ነቂልካ ዶ ተስፉ ጅግና ወዲ ኤረ

ወደቦይ ዘውደ በዓል ቁምጣ ስረ

ኣንጊሁ ኣብ ጎቦታት ኤረ ዝሐደረ’’

Tesfu Zewde

ጅግና ድርብ ሐሞቱ ውጻእ ማዓት

ደሙ ዝፈሰሰ ንሐራ ኤርትራ ንነጻነት

ኣብ ኤርትራ ክሰፍን ሕጋዊ ስርዓት

ንጉጅለ ኢሰያስ ዝመከተ ብትብዓት’’

ወድቦይ ዘውደ ነቒልካ ዶ ነቒልካ ዶ

ዝደመኻሉ ዓደቦኻ ሐሪሙካ ኣብ ማዕዶ

ሐመድ ኣዳም ኣብ ስደት ክለብስ ጋዶ’’

ሐርበኛ ክብለካ ዶ በዓል ድርብ ሐሞተ

ከምቶም ዝሐለፉ ብጾቱ ንኣሰለት ዝመከተ

ከም በዓል ሙሴ ኣንጊሁ ዓይኑ ስለ ዝኸፈተ

ብሐለዋ ሰውራ ብዑሱባት ኢሰያስ ዝተኸትከተ’’

ወትሩ ፍሽኽ ምስ በለ ገጹ ኣብሪሁ

ካብ ማሕለኻ ጉሒላ ሳሕል ኣምሊጡ

ካብቶም ንኢሰያስን ጉጅሉኡን ዘጋለጹ

ኣብ መድረኽ ወጺኡ ጺሒፉ ሐንጢጡ

ተግባራት ጸረ ገድሉ ንብዙሐት ኣፍሊጡ’’

ክብለካዶ ወደበት ኤርትራዊ ኣከለጉዛይ ዝዓዱ

ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ክምክቱ ንሜዳ ዝወረዱ

ሐደ ካብቶም ኣብ ኣኽራናት ኤርትራ ዝዓረዱ

ወድቦይ ዘውደ ሐርበኛ ሐሊፉ

መምህር ካብ ቃልሲ መዓስ ኣዕሪፉ

ንጃንዳ ህግደፍ ከቕርብ ናብ ፍርዲ

ወየ ወየ ካብ ጀርመን መርድእ ንዓዲ’’

ኣያይ ካብ ተበገስካስ ደሐን ኩን

ሐርበኛ ንዲክታቶር መዓስ ይደንን

መልሐሱ ዘይዓጸፈ ወትሩ እዩ ሕቡን’’

ሐርበኛ መምህር ዶ ክብለካ ኮኾብ

ተስፉ ወደቦይ ዘውደ ብዓውታ ዝዛረብ

ወየ ወየ ሕጂ ውን ሰነድ ከሲርና ዓገብ’’

ወደቦይ ዘውደ ብሰላም ዕረፍ

ሐርበኛ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ

ውርሻ ንውሉድ ወለዶዩ ዝገድፍ

ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ ብጽሑፍ’’

ተስፉ መንእሰይ ሱሳታት ኣዝማሪኖ

መምህር ብሰላም ዕረፍ ዕባይ ማሳዊኖ

እቲ ጡዑም ዕላልካ መዓስ ይምኖ’’

ንሐርበኛ መምህር ተስፉ ዘውደ መንግስተ ሰማያት የዋርስካ’’እቲ የዋህ ኣምላኽና ኣብ ገነቱ ይቀበልካ’’ንሙሉኣት ስድራቤትካን ፈተውትኻን ጽንዓት ይሃብኩም’’ጠሊ ግደፈሎም ኣሚን ኣሜን’’ ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።