ካብ መጀመርታ ህወሓት ቓልሲ ኣብ ዝጀመሩሉ ከምዚ ሽሞም ዝሕብሮ ዘሎ ንምሉእ ነጻነት ትግራይ ኣንቂዶም እስትራተጂኦም ከም ዝሓንጸጹ የረጋግጸልና እዚ ናይ ህወሓት መርገጽ ግን ኣብ ህዝባዊ ግምባር ብፍላይ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ተቀባልነት ኣይነበሮን ካብዚ ዝነቀለ ከኣ ኣብ እተፈላለየ ግዜ ክዋቁዑን ክዕረቁን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ከባቢ 1986 ነቶም ናይ ውሽጦም ፍልልያት ከይተፈትሑ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ዝኾነ ንደርግ ብሓባር ክሃርሙ ተሰማሚዑ በዚ ከኣ ኣብ 1991 ብናይ ሓባር ቓልሲ ስርዓት ደርግ ተሳዒሩ ሲዒቡ ኤርትራ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ነጻ ሃገር ከትህሉዎ ዝተቓለሶ ብዘይ ድልየት ኢሳያስ ኣፈውርቂ (ፈደረስሽን ኮንፈደረሽንን እናበለ እንከሎ) ህወሓት ህዝቢ ኤርትራ ሕቡራት ሃገረት ኣብ ዝተረክቡሉ ብመስሪሕ ረፈረንዱም ነጻነቱ ክእውጅ ኩሉ ዝከኣሎ ኣበርኪቱ እዩ ሓደ ስብ ግን ሕጉስ ዘይነበረ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ነይሩ እዚ ከኣ ከምቲ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝበሎ ኣብ ሜዳ እንከለዉ ዝሓስቦ ዝነበረ ስለ ዘይኾነሉ ምኽንያቱ እቲ ዝነበረ ዱልዱል ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዶው ክብሎ ኣይክኣለን እዚ ከኣ መደባቱ ገዲፉ ማለት ዘይኾነ ግዜን ኩነታትን ከጠዓዕም ጸኒሑን ኣሎን

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ባዕሉ ዝጀመሮ ኹናት ናይ 1998 -2000 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ (ህወሓት ) ዝዓብሎሎ ምስ ተሳዕረ ሕፍረቱ ተጎልቢቡ ናብ ኣልጀርስ ከይዱ 25 ኪሜ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ኣብ መሬት ኤርትራ ክሰፍር ዘፍቀደ ሓደ ውርደተኛ መራሒ ሃገር እዩ ስለዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክልተ ግዜ ካብ ዝደልዮ መደባቱ ብህወሓት ክሰልጦ ስለ ዘይከኣለ ነዘን ዝሓለፈ 20 ዓመታት ወያኔ መጺኣ ክትወረኹም እያ እትብል ቓል ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ መደረታቱ መጽረይት ኣፋኡ ኾይና ጸኒሓ ኣብ 2018 ከኣ Game Over እትብል ናይ ታሕጓሱ መደረ ገይሩ ኣላልዩና ነይሩ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ እቲ ምስ ዓቢይ ኣሕመድ ዝገበሮ ናይ ሰላም ውዑል ኣዲስ ኣባባ ክይዱን እውንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ዓሻ ጥራሕ እዩበለና ወሲኩ እውን ኣይከሰርናን ኣይጠፍኣናን ክብለና እንክሎ እቲ ዝሓልሞ ዝነበረ ካብ ህወሓት ዘይረከቦ ጎብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቓ ምዃን ኣብ ኢዱ ዝጨበጦ ኾይኑ ተሰሚዑዎ ነይሩን ኣሎን ስለዚ ኢሳያስ ኣፍወርቂ እዚ ምስ ዓቢይ ኣሕመድ ኾይኑ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮ ዘሎ ወራር ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ እንተ ዘይኾኑ ካልእ ኣማራጺ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሳ ዘክእሎ መገዲ የሎን ብቀንዱ እውን ተሓኤ ክጥፍእ እምበር ነጻነት ኤርትራ ዓጂቡዎ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣይተሰለፈን ሕጂ እውን ንሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ኹናት ትግራይ ኣዳኺሙ ብሰራዊት ኣምሓራ ክትክኦ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ

