Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ዓይኒኻ ንዝረኣዮ ዘይምእማን ምስ ሓቂ ምግጫው’ዩ። ኣብ ዝባንካ ብዝዓርፍ ናይ ዓመጽቲ በትሪ ዘይምቕንዛው ብስለት ወይ ትዕግስቲ ዘይኮነ፡ መግለጺ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት’ዩ። ካብ መስመር ሓቂ ኮብሊሎም ሓሶት ከሳስዩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ፡ ከም ተባዕታይ ኣድጊ ብበትሪ እናተቐጥቀጡ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ከገልግሉ ወትሩ ሕራይ ዝለመዱ ዜጋታት ዘለውዋ ሃገር፡ ካብ ንቡር ወጻኢ ክትከይድ ብኩለንተንኣ ክትቆስል ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ባርነት ብዙሕ ዝዓይነቱ’ዩ። ናይ ጉልበታዊ ዕዮ ባርነት፣ ናይ ስጋዊ ርክብ ባርነት፣ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ገለ ኣብነታት’ዮም። ባርነት ጉልበታዊ ዕዮን ባርነት ስጋዊ ርክብን ብውሕዱ ኣስገዳዳዊ ባህሪ ዘለዎም ባርነታት ክኾኑ እንከለው፡ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ግን ብድሌት ዝፍጸም ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ባርነት’ዩ።

ርትዓዊ ናይ ምሕሳብን ምምዝዛን ተኽእሎኡ ብካልኦት ተመዚዑ፡ ብዘይዝኾነ ተቓውሞ ብሕራይ ንካልኦት ከገልግል ዝረዓመ ሰብ ዝበልካ እንተበልካ ዝመኸርካ እንተመኸርካ ሓቂ ክጎስም ፍቓደኛ ኣይከውንን። ኣይኮነን እዚ ይጠቕመካ እዚ ኣይጠቕመካን፣ እዚ ሓቂ እዚ ድማ ሓሶት ኢልካ ተዛሪብካ ከተስመዖ፣ ጎደና ቅኑዕ ፖለቲካዊ መንገዲ ከተትሕዞ፣ ናይ ካልእ ምኽሪ ሓበሬታን ምስክርን ዘይድሊዮ ብዓይኑ ንዝረኣዮ ሓቂ ቅኽበል’ውን ውሽጣዊ ትብዓት የብሉን።

ስለምንታይ እቲ ባርነት፡ ኣብ ጉልበቱን ካልእ ኣካሉን ዘይኮነ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ስለ ዝኾነ። ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ካብ ኩሉ ዓይነት ባርነታት ዝኸፍአ’ዩ ተባሂሉ ዝግለጽ ከኣ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ኣካል ማሕበራዊ እንስሳ ክንሱ፡ ቀንዲ ሓይሊ ሚዛኑ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ስለዝኾነ’ዩ። ሰብኣዊ ፍጡር ነገራት ዝመምየሉ ልዕሉ ናይ ምምዝዛን ምምሃዝ ፍሉይ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዝተዓደለ ፍጡር’ዩ። ናይ ምሕሳብ ተኽሎኡ ብሰናይ ፍቓዱ ንካልኦት ኣሕሊፉ ብምሃብ ኣብ ምሕረቶም እንተወዲቑ ግን ምልኣተ ህይወት የሕልፍ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ብእዝንኻ ዝሰማዕካዮ ጉዳይ ሓቂ’ዶ ሓሶት ብዓይኒ ጥርጠራ ምቕባል፡ ከይተሃወኽካ ደጊምካ ካብ ካልእ ሰብ ንምስማዕ ግዜ ምሃብ ዝጽላእ ኣይኮነን። ቅቡል’ዩ። ናይ ብሱል ኣተሓሳስባ መርኣያ’ዩ። ብኸመይ? ብእዝኒ ጽሮት ዝርከብ ሓበሬታ ናይ ምውሳኽ ምግናን፡ ናይ ምቕናስ ምንሻው ምዝባዕ የጋጥም’ዩ። ብእዝኒ ጽሮት ዝመጽእ ሓበሬታ፡ ኣብ ተኣማንነት ርጡብነት ምንጪ ሓበሬታ ዝኾነ ሰብ፡ ሰባት ወይ ትካላት ዝምኮስ ኮይኑ፡ ካብ ካልኣይ ሳልሳይ ሰብ ሓቅነቱ ክሳብ ተረጋግጽ ብዓይኒ ጥርጠራ ኣብ ውሽጥኻ ክትሕዞ ክኸውን ዘለዎ ቅኑዕ ኣገባብ’ዩ። ግዜ ሂብካ ሓቅነቱ ኣረጋጊጽካ ከይተሰከፍካ ጭብጢ ሒዝካ ኣፍካ መሊእካ ክትብል፡ ውሳኔ ዘድሊዮ እንተኾይኑ ከኣ ክትውስን ሓይሊ ዝበካ ኣካይዳ’ዩ።

