ካብ ጽ'ባሕ ''ስምምዕ ሰላም'' ጀሚሩ፡ እዞም ክልተ ''መራሕቲ'' ዝተፈላለዩ ርክባት ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም። እንታይ ተማኺሮም፡ እንታይ ወሲኖም ግን፡ ማንም ዝፈልጥ የሎን። ብውሑዱ እቶም ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ወሳኒ ተራ ክህልዎም ዝግባእ ህዝብታትና፡ ከም ጓና ተራእዮም ተገሊሎም'ዮም ዘለዉ። ኣብ ሃገርና፡ ይትረፍዶ እቲ ካብ ወጋሕትኡ ''እንታይ ኣፍሊጡካ'' ተባሂሉ ዝተናዓቐ ህዝብስ፡ ሽማዊ ሃገራዊ-ባይቶ ኤርትራ ካብ ዝፈርስ፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣሕሊፉ ኣሎ፤ ኩሎም ምስጢራት ድማ፡ ኣብ ኢድ ሓደ ኢሳያስ ተኸዚኖም ኣሎዉ። ዝጸባጸቦ ካቢነ ይኹን፡ ዓገብ ኢሉ ገኒሑ ዘስመዖ ባዓል ስልጣን የብሉን። ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፡ ናብ'ቲ ብድምጹ ዝሾሞ ቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ምስ ኤርትራ ዝፈጸሞ ናይ ሰላም ስምምዕን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን፡ ጸብጻብ ከቕርብ ተኸታቲልና ኣይንፈልጥን። ስለዚ ድማ፡ ጉዳይ ስምምዕ ሰላም ክልቲኡ ሃገራት፡ ከም ምስጢር ዓቂቦሞ ምህላዎም፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ንምግማቱ የጸግም እዩ።

ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላው፡ ንርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ድቃስ ስለዝኸልኦ፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጉንቦት 2020 ጀሚሩ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክጓየ ጸኒሑ ኣሎ። ዕላምኡ ድማ፡ ንጹር እዩ። ክልቲኦም ''መራሕቲ'' ብቕሉዕ ይኹን ብሕቡእ እናተራኸቡ፡ ናይ ሓባር ኣጀንዳኦም ንምዕዋት፡ ሰለም ዘበሉ ኣይኮኑን። ናይ ዝሓለፉ እዋናት ኣጽኒሕና፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ 2019፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሹ፡ ዝመደሮ ኣይንርሰዖን፤ ''. . ሰለስተ ወለዶ፡ ብዘይ ምኽንያት ተራሓሒቕና ጸኒሕና፤ ሰለስተ ወለዶ ከሲርና'' ኢሉ። እዚ መግለጺ'ዚ፡ ንህዝብታትናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ዘለዎ ትርጉም፡ እንታይ እዩ ዝብል ምርኣይ የድሊ። ፈጺሙ ዘጋጊ የብሉን። ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትናን ልዑላውነትናን፡ ን20 ዓመታት ሰላማዊ ፖሎቲካዊ ቃልሲ፡ ን30 ዓመታት ድማ፡ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎ እናካየድና፡ ዝኸፈልናዮ ማእለያ ዘይብሉ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእቲ፣ ብሽም ምውሓስ ልዑላውነት ሃገር፡ ካብ ጉንቦት 1998 ክሳብ ጉንቦት 2000 ዓ.ም. ኣብ ዶብ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት፡ ዝወረደና ከቢድ ክሳራ፡ ፋይዳ ኣይነበሮን፤ ንብላሽ ዝተኸፈለ እዩ ማለቱ ምዃኑ፡ መን ይስሕቶ። ተደማሚሩ ክረአ እንከሎ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ''ካብ ኢትዮጵያ፡ ናጻ ንምውጻእን ልዑላውነትና ንምውሓስን ዘካየድናዮ ሰላማውን ዕጥቃውን ተጋድሎ፡ ከምዘይኣምነሉ ዝእምት መደረ እዩ።

