ጀግንነት ካበይ ይምንጩ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ገበናዊ ተግባር ጀግንነት’ዩ ዝመስሎም። ገዛእ ርእሶም ሓራ ኣብ ዘይወጽእሉ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ኣብዘየርበሖምን ኣጀንዳ ወፊሮም ብዝፍጽምዎ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባር፡ ከይተሰከፉ መን ከማይ፡ መን ከማና ኢሎም ይፍክሩ። ንምንታይ ዕላማ? ንመን ረብሓ? በየናይ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይሓተቱን ከይፈለጡን ዝኾነ ሕቶ ርእይቶን ኣይፍቀድን፡ ጠምየ ሓሚመ ቦታ የብሉን፡ ተዳሎ ተበገስ፡ ተኩስ ቅተል፡ ዝረኸብካዮ ኩሉ ዝመት ኣዕኑ ኣቃጽል ተባሂልዎም ስለ ዘተግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕብኡ ዝሓፍሩ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ይፍክሩ ይጀሃሩ። ንትርጉም ሓቀኛ ጀግንነት ከዛብዑ ከራኽሱ ከም ዝዓበደ ከልቢ ተዓዊትና ኢሎም ይነብሑ። “ንሕና ንድክር ንስዕር” እናበሉ መሬት ኣይትኹንና ይብሉ። ምስ መን ተዋጊእኩም፡ እንታይ ገይርኩም፡ ኣበይን መዓስን ስዒርኩም ንዝብል ሕቶ ግን ዘእምን መልሲ የብሎምን።

ኣብ መንጎ ሃገራትን መንግስታትን ዝግበር ኲናት፡ ብድሌት ሓደ ሰብ ዝውላዕን ዝጠፍእን ምኽንያት ኣልቦ ኣይኮነን።  ናይ ግድን ዘእምን ምኽንያት ክህልዎ ኣለዎ። ንሕጋውነቱ ብዝምከት ከኣ፡ ጠንቂ ተፈሊጡ፡ እቲ ኩናት ኣብ መንጎ መነ መን ምዃኑ ተነጺሩ፡ ብሃገራዊ ባይቶ ተዘትይሉን ተኣሚንሉን ብምሉእ ወይ ብኣብዘሓ ድምጺ ክጸድቕ ይግባእ። ኣብ ተግባር ምስተኣትወ፡  እቲ ኲናት ብቐጥታ ዘይምልከቶም ስቪል (በርገስ) ግዳይ ከይኮኑ ምጥንቃቕ የድሊ። ስለምንታይ?  ኣብ ህይወት ኮነ ንብረት በርገስ ጉድኣት እንተፈጺምካ  ክሳብ  ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ዘሕትት ስለ ዝኾነ።  እዞም ናብ ጥሪት ኢሳያስ ዝተቐየሩ  እኩባት ሰብ ብረት ግን ናይ ከም’ዚ ዝበለ ሕጋውን ፖለቲካውን ኣመት የብሎምን። ኣመት ክህልዎም ዝደልዩ’ውን ኣይመስሉን።  ምኽንያቱ፡ ኣይኮነን ከም’ዚ ዝበለ ታሪኻዊ በሰላ ዝገድፍ ኣብራሲ ኲናት ዝጅመረሉን ዝኽተሎ ሕግታትን መሰረት ገይሮም ስለምንታይ ንረብሓመን ኢሎም ክሓቱ፡ ክካትዑን እምቢታ ከስምዑን በቲ ንሳቶም ንነብሶም ዝገልጽዋ (ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኢና ዝብልዎ) መሰሎም ብሕጊ ኣየኽበሩን። ብዝንቡዑ ኣስተምህሮ ንውልቀ ሰብ ብባርነት ከገልግሉ፡ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ንከንቱ ክግብሩ ከም ጽምብላሊዕ  ናብ  ኩናት ሆ እናበሉ ዝኣትው  ስለ ዝኾኑ፡ ንገበናዊ ተግባር ብጀግንነት እንተተጃህርሉ ኣይገርምን።

