መግለጺ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ በቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ማለት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሓይልታትን ናይ ትግራይ ሓይልታት ምክልኻልን ብዝተኻየደ ከቢድ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህዝብታት ኢትዮጵያውያንን ብፍላይ ከኣ ትግራዎትን ስደተኛታት ኤርትራውያንን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ናይ ግብረ-ሰናያት ማሕበራትን ሓካይም ብዘይ ዶባትን ሰራሕተኛታት ኣብ ህይወት ንምድሓን ንዝተዋፈሩ ወሪዱ ዘሎ ምጥፋእ ህይወታት መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዓና ንገልጽ። ንኩሎም ህይወቶም ዝጠፍኡ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ንኩሎም ስድራ-ቤታቶምን ትካላቶምን ድማ ጽንዓት ይሃብ ንብል።

ነቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህዝብታት ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ንዅንን። ብመንጎኛን ነጻን ዝኾነ ኣካል ተጸኒዑ ፈጸምቱ ናብ ቤትፍርዲ ቐሪቦም ክቕጽዑ ነማሕጽን።

ብሰንኪ እዚ ውግእ እዚ ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉ ሕቡራት መንግስታትን ናይ ስደተኛታት ማሕበራትን ካልኦት ናይ ግብረ-ሰናያት ማሕበራትን ብህጹጽ ህይወት ንምድሓን ዘድሊ ዘበለ ሓገዛተን ከቕርባ ንጽውዕ።

ብዘይ ድሌቶም ካብ ማሙቕ ናብርኦምን መረበቶምን ዝተፈናቐሉ ህዝብታት፡ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ። ኩሎም ተዋሳእቲ ሰላም ንክመጽእ ጻዕርታቶም ከካይዱ ኣጥቢቕና ነማሕጽን። ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ድማ ከም ወትሩ ዝከኣሎ ዘበለ ግደኡ ክጻወት ምዃኑ ነረጋግጽ።

ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሓምለ 03, 2021