ነዚ ዝላዓለ መግለጺ ክሕደት ዝኾነ መደረ፡ ናይ ህዝብታትናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ግብረ መልሲ ድማ፡ ርእዩዎ እዩ። ግን ከኣ ንጉሰ-ነገስት 'ዓባይ ኢትዮጵያ' ናይ ምዃን ሕልሙ ፈጺሙ ኣይቃሃመን። ከም ናይ'ዚ ቅሉዕ መግለጺ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ምስ ጋዜጠኛታቱ ዘካየዶ ቃለ መሕትት እዩ፤ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣማዕድዩ ከምዘይርእዮ ብንጹር ኣቐሚጡ። ሓደ ናይ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ''መራሒ'' እየ ዝብል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልእ ልዑላዊት ሃገር፡ ብቕሉዕ ክድርጉሖ ዘይትጽበዮ ቃለ-ምልልስ ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ፡ ህዝብታት ኣማሓደርቶም ክመርጹ ዘለዎም መሰል፡ ትርጉም የብሉን፤ እቲ ሓድሽ መሪሕነት፡ ለውጢ ከተኣታቱ ካብ ጀመረ፡ ሙሉእ ክኸውን ኣሎዎ፤ ስለዚ ፌደራላውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓት ኢትዮጵያ ክፈርስ ኣለዎ ብምባል፡ ብዘይ ሕብእብእ ኣነጺሩ። ዘድሊ ደገፍ ክህብ ድሉው ምዃኑ ድማ፡ ኣረጋጊጹ። እዚ ቅሉዕ መልእኽቲ'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም፡ ናይ መረጻ መሰሎም ክኽበረሎም ዝደልዩ፡ ንፌደራላዊ ዲሞክራስያውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓቶም፡ ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእዩ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ዝተኣወጀ ኲናት እዩ።

ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ዝለፍለፎ ናይ ክሕደት መልእኽቲ፡ ኣብ ህዝብታትና መመሊሱ፡ ኣሉታዊ ስምዒትን ነድርን እናጓሃሃረ፡ ናብ ዝላዓለ ጥርዚ ይዓርግ ምህላዉ፡ ዝተገንዘቡ ላዕለዎት መጋበርያታቱ፡ ነቶም መደረታት ክጸጋግኑዎም ላሕ ክብሉ ንከታተሎም ኣሎና። ናይ ክሕደት መደረታት ንምኩሕሓል ይኹን፡ ቅኒት ብምቕያር፡ ሒዞሞ ዘለዉ ኣንፈት፡ ብ24 ጉንቦት 2020 ኣብ ማዓልቲ ናጽነት ይኹን 20 ሰነ 2020 ኣብ ማዓልቲ ሰማእታትና፡ ሻሕጣይ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዘማሓላለፎ መልእኽቲ እኹል መረጋገጺ እዩ። ብኢደ ወነኑ፡ ብዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ክንምራሕ፡ ብዘይ ቃል-ዓለም ከምዘረከበና፡ ሰለስተ ወለዶ ኤርትራ ዘካየዱዎ ተጋድሎን፡ ዝኸፈሉዎ መስዋእትን ትርጉም ኣይነበሮን ከምዝበለና፡ ያኢ ተረሲዑስ፡ 'ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልዑላውነትን ንዘልኣለም ተኸቢሩ ይንበር' ብምባል ክቕሽሸ ምፍታኑ ዝገርም እዩ። ከም ምኒስቴር ዜና ዘገልግል ዘሎ የማነ ቻርሊ ድማ፡ ብትዊተር ኣቢሉ፡ ''ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ኣብ መሬትና ኮፍ ኢሉ ኣሎ'' ክብል ጠቒሱ'ዩ። እቲ መልእኽቲ ትዊተር፡ ናይ ኢሳያስ መግለጺ ዘዳምቕ፡ ኣብ ውሽጡ ዝተሓብአ ሸርሒ ዘለዎ ምዃኑ ፍሉጥ'ዩ። እቶም እዉጃት ናይ ክሕደት መደረታቱ፡ ንህዝብታትና ይቕሬታ ክሳብ ዘይሓተተሎም፡ ኣብ ዓመታዊ ባዓላት ዘቕርቦም መግለጺታት፡ ከም ካሕሳ ኣይውሰዱን 'ዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ''ዝብኢ ክሳብ ዝዶሉ ይሕንክስ'' ከምዝባሃል፡ ነቲ ብነድሪ 'ይኣክል' ብምባል፡ ናብ ቅርዓት ወጺኡ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ዘሎ ተቓላሳይ ህዝብና፡ ንምግራህ ዝተኣልመ ልሙድ ሸርሒ እዩ። እምባኣርከስ፡ ቀዳማይ ምኒስቴር ኢትዮጵያ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ዝገሸ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም መልእኽታት ክቃልሑ ኣብ ዝቐነዩሉ ጽባሕ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ።

