጋዳላይ፡ ካብ ምሁር፡ ብዕድመ ካብ ዝበሰለ ሰብ ክወጽእ ትጽበዮ ኣይኮነን። ቅድሚ ሎሚ እቲ ዕለትን ወርሕን ብልክዕ ክዝክሮ ኣይከኣልኩን ግን ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ምስ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኲነት ብመሰረት ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መግለጺ ምሃቡ ተኸቲሉ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብ ባድመ ዘለው ሰፋሮ “ራዖኦም ጠቕሊሎም ክወጽኡ ኣለዎም” ዝብል ንብዙሓት ዘሰምበደ መግለጺ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። ባድመ ንኤርትራ ስለ ዝተወሰነ መሬትና ክንርከብ ኣለና እንተዝብል ብኹሉ ሽነኹ ቅቡል’ዩ። በቲ ናቱ ግድምና ገድሊ፡ ደረጃ ትምህርትን ዕድመን ኣብ ባድመ ዘለው ሰፋሮ ራዖኦም ጠቕሊሎም ክወጽኡ ኣለዎም ክብል እንከሎ ግን፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ልክዑ ዝሓለፎ ንዕቀት’ዩ ኣንጸባሪቑ። እዚ ድሑርን ጨፍላቕን ኣረኣእያ’ዚ ካብ’ቲ ልዕሊ ህዝቢ ነብሱ ዝሰርዕ ዝዓበየሉ ፖለቲካ ዝተቐድሐ’ዩ። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ድማ’ዩ፡ ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከይተሰከፈ ኣንጸባሪቕዎ። ነቲ ንሱ ዝሃቦ ሕሱር መልእኽቲ ዝተኸታተሉ ሰባት ኣብ እዋኑ ዘንጸባርቕዎ ዝነበሩ ርእይቶ ኣይርሰዖን፡፡ ከም መደምደምታ ናይ ክትዖም ዝተበሃልካዮ ግበር እናተባህለ ዝዓበየ ኣባል ህግደፍ ካብዚ ወጻኢ ክብል ትጽቢት ኣይግበር ክብሉ ብእዝነይ ሰሚዐ፡፡ ከም ኤርትራዊ ድማ ብምግለጺ ገሪሙንን ፖለቲካዊ ሕፍረት ተሰሚዑኒ።

ብ20 ነሓሰ 2020 ኣብ ቴሌቭዥን ኣሰና ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-ማሕተት ምስተኸታተልኩ ድማ መሊሱ በተሓሳስባ በሽቂጡ ናይ ፖለቲካ ተልመደን ኮይኑን። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣብ ደምበ ፈታዊ ድዩ ኣብ ደምበ ጸላኢ ዝስራዕ ፍርዲ ንምሃብ ዘጸግም’ዩ። ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበሮን ዛጊት’ውን ዘለዎን ምስ ኩነታት ዘለቕለቕ ዘይብል ፍትሓዊ መትከላዊ መርገጽ ንጹር ክንሱ ጸለሎ ክለኽዮ ተሰሚዑ። ከይተሰከፈ ምስ’ቶም ትማልን ሎሚን ዓሰብ ናትና’ያ። ቀይሕ ባሕሪ ተፈጥሮኣዊ ዋንነትና’ዩ ዝብል ወራሪ ሕልሚ ዘለዎም ወገናት ብማዕረ ሰሪዑ ብግልባጥ ናይ’ቲ ሓቂ ከረድኣና ፈቲኑ። ከም መራጎዲ ናይ ተራ ጸለመኡ ኸኣ፡ ወያነ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣባሪሩ ንብረቶም ራስዩ እናበለ ሓላዪ ክመልስ ኣስናኑ ክሕርቅም ተሰሚዑ። ሓድሽ ኤርትራዊ ወለዶ ካብ ከም’ዚኦም ዝበሉ ገዳይም ተጋደልቲ ኢና በሃልቲ፡ ምሁራት ኢና በሃልቲ፡ ዓበይቲ ኢና በሃልቲ ብዘይካድ ድሕረትን ጽልእን እንታይ ኣወንታዊ ተመክሮ ክመሃር ይኽእል?