 ሓቀኛ ጀግንነት ግን  ካብ ወጽዓ፣ ጻምእ ስርዓተ ፍትሒ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ’ዩ ዝውለድ። ኣብ ዘይ ምኽንያታውን ዘይ ቅቡልን ኲናት ወፊርካ ዋላ ኣሽሓት ሰባት ቅተል፡ ንብረትን ኣባይትን ዝመትን ኣቃጽልን፤ ነዚ ክትፍጽም ኣካል ይጉደል ህይወት’ውን ይከፈል ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኣይኮነን።  ኣብ ልዕሊ ኣሓትን ኣዴታትን ትግራይ ብተናጸልን ብጉጅለን ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻም፡ ዘርኢ ናይ ሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ስርዓተ መፍረ (ማህጸን) ምብልሻው ተራ ገበን ዘይኮነ ኢ-ሰብኣውነትካ’ዩ ዝምስክር። ምንም ዘይፈልጡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ ብባህሪያዊ እርጋን ዓዲ ውዒል ዝኾኑ ሽማግለታት ብተመልከተለይ ብጃምላ ምጭፍጫፍ ጀግንነት እተተባሂሉ፡ ጀግንነት ኢሳያስ፡ ኣምለኽቱን ባሮቱን ጥራሕ’ዩ ዝኸውን። ሃገራዊ ሰራዊት ዝብል ስም ተኸዲንካ፡ ዘሚትካ ደቅኻ ከተዐንግል፡ ድኽነት ድሓን ኩኒ ክትብል፡ ካብ’ቲ ዝኽበረ ፋብሪካን መኪናን ክሳብ ዝተሓተ ጨርቀ መርቕን ድስቲ ኩስኩስትን ክትዘምት እንከለኻ፡ ትድክር ትስዕር ጅግና ዘይኮንካስ፡ ኣበይ ኣለኻን እንታይ ትገብር ኣለኻን ብግቡእ ዘይትፈልጥ ትሕቲ ሰብኣዊ ፍጡር ዝኾነ ባህሪ ወኒንካ ከም ዘለኻ’ዩ ዘመክት።  ከም’ተን ብሓደ ጓሳ ዝኹብኮባ ጥሪት፡ ጥሪት ኢሳያስ ምዃን ‘ምበር ሃገራዊ ሰራዊት ምዃንካ ዘረጋግጽ ንምልክት’ኳ የለን። ተኣኪብካ ብድሩዓት መካይን፡ ታንክታትን መዳፍዓትን ካብን ናብን እንተተንቀሳቐስካ፡ እኩብ በዓል ብረት ደኣምበር፡ ተልእኾኡ ብግቡእ ዝፈልጥ ብቕኑዕ ወተሃደራዊ ስነ-ምግባር ዝተሃንጸ ሓቀኛ ሃገራዊ ሰራዊት’ዩ ኣየብለካን።

