- ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- The Disappearance of the Eritrean Cabinet of Ministers? – Part 2
- The Disappearance of the Second Eritrean Cabinet of Ministers? Part One
- ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም
- Today: Bologna protest march demanding human rights in Eritrea
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- በወርሒ 10 ሓምለ 1952 ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ብዛዕባ መለይ እንታይ ይብል
- ብወርሒ ታሕሳስ 1950 ዝተውስደ ዉሳኔ 390 A(V) ብዛዕባ ባንዴራ ይዛረብዶ፧
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
- ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
- Mass exodus of Tigrayan, Eritrean youth gives rise to entrenched human trafficking network
- ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
- ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
- ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
- ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
We have 84 guests and no members online
ርእይቶ
- Written by: Super User
ዝኾነ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝካየድ ዝተኽሎ ዓይነት ስርዓት ብዘየገድስ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ እዩ፡
« ፖለቲካ ምምሕዳራዊ ጥበብ »ክሳብ ዝኾነ ፡ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ሓይሊ /ህዝቢ ፖለቲካዊ ምምሕዳራዊ ጥበብ ወኒኑ መሰሉ ከረጋግጽን ጠቕሙን ፖለቲካዊ ስልጣኑን ክዉን ክገብር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ከካይዶ ዘለዎ ቅድመ- ኩነታት ብግዜ ኣንጻር ክህልዉ ኣለዎም፡፡እዚ ማለት ካኣ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረ-ተሰብን ዕላምኡ ኣእሚኑ ከውድቦምን ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዘብቕዕ ቃልሲ ከካይድን ይግባእ፡፡
Read more: ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጥ ይኹን ናይ ስደት መንግስቲ ምምስራት፡. - ብወቕቲ ኣንጻር ባህጊ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን
- Written by: ደግሓኤ
* ጽግዕተኛ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ናይ ዓመጽን ጎነጽን ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዘይኮኖ ክመስል እናፈተነ፡ ክብሪ ህዝብን ሃገርን፣ ናጽነትን ልእላውነትን ብምርኻስን ናብ ዋጋ - ዕዳጋ ብምውራድ ጉጅላዊ ጥቕሙ ቀዳምነት ሂቡ ክምእርር ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ-ህዝብን ጸረ-ሃገርን ዝኾነ ጉጅለ እዩ፡፡
መንግስቲ ህግደፍ ብተፈጥርኡ (ደርባዊ ባህርያቱ) ናይ ሰላምን ደሞክራስን፡ ልምዓትን ዕቤትን ሓይሊ »ስለዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ብዓመጽን ምድንጋርን ጨቢጡ፡ ህዝባውን ሃገራውን ሉእላውነትን ንባዕዲ ኣሕሊፉ እናሃበ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ስርዓታት (ሓይልታት) ዝተፈላለየ ጉንዖ እናተቐበለ ህዝብን ሃገርን ኣሕሲሩ ኣዋሪዱን ዝነብር ዘሎ ከዳዕ ጉጅላዊ መንግስቲ እዩ፡፡
Read more: ጭፍራ ህግደፍ ናብ ሓዲሽ ካምፕ ጽግዕተኘነት ምውጋን፤ - ኣብ ሃገርናን ህዝብታትናን ጉድኣት እምበር ዘምጸኦ ለውጢ የለን
- Written by: Super User
* ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ይኹን፡ ኣብ መስርሕ ናጽነት ምስ እተዛምዶም ኣካላት፣ውድባት፣ ሰልፍታት፣ መንግሰታት ወዘተ ሕድ-ሕድ ካብ ምፋላጥ ሓሊፉ ኣብ ሓበራዊ ጥቕሚ (ኣብ ህልውን መጻእን) ኣብ ፖለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ባህላውን ወዘተ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ዓውደ ቃልሲ (ዝምድና) እዩ፡፡ ስለዝኾነ ዲሎማሲያዊ ቃልሲ ዝተነጸረ ዕላማ ክህልዎን ብኣግባብ ተታሒዙ፣ንክምስረትን፣ ተመስሪቱ ፍርያት ክርከበሉን ንምብቃዕን፣ ዲፕሎማሲ ዝጠልቦ ሕግታትን ጥበባትን ብምኽታል ዘየቋርጽ ሓላፍነታዊ ቃልሲ ዝሓትት መዳይ ናይ ቃልሲ’ውን እዩ፡፡
Read more: ኣብ ዲያስፖራ ዝካየድ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዲፕሎማስያዊ ጥበብን ሕግን ዝተሰነየን ክኸውን ይግባእ
- Written by: ተኽሉ ቀሺ
ተሞክሮ ሰውራ ኤርትራ ከም ዘራጋግጾ ሕቶ ሓድነት ማእከላይ ዕላማና’ዩ እናተባሃለ ኣብ ተግባር ግን ውድባት ኤርትራ ጸረ-ገድሊ፡ዓማ ሓራዲት ቀንጻሊት እናተባሃሃላ እየን መጺኤን ፡፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ዝነበራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን «ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጻውርን’ዩ »ዝብል ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ ነይሩ ፡፡ዋላኳ ኣብ ናይ ተሓኤ ኣብ ካልኣይ ሃ/ ጉባኤ እቲ ጸረ-ሰውራ ዝብል ጌጋ ምዃኑ እንተተገምገመ ኣብ ባይታ ግን እቲ ሽም እናተጥቕማሉ እየን ቀጺለን፡፡
Read more: ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
- Written by: ደግሓኤ
ሃገራዊ ቃልስና ንናጽነት ኣብ ዝካየዶ መስርሕ ቃልሲ ንክዕወት 30 ዓመታት ወሲድሉ፡ጸረ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሰና 30 ዓመታት ወሲዱን ገና ዝቕጽል ዘሎን ቃልሲ እዩ፡፡ብሓፈሻዊ ህዝባዊ ቃልስና ኣብቲ ቀዳማይን ካላኣይን ደረጃታት ቃልሲ ልዕሊ 60 ዓመታት ተኻይዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ’ውን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ እዩ፡፡ህዝባዊ ቃልስና ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ዓመታት ወሲድሉን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉን ዝኸፍል ዘሎን ኢልና ጉድለታቱ ንምርኣይ ምስ እንፍትን መልሱ ቀሊል እዩ፡፡
Read more: ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ - ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ሃገራዊ ልኡላውነቱ ክውን ብምግባር፡ ኣካል ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ከም ዝኾነ ኣየካትዕን። ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰረዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብውሽጣዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብግዳማዊ ሓይሊ ማለት ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተወልደ፡ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ካርታ ሃገርነት ከም ዝጀመረን ንምርዳእ’ዩ።