Press Release World-wide Eritrean Relief and Development Association

Veröffentlicht: Dienstag, 01. Februar 2022 Geschrieben von Super User
  • Ever since the peoples of Eritrea began to break free from the political, social and cultural oppression to which they were subjected by the colonialists, and later during the armed strugle against the Ethiopian domination for their freedom, they have faced appalling atrocities and migrations. During the armed struggle of the Eritrean people, especially after the liberation, there was a momentum of heigh emigration rate, especially among the young generation to neighboring countries, especially to the Sudan and Ethiopia.

Weiterlesen: Press Release World-wide Eritrean Relief and Development Association

ደምዳሚ መግለጺ - ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ

Veröffentlicht: Dienstag, 01. Februar 2022 Geschrieben von Super User
  •  ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኪዋግኡ ካብ ዝጅምሩ ኣትሕዞም ነቲ ብሰንኪ ዓመጽቲ ገዛእቲ ዝወርዶም ዝነበረ ኣደራዕ፡ ብፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን፡ ቀጺሉውን ብብረታዊ ቃልሲ ጸረ ኩሎም ገዛእቲ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ጭቆና ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ፡ ኤርትራውያን ኣደዳ ኵናትን ስደትን ኰይኖም ኢዮም። ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ‘ሃገራዊ ናጽነት’፡ ናህሪ ስደት መንእሰይ ወለዶ ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ሃገረ ሱዳንን፡ ኢትዮጵያን ክውሕዝ ተራእየ።

Weiterlesen: ደምዳሚ መግለጺ - ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ

Press release Worldwide Eritrean Relief and Development Association

Veröffentlicht: Dienstag, 01. Februar 2022 Geschrieben von Super User
  •  Brutal and heavy fighting in the Horn of Africa countries in general and in Ethiopia in particular are echoed by the United Nations (UN) and other social media platforms.

Let us express our deepest sorrow at the atrocities and slaughter that is and continues to be committed on and on against the civilian

Weiterlesen: Press release Worldwide Eritrean Relief and Development Association

ሓድነታዊ መግለጺ ናይ ሰለስተ ኣሓት ውድባት

Veröffentlicht: Sonntag, 07. März 2021 Geschrieben von UJC, UDC, ENSF-Hidri

ሓድነታዊ መግለጺ ናይ ሰለስተ ኣሓት ውድባት

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከቢድ ኩሉ መዳያዊ ጸገም ኣትያ ከም ዘላ ዓለም ምሉእ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ዝዀነ ይኹን መባእታዊ ቀረብ ክረክብ ዘይተዓደለ፣ ፖለቲካ ንውሑዳት ኣካላት ጥራት ዝምልከት ኰይኑ ንኻልኦት ኤርትራውያን ገበን ዝዀነሉ፣ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ዘይተኸብረሉ፣ ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐነሉ፡ ብሕጽር ዝበለ ፍርሒ፡ ጥመት፡ ድንቁርና ወዘተ ዓብሊሎም ንህዝብና ከሳቕዩ ይርኣዩ ኣለዉ። ንሱ ከይኣክል እዚ ቋንቋ ውግእ ወረ ውግእ እምበር ቋንቋ ዲፕሎማሲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነጸብራቕ ውሽጣዊ ፖሊስኡ፣ ወግሐ ጸብሐ ነጋሪት ናይ ውግእ ኣዋጅ እንዳሃረመ ምስ ኩለን ዝዳወባና ሃገራት ውግእ ከፊቱ፣ ንህዝብና ኣብ ዘይረብሓሉ ውግኣት ክኣቱ ክስዋእን ክስንክል ክስደድን ክበታተንን ይርአ ኣሎ።

ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ መዓትን መከራን ሃገርና ከኣ መራሕቲ ጃንዳ ህግደፍ ምዃኖም ይፍለጥ። ጉጅለ ህግደፍ ብሕጊ ዘይኰነስ ብዊንታ ሓደ ሰብ ዝውሰን በብግዜኡ ዝወጽእ ኣዋጃት እዩ ንኤርትራ ዝመራሕ ዘሎ። ጉጅለ ህግደፍ ከይተኣለየ ዝዀነ ይኩን ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ ክኽበር፡ ቁጠባዊ ዕብየት ክዓቢ፡ ማሕበራዊ ጠለባት ህዝብና ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ብምዃኑ እቲ እንኮ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝዀነ ኩሉ ዓቕምናን ሓይልናን ኣንጻር ህግደፍ ዝጠመተ ክኸውን ይግባእ ዝብል እምነት ኣለና። ህዝብና ተደጋጋሚ ክጽውዖ ዝጸንሐ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ብምኻኑ፡ እቲ ብተናጸል ክነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ጽምኣት ሓርነት ሓፋሽ ህዝብና ዘርዊ ኮይኑ ብዘይምርካቡ፡ እነሆ ኣብዚ ዘለናዮ ፈታኒ መድረኽ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝምልስ ሓድነት ሰለስተ ውድባት ፈጺምና ንርከብ። ኣስማት ዝሰመራ ሰለስተ (3) ኣሓት ውድባት፡-

  1. ውድባ ሓድነት ኤርትራውን ንፍትሒ
  2. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  3. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

ካብ ዕለት 28 ለካቲት 2021 ጀሚረን ሰሚረን ሓደ ውድብ ከም ዝዀና ንመላእ ህዝብና ከነበስር ከለና ሓጎስ ይስመዓና። ህዝብና’ውን ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት ከም ዘሕጉሶ ንርዳእ። ስም ናይ’ዚ ዝሰመረ ውድብና ከኣ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ይበሃል። ናብ’ዚ ዕዉት ስምረት’ዚ ንኽንበጽሕ ዝሓገዙ ረቛሒታት ክንጠቅስ ኣገዳስነት ዘለዎ ይመስለና። ብመጀመርያ ነቲ ናይ ክድዓት መግለጺ ኢሳያይስ “ኣይከሰርናን”፡ “ሓደ ህዝቢ ኣይኰነን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ” ብምባሉ ሓያል ናይ ህዝብና ተቛውሞ ብሓደ ወገን፣ ብካልእ ወገን ድማ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ከም ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣዕሚቕና ክንሓስብ ከም ዘለናን ዝሓገዘናን ምዃኑ ክንጠቅስ ንደሊ። ቀጺሉ ኣብ ሚነሶታ ዝርከብ ናይ “ተምፖ ኣፍሪቕ” ትካል ንኹሎም ተቛውሞ ዓዲሙ ናይ ዘተ መኣዲ ምፍጣሩን ስልጡን ናይ ዘተ ምክያዱን ተራ ከም ዘለዎ ነመልክት። ስዒቡ ንቕሎ ኣዴታት ዝብል ምንቅስቓስ ዓቢ ተርኡ ከም ዘበርከተ ይፍለጥ። እዞም ዝተጠቕሱ ማዕረማዕረ እንዳሰርሑ ከለዉ ዋዕላ ሎንዶን ብምድላው ዝተገበረ መጸዋዕታን ምትብባዕን ኣገዳሲ ረቛሒ ነይሩ። እኩብ ድምር ናይ’ዞም ኩሎም ምንቅስቓሳት እቶም መራሕቲ ሰለስቲአን ውድባት ተራኺቦም ናይ ዘተ ሽማግለታት ብምቛም ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዘተ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ሎሚ ኣብ መደምደምታ በጺሑ ናይ ሓድነት ብስራቱ ይእውጅ ኣሎ። እቶም ነዚ ክዉን ንምግባር ዘበርከቱ ኣካልትና ምስጋናና ነቕርብ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና ነቕርቦም መጸዋዕታታት ከኣ ኣለዉና፡-