ገለ መራሕትኻ እንክጀሃሩ “ንሕና ርእሲ ሰብ ኢና ንሃንጽ ኔርና፡ ወያነ ግን ብሽኩቲ ዝኾነ ነዊሕ ህንጻታት ይሰርሑ ኔሮም። እነሆ ከኣ ሕጂ ብሓደ ረፍዲ ሃደሽደሽ ኣቢልናዮ ከምዘይነበረ ጌርናዮ” ኢሎም ብመራኸቢ ብዙሓት ክነብሑ ሰሚዐ። ህንጻ ግን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ብበዓል ሞያ’ዩ ዝስራሕ። ሞያ ኸኣ ኣተሓሳስባ’ዩ። ብቀላማዊ ትምህርቲ ወይ ብናይ ነዊሕ ግዜ ልምዲ ድማ’ዩ ዝውነን።  ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ፋብሪካታት፣ ዝተሃንጸ ሰማይ ጠቀስ ኣባይቲ፣ ህዝቢ ትግራይ ምስ መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከማይን ጸባን ኮይኖም ኣብ ዝፈጠርዎ ርጉእ ሰላም፣ ዝተኸተልዎ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ፣ ተመሃር ተማራመር ተማሃራይ ዝብል:  ንጹር ፖሊሲ ስትራተጅን ስልትን ዝተፈጥረ ጥጡሕ ባይታ ዝተማህሩ ኢንጂኔራት፣ መሃንድሳት ደቂ ትግራይ ዝሃነጽዎ’ዩ። ኢንጂኔራት ጣልያን ብዝሃነጽዎ ቅዲ ከተማ ኣስመራ ዝጀሃሩ፡ ጸረ-ትምህርትን ምሁርን ዝኾኑ ገበርቲ ጉድ  ኢሳያስን ባሮቱን ግን፡ ኣይኮነን ኣረኣእያ ሰባት ብኣወንታ ክንሃንጹ ከማዕብሉ  ዝኣረገ ጽርጊያ፡ ኣባይቲ፡ ወደባት ክጽግኑ’ውን ኣይከኣሉን።  ዶብ ሰጊሮም ብመዳፍዕን ቡልዶዞራትን ህንጻታት ትግራይ ስለ ዘፍረሱ፡ ፋብሪካታት፣ ተሽከርከርቲ፣ ጨርቀ መርቕን ድስቲ ኲስኲትን ስለ ዝዘመቱ፡ ኣይኮነን ክትገብሮ  ብእዝንኻ ክትሰምዖ ዘስካሕክሕ፡ ኣብ ልዕሊ ወላዳት ትግራይ ጨካን ተግባራት ስለ ዝፈጸሙ፡ ገዛ ገዛ እናኸዱ ህጻናትን ሽማግለታት ስለ ዝሓረዱን ዝረሸኑን፡ ፖለቲካውን ሕጋውን ሩሕ ዘለዎም ክመስሉ ንሕና ንድክር ንስዕር ኢሎም። እዞም ገበርቲ ዘይንቡር ንሕና ሃነጽቲ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኢና፡ ወያነ ግን ድኹማትን ድሑራትን ስለ ዝኾኑ ህንጻ’ዮም ዝሰርሑ ነይሮም፡ እነሆ ከኣ ብሓደ ጸሓይ ከም ዘይነበረ ገይርናዮ እዝዩ  መግለጺ ብስለትን ጀግንነትን ኤርትራውያን ክብሉ ፍጹም ከይተሰከፉ ኣንጻር ሓቂ ክጉስጉሱ ሰሚዕናን ንሰምዕ ኣለናን።

 መን ከማይ፡ መን ከማና ዝብል ጃህራን ፈኻራን’ኳ ዘየድሊ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ንስለ ሃገራዊ መንነትን ምርግጋጽ ሓርነታዊ መሰላትን ክበሃል፡ ብዘይ ዝኾነ ኣስገዳድ ብሰናይ ምርጫኦምን ውሳኔኦምን ኣብ በረኻን ሕምብርቲ ባዕዳዊ መግዛእትን ተዋፊሮም፡ ኩሉ ግዜ ብኽብሪ እናተዘከረ ዝነብር መምሃሪ ተካእቲ ወለዶታት ዝኸውን ድሙቕ ጀግንነት ፈጺሞም’ዮም።  ጀግንነት ኤርትራውያን ‘ምበኣር ኣንጻር ዓመጽን ራስያን’ዩ።  ኣንጻር ዘመትን ወረርትን’ዩ። መሬቱ ካብ ምንጋጋ ወረርቲ ኣውጺኡ ንምውናን፡ ኩሉ-መዳያዊ ሓርነታዊ መሰሉ ብህዝባዊ ንቕሓትን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ኣውሒሱ፡ ምስ ጎረባብቱ ብሰላምን ምክብባርን ንምንባር መሰረት ኣብ ዝገበረ ህዝባዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ዝተፈጸመን ዝተሰነደን ጀግንነት’ዩ ዝኸበረ መግለጺኡ።