እዚ መገሻ'ዚ፡ ብመመረቕታ መበል 33 ዙርያ ''ሃገራዊ ኣገልግሎት'' ዝተሸፈነ እዩ፤ ይኹን'ምበር፡ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን፡ ኣፍ-ንኣፍ ተዋሃሂቦም ዝተማኸሩለን ሰለስተ ዓበይቲ እዋናውያን ኣጀንዳታት ምንባረን ንግምት። መዛተዪ ክኾና ዝኽእላ ዛዕባታት፦ 1. መረጻ ትግራይ ንምትዕንቃፍ ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ውጽኢቱን፤ 2. ምስ ቅንጸላ ዉሩይ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ተኣሳሲሩ ዝማዕበለ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ንምዝሕሓል ዝተኻየደ ጻዕርን ውጽኢቱን፤ 3. ምስ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ተታሓሒዙ፡ ምስ ግብጽን ሱዳንን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ምስሕሓብ፣ ዑደት ኢሳያስን ውጽኢቱን ብምግምጋም፡ መጻኢ ትልምታት ንምሕንጻጽ ዝዓለመ እዩ ነይሩ ኢልና ንርኢ። ድሕሪኡ ዘሎ ወፍሪ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፡ በዚ መንጽር ንፈትሾ።

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሃገሩ ካብ ዝተመለሰሉ ጽባሕ ጀሚሩ፡ ንሱ ከም መራሒ ሃገርን ካልኦት ሰበ-ስልጣናትን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ተጻረርቲ ዝመስሉ ተዋስኦታት ክሰርሑ ንከታተል ኣሎና። ሓደ-ብሓደ፡ ብቱኽረት ንርኣዮም።

1. ኣብ ተሌቪዥን ፋና መደብ ቋንቋ ትግርኛ ዘካየዶ ቃለ-መሕትትን ካልኦትን

ሓደ- ዶር/ ኣብይ፦....... ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡ ኲናት ከካይድ መደብ ከምዘይብሉ፤ ''መን ኣብ ልዕሊ መን ኲናት ከካይድ'ዩ''፡ ብምባል መሊሱ። ግን ከኣ፡ ምስ መረጻ ኣተኣሳሲሩ ዘማሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብኣንጻሩ እዩ ነይሩ። ምስ'ዚ ጎድኒ ንጎድኒ ድማ፡ መራሒ ክልል ኣምሓራ፡ ናብ'ቲ ግዝኣትና እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ከባቢ ጸገዴን ካልኦትን፡ ''ኣብ ዝኾነ እዋን ክንኣቱ ኢና፤ ንማንም ኣንይፈርሕን'' ዝበሎ፡ ኣብ ተሌቪዥን ተማሓላሊፉ። ናይ ፌደረሽን ቤት-ምኽሪ ኣፈ-ጉባኤ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፡ ''ክልል ትግራይ መረጻ ከየካይድ ከም ዘጠንቀቐ፡ ኣብ ተለቪዥን ይኹን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ። እዞም መልእኽታት'ዚኦም ዘለዎም ትርጉም፡ ብቐንዱ ንህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ዝምልከቱ እዮም፤ ስለዚ ድማ፡ ናብ ዝርዝር ከይኣተና ምስጋር ይሓይሽ። ብሓጺሩ ግን፡ ናይ ጥዕና ምልክታት ዘይምዃኖም ምእማት፡ ኣኹል እዩ።

