ብመንጽር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምራሓሉ ንቡር ልምድታትን ሕግታትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ፡ መንግስታዊ መዕቀኒታት ዘየማልእ ስማዊ’ዩ። ናይ ገዛርእ ርእሶም ፖለቲካዊ ሕርያን ህይወትን ብዘይብሎም ስሉባት ሕልና ዝድገፍ፡ ብእንኮ-ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተሰርሐ ብኡ ዝምራሕን ዝግራሕን ኳና’ዩ።  ናይ ሓደ ሕጋዊ፣ ቅቡል፣ ሓላፍነታዊ ህዝባዊ መንግስቲ መሰረታዊ መትከላት ክሰምዕን ክርእን ዘይደሊ፡ ዕድመ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ህላወን ዕድመን ሓደ ሰብ ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ዘይንቡር ኣገዛዝኣ’ዩ። ድኽነትን ጸበባን ህዝቢ ዋሕስ ዘተኣማምን ቀጸልነት ስልጣኑ ብምግባር፡ ንምዕናው ስሩት ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ብዝተወደበን ብተወፋይነትን ዝሰርሕ ናይ ግድን ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ።

እዚ እንኮ-ሰባዊ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ጨካን’ዩ። ብኡ መጠን ከኣ ብራዕዲ ዝነብር ፈራሕ’ዩ። ብኣጋጣሚ ዝተቖጻጸሮ ስልጣን መታን ከይሕደግ፡ ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን ዘይመሰረታዊ ግን ከአ፡ ንማሕበራዊ ዝምድናታት ምቖት ዘይህብ ድሑር ስምዒታት እንዳፋሕተረ ኣምበድቢዱ የቀጻጽል። ህዝቢ ካብ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ዘረጋግጽ ዛዕባ ወጺኡ ክህውትት፡ ብሓሶት ዝተፈብረኸ ፕሮፕጋንዳዊ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ይርከብ።

እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ’ታ ናተይ ዝብላ ማይ ቤቱ’ውን ምትእምማን የብሉን። ኣብ ምትእምማን ዝተሰረተ ባህሊ ሓባራዊ ኣሰራርሓ ዘይኮነ፡ ናይ ጎይታን ጊላን ዝምድና’ዩ ዘለዎ። እቲ ጎይታ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ ጉዳያት ወሃቢ ትእዛዝ፡ ተቖጻጻርን ወሳንን’ዩ። እቶም ጊሎት ከኣ፡ ከም ናብ ሃደን ዝወፍሩ ዘለው ኣዛብእ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ብስግኣት እናተጠማመቱ ካብ ጎይታ ዝወረደ ኩሉ ሓራይ፡ ናይ ኩሉ ግዜ መርሖኦም ብምግባር፡ ምስ ትእዛዝ ተቐቢልካ ብተወፋይነት ምፍጻም ዝተለማመዱ ሰባት’ዮም። ሓቀኛ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ብግቡእ ተረዲኦም እንተዘገልግልዎ’ውን ሕማቕ ኣይምኾነን። ግን ኣይፈልጥዎን። ሕጋዊ ድዩ ሕጋዊ ኣይኮነን ኣየገድሶምን። ጸጊበን ከም ዝዕድራ ኣብታይ   በቲ ዝፍጽሞ ፋሽሽታዊ ተግባር ፍሰሃ ዎ ደስታ ዝስመዖም ሰባት’ዮም፡፡ 

ስለምንታይ’ሲ ናትና ንብሎ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ስለዘይብልና፡ ኣብ ቅዋም ብዝሰፈረ ዓንቀጻት መሰረት ብምግባር፡ እዚ ቅኑዕ እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን እናበልና ክንማጎት  ዕድል ኣይረኸብናን ‘ምበር፡  እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ከማለኦ ዝግባእ ሕጋውን ወግዓውን መስርሕ ዝሓለፈ ኣይኮነን። ኣብ ልኡላዊት ሃገር ከም ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ ክዋሳእ፡ ሕጋውነት ኣልቢሱ  ዝቆጻጸር ነጻ ትካል  (ሃገራዊ ኮሚሽን)  ኣፍልጦ ረኺቡ ዝቖመ ኣይኮነን። ብኢደ ወነኑ ፖለቲካዊ ውድብ’የ ኢሉ ዝኣወጀ ጉጅለ’ዩ። ብኩለንተንኡ ዘይህዝባውን ዘይሕጋውን ሓላፍነቱ ዘይተወሰነ ናይ  ውልቀ ማሕበር’ዩ ክበሃል ዝከኣል።