  • ዝኸበርኩም ኣባላት ውድባትና ነዚ እንገብሮ ዘለና ተበግሶ ኣብ መዓርፎኡ ንኽበጽሕ ብዝገበርኩሞ ኣበርክቶ ምስጋና ይብጻሕኩም። ብዓቢ ሞራል ክሳብ ዓወት ክትከናኸንዎ ከኣ ንላቦ፣
  • ዝሰመረ ውድብና፡ ኩሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስልጣን ዝገበተ፡ህዝብን ሃገርን ዘብርስ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ኣተሓስሳብኡን ንምእላይ ዘለና ዕቑር ሓይሊ ኣብ ነወሃህደሉን ነበራብረሉን ዘለናሉ እዋንኩሉ መዳያዊ ዘይተቘጠበ ደገፍ ህዝብን ሲቪላዊ ማህበራት ኤርትራ ከይፍለየና ነማሕጽን፣
  • መሓዙት ውድባትና ብሸነኾም ነዚ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ብምድጋፍ ክጽንበርዎን ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክወስዱ ነተባብዕ።

ህግደፍ ዝፍለጠሉ ቀንዲ ሕላገት ውግእን ዕንወትን ጥራይ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ጽምኢ ደም ኢሳያይስ ንምርዋይ ኣብ ዘይምልከቶም ውሽጣዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክቕዘፉ ንርኢ ኣለና። ነዝን ካልእን ኣመልኪቱ ዝሰመረ ውድብና ነዚ ዘለናዮ ተረኽቦታት ኣብ ትግራይን ካልእ ኣብ ግምት ብምውሳድ ዘቕርቦም ለበዋታትን ምሕጽንተታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

  • ነዚ ብጉጅለ ህግደፍ ተወሲዱ ዘሎ ምእታው ሰራዊት ኣብ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ዘሎ ሰባውን ንዋታውን ዕንወት ኣጥቢቑ ይኹንን፣
  • ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ልዑላውነት ሃገርና ዝደፍር ስለ ዝዀነ ብቕልጡፍ ካብ ሃገርና ክውጽእ ንጽውዕ፣
  • ሰራዊት ኤርትራ ድማ ብቕጽበት ካብ ቦታ ውግእ ትግራይ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይጽውዕ፣
  • ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ኩሉ እንተናዊ መቕዘፍቲ ኣጥቢቑ ይኹንን። ሕብረተ-ሰብ ዓለም ከኣ ነዚ ኣመልኪቱ ትዂረት ክገብረሉ ንምሕጸን፣
  • ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኤርትራ በኹሩ ዘሎ ፍትሕን፣ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ቆላሕታ ክገብርሉ ንጽውዕ፣
  • ሃገራውያን ይኹኑ ኣህጉርውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዘይፍትሓዊ እሰርቲ ዝያዳ ድምጺ ከኻዕብቱ ነተባብዕ፣

Bildschirmfoto_2021-03-07_um_18.03.24.png

  

 

 

 

ኣፈወርቂ ኪዳነ                     ተስፋሚካኤል ዮሃንስ             ባዝጊ ድቡስ              

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን    ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

ንፍትሒ (ውሓድፍ)                            ለውጢ (ውሓዲለ)                    (ግሃድኤ-ሕድሪ)  

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንኩሎም ስውኣትና

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝብና

ኤርትራ ብነጻነታን ክብራን ንዘለኣለም ትንበር!!!

28 ለካቲት 2021

بيان المجلس الوطني الارتري بشأن اندلاع الحرب في إقليم تجراي الإثيوبي

Veröffentlicht: Freitag, 06. November 2020 Geschrieben von Super User

ENCDCتابعنا بكل أسف منذ صباح الرابع من نوفمبر 2020م ما ورد من بيانات رسمية وتصريحات في وسائل إعلام الحكومة الفيدرالية الإثيوبية والحكومات الإقليمية في كل من إقليمي تجراي وأمهرا تشير إلى اندلاع معارك في إقليم تجراي.

ونحن في المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي نعبر عن أسفنا البالغ لاندلاع هذه المواجهات العسكرية بين الأشقاء في إثيوبيا، في الوقت الذي يعاني فيه الشعب الإثيوبي من آثار جائحة كرونا، واجتياح الجراد الصحراوي مساحات شاسعة في المنطقة، وإلحاق أضرارٍ بالغة بالمحاصيل الزراعية

Weiterlesen: بيان المجلس الوطني الارتري بشأن اندلاع الحرب في إقليم تجراي الإثيوبي

Weitere Beiträge ...