ENCDC

ሎሚ 24 ግንቦት 2019፣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ዝወጸትሉ ዝኽሪ መበል 28 ዓመት እነብዕለሉ ዕለት ኢዩ። እዚ ነጻነት’ዚ ብሳላ’ቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝወሰደ ሰላማውን ብረታውን ቃልሲ ህዝብናን ብዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ዝተረጋገጸ ነጻነት ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባት መግዛእቲ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞ ክቕበለን፣ መሬቱ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እናተጸንበረት ኢዱ ኣጣሚሩ ክርእይን ብማለት፣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣዚዩ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ጭቆናን ግፍዕን ፈጸመ። እንተኾነ ግን፣ ታሪኽ ከም ዝመስከሮ፣ ትጽቢታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ መኺኑ ተረፈ። ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ዘካየዶ ሰለማዊ ቃልሲ ኣብ ዕጹው መንገዲ ምስ በጽሐ፣ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብመሪሕነት ስዉእ ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣወጀ። ሰውራና እቲ ዝነውሐ ሰውራ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ንመግዛእት ብምባልን፣ ምሉእ ነጻነቱ ንምጉንጻፍን፣ ብደሙን ብራሃጹን ንዓለም ዘገረመ ጅግንነታዊ ተወፋይነት ዝመልኦ ታሪኽ ክምዝግብ በቐዐ። ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልስን፣ ከቢድ መስዋእትን ከኣ፣ ድልየትን ባህግን ህዝብና ክውን ኮነ። ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ሓይልታት ጸላኢ ሓግሒጒ፣ መላእ መሪት ኤርትራ ሓራ ብምውጻእ፣ እቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ቃልሲ ህዝብና ኣብ 24 ግንቦት 2019 ብዓወት ክዛዘም ገበረ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘድንቕ ቃልሲ፣ መላእ መሬቱ ሓራ ከውጽእ ምስ በቅዐ፣ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለታዊ መዋእል መግዛእቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ከሕልፎ ዝጸንሐ ሕሱም ህይወት ተናጒፉ፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ፣ ብተሳትፎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣካውና ሕብረተሰብና ብምሉኡ ዝቐውም ፍትሓዊ ስርዓት፣ ኣብ ሃገሩ መሰሉን ክብሩን ተሓልዩ ዝነብረሉ ሓዲሽ ህሞት ተፈጢሩ ኣሎ ዝብል ዓቢ ተስፋታት ኣሕደረ። እንተኾነ ግን፣ ድሕሪ ናጽነት ስልጣን ዝበሓተ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ብሰንኪ’ቲ ዝወሰዶ ኣግላሊ ፖሊሲታት፣ ናይ ህዝብና ሕልምን ባህግን በኒኑ ተረፈ። ስርዓት ህ.ግ. ብልሳን መራሒኡ መላኺ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣቢሉ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብ20 ሰነ 1991 ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን ኢዩ ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ “ወጻኢ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን ኢዩ” ክብል ዝደኮኖ መሰረት፣ እነሆ ን28 ዓመት ህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ምልክነት ኢዩ። ጉጅለ ኢሳይያስ ካብ’ታ ዕለት’ቲኣ ጀሚሩ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣዕናዊ ፖሊሲታት ብምኽታል፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀየራ። መንእሰያትና ገደብ ኣልቦ ናብ ዝኾነ ግዴታዊ ዕስክርና ክጒርቶም ጀመረ። ልሉያት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝርከብዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝበልዩ ገበረ። ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ግርጭት ብምጽሕታር፣ ኣብ ኣዕናዊ ውግኣት ኣተወ። ህዝብና ይኹነ ጉረባብትና ኣህዛብ ከቢድ ዋጋ ከፈሉ። ብሰንኪ’ዚ ኣዕናዊ መርሆ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ መንእሰያትና፣ ዝፈትውዋ ሃገሮም ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ሰላም ንምርካብ ክስደዱ ተገደዱ።

