ፖለቲካ ብመጽናዕቲ፡ ብህዝባውነት፡ ብስነ-ሓሳባዊ ደርባዊ ውግንናኡ ዘነጸረ ኣረኣእያ እንተዘይተመሪሑ፡ መጀመርታ ብሓሳብን ብተግባርን ሓዲግ መዲግ ምዃን፡ ቀጺሉ ከኣ  ከም ምንቅስቓስ ወይ ውድብ ዘገምታዊ ሞት ምማት’ዩ ዘለዎ ዕድል። ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወይ ውድብ ሓዲግ መዲግ ምዃን ከኣ፡ ጉድኣቱ ነቶም ዘቖምዎ ኣባላት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብቐጥታን ድዩ ብተዘዋዋሪ ንመሰልን ረብሓን ህዝቢ’ዩ ዝጎድእ። ስለዚ ብዛዕባ ፖለቲካ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ክንሓስብ እንከለና፡ ብግዝያዊ ስምዒት ወይ ይብሉ ስለ ዘለው ካብ ዝብል ተጎታቲ ኣረኣእያ ነብስና ሓራ ብምግባር፡ ዝምረሓሉ መትከላት ፈሊጥና ኣወንታውን ኣሉታውን ጎኑ መዚና ክንዋሳእ ይግባእ።

ኣብ’ዚ ብቐዳምነት ኣላይ ተራ ክጻወቱ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ሕብረተ-ሰባዊ ክፍልታት ንኣብነት ሀ. ፖለቲካዊ ኤሌት፣ ለ. ምሁራት፣ ሐ. ስነ-ጥበበኛታት፣ መ. ጋዜጠኛታት’ዮም። ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ብኩለንተንኦም፡ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ቅድሚት ሰሪዖም፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ህልዊ ህዝባዊ ጸገም ብግቡእ ተረዲኦም፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ዕላማኦም ብብሩህ ብሰነድ ኣነጺሮም፡ ቅድሚት ተሰሊፎም ክምህሩን ክመርሑን ተልእኾኦም’ዩ። ምሁራት ብደረጃን ዓይነትን ትምህርቶም ጥራሕ ዘይኮነ ከም ሰባትን ከም ዜጋታትን ኣካል ህዝባዊ ቃልሲ ክኾኑ፡ መፍትሒ ሓሳባት ከመንጭው፡ ቀጻልነት ዘለዎ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ናይ ስልጠና መድረኻትን ብምድላው ኣብ ህዝቢ ልዕልና ሓይሊ ሓሳብ ዘጎልብት ፖለቲካዊ ንቕሓት ክዕምብብ ናይ ምግባር ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎም።

 ስነ-ጥበብ ብባህሪኡ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ምዕቃብን ምስግጋርን ኣወንታዊ ባህሊ ጥራሕ ከይተደረቱ፡ ንድሕነት ህይወት ሰብን ልኡላውነት ህዝብን ቅድሚት ሰሪዖም፡ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ዘናግፍ፣ ጠንቅን ሳዕቤንን ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ግዳማዊ ድዩ ዘቤታዊ፡ ከመይ ከ ክፍታሕ ኣለዎ ኣመት ዝህብ ፍርያት ከቕርቡ ይግባእ። ጋዜጠኛታት (ትካላት ማዕከናት ዜና) ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ጸጊዕን ኣገልገልትን ውልቀ ሰብ ካብ ምዃን ሓራ ኮይኖም፡ ድምጺ ግፉዓት ከቃልሑ ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝቢ ዘረጋግጽ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ነጥበ መቐይሮ ዘምጽእ፡ ህዝቢ ኣንጻር ጸላእቱ ንመሰሉ ተወዲቡ ክቃለስ ዘተባብዕ ጭቡጥ ሓበሬታ ክህቡን ከነቓቕሑን ኣለዎም።

