ንሕና አዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ 14 ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ካብ ዕለት 22.02 ክሳብ 23.02.2020 ኣብ ፍራንክፎርት፣ ሃገረ-ጀርመን፣ ሰሚናር ኣካይድና። ነቲ ብሰንኪ ሰርዓተ-ምልኪ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ መስተርሆት ንምርካብ ከኣ ብዕምቆት ተላዚብና።

ኣብ መንጎ ስርዓታት ህግድፍን ኢህወደግን ኣብ‘ዚ መዋእል‘ዚ ዝካየድ ዘሎ፣ ንልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ዝፈታተን፣ ናይ “ምድማር“ን ሕቡአ-ውዕላትን፣ ብኸመይ ኣገባብ ተፍሸሎን ንዕድመ ህግደፍ ተሕጽርን ገምጊምና። ንፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ደምበ ደላይ ፍትሒ ናብ ሓድነትን ግብራውነትን ንኽሰጋገር ዘሎና ምርጫታት ከኣ ብዝርዝር ርኢና።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ብምሉኣቶም ኣብ ሓደ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ንጽባሕ ዘይብሃሎ አንኮ መንገዲ ቃልሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ምእንት‘ዚ ንኹልኻትኩም መሪሕነት ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ዓቕምታት ተቓላሲ ሓይልና ዝጥርነፈሉን ንህግድፋዊ ምልኪ ነሳጉጎሉን ናይ ሓድነት ቅጥዒ ኣውጺእኩም ከተቃልሱና ንጽውዕ።

ኣብዚ ኣብ ሃገር ጀርመን ዘሎና ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ድሕሪ ደጊም በሓደ ተጠርኒፍና ሓቢርና ከንቃለስ ምሉእ ዕግበት በጺሕናሉ። ኣብ ካልእ ሃገራትን ክፍሊ-ዓለማትን ዘሎኹም ብጾት ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ ከምኡ ክትገብሩን ንመሪሕነታት ብሓደ ተጠርኒፎም ክሰርሑ ከተታባብዑ ንጽውዕ።

ካልእ ሰሚናርና ኣገዳስነት ሂቡ ዝተካትዓሉ ኣገዳሲ ዛዕባ፣ ጉዳይ ስቪካዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን (ይኣክል) ኮይኑ፣ ናብ ኣድራሻ ናታቶም ኣመልኪትና ብቀዳምነት ንሓድሕዶም ተወሃሂዶም   ክሰርሑ ዘሎ ተደላይነት ዕዙዝ ምዃኑ ርኢና፣ ኪኖዚ ብምኻድ፣ ንሕና‘ውን ከምኡ ምስኦም ሓቢርና ክንቃለስ ምሉእ ዕግበት በጺሕና። ብሸነኾም ከኣ ተመሳሳሊ ቅሩቡነት ክህሉ ትጽቢትና ልዑል‘ዩ።

ብሓንሳብ ነድምጽ ከነስምዕ፣ ብሓንሳብ ንስራሕ ከነድምዕ!

  1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
  2. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  3. ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
  4. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
  5. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  6. ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  7. ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ/ሰደኤ
  8. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
  9. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  10. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ
  11. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ/ሓደለ
  12. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
  13. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
  14. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር