ኤርትራውያን ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ክንዮ ሕቶ ሰላም ሕቶ ደሞክራሲ፡ ከም ህዝቢ ቅልጡፍ ፍታሕ ዝጠልብ ናይ ህልውና ሓደጋ የንጸለልወና ኣሎ። ጠንቂ ከኣ ካልእ ዘይኮነ ህልዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ’ዩ። ናይ ቀረባ ሓባራዊ ዕማም ደምበ ተቓውሞ ከኣ፡ ህልውና ህዝቢ ንምውሓስ ጠንቂ ኣብ ምውጋድ ዘትከለ ክኸውን ይግባእ። ጠንቂ ንምውጋድ፡ ኣሕዋትና እንድዮም፡ ነጻነት ዘምጽኡ እንድዮም፡ ንልኡላውነት ሃገር ዝከላኸሉ እንድዮም ብዝብል ምስምስ ምስኡ ዝደናገጽ ባህሪ ተሰኪምካ ከይትህሉ ገዛእ ርእስኻ ምፍታሽን ምቕባጽን የድሊ። ንሱ ዘደናግረሉ ጭርሖ ብንቕሓት ነጺርካ ምልላይ፡ ሓሶት ምዃኑ ምቅላዕን ምሕዳግን የድሊ። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ንግሩሃት ዘደናግረለን ቀንዲ ጭርሖታት፡ ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ሕድሪ ሰማእታት ኣይነዕብርን ዝብላ’የን። እንተኾነ ግን፡ እዚ ረዚን ጭርሖ’ዚ ናይ ደምበ ተቓውሞ ‘ምበር ናቱ ኣይኮነን፡፡ ንሱ ብፖለቲካዊ ባህሪኡ፡ ፖሊሲኡ፡ ተግባሩ ኣንጻር ናይ’ቲ ጭርሖ’ዩ።
ካብ ኲናት ምፍብራኽን ምስሳይን ወጻኢ፡ ብዛዕባ ድሕነት ህይወት ሰብ፡ ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝብን ግዲ ዘይብሉ ፈራሕ ጨካን ገዛኢ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ልኡላውነት ሃገር ከኽብር፡ ሕድሪ ሰማእታት ክፍጽም ኢልካ ኣይሕሰብን። ከም ምሒር መግለጺ ትዕቢቱን ጭካኔኡን ከኣ፡ ብሓደ ሰብን ብዘይተጻሕፈ ሕጊ’ዩ ዝገዝኣና ዘሎ። ስለዚ ካብ’ዚ ሕሱም መግዛእቲ ሓደ ሰብ ሓራ ንምውጻእ፡ ተወዲብካን ተናቢብካን ምቅላስ ምርጫ ኣልቦ’ዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስቓይና ዘሕጽር ኣድማዒ ገስጋስ መታን ከመዝግብ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ስቪክ ማሕበራት፣ ማዕበላዊ ምንቅስቓሳት፣ ማዕከናት ዜና፣ ስነ-ጥበባውያን፣ ሃይማኖታዊ ትካላትን ካልኦት ዝምልከቶም ወገናትን ንገብሮ ንጥፈታት፡ ትብዓት፣ ጽንዓት፣ ተወፋይነት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካውን ሞያውን ጥበብ ዝተቓነየ ንጹርን ተሓተትነት ዘለዎን ወፍሪ ከነካይድ ይግባእ።
ስለምንታይ? ብፖለቲካዊ ጥበብን ተሓታትነትን ዘይተቓነየ ህዝብዊ ቁጠዐ፡ ክንዲ ዝኾነ ሕቶ ትብዓትን ተወፋይነትን ይመልስ፡ ዝድለ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምጽእ ኣይክእልን። ዘቤታዊ ጸላኢ ምስ ኩሉ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ትካላቱ ክውገድ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፤ እንተበቲ እንተበቲ፡ ነቲ ክድሕን ንቃለሰሉ ዘለና ህዝብን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዝርከቡ ፈተወትን ለኪሙ ዝሃርም ከይኸውን፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ መግለጺ ብዙሕነትና ዝኾነ፡ ናይ ፖለቲካ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ባህላዊ ፍልልያት ብኣሉታ ብምርዳእ፡ ንሓድነትና መሊሱ ዝዘርግን ዘዳኽምን መልእኽቲ ከየሕልፍ፣ ዘቤታዊ ገዛኢ ክንሃርም ክንብል፡ ንኡላውነትና ብምኽሓድ፡ ኣብ ብዝሒ ህዝብን ኣጽዋርን ተኣማሚኑ ወደብ ዓሰብን ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ዝርከብ ቀይሕ ባሕርን ክውንን “ካብ ዲጋ ናብ ወደብ” እናበለ ንዝፍክር ዘሎ ባዕዳዊ ሓይሊ፡ ብፖለቲካ ድዩ ብሓበሬታ መህረሚና በትሪ ከይነቐብል ልዑል ጥንቃቔን ፖለቲካዊ ጥበብን ክንገብር የድልየና ኣሎ። እዚ ንኹሉ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዝዋሳእ ዘሎ ተቓላሳይ ዝምልከት’ዩ።
