Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ

ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየስረረንን

ያኣክል ምሳይ ንትምክሕቲ የብሉን ቦታ

ካብ ራስ ቄሳር ካሳብ ራስ ዲሜራ ደቀባታ

ንጃንዳ ህግደፍ ነቶም መድመይቲ ንህዝብታታ

ተዋሃሂድና ክንኣልዮም ንውረድ ኣብ ባይታ‘‘

ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ቀዳማይ ወለዶ

ካብ ኣቃላልሳና ተማሂርና ዶ

ነሐፍነት ውጽኢቱ ሪኢኹምዎ ዶ

ምንእኣስ ጀሚሮም ዳሕረዋይ ወለዶ

ኣብ ዝነበሩ ነሮም ኮይኖም ፈራዶ‘‘

ራዛ ናይ ኣቡኡ ሐዛ

ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ

ዶ ተማሃሮ ዩንቨሪስቲ ኣስመራ

ንሕና መድሕኑ ንህዝቢ ኤርትራ

እንዳ በሉ ጀሚሮም ፈኸራ‘‘

ዕንቅፋት ኣብ ፍትሐዊ ቃልስና

ተማሂርና ኢና ዶክተር ኣቢልና

ንሕና ኢና መተካእታ ኣቦታትና

ንሕና ኢና ክንመርሒ ዓቕሚ ዘለና‘‘

ጉድዩ ጉድ

ብሐቂ ልቢ ምዕባይና ኮይኑ ጌጋ

ስለ ዘይወሰና ምስ ኮና ላንጋ ላንጋ

ብግስ ከበሉ ጀሚሮም መሸንጎጋ‘‘

ሕፍ ከይበላ ቋቑ ኣበላ

ኣቱም ኣለዉና ትብሉ ንሐበላ

ንወዲ ሰብ ዝዳጉኑ ናብ ሸላ

ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ህዝቢ ሐበላ

ካብ ዝሐለፈ ተማሃሩ ቅድሚ ጓይላ

ካብ ንሰብ ሐቦን ንሕን ጎሲኻ ደበላ‘‘

ሐቀኛ ለውጢ መታን ከይነምጽእ

እቲ ሐደ ስም ተሳዕረ እቲ ሐደ ይትስእ

ከምቶም ከዳዓት ውዲት ኣለሙ ይመጽእ

እንዳ ጨርሑ ንሕና ኢና ንህግደፍ ንትክእ‘‘

ደጊም ቦታ የለን ንተቛመርቲ

ንምእዘዛት ናይ ሰራዊት ኣዘዝቲ

ወዲ ሰብ ኣሲሮም ዝቋመሩ ዝሰኽሩ

ምስ ፍሊጶስ ማንጆስ ንንጹሃት ዝኸትሩ

ካብ ህዝቢ መንዚዖም መናዚዖም ዝሃጠሩ‘‘

ራዛ ናይ ኣቡኡ ሐዛ

ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ዓይንና ንኽፈቶ ሃየ

ኤርትራዊ ብኢሰያሳዊያን እንዳ ተሳቐየ

ዳግማይ ከይተባህለ ደጊም የለን ሐሸውየ

ነብስና ወዲብና ታሪኽ ክንሰርሕ ሕጂ ንጓየ‘‘

ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ግንባር

ኣብዚ 20 ዓመታት ኣቢኹም ምሕባር

ንጃንዳ ህግደፍ ሰሪሕኩም ብተግባር

ንህዝቢ ደጊም የለን ብሸርሒ ምድንጋር‘‘

ጭርሖኹም በበይኑ ዕላማኹም ግን ሐደ

ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየስረረንን

ህዝቢ ኤርትራ እንበር ኢሰያስን ጭፍሩኡን

ባርነት እንበር ነጻነትን ሐርነትን ኣየምጹኡን

ካብ ህዝብን ተጋዳላይን ስልጣን ምስ መንዝዑ

ን29 ዓመት በልማማ ንመኣዲ ሸሞንተ ዘንብዑ

ጽገና ምስ ህግደፍ ሕጂ,ኸ ንመን ክተዘንግዑ‘‘

ኣለና ካብ ቅድሚ ነጻነት ኣትሒዝና

ምስ ተሰደድና ንግንባር ኢድና ዘይሃብና

ሕጂ ውን ንጃንዳ ህግደፍ ዘይተንበርከኽና

ክሳብ ሎሚ ኣብ ዕላማና ማልያ ዘይቀየርና

ፍተዉ ጽልኡ ንሱር ነቀል ለውጢ ዩ ቃልስና

ብሰብ ኒሕ ንትምክሕተኛታት እዚዩ መልስና‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና‘‘ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ብኣባል ተ,ሐ,ኤ, በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።