ኣፍሪቃ ነብሳ ትኽእል ኣህጉር ክትከውን ኣይትኽእልን እያ ኣፍሪቃውያን ኣብ ነብሶም ዘይኮነ ኣብ ኤውሮጳዉያን ኣሜርካውያንን ወይ ድማ ቻይናውያን እዩ እምነቶም ኣብ ገዛእ ርእሶም ፍጹም ምትእምማን የብሎምን

ኣፍሪቃውያን ክኢላታትን መሃንድሳትን ነቲ ኣብ ኮሌጃትን ዩኒቨርስትን ክልሰሓሳብ ( theory ) ዝተማህርዎ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ ዝኾነ ዝተዳለወሎም ባይታ የለን እቲ ስራሕ ብእኦም ክስራሕ እናኸኣለ ቻይናውያን ብምቑጻር ጽርግያታትን ህንጻታትን ይሰርሑ

ጸዓዱ ኣብ ኣፍሪቃ ገበናት ምስ ዝገብሩ ዝኾነ ዝሓቶም ሰብ የለን ምኽንያቱ ኣፍሪቃውያን ከም ኣምላኽ ስለዘምልኽዎም እዚ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን ሓደ ኣፍሪቃዊ ኣብ ኤውሮጳ ክጭወ ክዕመጽ ወይ ውን ክቕተል ይኽእልዩ ዝኾነ ዝሓተሉ ኣፍሪቃዊ በዓል ስልጣን ግን የለን

ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ምስ ኤውሮጳውያን ኣብ ዝራኸቡሉ ኣዝዮም ድኹማትን ተስፋ ዘይብሎምን ኮይኖም እዮም ዝቐርቡ ናይ ገዛእ ነብሶን ጸላእቲ ንሶም ባዕሎም እዮም

ኣብ ነንሕድሕዶም ዝኾነ ፍቕሪ ስለዘይብሎም ገዛእቲ ሓይልታት ጸጋታቶም ክምዝምዙ ኣዝዩ ቀሊል ይገብሮ

ኣነ ከም ዝመስለኒ ግን ኣፍሪቃ ጎይታ ዝባረኻ ኣህጉር እያ ኣምላኽ ጸግኡ ኣንቢርላ እዩ ነዚ ግን ኣፍሪቃውያን ኣይርድእዎን እዮም

ጸዓዱ ኩሉ ግዜ ኣፍሪቃ ናቶም ኣህጉር ዘይምዃና ወትሩ ምስ ቀንኡ እዮም ክሊማ ኣፍሪቃ ምስ ክሊማ ናይ ካልእ ኣህጉር ብፍጹም ክወዳደር ኣይክእል እዩ መሬት ኣፍሪቃ ንምሉእ ኤውሮጳ ኣሜሪካ ኤስያ ክቕልብ ይኽእል

እንተኾነ ኣፍሪቃ ሓደ ጸገም ኣለዋ ንሱ ድማ መራሕታ እዮም ብናተይ ርእይቶ እቲ ዝበለጸ መራሒ ኣብ ኣፍሪቃ መዓመር ኣል ገዳፊ እዩ ኔሩ ብዘይክኡ ህዝቡን ሃገሩን ናብ ምዕባለን ብልጽግናን ክመርሕ ድልየት ዘለዎ መራሒ ኣይተራእየን

መራሕቲ ኣፍሪቃ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ክትሓስቡ ክትክእሉ ኣለኩም ኣፍሪቃውያን ዝነቕሕሉ እዋን ዝኣኸለ ይመስል

እዚ ኣብ ልዕሊ ዶር. ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ መቐጸልታ ናይቲ ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝገብርዎ ምዝመዛን መግዛእትን ይኸውን

መራሕቲ ኣፍሪቃ ንስለዚ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝቃለስ ዘሎ ሰብ ጸግዒ ብምዃን ሕሉፍ ታሪኾም ምድምሳስ ጸግዒ ህዝቦም ክኾኑ ግዜ ይሓቶም ኣሎ ፡፡