እዛ እዋናዊት ጽሕፍቶይ ፣ከም ሓውሲ ሪፖርታጅ ኣብ ክልተ ክፋል መቂለ ክትወጽእ መሪጸ ኣለኹ።
ኣነ ካብ ናይ ሓባር ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ብዝተገብረለይ ዕድመ እየ ነቲ ጉባኤ ተሳቲፈዮ። ኣመስጊነ ንኣመስጋኒና ኣሕሊፈዮ ኢየ። ምኽ ያቱ ኣነ ኣብ ኣዋሳ ኣይተሳተፍኩን፣ ግን ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝተመስረተሉ ምስ ኩሉ ሕልኽልኻቱን ኣወንታዊን ኣሉታውን ሸነኻቱ ብወገነይ ክክካታተሎን፣ ከም ግዱስ ኤርትራዊ ብኣትክሮ መጻኢ ኤርትራዊ ምስግ ጋር ስልጣን ኤርትራ ብምስውዓል ሓደ ናይ ሓባር ውደባ ንባዶነት ስልጣን ክምልስ ክኽእል ኣለዎ ዝብል እምነት ጸኒሑ እዩ።

ትጽቢትና ግን ብናይ ኣስታት ሸሞንተ ዓመት ደውታ ናይ ሓባር ቃልሲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መኺኑ ጸኒሑ። ኣብዚ ሓጺር ግዜ ግን ሃገራዊ ባይቶ ካላኣይ ጉባኤኡ ከካይድ ምኳኑ ትስፍው ወረታት ኣብ መደበራት ዜና ክፍነው ጀመረን፣ ምድላዋት ኣብ ፈቀዶ ዞባትት ብኣኼባታት ክስነ ተራእየ።
ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፍሕ ጉባኤ ኣብ ሽወደን ከተኣንግድ ዝሓቶ ዓቅሚ ሰብን ገንዘብን ብቀሊል ዝግመት ኣይኮነን፣ ከመይሲ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ጉባኤታት መዋሊ ነይርዎ ይኸውን ኢለ ስልዝግምት፣ ሕጂ ግን ልሉይ ምቅይያራት ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ፣ሱዳን፣የመን ነቲ ቃልሲ ፍትሕን ሓርነትን ብኣሉታ ዝጽሉ ኩነታት ተፈጢሩ ምህላው፣ ንኩሉ ተቃላሳይ ንፍትሒ ፍሉጥ እዩ።
በቶም ህርኩታትን ብልዝብ ዝሰርሑ ኣኤንገድቲ ሽማግለ ከም ዝተገለጸልና እዚ ጉባኤ´ዚ ብዘይሓደ ናይ ወጻኢ ሓገዝ፣ ዋላ ሓደ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ጽልዋን ተጽዕኖን ብዘይገብረሉ ብኤርትራዊ ዓቅሚ ዝተመወለ ምዃኑ እዩ። ብኣገላልጸኦም ክብገሱ ከለዉ ካላኣይ ጉባኤ ክኻየድ ኣለዎ ዝብል ቆራጽ ዕላማን፣ ድልየትን፣ ሓቦን፣ ሕልናን፣ ተውፋይነትን ኢዩ ኣበጊስና እምበር ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዕለት16 ዝተጀመረስ ክሳብ መጋቢት 2019 ኣብ ጁባ ባይቶስ ዘሮ ክሮና ኢዩ ነይሩ ደኣ በሉና። ግን ውድባት ዝተወሰነለን ክፍሊትን፣ ኣብ ዝተፋላለየ ዓለም ዝርከባ ዞባትትን ውፉያት ኤርትራውያን ብዝገበርዎ ጎስጓሳት ናይ ገንዘባዊ ሓገዛትን እኹልን ተረፍን ገንዘብ ደኣ ተዋህለለ። ኣዳለውቲ ከኣ ሓደ ሰፍሕ ኣዳራሽ ኣብ ቸርሶጎርደን ኣብ መንጎ ብሮማን ድሮትኒንሆልምን (ስቶክኮልም ፡ ርእሰ ከተማ ሽወደን) መደቀሲ፣ መአከቢ፣ መመገቢ፣ ዝተፈላለየ ክፍልታት ስራሓት ተካየደሉ ተኻረዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንኣዳለውቲ ሽማግለ ኣገናዕ ክብሎም እፈቱ። ኣባል ጉባኤ ከኣ ናይ ትራንስፖርቱ ባዕሉ ኺኢሉ ንቦታ ጉባኤ ካብ ፈቀድኡ ቦታታት ዓለም ማለት ካብ ኢትዩጵያ፣ሱዳን፣ጁቡቲ፣ኣመሪካ፣ኤውሮጳ፣ካናዳ፣ኣውስትራልያ፣ማእከላይ ምብራቅም ክመጽእ ጀመረ። ንነውሕ እዋን ተፋላልዩ ዝጸንሐ ሰብ ከኣ ክርኸብን ጉጂም ክብልን ናፍቆቱ ከውጽእን ጀመረ። ገሊኡ ንነዊሕ ደሃይ ተጋባቢሩ ዘይፈሊጥ ኣንታ/ቲ ኣለኻ/ኺ ዲኻ/ኺ ኣብዚ ዓለም ክበሃሃልን ተሓናኒቁ ክስዓዓምን ከሎ ክትርኢ የሐጉሰካ። ኣየባ ኣብቲ መመገቢ ቦታ በቶም ኣዳለውቲ ዝግበር ኣቀባብላን፣ ኣቀራርባ መግብን ውዑይን ዝሑልን ዝስተን ከምዚ ንነዊሕ እዋን ዝተዳለውሉን ተምክሮ ዘዋህለልሉን ደኣ ይመስሉ። እቲ ተሳታፋይ ጉባኤ ከኣ ብዘይ ገለ ነባር ውድባዊ ይኹን ካልእ ፍልልያት ኣብ ማኣዲ ኮይኑ ተመክርኡ ክላዋወጥን፣ ፖለቲካዊ ርእይቶታቱ ክማያየጥን ክትርኢ ከሎኻ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ባህሊ እናተጠርየ እኸይድ ምህላዉ ይምስክረልካ።
ኣነ´ኳ ሳላ መራኸቢ ብዙሓን ማለት ፓልቶክ፣ ፈይስ ቡክ፣ መሰንጀር፣ ዎዝ ኣፕ፣ ተለፎንን ስክይፐን ኮንፈርነሳትን ካልእ ናይ ዜና ማዕከናትን፣ ብተወሳኺ ውን ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ብተቃለስቲ ፍትሒ ዝዳሎ
ሰሚናራትን ክሳተፍ ስለዝጸናሕኩን፣ ኣብዚ ነሂሩ ዝስጉም ዘሎ ናይ በርገሳዊ/ህዝባዊ ምንቅስቃስ ሓባራዊ ስርሓት ሓይሊ ዕማማት ስለዝነጥፍን፣ ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ ክረኽቦም ጸኒሕ ነይረ እየ። እቲ ዝፈልዮ ንገሊኦም ብኣካል ተራኽብካ ምዕላል እዩ።
ካብቲ ክሳተፎ ዝጸናሕኩ ሰሚናራትን ኮንፈረንሳትን ነዚ ጉባኤ´ዚ ፍሉይ ስምዒት ዝሃበኒ ዳርጋ ኩሉ ሕብሪ ኤርትራዊ ማለት ብ ሄራት፣ ሃይማኖት፣ ኣውራጃታት፣ ጾታታት፣ ውድባት ተሳታፊ ምንባሩ እዩ። ተሳታፍነቱ ብዲሞክራስያዊ መትከላት ተማእዚዙ ንወገኑ ምጥባቅ ዘይኮነስ፣ ነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ዘላ ሃገርን፣ ነቲ ኣብ ኣፈርኩቡ ዝርከብ ህዝብን ንምድሓን፣ ከመይ ናይ ሓባር ረብሓ ንምርግጋጽ፣ መሳርሒ ቃልሲ ንኩሉ ከዋስእ ዝኽእል ቻርተር፣ ህንጻ፡ሕጊ፣ ፖለቲካዊ ውሳነ ንሰርሕ ዝብል ኣቅልቦ ምዕሳሉ፣ ካብቲ ካልእ ተስፋ ዝህብ ኣብቲ መኽፈትን መደምደምን ጉባኤ´ውን ኣብ ልዕሊ እተን ኣስታት ዕስራ ዝኾና ውድባት ኣባላት ጉባኤ፣ ሰለስተ ውድባት/ምንቅስቃስ ከም ተዓዘብቲተሳተፈን ነይረን እየን። ኣንታ እዛ ሃገር እባ ተስፋ ኣለዋ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ከኣ የብጸሓካ።