ማዕከናት ዜና ግን ካብ’ቲ ካልእ ፍልይ ዝበለ ባህሪ ስለ ዘለዎ ዝያዳ ጥንቃቐ፡ ጥበብን ሓላፍነትን የድልዮ። ስለዚ፡ ወነንቲ፡ ኣዳለውትን ኣቕረብትን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ትነጥፉ ማዕከናት ዜና ብሓፈሻ፡ ብዩትብን ቲክቶክን ጥነጥፉ ገለ ወገናት ከኣ ብፍላይ፡ ፍርያትኩም ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምዝርጋሕኩም፡ ትሕዝቶኡን ኣቀራርባኡን ካብ ስምዒትን ሸለልትነት ብዝደሓነ ብሓላፍነት ክትሕዝዎ ይምከር። ናይ ደምበ ተቓውሞ ትካላት ዜና ነዚ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ መሪሕ ውድብን ንጹር መርሖን ዝሰኣነ ናይ ጣሕመሽመሽ ጉዕዞ ብግቡእ ዝተረደአ ክኸውን ኣለዎ። ማእከሉ ድሕነትን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ህዝብን ክገብር ኣለዎ። ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ምህላው ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምጉልባት ዘለዎ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ብምእታውን ብምኽባርን ኣላዪ ተራ ክጻወት ይግባእ።
ሓሳባይ ንምዝዛም፡-
ሀ. ናብ ዘቤታዊ ጸላኢ ዘቕነዐ ተዳልውዎ መደባት፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ንገበናት ጸላኢ ዝሽፍን ዕድመ ስልጣኑ ድማ ዘናውሕ፣ ንስሩት ጸጋታትን ሃገራዊ ሓድነትን ህዝብና ብኣሉታ ዝጸሉ መልእኽቲ ከይኸውን፣
ለ. ናብ ደምበ ተቓውሞ ዘቕነዐ ተዳልውዎ መደባት፡ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ከመይ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ደኣምበር፡ ክጠፍእ ኣለዎ ኢልካ ከተጥፈኦ ምሕላን ቅኑዕ ስለ ዘይኮነን ስለ ዘይከኣልን፡ ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፡ ቦታዊ ጸጊዕ ብምሓዝ ኣንፈት ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ዘዛብዕ፡ ንፍልልያትና ዘጋፍሕ፡ ንድሑር ስምዒታት ድኹዒ ኮይኑ ከይገልግል፣
ሐ. ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትናን ህልውናን ብሕቡእ ዘይኮነ ብወግዒ ዝስማዕ ዘሎ ፈኸራን ደረጃ ሓደጋኡን ብምዝንጋዕ ድዩ ብካልእ፡ እንኮስ ዘቤታዊ ጸላኢና ይቃላዕን ይወገድን ‘ምበር ካልእ ባዕሉ ይፈልጥ ዘስምዕ ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ኣብ ውሽጥና ክጻረን ክተሓዝን ዝግበኦ ንንፋስ ምሃብ ቅኑዕ ኣገባብ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ንኣብነት ኣብ’ዛ ንርከበላ ተሃዋሲት መድረኽ፡ ስም ምጥቃስ ኣድላዪ ኣይመስለንን ብገለ ማዕከናት ዜና፡ ተቓወምቲ ጎረቤት ሃገር ኣብ ሳዋ ሰልጢኖም። ኣብ ወሎ ኣጥቂዖም። ስርዓት ኤርትራ ኩሉ ሸነኻዊ ደገፍ ይገብረሎም ኣሎ። በዚ ዝተቖጠዐ መንግስቲ ጎረቤት ሃገር ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ። ሓቁ’ዩ …ወዘተ ዝብል መልእኽቲ ተደጋጊሙ ክቃላሕ ተሰሚዑ ከም’ዚ ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን። ብዜና፣ ዜናዊ ሓተታ፡ ቃለ-ማሕተት መልክዕ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ንመን ኣቃሊዑ፡ ንመን መህረሚ በትሪ የቐብል ከም ዘሎ ክርዳእ ይግባእ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ምስክርነት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ህልውናናን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ውጽኢት ብሓላፍነታዊ ኣጠማምታ ክተሓዝን ክእረም ከም ዘለዎ፣
መ. ንቃለ መጠይቕ ዝቐርቡ ሰባት፡ ካብ ስሞም፡ ውድቦም ድዩ ማሕበሮም ወጻኢ፡ ምሉእ ድሕረ ባይታኦም፡ ዝርከብሉ ቦታ ክገልጹ ምግባር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ክእረም ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ክውገድ ንቃለሶ ዘለና ጸላኢ፡ ድሑር፡ ጨካን፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝተሰለፈ ውልቀ ሰብ ዘየረኻኽበሉ እንተኾይኑ ስድራ ቤት ዝኣስር፡ ገዛ ዝዓጹ፣ ንብረት ዝራሲ፣ እንስሳ ዘቤት ወሲዱ ዝሓርድ ዝሕርጅ፣ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ኣትዩ ዝብትን ዘይንቡር ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ከም ዝበሃል፡ ንስለ ድሕነት ስድራ ቤትን መቕርብን ክበሃል ሓላፍነት ዝመልኦ ጥንቃቔ ክግበር እላቦ።
ክብሮም ከሰተ
15-10-2025