ኣብዚ ግዜ እዚ ህዝቢ ትግራይ ፍጹም ብዝኮነ ጅግንነት ይዋግኡን ይስዕሩን እዃ እንተ ሃለው ብከምዚ ዓይነት ኹናት ንነዊሕ ክቅጽልዎ ኣይኾኑን እቶም ጸላእቶም ከኣ ነዚ ፈሊጦም ብሚልዮናት ድኻታት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣኣኪቦም ይምጹእዎም ኣሎው ኣብ መወዳኣታ ከኣ እቲ ኹናት ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ክፍታሕ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ናይ ብሓቂ ከምዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጥ ኣሎዎ። እቲ መደብ ብፍላይ ሕጂ ንህዝቢ ትግራይ ኣጥሚካን ኣጽሚእካን ኣዳኪምካን ኢዱ ከምዝህብ ምግባር እዩ

ስለዚ መራሕቲ ህዝቢ ትግራይ በቲ ዘመዝግብዎ ዘሎው ዓወታት ከይሰከሩ ዘሎዎም ሓይሉ ኣኻኪቦም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መሬቱ ዝኾነ መረት ምዕራብ ትግራይ ተቆጻጺሩ ኣፍደገ ምስ ሱዳን ከረጋግጽ ኣሎዎ እዚ እውን መንግስቲ ሱዳን እንተ ተሓባቢሩ ምክንያቱ መንግስቲ ኣሜሪካ ጽግዒ ናይ ኢትዮጵያ ክወስድ ይርኤ ስለ ዘሎ፣ ብግብጺ ኣቢሉ ናብ ልዕሊ ሱዳን ተጽዕና ክገብር ተክእሎ ስለ ዘሎ እቲ ክልኣይ ክግበር ዘሎው ናይ ትግራይ መራሕትን ናይ መራከቢ ሚድያታቶምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መሬት ኤርትራ ዝምድርዎን ዝፍክርዎን ዘሎው ወስታት ኣቛሪጾም ብከመይ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኖም ከምዝሰልፍ ምግባር እዩ ምክንያቱ ወተሃደራት ኤርትራ ተገዲዶም እምበር ካብ ዶባቶም ሓሊፎም ናብ መሬት ትግራይ ኣትዮም ክዋግኡ ድልየት የብሎምን እዚ ከኣ እንሰምዖን እንርእዮን ዘሎና ሓቂ እዩ

ሞዕራባውያን ይኹኑ ኣፍሪቓውያን መንግስትስትን ናይ ፖሊሲ ሓንጸጽትን መንግስቲ ዓቢይ ኣህመድ ነዚ ዘሎ ኩነታት ብሓይሊ ክፈትሖ ካብ ምሕጋዙ ኣይክቅጠቡን እዮም ህዝቢ ትግራይ ይጥመ ይሙት ጉዳዮም ኣይኮነን።

ላብመሰረቱ ተሓታትነት እንተ ዝህሉ ነይሩ ፣ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቁሉውላው እትሕተተሉ መንግስቲ ኣሜሪካ እያ ምክንያቱ በቲ ያማማቶ ዝብሃል ዝነበረ ኣምባሳደራ ነዚ ዓቢይ ኣሕመድ ዓሊ ዝብሃል ካብ ዘየለ ኣምጺኦም ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሮም (ከምቲ ኣባይ ስብሓት ዝበሉዎ) ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ናይ ኖቤል ሽልማት ከምዝወሃብ ዝገበሩ ሕጂ እቲ ኩሉ ጀሚሮሞ ዝነበሩ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣወንዚፎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎ ግፍዕታት ከምዘይምልከቶም ገይሮም ምስ ዓቢይ ኣህመድን ኢሳያስን ኾይኖም ህዝቢ ትግራይ ከጥፍኡ ዝተዳለዉ ይመስሉ