  ኣበየናይ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ/ኮይና ዝተፈጸመ ሓርበኛዊ ውዕሎን፡ ዝነበረ ናይ ፖለቲካዊ መስመር ዘይንጹርነትን ንጎኒ ገዲፍና፡ ክሳብ ምብራር ባዕዳዊ መግዛእቲ ግንቦት 1991 ዝተኸፍለ ጉልበት፣ ፍልጠት፣ ገንዘብ፣ ነዋት፣ ኣካል፣ ህይወት ኩሉ ናይ ጀጋኑን ጀግንነትን ክብሪ ዝግበኦ’ዩ።  ምኽንያቱ ሓደ ህዝባዊ ፍትሓዊ ሕቶ ብዘይ ኩሉ-መዳያዊ ተሳትፎ ዜጋታት ኣይዕወትን። ኣብ 1991 ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝተመዝገበ ነጥበ መቐይሮ ንኣብነት፡ ብሓይሊ ብረትን ፍሉይ ውዕሎን ሓደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ጥራሕ ዝመጸን ኣይኮነን።  ናይ  ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ተሳትፎን ስለ ዝነበረ’ዩ ተዓዊቱ። ስለዚ ከኣ ነዚ ክመጽእ ዋጋ ዝኸፈሉ ወገናት  ክዘምቱ ዘይኮነ፡ ንስለ ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ ክብሉ ዝተበጀው ስለዝኾኑ ናይ ኩሉ ግዜ ጀጋኑና’ዮም። በዚኦም ክንሕበን ሕድሮም ብተግባር ኣብ ህዝቢ ክሰርጽ ክንቃለስ ከኣ ቅኑዕን ግቡእን ይኸውን።

ፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1991 ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣባሪሩ ‘ምበር፡ ኣብ’ቲ መሰረታዊ ሓርነታዊ ባህጉን መሰሉን ለውጢ ኣየምጸአን። እቲ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ዝነበረ ቃልሲ ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተዛዚሙ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ዘቤታዊ ጸላኢ እግሪ ክተክል ተጀሚሩ። ስለዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ሓደ መግዛእቲ ናብ’ቲ ካልእ መግዛእቲ ክሰጋገር  ኮይኑ። ምርጫን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዘመናት ሕልሙ ዝነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነቱ ምስ ወነነ ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ ነጻ ኮይኑ፡ ብዘጽደቖ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ሓባራዊ ጽላሉን መወከሲኡን ገይሩ ብሰላም ምንባር’ዩ፡፡ ቅዋም ብዘቐመጦ ገደብ ግዜ መራሕቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እናመረጸን እናተቆጻጸረን፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ በተሓሳስባ፡ ብሕግን ብተግባርን ምርግጋጽ’ዩ ነይሩ።  ብድሕሪ’ዚ ሃሙን ቀልቡን ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ብምግባር ካብ ሱር ዝሰደደ ድሕረትን ድኽነትን ምንጋፍ’ዩ ነይሩ።

  እንታይ ይገበር ግን “ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ” ከም ዝተባህለ፡ ኣበርዓኒ ሰናይ ባህግታት ዝኾነ ብነጻነት ተጎልቢቡ ዝኣተወ ውድብ ብሓፈሻ፡ መሪሕነታዊ ኣካሉ ከኣ ብፍላይ ናይ ስልጣን ጻምኡ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ህዝባዊ መርጫን ከርዊ ኣብ ክንዲ ዝፍትን ብስነ-መጎት ሓይሊ ንህዝቢ ብራዕዲ ክገዝ ስራሐይ ኢሉ ተታሓሓዞ። ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ብዝዓደሎ ብኢደ-ወነኑ መንግስቲ’የ ክብል ኣዋጀ። ካብ ናተይ ርእይቶን ፍቓድን ወጻኢ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝኾነ ሓሳብ ኣይስማዕን ኣይትግበርን ክብል ከልከለ። ብወግዒ ካብ ፍቓደይ ክወጽእ ዝፍትን እዚኣ ትረኽቦ ዓይነት ህዝቢ ያኢ ካብ ራዕዲ ክመሃር፡ ንዜጋታት ኣብ ምክልባት፡ ምፍርራሕ፡  ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምስቓይ፡ ምርሻን፡ ካብ መኣዲ ስራሕን ትምህርትን ምጉንዳብ ተዋፈረ። ኤርትራ ድኻታት ‘ምበር  ብረሃጾምን ብሕግን ዝኸዱ ሃብታማት ዘይነብሩላ፣ ብነጻነት ዝመሃሩ ዝመራመሩ ዜጋታት  ዘይረኣዩላ፣ ሕልናኦም ዝሸጡ ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ ‘ምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝተኣማመኑ ሓራ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ዘይዛነዩላ፡ ካብ ከባብን ዓለምን  ዝተነጸለት ንብረት ሓደ ሰብ ናይ ምግባራ  ከሓድን ኣዕናውን ውጥኑ ደረጃ ብደረጃ ከተግብር ጀመረ።