ብርግጽ ከም’ቲ ንሱ ጉጅለ ህግደፍን ስርዓት ወያነ “ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ስለዘይበለኒ ኢሉ ክንዲ’ዚ ዝኾኑ ኣሽሓት ንጹሃን ኤርትራውያንን ትውልደ ኤርትራውያንን ኣባሪሩ ኢሎም ዝግልጽዎ ኣዝዩ ዝተጋነነ ጽልኢ መሰረቱ ዝገበረን ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዝዓለመ ፕሮፖጋንዳ’ኳ ዘይቅበሎ እተኾንኩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ወሪሩ ካብ ዝሓዞ ቦታ ክወጽእ፡ ይግበኣኒ ዝብሎ እንተለዎ ከኣ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ክሓትት ዝቐረበሉ ጻውዒት ተሓሲሙ፡ ሓንሳብ “ዋላ ጸሓይ ኣይትብረቕ ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ዘበት” ካልእ ግዜ ድማ ኲናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንውለዖ ኢና ድሕሪ ምባሉ፡ ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ምስ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተዘርጊሖም ዝነበሩ ካድራትን ኣባላት ጸጥታን ኢሳያስ ብሓደ ዓይኒ ብጃምላ ግዳይ ዝኾንሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ሓቅነት ኣለዎ። እዚ ናይ ቅድሚ 20 ዓመት ፍጻሜን ውድብ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ዝነበሮን ዘለዎን ንጹር ፖለቲካዊ መርገጽን ብሓደ መለክዒ ክቕርቦ ምፍታኑ፡ ስትራተጂን ስልትን ጠንቅን ሳዕቤንን ፈላልዩ ኣብ ምንባብ ጸገም ከም ዘለዎ’ዩ ዘርኢ። ካብ’ቲ ንሱ ተበዲልና ኢሉ ዘቕርቦ ምኽንያት ተበጊስካ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ስርዓት ደርግ ዝወደቐሉ 1991 ክሳብ ምፍራም ውዑል ኣልጀርስ 2000 ዓ’ም ኣብ ዘሎ ግዝያት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብፍቓድን መምርሕን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ከኣ ብፍላይ ሰብኣውነት ብዝረሓቖም ኣባላት ጸጥታን በጋሚዶታትን ዝተፈጸመ ኢ-ሰብኣዊ ገበናዊ ተግባር’ከ ከመይ ትሪኦ? ብኸመይ’ከ ትፈርዶ ኢልካ ምስ ትሓቶ ዝህበካ መልሲ ኣቐዲሙ ይረኣየካ። ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቀዲምና ሃሪምና፡ ቀዲምና ብምኽሳስ ፖለቲካዊ ቁማር እናተጸወትና ኢና ክትበታተን ዝገበርናያ። ንሕና ዝተበደልናዮ ‘ምበር ዝበደልናዮ ኣብ ግምት ክኣቱ ከም መርተዖ ክቕርብ ይበሉ ዝብል ደፋር ፖለቲካዊ ደንቆሮ መልሲ ከም ዝኸውን ንምግማቱ ኣየጸግምን።

እንተ እቶም ዝኸሶም ዘሎ መሪሕነት ወያነ ግን፡ ከም ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ብሓደ ገባሪ ሓዳጊ ሰብ ስለዘይምርሑ፡ ኣብ ምብራርን ኣተሓሓዛን ኤርትራውያን መድረኽ ከፊቶም ተዛትየምሉን ንዝነበረ ጉድለት ብርእይቶ ክሳብ ተፈላልየምሉን’ዮም። ነብስሄር መለስ ዜናዊ ብወግዒ ብመራኸቢ ብዙሓን እቲ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይነበረን። ጽጹይ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ ሕነ ምፍዳይ ዝመስል’ዩ ነይሩ። ኣነን ከም ናተይ ተመሳሳሊ ርእይቶ ዝነበሮምን ብድምጺ ዝተሰዓርናሉ’ዩ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ’ዩ። ከም ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ዝኸተሎ ፖሊስን ዝፍጽሞ ተግባርን ኮፍ ኢሉ ምዝታዩ ንገዛእ ርእሱ ትምህርቲ ዝወሰደሉ ቅኑዕ ኣገባብ’ዩ። ጽጹይ መጽናዕቲ ከይገበርካ ኤርትራውያን ክባረሩ ዝድግፉን ነቲ ሕነ ምፍዳይ ዝመስል ጃምላዊ ምብራር ዝቃወሙን ፍልልይ ምንባሩ ናይ ህይወት ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ መርኣያ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ብጃምላ ምኹናን ዝደሓነ ሚዛናዊ ፍርዲ ምሃብ ይቐልል ነይሩ። እዚ ገዲም ፖለቲከኛ፡ እዚ ምሁር፡ እዚ ብዕድመ ዓቢ ሰብ ግን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ከም ዘይፈልጥ ኮይኑ፡ ብቋንቋ ኢሳያስ ንሕና ንጹሃት ብዱላት፡ ወያነ ግን ትማልን ሎሚን ጸረ- መሰልን ረብሓን ኤርትራ’ዩ ኢሉ ንየወሃት ከደናገር ሓቅን ሓሶትን ዝተግብረን ዘይተግብረን ሓዋዊሱ ክምህር ፈቲኑ። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ድማ ብሕሱር ፖለቲካዊ ቋንቋ ዘቤታዊ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ዝዛረብ ዘሎ። ብባህሪ ካብኡ ከምዘይተፋተሐ’ዩ ኣንጸባሪቑ።