ገለ ምንጭታት ከም ዝብልዎ እቶም ክልተ ቀዳሞት ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ ( Jeffrey Feltman & David Satterfield )ብፍቓዶም ክሰናበቱ ዝገበሮም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝፈጸመቶ ጥሕሰት ክትክሰስን እገዳ ክግብረላ ስለ ዝሓተቱ ብወገን ናይ ኣፍሪቓ ጉዳያት ሓላፊትን ናይ ባይደን ምምሕዳር ስለ ዘይተቀበሉዎ ምዃኑ ይንገር እዚ ሕጂ ተመዲቡ ዘሎ Mike Hammer ግን መርገጹ ኣንጻር ትግራይ ኮይኑ ደጋፍ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ካብ መግልጺኡ ይፍለጥ እቶም ኤውሮጳውያን እውን ከምዚ ዝስማዕ ዘሎ እንተኮኑ ካብ ሑቅፊ ኣሜሪካ ወጻኢ ዝንቀሳቀሱ ኣይኾኑን ስለዚ እንታይ እዩ ህዝቢ ትግራይ ክገብሮ ዘሎዎ ?

መርሕነት ትግራይ ከምቲ ጀሚሮሞ ዘሎዉ ካብቲ ሕሳብ ከነወራርድ ኢና ዝብሉዎ ዝነበሩ ኣታሓሳስባ ወጺኦም፣ ምስቲ ውጽዕ ዝኾነ ሓረስታይ ብሔር ኣምሓራ ኣብ ምሕዝነት ገጹ ዝወስድ እስትራተጂኪያዊ ዝምድና ምፍጣር ብተወሳኪ ካብቶም ዝተማረኹ ድልያት ዘሎዎም ካብ ብሐር ኣምሓራ ኣረዲእካን ኣዕጢቅካን ነዚ ተበላሺዩ ዘሎ ዝምድና ኣማሓይሽካ ህዝቢ ኣምሓራ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ከምዘይትስእ ምግባር ጥራሕ ዘይኾነ ኣንጻር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝዘምት ምግባር

ህዝቢ ትግራይ ክስዓር የብሉን ዝብል ምሉእ እምነት ኣሎኒ ምክንያቱ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይ ጸላኢ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ክንዲ ፍሬ ኣድሪ ትኸውን ጉዳይ የብሉን ሰራዊት ትግራይ ኤርትራ ክወርር ኣይመጸን ብኣንጻሩ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ብኣሽሓት ከም ዝሞቱ ከም ዝስንክሉን ይገብር ኣሎ ባዕዳዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ድሕሪ 30 ሞትን ስቓይን ሲዒርና ዘፋኖናያ ሎሚ እንደገና ክንጽንበራ ብኣሽሓት ምህላቅና ንሕልና ዘሎዎ ስብ ዝወሓጥ ኣይኾነን። ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ወራር ኣትዩ ስለ ዘሎ እዚ ተጅሚሩ ዘሎ ኹናት መኣዝኑ ቀይሩ ንጉጂለ ህግድፍ ካብ ስልጣን ዘውርድ እውን ክኽውን ተስፋ ይገብር

ኣብ መወዳኣታ

ህዝቢ ትግራይ ፍትሓዊ ኹናት ኣብ ምስልሳል ስለ ዘሎ ዓወት ይምነየሉ። ምኽንያቱ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኹናት እዩ ።መጻኢ ህዝቢ ትግራይ ከኣ ብህዝቢ ትግራይ ይውሰን ምኽንያቱ ዝሕሾን ዝጥዕሞን ዝፈልጥ ንሱ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ኩሎም ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቓ ድምጾም ንሰላምን ዕርቅን ክጠልቡ ኣሎዎም

ክብሮም ግረነት

9/29/22

https://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2022/3009KG22-04AT.pdf