ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ እዚ ከኣ ብፍላይ ምስ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝመጽኣሉ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ወተሃደራዊ መደይ ምስ ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነትን መንጽር ክረአን ክምዘንን እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣዝዩ ድማ ዘሕፍር’ዩ። ካብ ሰባዊ ኣተሓሳስባ ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝወረደ ውድቀት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይተራእየ ናይ ኣተሓሳስባን ጉልበትን ባርነት ድማ’ዩ ኣብ ዝብል ምስ በጻሕና’ዩ ተቛሪጹ ነይሩ። መቐጸልታኡን ናይ መወዳእታን ክፋሉ ድማ እነሆ። ሰናይ ንባብ!

ብፍላይ እቶም ኮለኔል-ጀነራል መዓርግ ኣለዎም ዝበሃሉ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ህዝባዊ ሓርነትን ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ብቐረባን ብተግባርን ዝፈልጡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር’ዮም። በቶም ዓወት ንሓፋሽ እናጨርሑ ብጀግንነት ህይወቶም ዝኸፈሉን ፍርቂ ኣካሎም ዝጎደሉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፡ ሓርበኛታት ሕድሪ ተዋሂብዎም ነይሩ’ዩ። ሓደራ ብነፍሰ ፍትወት ህዝቢ ከይትጠልሙ ከይተጋፍዑ፡ መስዋእትና ከይተራኽሱ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣረጋግጹ፡ ህዝባውን ሕጋውን ልኡላውነት ክውን ግበሩ ዝብል ሕድሪ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውድብ ‘ምበር፡ ደሞክራስያዊ ውድብ ከምዘይኮነ፡ ካብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ወጻኢ ዝነበሩን ዘለውን ዜጋታት ዝነበሮም ሚዛንን ዝህብዎ ዝነበሩ ኣስተምህሮን ከይሓወስና፡ ብሰንኪ ርእይቶኦም ብኽድዓት፣ ትሕቲ ሃገርነት፣ ጀሃዳውያን፣ ልኡኻት ወያነ ኣመሪካ እናተባህሉ ዝተቐትሉን ዝተጨውዩን ተቓለስቲ’ውን ከይሓወስና፤ ካብ ውልደት ህዝባዊ ሓይልታት ጀሚሮም ካብ ውሽጢ ዝለዓሉ ዝነበሩ፡ መንገዲ ንስሕት ኣለና። ካብ መስመር ህዝባውነት ንወጽእ ኣለና። ናይ ውልቀ ሰብ ዝናን በሓቲ ኣረኣእያን ይተኣታቶ ኣሎ። ብሓሳብን ብተግባርን ንዝወፈርናሉ ዕላማ ንምሰል። ከም ውድብ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣረኣእያ ንወንን። ቅድም ቀዳድም ውሽጥና ንፈትሽ፡ ገዛና ነጽሪ ዝብል ሓላፍነታዊ ኣረኣእያ ዘበገሱ ደቂ-ህዝቢ፡ እንታይ ስም ከም ዝተዋህቦም፡ ብኸመይ ከም ዝተነጸሉን ዝተቐንጸሉን ሕርሕራይ ገይሮም ይፈልጡ’ዮም።

ንኣብነት፡- ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973፣ ኣብ 2001 ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታቶ ዝሓተቱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ብዙሓት መምስ መጻምዶ (ሓዳሮም) ከምኡ’ውን ናይ ህዝቢ ድምጺ ዘስምዑ ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት፣ ጀግና ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ-ዓሊ) ዝተሰወኣሉን ብዙሓት ላዕለዎት ካድራትን ኣመራርሓን ኣብ ሓደጋ ዝወደቕሉ ዘይዕውት ስርሒት 2013 ..ወዘተ ኣስማቶም ብምጽላም ከመይ ከም ዝተጨውዩ ገለ ከም ዝተቐንጸሉ ገለ ከኣ ዛጊት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ዘሎን ጸገምናን መፍትሒኡን ሓቢረሞም’ዮም።