ብመሰረቱ ከኣ፡ ብባድመ ዝጀመረ ብዶብ ዝተመኽነየ ኣብራሲ ኲናት 1998 መብዛሕቲኦም ላዕለዎት ሓላፍቲ መንግስትን ግንባርን ማለት ሚኒስተራትን ጀኔራላትን ህግደፍ ጠንቁ ከም ዘይፈልጥዎ፡ ድሒሮም እቲ ኲናት ምስተባረዐ ከም ህዝቦም ከም ዝሰምዑ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ ገለ ምእዙዛቱ ኮይኑ ከም ዝወለዖ ምግላጾም ኣይርሳዕን። እቶም ካብ ዝእሰሩ 19 ዓመት ገይሮም ዘለው ሓለፍቲ ነበር ዘልዓልዎ ሕቶ ድማ፡ እዚ ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐ፡ ብሚሊዮናት ዘይኮነ ብቢሊዮናት ዶላር ዝግመት ሃገራዊ ሃብቲ ዘብረሰ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበታተነን ሞራሉ ዝሃረመን ኲናት ብወግዒ ተገምጊሙ ሓላፍነት ዝወስደሉ ኣካል ይነጸር ዝብል ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። ኮሚሽን ካሕሳ ድማ ወራሪት ኤርትራ ክብል ኣነጺሩ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ብወግዒ ነቲ ውሳኔ ተቐቢልዎ’ዩ። ንልዕሊ 20 ዓመት ብዶብን ባድመን ብልኡላውነት ሃገርን ስውኣትን ከደናገር ዝጸንሐ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብ መፋርቕ 2018 ንነጀው ጉዳይ ዶብ ንኡስ ነገር’ዩ። ቀዳምነት ንህቦ ኣጀንዳ ኣይኮነን ክብል ወንዚፍዎ ድዩ ጠቕሊሉ ገድፍዎ ዘሎ ዛዕባ’ዩ። ብቐጥታ ክሕተት ንዘለዎ ገዲፍካ ናብ ካልእ ኣጻብዕትኻ ምምልካት፡ “ወደን ከይሓምያስ ሰይቲ ወደን” ዝብል ምስላ’ዩ ዘዘኻኽረካ።

ስለዚ እዚ ስሙ ዘይተጸርሐ ወሃቢ ርእይቶ፡ ኣብ ዝተሓተቶ ኣትኪሉ፡ ንግድምና ገድሉ፡ ንትምህርቱን ዕድሜኡን ዝምጥን ሰማዒ ኣወንታዊ ትምህርቲ ዝረኽበሉ፡ ኣብ መንጎ’ዞም ኣሕዋት ህዝብታት ሰላም ዘስፍን ጭቡጥ ሓቂ ክዛረብ ኣይመረጸን። ንጉጅለ ህግደፍ ይቃወም’የ በሃሊ’ዩ። ኣብ ውሑስ ቦታ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ’ዩ ዝነብር። ባህሪኡ ግን ዘተዓዛዝብ’ዩ። ግልጽነት የብሉን። ፍትሓዊ ፖለቲካዊ ሚዛን የብሉን። ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘቕርቦ ፈጠራዊ ክስን ንሱ ዘመሓላለፎ ተራ ጽልኢ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ጸለመን ብባህሪኡ ኮነ ብትሕዝቶኡ ፍልልይ የብሉን። ንህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዝሓሊ ምምሳሉ ከኣ የገርም። ፖለቲካዊ ማዕበያ ዘበላሸዎ ርእሲ ስለዝኾነ ግን ምሕረት የውርደልካ ምባሉ ሕማቕ ኣይኮነን። እዚ ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ ግድምና ገድልን ቀለማዊ ትምህርትን ካብ ዝሃንጾ ዘፍርሶ ከም ዝዓቢ ግን ብሩህ መረጋገጺ’ዩ።

                                                  ካብ ኣሮን በሩሀ

                                                   20-08-2020