بيان المجلس الوطني الارتري بشأن اندلاع الحرب في إقليم تجراي الإثيوبي
تابعنا بكل أسف منذ صباح الرابع من نوفمبر 2020م ما ورد من بيانات رسمية وتصريحات في وسائل إعلام الحكومة الفيدرالية الإثيوبية والحكومات الإقليمية في كل من إقليمي تجراي وأمهرا تشير إلى اندلاع معارك في إقليم تجراي.
ونحن في المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي نعبر عن أسفنا البالغ لاندلاع هذه المواجهات العسكرية بين الأشقاء في إثيوبيا، في الوقت الذي يعاني فيه الشعب الإثيوبي من آثار جائحة كرونا، واجتياح الجراد الصحراوي مساحات شاسعة في المنطقة، وإلحاق أضرارٍ بالغة بالمحاصيل الزراعية
Weiterlesen: بيان المجلس الوطني الارتري بشأن اندلاع الحرب في إقليم تجراي الإثيوبي
መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ዘሎ ኩናት
Weiterlesen: መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ዘሎ ኩናት
ካብ ወጋሕታ 4 ሕዳር 2020 ማዕከናት ዜናታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ክልላዊ መንግስታት ትግራይን ኣምሓራን፡ ኣብ ትግራይ ኩናት ከም ዝተባረዐ ብወግዒ ዝሕብር በብወገኖም ዝሃብዎ መግለጺታት ተኸታቲልና። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደጋ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን፣ ብሰፊሕ ዘመተ ኣንበጣን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን መርድእ ኩናት ምስማዕ ኣዝዩ ኣጒሃይን ኣሕዛንን’ዩ።
መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ካብ 3 ናብ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውግሕ ናብ ጎንጺ ከም ዝማዕበለ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ተሓበረ ኣዝዩ ኣሕዚኑና። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሕድሕዶም፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከም ዘይፈልጦ ዝገልጽ ኣዋጃት ከውጽኡ እንከለዉ ስክፍታና መሊሱ ክውስኽ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ብሰላም ክፈትሕዎ እዮም ዝብል ተስፋ’ውን ነይሩና።
ጋዘጣዊ መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣበጊሱ Press Release Eritrean Political Forces Coordination Committee Launches Various Joint Political Tasks تصريح صحفي لجنة التنسيقية للقوى السياسية الإرترية تطلق العديد من الأنشطة السياسية ال
The Eritrean Political Forces, which on 24 June 2020 issued a joint declaration pledging to coordinate their efforts to bring democratic change in Eritrea, have initiated their joint work on a number of important areas, including diplomacy, media, and mass mobilization activities. The political forces are Eritrean National Council for Democratic Change, Eritrean National Front, Eritrean People's Democratic Party, Unity for Democratic Change, and United Eritreans for Justice. The guiding principles bringing the political forces together are: (1) Protecting the sovereignty and territorial integrity of Eritrea; (2) Removing the autocratic regime with the unified power of the people; (3) Successfully transitioning Eritrea to a multiparty system of democratic governance; and (4) Submitting to rule-of-law and guaranteeing basic liberties and rights to the Eritrean people.
ሓደ መስከረም ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን/ኤርትራ/ሆደ
Weiterlesen: ሓደ መስከረም ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን/ኤርትራ/ሆደ
መበል 59 ዓመት ባሕቲ መስከረም እንቋዕ ኣብጽሓና። ባሕቲ መስከረም ነባሪ ንምጸብራቅ ልዑል ዘይተምበርካኺ ባህርያት ኤርትራውያን እያ። ባሕቲ መስከረም ሉኡላዉነትና ወኒንና ኣብ እነብዕለሉ እዋን ማዕረ ማዕሪኡ ን ጅግና ኣቦና ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ቐያሕትን ጸለምትን ሱዉኣትና ብልዑል ሓበንን ክብርን እንዝክረሉ እዋን እውን እዩ። ሕድሪ ሱዉኣትና ንፍትሸላ፣ ዝጎደለ ክንምልእ ቓል ንኣትወላን’ያ።
ንቕዋማዊ ህዝባዊ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ደገፍና ንገልጽ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ/ሆደ ጋዜጣዊ መግለጺ።
Weiterlesen: ንቕዋማዊ ህዝባዊ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ደገፍና ንገልጽ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ/ሆደ ጋዜጣዊ መግለጺ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን መርጻ ክልል ባቶን መንግስትን ትግራይ፣ መ/ም ሙሉውርቂ ኪዳነ ማርያም ምስ ሙሉኣት ናይ ስራሕ ብጾቱ ታሪኻዉን በዳህን መረጫ፣ ክመርሑ ዝተዋህቦም ሓደራ ብሰላምን ብዓወትን ክድምድሙ እናተተምኔና፣ ህዝብታትን ፖሎቲካዊ ዉድባትን ክልል ትግራይ እንቛዕ ኣብ’ዚ ሓምሻይ ህዝባዊ መርጻ ኣብጻሓኩም፣ እናበልና፣ ብሰላምን ዓወትን ከም ትድምድምዎ እናተኣማመና፣ ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ነዚ ህዝባዉን ፖሎቲካዉን ምርጫ ደገፍና ንገልጽ።
ብምኽንያት መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፤
ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም 1941 ጣልያን ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ተጸሪጉ ኣብ ዝወጸሉ ነጻን ልኡላዊትን ደሞክራስያዊት ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ንምምስራት ዝተኻየደ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ቃልሲ ብልዕለ-ሓያል ሃገር ኣሜሪካን መሻርኽታን መሳርሒኦም ዝኾነ ስርዓት ሃይለስላሴን መጀመርያ ማዕርነታዊ ተሳትፎ ብዘይብሉ ፌደራላዊ ምትእስሳር፡ ቀጺሉ ንሳ’ውንውን እንተኾነት ብሓይሊ /ብዓመጽ/ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክትወድቕ ከም ዝገበሩ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ እዩ፡፡
ደምበ ተቓወምቲ ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያትና ብግቡእ እናኣመሓደርና፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር / ጽላል/ መስሪትና ክንቃለስ ሕጂ’ውን ዕቱባት ክንከውን ይግባእ፡
ኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሓርነታዊ ቃልስና ንከይዕወት ካብ ዘደናጉዮ ዘሎ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ተቓዋማይ ሓይልና ዓቕሙን ፍልጠፍልጠቱን መሊኡ ኣወሃሂዱ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ/ ዘቃልስ ሰፊሕ ግንባር /ጽላል/ መስሪቱ፡ ብምትእምማንን ምድግጋፍን ክቃለስ ዝኽእል ጥሙር ሃገራዊ ሓይሊ ብምውናን ክቃለስ ይበቅዕ ብዘይምህላዉ እዩ፡፡