ክልተ፡- ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፦ ''መንግስቲ ኤርትራ(ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ማለቱ እዩ)፡ ናይ ሰላምን ልምዓትን ሓይሊ እዩ፤ እዚ ድማ፡ ብዓለም ደረጃ ዝተመስከረሉ እዩ'' . . ትብል መልእኽቱ፡ ብቐንዱ ንዓና ተገድሰና ኮይና ረኺብናያ ኣሎና። እታ ብትግርኛ ዝተማሓላለፈት መደረ፡ ናብ መን ዘቕነዐት ምዃና ብሩህ እዩ። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ሃገር ብሒቱ፡ ንኤርትራ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም፡ ንልዕሊ 29 ዓመታት ብጭካነ ይገዝኣ ምህላዉ፡ መላእ ዓለም ይፈልጦ፤ መረጻ ዝባሃል ሕርሙ ኮይኑ፡ ብሓይሉ ኣብ ሕቖ ህዝብታትና ዝተወጠሐ መንዳዓት ሃገር እዩ። ን10-ተታት ኣሽሓት ወገናትና፡ ብዘይ ሕግን ፍርድን፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዳጒኑ ዘማስኖም ዘሎ፡ ብኡ-ንብኡ ዘሕቅቕ፡ ሓታቲ ዘይብሉ፡ ናይ'ዚ ምዕቡል ዘበን ኣረሜናዊ መንግስቲ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ክፍጸሞ ዝጸንሐን ዘሎን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብልኡኽ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብመርተዖታት ዝተደገፈ ክሲ ቀሪቡሉ፡ ብዓቕሊ ጽበት የዕለብጥ ከምዝነበረ፡ ካብ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ዝተሓብአ ምስጢር ኣይኮነን። ናብ ኣኼባ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ብዝለኣኻ ወኪሉ፡ ክከላኸለሉ ዘካየዶ ፈተነ ኣይንርሰዖን። ኤርትራ ትለምዕ ዘላ ሃገር ዘይኮነትስ፡ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዓዘቕቲ ተሸሚማ ምህላዋ፡ ባዕሉ ብተዘዋዋሪ መንገዲ መስኪሩ ኣሎ። ኣብ ታሕቲ ክንጠቕሶ ኢና። ስለዚ፡ እዚ ''መራሒ'ዚ'' ንውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ብድፍረት ብኸም'ዚ ዓይነት ውጹእ ሓሶት ከማላኽዖ ምድፋሩ፡ ንፖሎቲካዊ መንነቱ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ፤ ቅንጣብ ሓቅነት ከምዘይብሉ ድማ፡ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ይኹን'ምበር፡ ብህረፍ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝዓወረ ባእታ፡ ንባህሪ መዋዕልቱን መማኽርቱን ከምዝመስል ዘረጋግጽ እዩ።

2. ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2020፡ ርክብ ምስ ተቓወምቲ ፖሎቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ፡-

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ'ዚ ርክብ'ዚ፡ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተለዋወጠሉ ሓሳባት፡ ናብ ምዝርዛር ኣይንኣቱን፤ ብዛዕባ ነዊሕን መሪርን ናይ 30 ዓመታት ናጽነታዊ ተጋድሎና ብዝምልከት ግን፡ ዘስደምም መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ተቓለስቲ ደቆምን ዘለዎ ኣሉታዊ ትርጉም ብጣዕሚ ዓቢ ብምዃኑ፡ ብዝርዝር ክንርእዮ ኢና፤ ብቐዳምነት ግን፡ እቲ ዝበሎ ከምዘለዎ፡ ብኣምሓርኛ ክንጠቕሶ። ትርጉሙ ድማ፡ ብትግርኛ ክቕመጥ እዩ።

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፦ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ፡ ''በኤርትራ ስመላለስ፡ ያየሁት፡ ያ የ30 ኣመት ውግያ፡ ኪሳራ እንደሆነ ነው የገባኝ፤ ምንም ትርፍ ላያመጣ፡ በየተራራው የፈሰሰው ደም ያሳዝነኛል'' ኢሉ። (መስመር ናትና)ትርጉም፡ ብትግርኛ፦ ''ንኤርትራ እንክመላለስ ዝረኣኹዎ፡ እቲ ናይ 30 ዓመት ውግእ፡ ክሳራ ከምዝኾነ እዩ ተረዲኡኒ፤ ዝኾነ መኽሰብ ንዘየምጽእ፡ በብጎቡኡ ዝፈሰሰ ደም፡ የሕዝነኒ'' ኢሉ።

ኣብ'ዛ ሓጻር መደረ'ዚኣ፡ ተጸፍዮም ዘለዉ መልእኽታት ብዙሓት እዮም። ግን ከኣ፡ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ፈላሊና ምርኣይ፡ ንዝያዳ ተረድኦ ክሕግዘና እዩ ኢልና ንኣምን።

2-1. ላዕለዋይ መልክዕ ናይ'ዚ መልእኽቲ ብሓደ ሸነኽ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ኤርትራ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ወዲቓ ምህላዋ ስለዝተዓዘበ፡ ኣብ ልዕሊ ዓርኩ ነቐፌታ ዘቕርብ ዘሎ ይመስል። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፦ ንህዝብታት ኤርትራን ተጋደልቲ ደቆምን፡ ''እቲ ዘካየድኩሞ ናይ 30 ዓመት ነጻነታዊ ተጋድሎ፡ ውጽኢቱ እዚ ካብ ኮነ፡ ትርጉም ዝነበሮ ኣይኮነን። ደምኩም፡ ደመ ከልቢ ኮይኑ ንብላሽ ፈሲሱ'' ብምባል፡ ከም ዘሕዘኖ፡ ናይ ኣምሰሉ ቃል ደርብዩ።