ስለዚ ከኣ፡ ብደረጃ’ቲ ኣብ 1994 መስሪተዮ ዝብሎ ህግደፍ  ሕጋዊ ኣይኮነን። ብደረጃ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን። ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ኣነ ሕጋዊ’የ ክብል፡ ኣምለኽቱ ድማ እወ ሕጋዊ’ዩ ኢሎም ክማጎቱ ዘኽእል መርተዖ ኮነ ሞራል የብሎምን። ንኹሎም ክነብሩ ዝነበሮም ሃገራዊ ሕግታት ዝደምሰሰ ማሕበራዊ ክብርታት ድማ ዘራኸሰ ንብረት ሓደ ሰብ ዝኾነ ስማዊ መንግስቲ’ዩ።

ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ እዚ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምዃኑ ኣየካትዕን። እቲ ሕሉፍ ናይ ስልጣን ስሰዐን ጭካኔን ከኣ፡ ምስ ፖለቲካዊ ማዕበያኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽአ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።  እቲ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣሎ ዝበሃል ፍልልይ ፖለቲካዊ ቁማር’ዩ።  ትማሊ ከም’ዚ ይበሃል ነይሩ፡ ሎሚ ብኸም’ዚ ይጽዋዕ ኣሎ እንተተባህለ፡ ካብ ናይ ፊደል ምቅይያር ወጻኢ ኣብ ባህሪ፡ ተግባርን  ወሳኒ መሪሕነታዊ ኣካሉን ፍልልይ የብሉን። ምኽንያቱ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተባህለ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንላዕሊ እንተጠመትካ ኢሳያስ። ንታሕቲ እንተጠመትካ ኢሳያስ። ንቕድሚት እንተጠመትካ ኢሳያስ። ንድሕሪት እንተጠመትካ ኢሳያስ መለሳ ዘይብሉ ኩሉ ወዮ፡ ኣብ ኩሉ ኢሳያስ’ዩ።  ኢሳያስ ምስ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡን ተግባሩን።

ስለምንታይ’ሲ ንሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ዘግልጽዎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝፈልጦምን ዝጥቀመሎምን መሰረታዊ ረቛሒታት ኣለው’ዮም። ብውሕዱ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ሕገ-ህንጻ፡ ስትራተጂን ስልትን ናይ ተግባር መምርሕን መሪሕነቱን ...ወዘተ። ገዛኢ ጉጅለ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ነዚ ረቛሒታት’ዚ የማልእ ድዩ?  ምናልባት ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ እንተሃልዩ ኸ ህይወት ኣለዎ’ዶ? ብተግባር ይሰርሕ’ዶ? ካብ 1994 ክሳብ’ዚ 2023 ጉባኤ ገይሩ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ፡ ፖሊሲታቱ መሪሕነቱ ዘይፍትሽ ዘይግምግም ፖለቲካዊ ውድብ፡ በየናይ ሕጋውን ፖለቲካውን መዕቀኒ ውድብ ይበሃል?  መልሱ ብርግጽ ህግደፍ መሳርሒ ገበን ኢሳያስ’ምበር ሕጋዊ መደገፍታ ዘለዎ ውድብ ኣይኮነን ዝብል’ዩ።  ምስ ኩሉ ብባህርን ተግባርን ዝግለጽ ብሕግን ብሞራልን ድማ ዘሕተት ጉድለታቱ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ህግደፍ ክሳብ 1994 ፖለቲካዊ ውድብ ዘብሎ ኣካይዳ ነይርዎ’ዩ። ብፍላይ ካብ 2001 ንደሓር ግን፡ ሕጋዊ’የ ኢሉ መርተዖ ከቕርበሉ ዘይኽእል ምሉእ ንምሉእ ሕጋዊ ህልውናኡ ኣጥፊኡ’ዩ።