ጅግና ቢትወደድ ኣብራሃ ብዘይ ኣገባብ ብውዲት ተኣሲሩ፡ ካብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ንሓጻር እዋን ናብ ጸሓይ ብርሃን ኣብ ዝተቐልቀለሉ ህዝቢ ኣኪቡ ዘመሓላለፎ ፍጹም ህዝባዊ ዝኾነ ታሪኻዊ መልእኽቲ ኣስሚዑ ዳግም ዝተዳጎነሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምንጋጋ ዝብኢ ኮይኑ እምቢ ንውልቀ መላኺ ዝብል ድምጺ ኣስሚዑ ዝተኣስረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣኽል ታርፍ ትምህርቲ ሂቦም’ዮም። እዞም ኩሎም ብእዝኒ ጽሮት ብክለሰ-ሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ህይወቶም ወፊዮም ናይ ትማሊ ንዘክር፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣይንጥለም ህዝቢ ኣይነጋፍዕ፡ ንመጻእ ንሕሰብ፡ ህዝባውያን ሕጋውያን ንኹን ዝብል መልእኽቲ’ዮም ሂቦም። ጥዑይ ኣእምሮ ንዘለዎ ከም ሰብ ንዝሓስብ ሰብ ካብ’ዚ ንላዕሊ ትምህርቲ የለን። ካብ’ዚ ንላዕሊ መለበሚ የለን። ብፍላይ ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ምስኣቶም ሓቢሮ ኣብ ውሑይን ዝሑልን ንዝተሳተፉ ናይ ሎሚ ሓብሓብቲ ውልቀ ምልኪ ዝኾኑ ስማውያን ኮለኔላትን ጀነራላትን እኹል ጥራሕ ዘይኮነ ካብ እኹል ንላዕሊ ዝኾነ ትምህርቲ’ዩ። ብዙሓት መዛኑኦም ዝነበሩ ሚኒስተራት፣ ኣመሓደርቲ፣ ኣምባሳደራት፣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናት ንፍጹም መላኺ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን ጸረ-ህዝቢ ትካሉን ተቓዊሞም ናብ ስደት ኣምሪሖም፡ ብወግዒ ኣንጻሩ ይቃለሱ ኣለው’ዮም። እዚ’ውን ትምህርቲ’ዩ። መለበሚ’ዩ። ነገራት ብግቡእ ናይ ምግንዛብ ልቦና ንዘለዎ ሰብኣዊ ፍጡር ትምህርቲ’ዩ።

ብርእሶም ዘይኮነ ብኸብዶም ስለ ዝሓስቡ፡ ብሕጊ ዘይኮነ ብውሳኔን ምሕረትን ሓደ ሰብ ስለ ዝምርሑ ግን ኣይተማህርሉን ዛጊት ኣይለበሙን፡፡ ንጀጋኑ ሰማእታትን ሓርበኛ ህዝብን ንጎኒ ገዲፎም ንውልቆም ምንባር መሪጾም። ብዋጋ ናይ ህወት መስዋእትን ኣካላዊ መጉዳእትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህዝባዊ ሕግን ህዝባዊ ልምዓትን ንምርግጋጽ ቀዳምነት ሂቦም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዝኣጎዶ ዘይፈልጥዎ፡ ዘይምኽንያታውን ዘይፍትሓውን ኲናት ደቂ ድኻታት ይጥጥቑ ኣለው። ቀዳምነት ሃገር ብዝብል ጓንጓ ጭርሖ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኲናት ከፊቶም የተግብሩ ኣለው። ናይ ሓደ ሰብ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ኣብ ህይወት ዜጋታት ይፍጽሙ ኣለው። ስድራ ቤታት የጽንቱ፡ ሃብትን ጥሪትን ህዝቢ የብርሱ፡ ፖለቲካዊ ምስሊ ሃገር ይድውኑ ኣለው። ዓስቢ ስራሖም ኣብ ክንዲ ነቲ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ዘገልግልዎ ዘለው ኣካል ዝሓቱ፡ ንጹህ ገንዘብን ንብረትን ዜጋታት ዘሪፎም ድዩ ራስዮም ህይወቶም ይመርሑ ኣለው። ኮለኔል ጀነራል መዓርግ ኣለኒ እናበልካ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ምውዳቕ፡ ዜጋታት ምህዳን ምስቓይ ምቕታል በዚ ድማ ከም ህዝባውን ሃገራውን ግቡእ ዝፈጸምካ ኣፍ ልብኻ ነፊሕካ ምፍካር፡ መን ከማይ ምባል፡ ናይ ውርደት ውርደት’ዩ። መኸወሊ ዘይብሉ ቅሉዕ ገበን’ዩ። ናይ ታሪኽ ሓተላ ምዃን’ዩ።

ናተይ ትብሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኣብ ዘይብሉ፡ ንኽብሪ ሓደ ሰብን ግዝያዊ ናይ ዕጥራንን መስተን ጻምእካ ንምርዋይን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዜጋታት እንታይ ይብሉን ይገብሩን ንምስላይ፣ ምጭዋይ፣ ምስቓይ፣ ምርሻን ተዋፊርካ ምስራሕ ትሕቲ ሰብኣዊ ሚዛንን እንስሳዊ ኣተሓሳስባን’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ጸረ-ህዝቢ ተግባር ምሉእ ንምሉእ ካብ ሰብኣውን ፖለቲካውን ሚዛን ዝወረደ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ድማ ክስመረሉ ይግባእ።