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣጸቢቑ ክስቆሮ ዝግባእ፡ ህዝብታት ኤርትራን ተጋደልቲ ደቆምን፡ ን20 ዓመታት ሰላማዊ ፖሎቲካዊ ቃልሲ፡ ን30 ዓመታት ድማ፡ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ ዘካየዱ፡ ቀዳማይ ዕላምኦም፡ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ መሬታ፣ ባሕራን ሰማያን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ብምግባር፡ ዋንነት ህዝባ ክትከውን ዝዓለመ ምንባሩ እዩ። እዚ ድማ ብዘተኣማምን ተዓዊቱ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዘይ ምውዳቖም፡ ግን ድማ መብዛሕትኦም ህዝብታት፡ ብንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ሃጸይ ምኒሊክን ሃጸይ ሃይለስላሴን፡ ከምኡ'ውን ብርእሰ ፋሽስት መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ብሕሱም ፖሎቲካዊ ዓፈና፣ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዓዘቕቲ ወዲቖም፡ ድኸቶም እናሰተዩ እንከሎዉ፡ ክሕበኑን ክኾርዑን ምጽነሖምን ምህላዎምን ድማ፡ ይፈልጥ እዩ። እዚ ማንም ዘይክሕዶ ኣብ ባይታ ዝነበረን ዘሎን ሓቂ እዩ። እዚ ዘረጋግጾ ነገር እንተሃለወ፡ ናጽነት መሬታዊ ግዝኣት፡ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ህዝብታት ኤርትራ ድማ፡ ነቲ ብፍቓዶም ዘይተቐበሉዎ፡ ንጉሳውን ፋሽስታውን ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ''መራሕቲ'' ኢትዮጵያ ተቓዊሞም፡ ብነዊሕን መሪርን ተጋድሎኦም ኣረብሪቦም፡ ስዒሮም፡ ወነንቲ ናጻን ልዑላዊት ሃገሮም ኮይኖም'ዮም፤ እዚ ድማ፡ ፍረ መስዋእቶም፣ ስንክልነኦምን ዝዓነወ ንብረቶምን ጥሪቶም ብምዃኑ፡ ይሕበኑሉን ይኾርዑሉን። ደሞም፡ ንብላሽ ኣይፈሰሰን፤ ኣዕጽምቶም ብዘይ ፍረ፡ ኣይተሓምሸሸን፤ ስለዚ፡ ዝኸፈሉዎ ክቡር ዋጋ፡ ዘጣዕስ የብሎምን፡፡ ይኹን'ምበር፡ እቲ ኣብ ሸውዓተ ዓመቱ፡ ወላዲቱ 7ይ-ንጉስ ክትከውን ኢኻ ኢላ ተነብያትለይ ባሃሊ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትና፡ ን30 ዓመታት ዘካየድናዮ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎናን፡ ዘፍሰስናዮ ደምን፡ ንብላሽ እዩ ነይሩ እንተበለ ዝገርም ኣይኮነን።

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መደርኡ፡ ናብ'ቲ ዝተሓብአ ጥሙሑ ንምብጻሕ፡ ባይታ ከጣጥሕ ክብል፡ ህዝብታትናን ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራን ዝፈልጡዎ፡ ከም ዕረ እናመረሮም ዓቚሮሞ ዝጸንሑ ሓቂ፡ ጎሲዑ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ኤርትራ፡ ከም ናጻን ልዑላዊትን ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ዝተማሓደረትለን ልዕሊ 29 ዓመታት፡ ናይ ዕንወትን ብርሰትን'ምበር፡ ናይ ህንጸትን ልምዓትን እዋናት ዘይምንባረን መስኪሩ እዩ። ብርግጽ ድማ፡ ህዝብታትና ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም፡ ኩሎም ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቶም ተጋሂሶም ጸኒሖም ኣሎዉ፤ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወቶም ተዳቒቑ፡ ባህላዊ ክብርታቶም ተደዊኑ ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ'ዘን ልዕሊ ክልተ ዓመታት ድማ፡ ነታ ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእዩዋ ሃገሮም፡ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ከረክባ ምስ ተደናደነ፡ ኩሉ ነገር ተጸንቂቑዎም፡ ናብ ቅርዓት ወጺኦም ይኣክል ይብሉ ኣሎዉ። ዕላምኦም ድማ ንጹር እዩ። ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገሮም ብምዕቃብ፡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም፡ ባዕሎም ዝመረጹዎን ዝቆጻጸሩዎን ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ብምትካል፡ ብመንገዲ ሰላምን ልምዓትን ንቕድሚት ዝምርሹሉ ኩነታት ንምፍጣር እዩ። ምስ ጎረባብቶምን ማሕበ-ረሰብ ዓለምን ድማ፡ ኣብ ምክብባርን ሓባራዊ ተጠቃምነትን ዝተመስረተ፡ ጥዑይ ዝምድና ፈጢሮም፡ ብሰላም ክነብሩ ካብ ዘለዎም ነቕ ዘይብል እምነት ዝብገስ እዩ። ካብ ኣፍንጭኡ ኣርሒቑ ምርኣይ ተጸጊሙ ዘሎ፡ እንትርፊ ንጉሳዊ ስልጣኑ ካልእ ክቋምት ዘይተዓደለ፡ ነታ ኣብ ኢዱ ዘላ ሃገሩ'ኳ ብግቡእ ከማሓድር ዘይበቕዐ ''መራሒ''፡ ናብ ኤርትራ፡ ዓይኑ ክተክል ምጅማሩ ዘመልክት ምዃኑ ግን፡ ዝሕባእ ኣይኮነን።