 ሎሚ መግለጺ ህልውናኡ ብስመ ህግደፍ  ዝፍጽሞ ገበናዊ ተግባራት ’ዩ። ዋላ ኣመሰራርታኡ ሕጋውነት ዝተኸተለ ኣይኹን እቲ ኣብ 1994 ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣጽዲቐዮ ዝብሎ ሃገራዊ ቻርተር (ፖለቲካዊ ፕሮግራም)  ክሳብ ኣበይ ኣገልጊሉ ኣበይ ከም ዝተደርበየ ኣይፍለጥን። እቲ ሽዑ ውድብ ከመርሕ ዝተመረጸ ማእከላይ ሽማግለ፡ እቲ ሽዑ ዝተመርጸ ፈጻሚ ኣካሉ፡ ብሞት፣ ብዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ ብስደት፣ ብናይ ሓሳብ ፍልልይ ተጓዲሉ ኣብዘይህላወ ከም ዝበጽሐ ምስክር ኣየድልዮን። ብመንጽር ወሲድዎ ዘሎ ናይ ግዜ ርሕቀት’’ውን ሕጋዊ ኣይኮነን።  ነጻ ተቖጻጻሪ ኦዲት የብሉን። ስሩዕ ጉባኤ፡  ስሩዕ ኣኼባ ዝበሃል የለን። ኣበይ ኣለና፡ ናበይ ንኸይድ ኣለና፡ ብምንታይን ብመንን ንምራሕ ኣለና ኢሎም ዝሓቱ ተጽዕኖ ዝፈጥሩ ኣባላት የለውን። እዚ ኩሉ ኣብ ዝበኾረሉ ህ.ግ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ደ.ፍ. ሕጋዊ ፖለቲካዊ ህይወት ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ወይ ከእምን ዝፍትን ሰብ፡ ብውሕዱ ብፖለቲካዊ ድኽነት ዝተጠቕዐ ምስኪን ወይ ድማ ብስመ ህግደፍ ክሕባእ ዝደሊ ብደም ንጹሃት ዝተጨማለቐ ዕሉል ገበነኛ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ።

ገዛኢ ጉጅለ ብዘየማትእ ሕጋዊ ኣይኮነን። ሕጋውያን መሳርሕቲ የብሉን። ሕጋዊ መሳርሒ (መምርሒ) የብሉን።  ሕጋዊ ስልጣን ውድብን መንግስትን ተኪኡ ዝገዝእ ዘሎ ሓደ ሰብ’ዩ። እቶም ንኹሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ሕጋዊ ኣምሲሎም ዘገልግልዎ ዘለው ከኣ፡  ብናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ዝተሰልቡ፡ ንምስልን ስልጣንን ሓደ ሰብ ዝከናኸኑ፡ ብስም ህዝብን ሃገር ካብ ዝተረኽበ እቶት ከይረሃጹ ብኣቋራጭ ዝሃብተሙ ጽግዕተኛ ቢሮክራስያውያን፣ ስልጣን ህዝብን ኣቃውማ መንግስትን ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ቅዋማዊት ደሞክራስያዊት ሃገር ከመይ ይግለጽ ዘይፈልጡ፤ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብና፣ ፕሮግራምና፣ ፖሊሲና፣ ሓባራዊ ኣመራርሓና፣ መምርሒና፣ ሰብኣዊ መሰልና፣ ደሞክራስያዊ ተሳትፎና ... ዝብል መሰረታዊ ረቛሒታት ዘየልዕሉ ንኹሉ ሕራይ በሃልቲ’ዮም። ኣምሓራ ዝበሃል ህዝቢ ጽልኡ ከበሃሉ መንግስትን ህዝብን ከይፈለዩ ብጃምላ ዝጸልኡ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ጽልኡ ኣናሽው እንክበሃሉ ብተመሳሳሊ ዝጸልኡ፡ ዘርኢ ከጥፍኡ ብዕግበት ብተወፋይነት ዝወፍሩ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ ሩሕ ዘይብሎም ዕሙታት ኣምለኽቲ’ዮም።