ህልዊ ዘቤታዊ ጸገም ብዙሓትን ውጹዓትን ኤርትራውያን ግን: በዞም ካብ መስመር ሰብኣውነት ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝወረዱ፡ ንግዝያዊ ረብሓን ንኽብሪ ሓደ ሰብን ጥራሕ ዝነብሩ ሰባት ተወሲኑ ዝነብር ኣይኮነን። እወ መጻኢ ዕድለ ዜጋታትን ህብዝታት ኤርትራ፡ በዞም ካብ መቐነት ኣዲኦምን ሓፍቶምን፡ ካብ ጁባ ኣቦኦምን ሓዎምን ዘሪፎም ወይ ምስ ነጋዶ ሰብ ተኣሳሲሮም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ሸይጦም ህይወቶም ዝመርሑ፡ ኣብ ዕጥራንን ስኽራንን ተኣሊኾም፡ ንሎሚ ጥራሕ ዝሓስቡን ዝነብሩን ኣገልገልቲ ሓደ ሰብ ዝኾኑ ጽልሙታት ሕልና ስማውያን ሽሞኛታት ተዓፊኑ ኣይነብርን።

ካብ’ዞም ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስቡ፡ ነብሶም ዘየመሓድሩ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ወዲቖም ህዝቦም ዘሳቕዩን ዝቐትሉን ዘለው ናይ ሓሳብ ባራዩ፡ እቲ ቅኑዕ ናይ ሰብ ሕልና ዘለዎ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኹን መጻእን ዝግደስ ውጹዕ ኤርትራዊ ይበዝሕ። ብሓሳብን ብዓይነትን ንሱ ይህብትም። በረኣእያን ተግባርን ተወዲቡ እንተወፊሩ ብዘይጥርጥር ንሱ ይሕይል። ውልቀ መላኺ ባእታ፡ ስማውያን ሚኒስተራ፣ ኣመሓደርቲ፣ ጀነራላት፣ በብድረጅኡ ዝርከቡ ኣሳሰይትን መዳመቕትን ኣብ ቅድሚ ውጹዓትን ብዙሓትን ኤርትራውያን ዝበሉ እንተበሉ ዝገበሩ እንተገበሩ መለኽትን ወሰንትን ኮይኖም ኣይነብሩን። ዘርጊሐሞ ዘለው ናይ ጥፋኣትን ብርሰትን ሰንሰለት ብህዝባዊ ቃልሲ ክበጣጠስ’ዩ። ነበረ ክኸውን’ዩ። ዛጊት ብተግባር ይበጣጠስ’ዩ ዘሎ።

እቲ ምብጥጣስ መታን ክቕልጥፍ ግን፡ ውጹዓትን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራውያን፡ ኣብ ንጹራት ሓባራዊ ዕላማታት ተጠሚርና ብተግባር ንዋሳእሉ ኣተሓሳስባ ክንፈጥር ኣለና። ካብ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ናብ ሓሳባዊ ምትእኽኻብ ክንሰጋገር ኣለና። ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ተሰኪሞም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝተዋፈሩ ኣባላት ጸጥታን ስለያን ጉጅለ ህግደፍ፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተሓባበርዎም ወገናትን ሓደ ብሓደ መንነቶም ከነለልን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ በብሰዓቱን ዕለቱን ኣበይ? ኣብ ልዕሊ መን? ብኸመይ? መዝጊብና ክንሕዝ ኣለና። ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ዝተመሰረተ ግብረ መልሲ ክንህብ ኣለና።

ስለዚ ንሎሚ ምበር ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ካብ ዘይሓስቡ ብኹለነተንኦም ዝፈዘዙን ዝደንዘዙን፡ ስማውያን ሚኒስተራት፣ ኣመሓደርቲ፣ ኣምባሳደራት፣ ኮሌኔላትን ጀነራልላት ኮታ ካብ እንኮ ሰባዊ ጉጅላዊ ስርዓት፡ ዝመጽእ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምዘየለ እቶም ዛጊት ዘይቀበጹ ናይ ፖለቲካዊ የወሃት ክቐብጹ ኣለዎም። እቶም ኣቐዲምና ዝለበምና ድማ ንጽገናዊ ዘይኮነ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ክንረባረብ ኣለና። ነቶም ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ትካላት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው እኩባት ሰብ ብረት ድማ፡ ኣይቦታኹምን ካብኡ ውጽኡ ዝብል ምኽርን ትምህርትን ንሃቦም። እንተ እዞም ንግዝያዊ ረብሓን ንኽብሪ ሓደ ሰብን ክብሉ ፈሊጦም ዝጸመሙ ግን፡ ንሶም ኣይናትና ንሕና ኣይናቶም። ፍልልይና መሰረታዊ’ዩ። ኣብ መንጎና ዝህሉ ዳኛ ኸኣ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ሰብ ዝሓስብ ሰብን፡ ናይ እንስሳ ዝሓስብ ሰብን መኻይዲ ኣይኮኑን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 31-10-2019