ሃገራዊ ባይቶ ኣኼቡኡ ቅድሚ ምጅማር ጉባኤ ኢዩ ኣካይዱ። ዕቱብ ዝኾነ ገምጋም ንድኹም ጎንታቱ ኣካይዱ፣ ነብሱ ብደውቱኡ ነቂፉን፣ ክእረም ከም ዘለዎን፣ ቃልሱ ምስ´ዚ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ህዝቢ ተበግሶታት ብሓባር ክሰርሕን ከሕንን ከም ዘለዎ ከምዝወሰነ ተሓቢሩና።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ጉባኤኡ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ተቃለስቲ ፍትሒ ኣብ ደገን ውሽጥን ሓኒኑ ብናህሪ ነቲ ጸረ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ጉጂለ - ጥፍ ኣት፣ ብርሰት፣ ድኽነት፣ ምፍራስ፣ ምጽናት፣ ጥምየት፣ ምጽልማት፣ ምዕናው ፣ መኪቱ፡ ብይኣክል ኣሰንዩ፡ ነቲ ብናይ ጫካ ሕጊ ዝግዝእ ጉጂለ ህግደፍ ካብ ሱሩ ንምብንቛሱ ኣብ ዝምርሸሉ ዘሎ ኮይኑ፣ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ከም በዓል ብርኪ፣ መሻርኽቲ ኮይኑ ክሰርሕ ጥጡሕ ባይታ ምኳኑ ኣስተውዒልሉን፣ ንትግብርነቱ ውሳነታት ኣመሓላሊፉን። ጉባኤ ነዚ ሓዲሽ ናይ ምጥርናፍ መስርሕ ብዕቱብ ስለዝረኣዮ ኣብ ፈጻሚት ሽማግልኡ ናይ ዘተ፣ስኒት፣ምውህሃድ ቤት ጽሕፈትን ከምዝህሉን ሓይሊ ዕማም ከም ዝቀውምን ወሲኑ ኣሎ። እታ ብዕለት 21 ሚያዝያ 2019 ማእከላይ መሪሕነት ዝመርጻ ፈጻሚት ሽማግለ ከኣ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣድማዒ ስርሓት ክትጅምር አትስፎ።
ብርሃነ ኪዳነ (ጃለ)
ንርእይቶ፣ ሓበሬታ ወይ ውን ነቀፌታ መልእትኩም ኣብዚ ስደዱለይ:-
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ኣብ ካላኣይ ክፋል ጽሑፈይ ብዛዕባ ነቲ ጉባኤ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሃገራውን ኣህጉራውን ኩነታት ከምዝተኻየደን፣ ናይ ጉባኤ ንህልዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራን ሚዛንን፣ ከምኡ ውን ንናይ ሓባር ቃልሲ ተቃለስቲ ፍትሕን ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነታትን ክጽሕፍ ክፍትን እየ።