ፖለቲካ ኤሌት፣ ምሁራት፣ ስነ-ጥበበኛታት፣ ጋዜጠኛታት …ወዘተ በቒዖም ናብ ህዝቢ ወጊኖም፡ ነናቶም ሓላፍነት ብግቡእ እንተተዋጺኦም ዝተዘርገ ኣተሓሳስባ ይጸሪ’ዩ። ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ይዕጸፍ’ዩ። ብኣንጻሩ ደድሕሪ ዘይተወደበ ሓፋሽ ዝኸዱ፡ ኣብ ድሑር ሕብረተ-ሰባዊ ሕማማት ዝሕብኡ፡ ኣብ ኣለሻ ውልቀ ረብሓን ዝናን ዘትኮሩ እንተኾይኖም ከኣ፡ ሃገራዊ ፖለቲካ ከም ሰብ ይሓምም። ሃገራዊ ፖለቲካ እንተሓሚሙ ከኣ ሽዑ ንሽዑ፡ ድሕነት ህይወት ወዲ-ሰብን ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ንዓና ንኤርትራውያን ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ፡ ካብ ካልእ ዘይኮነ ካብ ዘቤታዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማም ዝመጸ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ትርጉም ዘለዎ ደርባዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ቃልሲ ተዳኺሙ፡ ውልቀ ቢሊኔራት ነጋዶ ዝዝውርዎ ጨካን የማናዊ ኣረኣእያ ልዕልነት ዝሓዘሉ፡ ብዙሓትን ውጹዓትን መርሖን መራሕን ስኢኖም ግዳይ ኩሉ ሸነኻዊ በደላት ኣብ ዝኾንሉ ኣዝዩ ኣሰካፊ ወቕቲ ኢና ንርከብ። ካብ’ዚ ውልቀ መለኽቲ፡ ሕሉፋት የማናውያንን ብደም ዝሰኸሩ ውልቀ ቢሊኔራት ነጋዶን ዝኽተልዎ ዘለው ካብ ሰብኣውነት ዘርሕቕ ጭካኔን ስስዐን ዘተባብዕ ጽልሙት ኣካይዳ ሓራ ንምውጻእ፡ ውጹዓት ኣብ በብሃገሮም ኣንጻር ገዛእቶም ይቃለሱ ኣለው’ዮም።  ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸገማት ከይተሓጽሩ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝፍጸም ባርባራዊ ግፍዒ ደው ክብል ዓው ኢሎም ክቃወሙ ንዕዘብ ኣለና።

ንኣብነት እታ ናይ ዓለምና ተጣባቒት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ተገይራ ትግለጽ ዝነበረት ሃገረ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ህዝቢ ፍልስጤም ነበርቲ ቓዛ፣ ኢራን ቬኑዙላን ብተግባር ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ግፍዒ፤ ዘፍርሶ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ውዑላትን ስምምዓትን፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ብዓለም ደረጃ ተፈጢሩ ዘሎ ዓሚቕ ቅልውላው፡ ዜጋታት ኣመሪካ፡ እዚ ውጽኢት መንግስትና ዝኽተሎ ዘሎ ዝንቡዕ ፖሊሲ’ዩ ብምባል ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓዊመሞ። ኣመሪካ ከም ሃገር ትምራሓሉ ቅዋም ኣለዋ። ስልጣን ዝርከብ  ብህዝባዊ መረጻ’ዩ። ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ብመረጻ ተወዳዲሩ ዝመጸ ሕጋዊ መራሒ’ዩ። ስልጣኑ ካብ ሕጊ እታ ሃገር ዝፈቕዶ ወጻኢ ንካልእ ስለ ዝተጠቕመሉ ግን፡ ፍትሓውያን ኣመሪካውያን ኣብ ጎኒ ውጹዓት ፍልስጤማውያን ቬኑዙላውያን ኢራናውያን ኮይኖም እምቢ ንምልኪ ይብሉ ኣለው።

 ብ28 መጋቢት 2026 ኣብ ብዙሓት  ጎደናታት ኣመሪካ ወጺኦም ትራምፕ ኣብ ኢራን ዘካየዶ ዘሎ ዘይምኽንያታውን ኢደ-ወነናውን ኲናት፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ከም ውጽኢቱ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን፡ ኣብ ዝኾነንሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ካብ ዘስምዖ ጭርሖ፡ ሀ. “ኣመሪካ ብውልቀ ምልክነት ክትግዛእ ኣይነፍቅድን” ለ. “እዚ ኣመሪካ ስለ ዝኾነ ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ” ሐ. “ስልጣን ናይ ነገስታት ወይ ኣዕሩኽ ቢሊኖራት ኣይኮነን” መ. ትራምፕን ሽሞኛታቱን ካብ ስልጣን ወሪዶም ብሕጊ ይተሓታቱ” ሰ. “ ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ገዛና ይጀመር” …ወዘተ ዝብል  ይርከቦ። ጽማቕ ናይ’ቲ መልእኽቲ  መሰልና ኣሕሊፍና ኣይንህብን እምቢ ንውልቀ መልኪ፡ ሕራይ ንደሞክራሲ፣ ዶብ ሰጊርና ኣብ ዘይምልከተና ኲናት ምእታው ኣይንድግፍን፣ ዓለማዊ ሕግታት ይከበር’ዩ ዝብል።

 እዚ ንዓና ከም ውጹዓትን ተቓለስትን ምስ’ቲ ኣብ ሃገርና ብዘይ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ብዘይ መረጻ፡ ብዘይ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብዘይ ሰላም፡ ብዘይ ልምዓት፡ ከይተሰከፈ ምርጫ ኣይንገብርን፡  ቅዋም መይቱ’ዩ እናበለ ዝፍክር እንኮ-ሰባዊ ፋሽሽታዊ ገዛኢ፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብምንጽጻር፡ ንውሽጥናን ንደገን ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን ክንከውን ዝሕግዝ ጽቡቕ ተመክሮ’ዩ።

