Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ

መልሲ ንመቃናጀውቲ

ሙሁራት ኢና በሃልቲ

ንፋስ ዘእትዉ በተንቲ’’

ኣይረሳዕናዮን ጃምላዊ ህልቀታት

ብሃይለ ስላሴ ደርግን ቅትለታት

ኣብ ኣስመራ ናይ 75 ፍጻሜታት

ብጥይት ብስልኪ ዝተሐነቑ ደቀባት

ሬሶኦም ናብ ጋህሲ ብትግሬቶታት’’

ኣይረሳዕዮን ከመይ ገርና ክንርስ ዖ

እወ ኤርትራዊየ ሎሚ ትማሊ

መሰለይ ኢሉ ዝወጸ ናብ ገድሊ

ኤርትራዊ ዘይናቱ መዓስ ይደሊ

ዕንቅፋት በዚሑ ንህግደፍ ከይንኣሊ’’

እታ ኣብ 91 ዝበረቐት ጸሐይ

ዘራጊ ከሎዶ ይስተ ጽሩይ ማይ

ብመራሒ ህግደፍ ኣትዩና ውሳይ

ደምና ይነዝዕ ኣሎ ዳግማይ’’

ኢሰያስ ዝመርሖ ጃንዳ ክንባተነ ዝፈረደ

ፍርሐት ረቢ ኣምላኽ ዘይብሎም ሐደ

ኣረመን እቲ ሐደ ካብቲ ሐደ ዝገደደ

ኣብኣ ይረኽባ ክፈላልየና ሐዊ ዝጎደ

ሻዓብ ኤርትራ ህሌና ኣበደን ኢንበደ’’

ኣረሳዕናዮን ከመይ ገርና ክንርስ ዖ

ማልና ዓዕ እንዳ በላ ከምዘይ ተሐረዳ

ገጠራት ኤርትራ ብናፓል ክምዘይ ክነዳ

ምስ ጀንራላት ደርጊ ነበር ዳግማይ ኩዳ’’

ጽንዓትና ንህዝቢ ምስ ጸለወ

ብሕራነ መንእሰያት ምስ ጃጀወ

ዋህዮታቱ ሊኢኽ ንፋስ ምስ ኣእተወ

ጸረ ኤርትራዊያን ናይ ሳሕል ኣርወ

ኣይከሰርናን ኢሉ ኣዊጁልና እወ’’

ኤርትራ ንዳግማይ መግዛእቲ ተፈሪዳ

ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ ብጃንዳ

ዓገብ ዘዝበለት ብዘይ ፍርዲ ንጉድጓዳ

ዓዲ ጀጋኑ ብሕጊ ኣልቦ ክትበኪ ተገዲዳ

ጀነራላት ህግደፍ ኣብ ዝባንኩም ኣሎ ዕዳ’’

ኣረሳዕናዮን ከመይ ገርና ክንርስ ዖ

ድሕሪ 30 ዓመት ከርተት

ንነጻነት ዝለወጠ ናብ ብርነት

ኣብ ውሽጢ እዚ;30 ዓመታት

ብዝሐለፈን ብዝደሐረን ህልቀት

ብኢድ ምትእትታዊ ኣብ ጎረበት

ኢሰያስ ምስ ጉጅልኡ ዝሕተት’’

ዓሻ ተመሲልካ ድራሮም ወዳኣሎም

እህወድግ ብወያነ ዝተዓብለለ ቀደም

ካብ ባድመ ምውጻእ እንተ ዘይሕሰም

ንዘይናቶም እንተ ዘይብል ሃሮምሮም

ዳግማይ ምፈሰሰ ዶ እዚ ሉሉ ደም

ኣይነፍቅድን ዝሐለፈ ጌጋ ክድገም’’

ዓገብ ንደለይቲ ፍትሒ ኢና ብሃልቲ

ንህግደፍ ኮፍ ኣቢልካ ኣብ ኣስመራ

ንህዝባ ኣዳኺሞም ዝምነዩ ንባሕራ

ዕርክነት ምስ ሐሶት ዝብዝሑ ጠቐራ

ደቅኺ ኣንፈቶም ሲሒቶም ኤርትራ’’

ብመስዋእቲ ነጸነት ምስ ተረኸበ

ብህግደፍ መሰል ህዝቢ ምስ ተሰለበ

ደላይ ለውጢ ተመሲሉ ምስ ለገበ

ዕቅፋት በዚሑ ኣብ ተቃውሞ ደንበ

30ዓመት ህዝቢ ለውጢ ካባና ክጽበ’’

ኣረሳዕናዮን ከመይ ገርና ክንርስ ዖ

ሰራቒ ሞባእ ባዕሉ ይላፋለፍ

ንሐቀኛ ለውጢ ክንዲ ዘቃላጥፍ

እቲ ሐደ ምስ ብልጽግና ህግደፍ

እቲ ሐደ ምስ ህወሐት ይስለፍ’’

መን ረቢሑ ካብ ልፍንቲ ግንባር ምስ ወያነ

ዘይትንቢት ሉኡኽ ኣስራተካስዩ ክዉን ዝኾነ

ሕጂ ኸ ንረብሐ መንዩ ሐዲሽ ልፍንቲ ዝቃነ

ህዝቢ ኤርትራ ብቕልጽሙዩ ሉኡላውነቱ ዝወነነ

ለውጢ ብኤርትራዊያን ዩ ብሕጊ ዝፍደ ቲ ሕነ

ህዝቢ ኤርትራ ኣይቀስንነዩ ንህግደፍ ከይበተነ’’

ኣረሳዕናዮን ከመይ ገርና ክንርስ ዖ

መለበምን ኣይግበርካ

መለበምን ኣይኽላእካ

ጽልኢ እንዳ ኣጓሃሃርካ

ክንዲ ዓገብ ኣብ ፖለቲካ’’

ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ

ቀሺ ሸኽ ኢዱ ምስ ሐወሰ

ኢሰያስ ሕድ ሕድና እንዳ ኣባኣሰ

ንመንእሰያት ናብ ሐዊ እንዳ ጠበሰ

ንሱን ጉጅሉኡን ን30 ዓመት ዝነገሰ’’

ኣቦና ኣንጦንዮስ ኣቦና ሐጂ ሙሳ ጀጋኑ

ኣብ ቤቶም ምስ መጾምዮም ዝወገዙ ዝኾነኑ

ልባና ኣቦና ኣንጦንዮስ ሐጀ ሙሳን ወንኑ’’

ኣረሳዕናዮን ከመይ ገርና ክንርስ ዖ

ንካህናትን ሸኻትን ዓገብ

ካህን ኣብ ቤተክርስትናኑ

ሸኽ ኣብ መስጊዱ ኣዚኑ

መራሕቲ ግብረ ሰናይ ኩኑ  

መራሕቲ ሕንፍሽ ፊሽ ኣይትኹኑ’’

ኤርትራ ዝዓድና ዓዲ ኣስላምን ክስታንን

ኤርትራዊያን በሃልቲ ጥራይ ውን ኣይኮናን

ወልደፍደፍ ኢሎም ልሳና ዘይዓጸፉ ሃገራዊያን

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ኤርትራዊያን

ሕጂ ውን ሩሑቅ ኣይኮነን

ኤርትራና ብደቀባታ ትማሐደረሉ እዋን’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ካብ ሰናይ ግርብትና ዝምነ‘‘ኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።