2-2. እዚ መልእቲ'ዚ ብትሕዝቶ ክረአ እንከሎመደረ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ መደረ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ብትሕዝቶ ፈጺሙ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ንምንታይ?? መደረ ኢሳያስ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ምጥቃስ ጥራሕ ኣኻሊ እዩ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፦ ''. . ሰለስተ ወለዶ ብዘይምኽንያት ተራሓሒቕና ጸኒሕና፤ ሰለስተ ወሎዶ ከሲርና'' ምባሉ ኣይንርሰዖን። ትርጉሙ ኣብ ልዕሊ ናጽነታዊ ተጋድሎና ድማ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ቡሩህ እዩ። ስለዚ፡ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ብናቱ ሃገራዊ ቋንቋ፡ ንመደረ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ደጊሙዎ'ምበር፡ ሓድሽ ነገር ኣይተዛረበን፤ ምኽንያቱ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኮነ ኢሉ፡ ናይ ህዝብታትና፡ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ ዓቕምታትን ባህላዊ ክብርታትን ብምዕናው፡ ንያቶም ብምዕራብ፡ ሕቡእ ጥሙሑ ከዐውት፡ ንዓመታት ተዋፊሩሉ ብምጽንሑ እዩ። ነዚ ኣብ ባይታ ሃገርና ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ፡ ብኣፍ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ክድገም ምግባሩ ድማ፡ ዘዋደዱዎ ሕቡእ ፖሎቲካዊ ሸርሒ ምህላዉ፡ ዘመልክት እዩ። እቲ ''ዝተራቐቐ'' ሸርሒ እንታይ እዩ ዝብል፡ ኣብ ቁ. 2.3፡ ዘሎ ብጥንቃቐ ንመልከት።