ካብ ዕለታዊ ተመክሮኻ ዝረኸብካዮ ትምህርትን ብተግባር ብዓይኒኻ ዝረኣኻዮን ዘይምቕባል ብኣሉታ ምንጻግ ምስ ዝህሉ ግን ካብ መስመር ሓቅን ፍትሕን ምህዳም’ዩ። ስለዚ ከኣ ርትዓዊ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ምዝባዕ’ዩ። ምኽንያቱ ንሕማቕ ድዩ ንጽቡቕ ብተደጋጋሚ ክበሃል ወይ ክፍጸም ዝተዓዘብካዮ ጉዳይ፡ እዚ ከም’ዚ’ዩ፡ ኣይፋል ከም’ዚ እምባ ዝብል ገምጋማዊ ርእይቶ ክትህበሉ፡ መርገጽ ክትወስደሉ፡ ዘኽእል ናብ ሓቂ ዝቐረበ ተመክሮኣዊ መተኣማመኒ ጭብጢ’ዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ወይ ኣብ ካልእ ሰብ ክፍጸም ብዓይኒኻ ዝረኣኻዮ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ ካልእ መረጋገጺ ዘይትሓተሉ ዘይትጠራጠረሉ እሙን ሓቂ ይኸውን።

ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስካ ተደጋጊሙ ክበሃል ወይ ክትግበር ዝተዓዘብካዮ ናይ ህይወት ተመክሮን፡ ክኸውን ብዓይኒኻ ዝረኣኻዮን ነገር መጻኢ ህይወትካ ትቕልሰሉ ዘተኣማምን ፍልጠት’ዩ። ካብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ዝርከብ ናይ ህይወት ተመክሮን ብዓይኒ ዝረአ ትምህርታዊ ፍልጠትን ብግቡእ ናይ ዘይ ምምሕዳር፡ ኣብ ድሕነት ሰብኣዊ ክብርኻን ቁጠባዊ ረብሓን ዘይምውዓል ምስ ዘጋጥም ግን፡ ንካልእ ተሓታቲ ዘይትገብረሉ ዘይትኸሰሉ ባዕልኻ ትፈጥሮ ናይ ህይወት ክሳራ’ዩ ዘኸትል።

ካብ ተመክሮኻ ዘይምምሃር፡ ብዓይኒኻ ዝረኣኻዮ ዘይምእማን፡ ኣብ እንግድዓኻ ንዝዓርፍ በትሪ ብዘይቃንዛ ናይ ምቕባል ባህሎም ዝገበሩ ሰባት ኣብ ዝሕምብስሉ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ንምዕራይ ንምጽራይ ቅኑዕ ኣንፈት ንምትሓዙ ከቢድ ምዃኑ ከሎ ገና ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ኣብ መርተዖ ዘይብሉ እከለ ከምዚ ኢሉ ገይሩ ብእዝኒ ጽሮት ዝምራሕ ዝሩግ ፖለቲካዊ ሃዋሃው ክእቶ ናይ ግድን’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ተበለጽቲ ዝመርሕዎ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ባሮት ዝዕጅብዎ ፖለቲካዊ ኩነታት ድማ’ዩ ኣብ ኤርትራ ልዕልነት ሒዙ ጸኒሑ። ከም’ዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን ከኣ ህይወት ሓደ ሰብ ዘይኮነ፡ ህይወት ሚሊዮናት ህልዋትን መጻኢ ወለዶን ምዝራግ ክሳብ’ውን ምቕታል ዝበጽሕ ብቐሊል ዘይፍወስ መሰረታዊ ስሕታን ከም ዘኸትል፡ ብእዝኒና ወይ ብክለሰ-ሓባዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ዘይኮነ፡ እነሆ ብዓኒና ፖለቲካዊ ምሕደራ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ እንታይ ከም ዝመስል ንዕዘብ ኣለና።

ኣመለኽቲ ህግደፍ ኣብ ዓሚቕ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ተመሪጎም ከም ዘለው ከውሊ ዘይብሉ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብባህሪያዊ ሕማም ናይ ምምዝዛን ተኽእሎኡ ዝጎደለ ወይ ብፍቓዱ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ዝተቐበለ ኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ፡ ንጥልመትን ፋሽሽታዊ ተግባርን ጉዕዞ 28 ዓመት ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ንጎኒ ገዲፉ፡ ኢሳያስ እንታይ ክብል ይኸውን ኢሉ ዝጽበ፡ ካድራት ኢሳያስ እንታይ ሓድሽ ሓሳብ የምጽኡ ይኾኑ ክሰምዕ ናብ ካንሸሎ ኤምባሲታት ዝኸድ፡ ነገራት ናይ ምምዝዛን ተኽእሎ ዘለዎ ኤርትራዊ ይርከብ ኢልካ ኣይሓሰብን።

ወያነ ኣይተሳዕረን ልኡላዊ መሬትና ኣይተኽብረን ስለዚ ከኣ ኲናት ዘይተርፍ’ዩ። ከም ቀደምኩም ተዳለው ኣብ ሃገረ ኣውስትራሊያን ካልኦትን ዝርከቡ ሕልና ኣልቦ ንኸብዶም ዝሓደሩ ልኡኻት ኢሳያስ ንዝገብርዎ ዘለው ትሕዝቶ ዘይብሉ ውሽጣዊ ጭንቀት ዝወለዶ ባዶ ጎስጓሳት ክሰምዑ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ናብ ኣዳራሻት ህግደፍ ዝኣትው ወገናት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ባሮት ጥራሕ’ዮም። ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ በዞም ብናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ዝተጠቕዑ ህልዋት ዘይህልዋት ሰባት ኣቢሉ ስልጣኑ ንምድሓን ኩሉ ፈተነታት ከካይድ’ዩ። ነዚ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ንምሕጻብ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ርእሱ ዝኸኣለ ከቢድ ዕዮ ገዛን ዕንቅፋት ምዃኑ’ውን ርዱእ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ደድሕሪ ህግደፍ ምኻድ ናይ ጥዑይ ሰብ ምርጫ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 26-04-2019