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፣

ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ነብዕለሉ ኣብ ዘለናሉ ግዜ፣ ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑሉ ኣብ ዘሎን፣ ልዑላውነት ሃገራና ብሰንኪ’ቲ፣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ወገናትን ዝኽትሞ ዘሎ ኣጠራጣሪ ስምምዓትን እዋን ኢዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ዞናና ዝኸይድ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባሌታት፣ ሰላምን ርግኣትን ሃገርና ይኹን ዞናና ብኣሉታ ክጸሉ ከም ዝኽእል ኩላትና ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ስርዓት ኢሳይያስን፣ ንህዝብና ኮነ ኢልካ ክዋሰን ብምግባር፣ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም፣ ንህዝብናን ንኩሉም ሓይልታቱን ኣዚዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ክንሕብር ንፈቱ። ኣብ መንጎ ህዝብናን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዞናናን ሰላም ክህሉ ብመትከል ንድግፎ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፣ ነጻነት ሃገሩ ንምውሓስ ከቢድ መስዋእትን ዋጋን ዝኸፈለ ህዝብና፣ ልዑላውነት ሃገሩ ዝግህስን፣ ነጻነቱ ዘቊናጽብን ስምምዓት ክግበር ፈጺሙ ኣይቅበሎን ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ሰላምን ዘተን ዳግመ ርእይቶ ክገብረሉ ነማሕጽን። ብጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ብዝምልከት ግን፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ብመሰረት ብይን ኣህጉራዊ ኮምሽን ዶብ፣ ክሕንጸጽ ተሪር ምሕጽንታ ነቕርብ።

እዚ ብስም ሽፋን ሰላም ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ፣ ዕርቃን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘውጸአን፣ ሓቀኛ መትከላቱን መንነቱን ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዘቃለዐን ብምዃን፣ ድምጺ ተቓውሞ ህዝብና እናዓበየ ክመጽእ ገይሩ ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ሓፋሽ ህዝብና “ይኣክል” ብዝብል ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ናይ ተቃውሞ ድምጽታት፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እናበረኸ ይኸይድ ምህላዉ ብጣዕሚ ዝምጒስ ኢዩ።

ጽኑዕ ሓፋሽ ህዝብና፣

ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ሃገርና፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተጋበአ ዕዉት ካልእይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ይመጽእ ምህልዉ ፍሉይ መቐረት ይህቦ። ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ኣገደስቲ ውስነታትን መደብ ዕዮን ሒዙ ወጺኡ። እዚ ውጽኢት’ዚ ብሰፊሕ ኣካላት ሕብረተስብና ክድግፍ ምርኣይና ዘሐብን ኮይኑ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ዓቕምታት ተቓውሞ ሓይሊ ብሓባር ንምጽማድን፣ ህዝብና ካብ ኣርዑት ገባቲ ስርዓት ንምግልጋሉን፣ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝነገሳ ሃገር ብምቋም ትስፉው መጻኢ ወለዶታትና ንምውሓስን፣ ጻዕርታቱ ክብ ከብል ምዃኑ መብጽዕኡ የሕድስ።

ብኣጋጣሚ ነጻነትና፣ ነቲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ነዛ ታሪኻዊ መዓልቲ ክውን ዝገበረ ህዝብና ልዑል መጎስን ኣድናቖትናን ክንገልጽ ንፈቱ። ብፍላይ ድማ በቲ ንጹህን ክቡርን ደሞም፣ መንገዲ ሓርነትን ክብርን ኩርዓትን ዝመድመዱልና ሓርበኛታት ስውኣት ሰውራ ኤርትራ፣ ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ይብጻሓዮም። ዕላማታት ሰውራን መሊኡ ክትግበርን፣ ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህንጻን፣ ኣብ ሃገርናን ኣብ ወጻእን ዝነብር ህዝብና፣ ቃልስታቱ ከኻዕብት ኣትሪርና ንጽውዕ።

ሓርነትን ነጻነትን ኤርትራ ብኽብሪ ተሓሊዩ ይንበር !!

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ!!

ክብርን ዘልዓለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

24 ግንቦት 2019