2-3. እዚ መልእኽቲ'ዚ ዝተማሓላለፈሉ እዋንን ክብጻሕ ዝድለ ሽቶን እዚኣ፡ እታ ዝዓበየ ቱኽረት ዘድልያ ኣርእስቲ እያ። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ንናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርናን ክብሪ ህዝብታትናን፡ ኣብ መድረኻት ኢትዮጵያ ተጠሊዑ ኣሕሊፉ ክህብ ስለዝተደናደነ፡ ከቢድ ዋጋ ከምዝኽፈለ ኣጸቢቑ ተገንዚቡዎ ኣሎ። እዚ ውልቀ መላኺ'ዚ፡ ምስ ጉጅልኡ፡ ''ምስ ፌደራል መንግስቲ፡ ጽቡቕ ዝምድና ኣሎና፤ ወያነ ግን መሬትና ከረክበና ድሉው ኣይኮነን'' ብምባል፡ ብዶብ ኣማኻንዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኲናት ንምውላዕ ዝሓንጸጾ ትልሚ፡ ብህዝብታትና ይኹን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ግን ከኣ፡ ኣይደቀሰን። በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንጉስ ኢትዮጵያ ናይ ምዃን ሕልሙን ጻዕሩን ኣብ ምዕዋት፡ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኖሞ ዘለዉ፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ምዃኖም፡ ኣሉ ዘይባሃል ሓቂ እዩ። ብሰሜንን ደቡብን ቀርቂርካ ንምድሃኽ ዝሓንጸጹዎ ትልሚ ድማ፡ ኣይተዓወተን። ስለዚ ድማ፡ ናይ መወዳእታ ዕድሎም ክርእዩ፡ ካልእ ዝተራቐቐን ሓደገኛን ስልቲ ክሕንጽጹ ናይ ግድን ኮይኑዎም ኣሎ። ኣብ ሞንጎኦም፡ ''ተጻረርቲ'' መርገጺታት ከምዘለዎም እናቃልሑ፡ ግን ከኣ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ሽቶ ክዓልቡ ዘብቅዖም፡ ትልሚ ኣነጺሮም፡ ክዋፈሩ ጀሚሮም ኣሎዉ። ብኸመይ ንዝብል ገምጋምና ዝስዕብ እዩ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ዝኽተሉዎ ዘለዉ ቅኒት፡ ተሓለቕቲ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ መሲልካ ምቕራብ እዩ። መልእኽታት ማዓልቲ ናጽነት 24 ጉንቦትን ማዓልቲ ሰማእታትና 20 ሰነ 2020 ዓ.ም. ምዝካር የድሊ። ብተወሳኺ፡ መልእኽቲ ትዊተር የማነ ቻርሊ ድማ፡ ''ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ መሬትና ኮፍ ኢሉ ኣሎ'' ዝብል እዩ። ካብ'ዞም መደረታት እንግንዘቦ ሓቂ፡ ''ብዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብኮምሽን ዶብ ዝተወሰነልና ልዑላዊ ግዝኣትና፡ ተቛጻጺሩዎ ስለዘሎ፡ መሬትና ንምምላስ ኲናት ዘይተርፍ እዩ'' ዝብል መልእኽቲ ዝሓቖፈ እዩ ትማሊ፡ 'ወያነ፡ መሬትና ከረክበና ድሉው ኣይኮነን፤ ስለዚ መሬትና ክነምልስ፡ ኲናት ኣንጻር ወያነ ዘይተርፍ እዩ'' ዝብል፡ ናይ ኲናት ዳንኬራ፡ ቅኒቱ ተቐይሩ ምህላዉ ዝእምት እዩ

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፡ ካብ ኤርትራ (ሳዋ) ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ፡ ''እቲ ን30 ዓመት ዘካየድኩሞ ውግእ መኽሰብ የብሉን፤ ኣብ በብጎቡኡ ዝፈሰሰ ደምኩም ድማ፡ የሕዝነኒ'' ብምባል ተዋራዝዩ። ንህዝብታትናን ተጋደልቲ ደቆምን፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዘካየዱዎ ተጋድሎን ዝኸፈሉዎ ከቢድ መስዋእትን፡ ውጽኢት ስለዘይብሉ፡ "ናብ ዓባይ ኢትዮጵያ ተጸንበሩ" ይብሎም ምህላዉ ንምርዳእ፡ ጠንቋሊ ምሕታት ኣየድልን፤ ነዚኣ እንተ ተሓሲሞም ድማ፡ ከም'ቶም ''ኣሃዳዊ ስርዓት ኣይንቕበልን'' ዝብሉ ዘለዉ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኢትዮጵያ፡ ተመሳሳሊ ዕድል ከምዘጋጥሞም የተንብሃሎም እዩ ዘሎ።

እዚ ዝተጠጀአ፡ ናይ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኤርትራ ናይ ምጽንባር ሕልሚ፡ ኣብ ልቢ ህዝብታትናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ስምዒትን ነድርን ብጣዕሚ ዓቢ እዩ፡፡ ስለዝኾነ'ውን፡ ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልዑላውነትን ተሓላቒ መሲሉ ክዋጥን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬትና ኮፍ ኢሉ ኣሎ፡ ብዝብል ቅኒት፡ ናይ ኲናት ነጋሪት ክሃርም ዝጸንሐ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ናይ 30 ዓመታት ናጽነታዊ ተጋድሎናን መስዋእትነትናን ትርጉም የብሉን ብምባል ብግሉጽ ዘናኣኣሰ፡ ሰራዊቱ ካብ መሬት ኤርትራ ብዘይምውጽኡ ''ክኽሰስ'' ጀሚሩ ዘሎ፡ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፡ በቲ ካልእ ወገን፡ ብዶብ ኣመሳሚሶም ኲናት ክባርዑ፡ ነዳድን ክርቢትን የዳልዉ ምህላዎም ዘመልክት፡ ፖሎቲካዊ ውዲት እዩ እቲ ዝኸፍአ ኣሉታዊ ሳዕቤን፡ መደረ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፡ እዚ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ''ንዓይ ንኣንጭዋሲ ኣብ ሎቖታ'' ዶ በለት?