 ህዝቢ ስለ ዝኾናን ኩሉ ናይ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ መሳለጥያታት ማለት ካብ ነገራዊ ክሳብ ሰብኣዊ ሃብቲ ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ፡  ብምንዋሕ ናይ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣላሽ ክንብል የብልናን። ፖለቲካና ኣትይዎ ካብ ዘሎ ሓዲግ መዲግ ንምውጻእ፡ ብንቕሓትን ብሕራነን ተናቢብናን ተኸባቢርናን ክንቃለስ ኣለና። ዝተመንዘዐ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰልና ብፖለቲካዊ ንቕሓትና ብቕልጽምና ይረጋገጽ ክንብል ኣለና። ዝተገፍዐ ሓፋሽ ብዘይ ዝተነጸረ  ህዝባዊ ፖለቲካዊ መስመርን መሪሕ ውድብን  ሆ ኢሉ ክዕወት ስለ ዘይኽእል ድማ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካ ኤሌት፣ ምሁራት፣ ስነ-ጥበኛታት፣ ማዕከናት ዜና … ከም’ቲ ፍትሓውያን ኣመሪካውያን ብ28 መጋቢት 2026 8 ሚሊዮን ህዝቢ ኣሰሊፎም ዘስምዕዎ ተቓውሞ፡ ተናቢቦም ህዝቢ ዘሰልፍ መሪሕ ጭርሖ ሒዞም  ቅድሚት ተሰሊፎም ተቓሊሶም ከቃልሱ ብተግባር ክብገሱ ኣለዎም።

 ምኽንያቱ ካብ ንርከበሉ ኣሰካፊ ናይ ህልውና ሓደጋ ዘውጸአና እንኮ መንገዲ፡ ህዝቢ ዘሳትፍ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ ዝኣምን ዝተነጸረ ህዝባዊ ስትራተጂካዊ ዕላማ ወኒንካ፡ ስጡም ውደባ ፈጢርካ፡ ተናቢብካን ተኸባቢርካን ምቅላስ ጥራሕ’ዩ። ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ህዝባውነትን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዝሰረቱ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ርድኢት  ዘነየት’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ኣድላይነት ውደባን ኣድማዕነቱን ዘለዎ ኣገንዝቦ ግን ኣወንታዊ’ዩ። ካብ ወለድና ዝተወርሰ፡ ካብ መኣዲ ስድራ-ቤት፡ ከቢድ-ዕዮ፡ ግዜ ሓጎስንን ሓዘንን ተጠርኒፍካ ናይ ምስራሕ ሓባራዊ (ዴሳዊ) ባህልን  ኣነባብራ ዘለና ህዝቢ ኢና።  ክእረም ዘለዎ  ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣረዳድኣና’ዩ። ንሱ’ዩ ኣብ ሓዲግ መዲግ ኣውዲቑና ዘሎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ምቕባል፡ ብንቕሓት ብሓይሊ ሓሳብ ኣሪምካ ምስ ስጡም ውደባ ኣተኣሳሲርካ ናብ’ቲ ቀንዲ ሸቶ ንምብጻሕ ብተግባር ምትጋህ የድሊ።

ወጽዓን ቃልሲ ጸረ-ወጻዕትን ኣባና ጥራሕ ኣይተጀመረን። ቅድሜና ነይሩ። ሎሚ ኣሎ። ጽባሕ’ውን ክህሉ’ዩ። ክንገብሮ ዘለና ‘ምበኣር፡ ካብ ቅድሜና ዝነበረ፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና፡ ሎሚ ካልኦት ህዝብታት ኣንጻር ገዛእቶም ካብ ዝኽተልዎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ፖለቲካዊ ውጥናትን መሪሕ ጭርሖታትን ተመክሮ ብምውሳድ ምስ ኩነታትና ንዝኸይድ ብተግባር ምጥቃም’ዩ። ንሕና ኣካል ኣምሳል ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኢና። ኣወንታዊ ተመክሮ ካልኦት  ክንወስድ መንፈዓት ‘ምበር ነውሪ ኣይኮነን። ንሕና ፍሉያት ኢና። ንኻልኦት ንምህር ‘ምበር ካብ ካልኦት ኣይንመሃርን ዝብል ተራን ሕሱርን ፕሮፖጋንዳ ዘቤታዊ ጸላኢ ክንጽየኖ ይግባእ። ስልጣን ናይ ህዝቢ ‘ምበር ናይ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይኮነ፡ ንእንኮ ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ምስ ኩሉ ናይ ዓፈና ትካላቱ  ብቃልስን መስዋእትን ብምውጋድ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ብዝፈቕዶ ብህዝባዊ መንግስቲ ንምቕያር  ቀዳመይ ትኹረትና ናብ ድሕነት ህይወት ሰብን ልኡላውነት ህዝብን ብምግባር ንረባረብ።

 

                                                        ክብሮም ከሰተ

                                                         27 መጋቢት 2026