Tesfu Zewdeመምህር ተስፉ ዘውደ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ብዕለት 02.06.2023 ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ሃገረ ጀርመን ካብዛ ዓለም ምፍላዩ ምስ ተረዳእ ንሕና መቓልስቱ ኣባላት መቓልሕ ኤርትራ ኦርጋናይዘሽን ዝተሰዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

መምህር ተስፉ ዘውደ ምስ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ እናተቓልሰ እንከሎ፡ ብዝወረዶ መውጋእቲ ስንሉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብድሕሪኡ’ውን ብሰንክ’ቲ ንምልካዊ ኣገባብ ምሕደራ ዘማዕብል ዝነበረ ኣድሓርሓሪ ጉጅለ መሪሕነት ኢሳያስ ዘቕርቦ ዝነበረ ነቐፌታታት፡ ካብ’ቲ 

ንምቕጻሉ  ብምድግጋም ዝውጠን ዝነበረ እከይ ስርሓት ከምልጥ ክኢሉ እዩ። ይኹን’ምበር በቲ ዘየቛረጸ ናይ ምቕንጻል ብድሆታት እቲ’ውን ንስደት ከምርሕ ተገደደ።

ኣብ ናይ ስደት ሃገሩ’ውን ጸረ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ዓጢቑ፡ ንምትካል ደሞክራሲያዊ ስርዓትን፡ ንምንጋስ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ዕዙዝ ናይ ቃልሲ ግደ ኣበርኪቱ እዩ። ንመሰል ኤርትራውያን ስደተይናታትን ንክመሓየሽን፡ ኣረኣእያታቶም ንክምዕብልን ምስ መቓልሕ ኤርትራ ኦርጋናይዘሽንን ካልኦትን ተቓሊሱ ጥራሕ ዘይኰነ’ውን ኣብ ምትሕብባርን ምድልዳልን ኤርትራዊ ሲቢላዊ ማሕበራት ኤውሮጳ ይኹን ኣብ ምውህሃድ ምብርታዕን ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ቀጺሉ’ውን ኣብ ምስራት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክሳብ ጉባኤ ሃዋሳ ተሳቲፉ እዩ።

 

ክሳብ ካብ’ዛ ዓለም ዝተፈልየላ እዋን፡ ቅኑዕ ሃገራዊ ባህግታት ንምርግጋጽ ኣብ ጉዕዞ ቃልስታቱ ሐለለ ደኺመውን ከይበለ፡ ብፍላይ ኣብተን ብጽኑዕ ሐሚሙ አብ ትሕቲ ጽላል ሕክምና እናተዝሓልፈን ዝነበረ እዋናት ንሐንቲ ደቂቕ’ውን ትኹን ካብ ቃልሲ ከይቦኸ አብ ጎኒ ናይ ቀርባ ብጾቱ ይኑ ቃልሱ ቀጸለ። ምስ አብ ርሑቅን ቀረባን ዝርከቡ ኩሎም ፈተውቱ ብጾቱን’ውን ይ ምስልቻው ይዛተን ይመኻኸርን ይምዕድን ነበረ፡፡ ብግንባ-ም ምምካት ድሕር ዘይብል ሓርበይንናበራዊ ሓላፍነት ዝስከምን ውፉይ ዲሞክራስያዊ ተቃላሳይ እዩ ዝነበረ

ብርግጽ ሰብ መዋታይ ታሪ ግን ነባሪ እዩ ከም ዝበሃል ድማ እቲ ሒዝዎ ዝጸንሔ ቅኑዕን ፍትውን ዝባዊ ዕላማ፡ በቶም ዝተረፉ አብ ቀልሲ ዘለዉ ብ ኤርትራ ብ ፍጹም ዓወት ከም ዝብጽሕ አጠራጥረናን። ቡር ኣባልና መምህር ተስፉ ዘውደ ብዕለት 02.06.2023 ብምኽንያት ዕረፍቱ ካባና እንተ ተፈልየ ብመንፈስን ሐሳብ ግን ሉ ግዜ አብ ጎንና ህሉው እዩዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ መፍጸምታኡ ንምብጻሕ ቃልስና ቀጻሊ እዩ።

ጽንዓት ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ሉም ቤተሰቡን ፈተውቱን ብጾቱን ዕረፍቲ ድማ ንሓውናን ብጻይናን መምህር ተስፉ ዘውደ

መቐልሕ ኤርትራ ኦርጋናይዘሽን ዝተ. ማ.