ስለዚ ከኣ፡ ቅድም ክብል ንዘይ ደሞክራስያዊ ባህሪኡ ብምንቃፍ፡ ብተራ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን ዝቕበላኦን ዝገልጻኦን  ዝነበራ ፖለቲካዊ ውድባት ርእይቶአን ብምምሕያሽ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብዘየወላውል መርገጸን ብምንጻር፡ ብዝጥዕም ኣገባብ ኩሉ ተሃሪሙ ክውገድ ኣለዎ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐን። ብዘይ ዕረፍቲ ካብ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ጸረ-ዘቤታዊ  ጸላኢ ቃልሲ ቀጺለን። ኣመንቲ ሃይማኖት ጆሁቫ ብግዴታ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ንክሳተፉ ዝተገብረሎም ጸቕጢ ንሕና ሃይማኖትና ካብ ዝፈቕዶ ወጻኢ ኣይንኸይድን ኣይንሰርሕን ኢሎም። ጸረ-ደሞክራስያዊ ጎነጻዊ ኣካይዳኡ ዝወለዶ እስላማዊ ምንቅስቓስ (ጀሃድ)  ኣመንቲ ምስልምና ሃይማኖት ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ወተሃደራት ክኾና ኣይነፍቅድን ብምባል ተሪር ዝተወደበ ተቓውሞ ኣርእዮም። ውጉኣት ሓርነት (ብቋንቋ ህግደፍ ኣካለ ስንኩላን)  ማሕበራዊ ሕቶና ኣይተመለሰን ብዝብል ኣብ ጎደና ወጺኦም ተቓውሞኦም ገሊጾም።  ላዕለዎት ኣመራር ህግደፍን ወነንትን ኣቕርብትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣብ 2001 ንግጉይ ኣካይዳኡ ብምንቃፍ ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታቶ ጠሊቦም። ብ2013 ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ዘይዕውት ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝተወደበን ዘይተወደበን መልክዓት ክካይድ ዝጸንሐን ዝካየድ ዘሎን ተቓውሞ ...ወዘተ ኩሉ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚ 1991 ኣንጻር ግዳማዊ መግዝእቲ ዝተፈጸመ መስተንክራዊ ሃገራዊ ጀግንነታዊ ተግባር’ዩ። ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዝተራእየ እምቢታ ንጸረ ደሞክራስያዊ ኣገዛዝኣ፡ ክንደይ ዜጋታት ማሕበራዊ ህይወቶም ተመዛቢሉ፣ ከይፈተው ካብ ስድራኦምን ሃገሮምን  ርሒቖም ተሰዲዶም፣ ኣካሎም ጎዲሎም፣ ኣብ ዘይፈለጥ ኣብያተ ድጓናታት ተደርብዮም ይብስብሱ ኣለው፣ ክንደይ  ዝኾኑ ክቡር ህይወቶም ስኢኖም ወይ ተሰዊኦም ብምዝካር ምንጪ ጀግንነት ጽንዓትን ተወፋይነትን ካበይ ከም ዝምንጩ ምግንዛብ የድሊ።

 ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብሩ ብሓፈሻ፡ ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብሩ ዜጋታት፡  ንስለ ድሕነት ቀጻልነትን ህዝቦም ክብሉ፡ ኣብ ዝኣምንሉ ፖለቲካዊ ውድብን ፕሮግራምን ተሓቚፎም ካብ ወርሓዊ ኣታዊኦም ብስሩዕን ወፈያን፡ ብፍልጠቶም ኣብ ሕድሕዶምን ዲፕሎማስያዊ መድረኻትን ዝኸፍልዎ ዘለው ዋጋ፤  ብቅቡጻት ስማውያን ጀኔራላት ኢሳያስ ብዝድገፉ ነጋዶ ሰብ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቑ ዜጋታት ካብ ሞት ንምድሓን ዝገብርዎ ሰብኣውን ዜግነታውን ሓላፍነት ዝተመልኦ ምርብራብ ..ወዘተ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤርትራዊ ሓርበኝነትን ጀግንነትን ብቐጥታ ካብ ፍትሕን ፍትሓውነትን ከም ዝምንጩ’ዩ ዝሕብረና። ስለዚ ከኣ ምንጪ ጀግንነትን ሓርበኝነትን ከም ሓሳብ ዓመጽን ዝምታን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ዓመጽ ተግባር ዝተዋፈረ ውልቀ ሰብ፡ ውድብ ይኹን መንግስቲ ዓማጺ’ዩ ስሙ። ኣብ ናይ ዝምታ ተግባር ዝወዓለ ዘማቲ’ዩ ስሙ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ዝወፈረ ከኣ፡ ኢ-ሰብኣዊ፡ ኣጽናቲ፡ ፋሽሽታዊ’ዩ ስሙ። ዓማጺ፣ ዘማቲ፣ ኢ-ሰብኣዊ፣ ኣጽናቲ፣ ፋሽሽታዊ ኩሉ ብሕጊ ዘሕተት ገበን’ዩ። በዚ መንጽር ባህርን ተግባራትን ኢሳያስን ኣምለኽቱን ምስ ጀግንነትን ሓርበኝነትን ዘረኽብ መሰረት የብሉን። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ፖለቲካ ርኻብ ኤርትራ ካብ ዝድይብ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ምስ ግዳም ብጉልባብ ሃገርን ምኽባርን ልኡላውነትን ገይረዮ ዝብሉ ውግኣት ኩሉ ዝጭበጥ መረዳእታ ዘይብሉ ኩምራ ገበን’ዩ።

ስለዚ ምስ’ቲ ኩሉ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘይተገርሐ፡ ኣብ ጸቢብ ሃገራውነት ተሓቢኡ ብጣሕመሽመሽ ዝኸይድ ዝነበር ፖለቲካዊ ርእይቶ ኣብ ዝርዝር ከይኣቶና፡ ቅድሚ 1991 ኤርትራውያን ብፍልጠቶም፡ ብጉልበቶም፡ ብግንዘቦም፡ ብህይወቶም፡ ዘርኣይዎ ተሳትፎን ተወፋይነትን ብሰንኪ ጸያቒቶ እንኮ-ሰባዊ ኣገዛዝኣ  ናብ’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብግቡእ ኣይተሰጋገረን። ተካኢ ወለዶ ክመሃረሉ’ሞ ክጥቀመሉ ብምግባር ንውዕለኦም ዝምጥን ስምን ክብርን ኣይረኸቡን ‘ምበር፡ ኤርትራ ማህጸን ጀጋኑ ምዃናስ ኣመስኪሮም’ዮም።  ድሕሪ 1991 ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸም ዘሎን ናይ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ጉልበት፡ ህይወት ተሳትፎን ተወፋይነትን ነቲ ካብ ፍትሕን ፍትሓውነትን ዝምጩ ሓቀኛ ኤርትራዊ ጀግንነት ደጊሙ ዘረጋግጽ’ዩ። ዓሚጹ፡ ዘሚቱ፡ ዘርኢ ኣጽኒቱ፡ ኣነ ጀግናየ፣ ንሕና ጀጋኑ ኢና ዝብል መልእኽቲ ግን ብትሕዝቶ ደረጃ ባዶ’ዩ። ብውክልና ዓይኒ ንኤርትራዊ ጀግንነት ክብክል ከመራስሕ ዝደናደን ካብ ምኳኑ ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይውክልን። ዓመጽ፡ ዝምታ፡ ጽንተት፡ ጀግንነት ክበሃል እንተደኣ ኮይኑ፡ መላኺ ኢሳያስን ኣምለኽቱን ጥራሕ’ዮም ዘምብብዎን ዝፈልጥዎን። ብባህሪኦም ኮነ ተግባሮም ትሕቲ ሰብ ምዃኖም ባዕሎም ኣረጋጊጾም ስለ ዘለው ከኣ፡ ካብ ሒዘሞ ዘለው ኢደ-ወነናዊ ስልጣን ብህዝባዊ ቃልሲ ክሳብ ዘይተኣልዩ ካብ’ዚ ዝኸፍእ ደኣምበር ዝሓይሽ ሓሳባት ካብኣቶም ኣይንጽበን ኢና።  ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ድማ፡ ፈሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን።

                                                           ክብሮም ከሰተ

                                            ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                       ዕለት 15 ነሓሰ 2023