3-4. መጠቓለሊ እዞም ክልተ ውዲተኛታት ''መራሕቲ''፡ ኣብ ክልተ ፍጹም ''ተጻረርቲ'' መርገጺታት ዝተተፋነኑ መሲሎም፡ ብምኽንያት ዶብ ክውላዕ ዝኣልሙዎ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ውዲት፡ ናይ ሓባር ዕላምኦም ንምዕዋት ዝዓለመ፡ ሓደገኛ ስልቲ ምዃኑ፡ ብጉቡእ ክነስተውዕለሉ ይህልወና። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን፡ ኣብ ኤርትራ(ኣስመራን-ሳዋን) ተራኺቦም፣ ተማኺሮም፣ ኣዋዲዶሞ ዘለዉ ሸርሒ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ኣብ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገሮም ዘለዎም ክቱር ፍቕሪ ብምምዝማዝ፡ ብምስምስ ዶብ ዳግም ኣላዓዒሎም፡ ናብ'ቲ ዝጠጅኡዎ ኲናት ብምርግራግ፡ ሕቡእ ኣጀንዳኦም ዘዐወቱሉ ባይታ ንምፍጣር እዩ። እዚ ተዋዲዱ ዘሎ ''ዝተራቐቐ'' ሸርሒ፡ ክንዮው ዶብ፡ ዓበይቲ ሕቡኣት ዕላማታት ዝሓቖፈ እዩ፡፡ ኣጠቓሊልካ ክረአ እንከሎ፡ ናይ ሃገርና ናጽነትን ልዑላውነትን ብሓደ ወገን፡ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ፡ ዲሞክራስያውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓት ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ብምፍራስ፡ ኣሃዳዊት ዓባይ ኢትዮጵያ ዳግም ሂወት ክትዘርእ ብምግባር፡ ናይ ንግስነት ሕልሞም ንምዕዋት ዝዓለመ ሸርሒ እዩ

ከም እንፈልጦ፡ ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ፡ ኣብ ባይታ ክትግበር ከምዘይደልዩ እናተዓዘብና መጺና ኣሎና። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ድማ፡ ካብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብቐዳምነት ከምዝርኢ ኣረጋጊጹ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፡ ኣብ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዕግበት ከምዘይብሉ ኣስተውዒልና ኢና፤ ''ዶብ ኣርቲፊሻል እዩ፤ ናይ ጽልኢ መንደቕ ኣፍሪስና፡ ብናይ ፍቕሪ ድልድል ክንሰግሮ ኢና''፡ ''ብዛዕባ ዶብ ኣልዒልና ተዘራሪብና ኣይንፈልጥን" ብምባል፡ ካብ ወጋሕትኡ ኣሚቱ እዩ፤ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝስቀሉ ካርቶናት ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ዓበይቲ ትካላት ሚድያ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትናን ልዑላውነትናን ከምዘይ-ተዋሓጠሎም ብቕሉዕ ክገልጹ እንከሎዉ፡ ዓገብ ዝበሎም የልቦን። ናይ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መደረ ድማ፡ ናይ'ዚ መቐጸልታን ዝላዓለ መግለጽን ምዃኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን።

እዞም ክልተ መማኽርቲ፣ ብውልቀ ስልጣኖም ዝዓወሩ፣ ሰፊሕ መሬታዊ ክሊ(ዓባይ-ኢትዮጵያ) ናይ ምግዛእ ጥሙሕ ዘለዎም ''መራሕቲ''፡ ብሂወትን ሃብትን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ክቋመሩ ዘዋድዱዎ ዘለዉ ስልቲ፡ ብዝተወሃሃደ ቅልጽም ክነፍሽሎ ይህልወና። ከም ኤርትራውያን፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስን ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን፡ ብምኽንያት ዶብ፡ ዳግማይ ዝጻወድ ዘሎ ናይ ኲናት ሸርሒ፡ ናብ ክንወጾ ዘይንኽእል ናይ ውድቀት ዓዘቕቲ ከይንሽመም፡ ልዑል ጥንቃቐ ክንገብርን ክንምክቶን ይግባእ።

ውድብና ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ ከም ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ)፡ በዞም ክልተ ኣዕሩኽ ''መራሕቲ'' ዝእለሙ ዝተፈላለዩ ሸርሕታት ንንፋስ እናሃበ፡ ህዝብታት ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን፡ ብዝተዋደደ ቅልጽም፡ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዱዎ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት፡ እጃሙ ንምብርካት፡ ከም ወትሩ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ክቕጽል እዩ።

ቤት-ጽሕፈት ዜናን ባህልን፡

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ነሓሰ 2020 ዓ.ም.