ብቀዳምነት ነቲ ምእንቲ ሓርነት ጭቁናት ወገናትኩም ነታ ዘይትድገም ሂወት ኩም ንሞባእ ህዝብኹም ብምውፋይ ትገብርዎ ዘለኹም ፍትሓዊ ቃልሲ ኣድናቖትና ብኣንክሮ ክንገልጽ ንፈቱ::

ንሕና ነቲ ወሲድኩሞ ዘለኹም ቅዱስ ዕላማ ስምረት ብምምጓስ ጥራይ ዘይኮነ ፉጹም ክሰዓብ ዘለዎ መስመር ፍትሒ ምኻኑ ብምእማን ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ምልኣት ፍቓድና ንሓድነት ዘለና ጽምኣት ክንገልጸልኩም ንፈቱ::

ምንቅሳቓስ ህዝባዊ ሰራዊት ምስ ምሉእ ኣመራርሕኡ ኣብ ከባቢ ዓድና ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ምዕራባዊ ወገን ሃገርና ዝንቓሳቐስ ዘሎና ጥራናፈ ኮይኑ:ከም ኩሉ ኤትራዊ ደላዪ ፍትሒ ሓንቲ ካብ ምልካዊ ስርዓት ሻራዊ ህግደፍ ነጻ ኮይና ኩሉ ዜጋኣ ብማዕረ እፎይ ኢሉ ዝነብረላ ሃገር ክትህወና ብኽሉ ኣገባብ ቃልሲ ንቃለስ ዘሎና: ከምኡ ውን ህዝባዊ ውዳቤና ኣብ ምዕራብ ዓለም ዘለው ውፍያት ደለይቲ ፍትሒ ኣባላትና ዘማእከለ ህዝባዊ ሰረት ዘለና ጥርናፈ ኢና::

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ ንደሊ ነገር እንተ ኾይኑ ግን ይትረፍ’ዶ ተበታቲንካ ሓቢርካ ውን እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምእማን እቲ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ንምስፍሑ ዝኣክል ብወገንኩም ዝምልከቶ ኣካል ህጹጽ ቆልሕታ ሂቡ ርክብ ክንጅምር ብጻያዊ ምሕጽንታ ንምሕጸን::ኣብዚ ብትብዓት ክንገጸልኩም ንፈቱ ነገር እንተ ኣሎ ኣብ ከባቢ ዓድናን ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ምዕራባዊ ወገን ሃገርና ዘሎ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ብግቡእ ክንዓሞን ክንቆጻጸሮን ከምንኽእል ድልዱል ዓቕሚ ከምዘለና ከነተንብህ ንፈቱ:እቲ ብደቡባዊ ወገን ሃገርና ትነጥፍዎ ዘለኹም ውን ትዓምዎ ምህላውኩም ኣሚና ነታ ንብህጋ ሓርነት ኩሉ ጭቁን ኤርትራዊ ምእንቲ ክንጭብታ በብዝሓዝናዮ መኣዝን ንቕድሚት ክንግስግስ ለበዋ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን: ብተወሳኺ ውን ነቲ ወጽዓና ኣሚኑ እሞ ከኣ ናይ ሓባር ጸላኢ ከም ዘለና ተገንዚቡ ወትሩ ንምሕጋዝና ዝጽዕት ዘሎ መንግስቲ ትግራይን ብሓፍሻ ውን ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ እንዳ ኣመስገና ነታ ንኤርትራዊ ሓው ዝወጽዐት ቅርስስቲ ዜንጊ ህግደፍ ንህዝቢ ትግራይ ውን ስለ ዝደገመት ካብቲ መሪር ሓዘን ዝተሰምዖ ልብና እንዳ ኮነንና ኩልና ሓርነትና ክንጭብጥ ሓቢርና ንቃለስ ክንብል ንፈቱ::

 

ሓርነት ንሓፋሽ ኤርትራ! ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ

 

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ውድባ ዑቕባይ ተኽሉ 29/12/202