ኣብ ኤርትራ ስልጣንን ሓላፍነትን ግንባርን መንግስትን መፍለዪ ዘይብሉ ኩሉ ዋንነት ሓደ ሰብ ምዃኑ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ ብስም ጥራሕ መንግስቲ ኤርትራ እናተባህለ ዝጽዋዕ’ውን ሕጋዊ መሰረት  የብሉን። እቲ 75 ካብ ህዝባዊ ግንባር 75 ካብ ህዝቢ ብድምር 150 ኣባላት ሒዙ ቆይሙ ዝተባህለ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ እነሆ ልዕሊ 32 ዓመት ገይሩ ክንሱ፡ ኣበይን ብኸመይ ተራጊፉ ኣይፍለጥን። ብተለምዶ ጥራሕ  ኣሎ ዝበሃል ስማዊ’ዩ። ሕጊ ሃልይዎ ብሕጊ ዝሰርሕ ሃገራዊ ባይቶ፣ ፈራዲ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካል፣ ካቢነ-ሚኒስተራት፣ ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን ክፍልታትን፣ ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ዓድታትን ዝበሃል፡ ሕጋዊ ቅርጹ ኣማሊኡ ዝሰርሕን ዘስርሕን ትካላት የለን። ካብ’ቲ እንኮ-ሰብ ዝወርደሎም ትእዛዝ ንምፍጻም ንላዕሊ ኣንቃዕሪሮም ዝጽበዩ  ኣመለኽቲ ‘ምበር፡ ብነጻነት ስሩዕ ፖለቲካዊ ህይወት ዘሕልፉ ሕጋውያን መሓውራት የለውን።

 እቶም ሓይልታት ምክልኻል፣ ሃገራዊ ድሕነት፣ ሃገራዊ ፖሊሲ፣ ኣምባሳደራት ዝበሃሉ’ውን ከምኡ፡ መመላኻዕቲ ክብርን ምስልን  ኢሳያስ’ዮም። ከም ትካላት ስሩዕ ጉባኤ፣ ስሩዕ ኣኼባ፣ ስሩዕ ባጀት፣ ስሩዕ ወሰኽ ስርዓተ ደሞዝ፣ ደረጃ ዕቤት ወይ መዓርግ፣  ስሩዕ ግዜ ዕረፍቲ ኣይፈልጡን።  ሑሕ ወያነ መጸ፡ ኣመሪካ ኣጎሰዐ፡ ተዳሎ ተበገስ እናተባህሉ ብደመ ነብሲ ዝንቀሳቐሱ፡ ስልጣን ኢሳያስ ንፋስ ከይኣትዎ ዝከላኸሉ እኩባት ሰባት’ዮም። ስለዚ ህላወ ህግ/ህግደፍን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ዝበሃል ብፍላይ ካብ 2001 ንደሓር ሕጋውነቶም ኣብቂዑ’ዩ። ንናይ ውድብ፣ መንግስቲ፣  ሃገራዊ ባይቶ፣ ፈራዲ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካል፣ ሓይልታት ምክልኻል፣ ሃገራዊ ድሕነት ..ወዘተ ሕጋዊ ስርዒታዊ ኣካይዳ ተኪኡ ከም ቃሕታኡ ዝሰርሕ ዘሎ ሓደ ሰብ’ዩ። መን? ኢሳያስ ኣፈወርቂ። ኣኸለ።

እሞ ሕጋዊ ሕላወ ናይ’ቲ ውድበይ ዝብሎ ከይተረፈ ብሰላሕታ ክቕህም ዝገበረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣድክዩን ኣሳቕዩን ንምብራሱ ብሓሳብን ብተግባርን ብተወፋይነት ዝዓዪ ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ፡ ተጣባቒ መሰልን ረብሓን ኣብ ሓደ ኣውራጃ ወይ ከባቢ ናይ ዝነብር ህዝቢ ክኸውን ይኽእል ድዩ? ባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ’ዩ። ፖሊሲኡን ተግባሩ ከፋፊልካ ግዛእ’ዩ። ኣብ ኩሉ ድማ ብምድንጋር ድዩ ብገንዘብ ኣብ ድላዩ ዘዋፍሮም ሰባት ከም ዘለውዎ ኣየካትዕን። ንሓደ ኣውራጃ ህዝቢ ከም ህዝቢ፡ ንሓደ ብሄር ህዝቢ ከም ብሄር፡ ንሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ከም ትካል፡  ክፈቱ ነቲ ካልእ ከኣ ክጸልእ ዘኽእል ባህሪ ክውንን ከ ይኽእል ድዩ? ዝኾነ ውድብ ወይ መንግስቲ ካብ ክልተ መሰረታዊ ናይ ባህሪ ረቛሒታት ሓንቲ’ዩ ክውንን ዝኽእል። ንመሰልን ረብሓን ህዝቢ ዝጣበቕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ  ውድብን መንግስትን ወይ ድማ ንመሰልን ረብሓን ህዝቢ ዝጻረር ጸረ-ህዝቢ  ፖለቲካዊ  ውድብን መንግስትን። እቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መዕቀኒ እዚ’ዩ።

 ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዝጥቀመሎም ሰባት ‘ምበር፡ ብባህሪ ደረጃ ዝፈትዎ ህዝቢ የብሉን። ምኽንያቱ ብባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ፡ ተግባሩ ፋሽሽታዊ ስለዝኾነ ፈታዊ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ዝነብር ህዝቢ ከም ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን። ዘቤታዊ ገዛኢ ጉጅለ ካብ ዝህቦ ኣስተማህሮ ሓደ ንኣብነት ፖለቲካዊ ቁማር’ዩ ዝብል’ዩ። ስለዚ በቲ ፖለቲካዊ ቁማር ዝደናገሩ ከም መንግስቶም ከም መራሒኦም ዝወስድዎ ሰባት ክህልው’ዮም። ኣለው ድማ። ብፖለቲካዊ ቁማር ዝርባሕ ህዝቢ ከም ህዝቢ ግን ፈጺሙ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ንጸረ-ህዝብን ቁማርተኛን ኣሜን ኢሉ ዘገልግል ህዝቢ ከም ህዝቢ’ውን በፍጹም የለን።  ቅድሚ ሕጂ ኣይተራእየን። ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ክረአ ይኽእል ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን። ንሱ ካብ ሓደ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ወሳኒ ናይ ስልጣን ቦታታት ከቐምጥ ይኽእል’ዩ። እዚኦም ግን ንኸብዶም’ምበር ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዝውክሉ ኣይኮኑን።

 ኣብ ዓለም ብዙሓት መለኽቲ ስርዓታት ተራእዮም’ዮም። ማሕበራዊ መሰረቶም ኣበይ ምዃኑ ዝፈልጡን ዝፍለጡን ናትና ንዝብልዎ ድማ ክጠበቕሉ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና። ማሕበራዊ መሰረት ሓደ ቅኑዕ ህዝባዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከኣ ደርባዊ መልክዕ ዝሓዘ’ዩ። ማሕበራዊ መሰረቶም ብሄርን ሃይማኖትን ዝገብሩ ኣይተራእዩን ወይ የለውን ማለት ግን ኣይኮነን። ነይሮምን ኣለውን’ዮም። ታሪኻዊ ድሕረ ባይታዊ ፖለቲካዊ ስብከት ናይ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ምስ እንርኢ እኳ  ካብ ፖለቲካዊ ውልደቱ ጀሚሩ ሓላይን ተጣባቕን ብሄረ ትግርኛን ሃማኖት ክርስትናን ብምምሳል ከደናግር ከም ዝፍትን ስውር ኣይኮነን።

 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ናይ ኣስላም’ያ። ንጅግና ጀማሪ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ፡ “ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ሽፍታ’ዩ።” ኣብ 90ታት ውድባት እላማዊ ምንቅስቓሳትን ካልኦትን ኣብ ምዕራዊ ቆላታት ንዘካይድዎ ዝነበሩ ርሱን ንጥፈታት “ኣስላም ጸጊቦም” ዝብል ንእምነቶም፡ ንዝነብርሉ ከባቢታት ዝመስል ኣከዳድናኦም መሰረት ብምግባር ብቕሉዕን ስቱርን ወፍሪ ምንእኣስ የካይድ ነይሩ። ኣብ 2013 ንስርሒት ጅግና ወዲ ዓልን ብጾቱን ብተመሳሳሊ ልኡኻት ኣዕራብ ዝኾኑ ኣስላም ብከቢድ መስዋእቲ ንዝተረኽበ ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትው ፈቲኖም..ወዘተ ፈጠራዊ ጸለመ የካይድ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ።

እዚ ብከፋፊልካ ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ሜላ ጻምእ ውልቃውን ጉጅላውን ስልጣኑ ንምርግጋጽ ዝተጠቕመሉ ደኣምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ዘቕርቦ  ጸለመ  ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርተዖ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን። ብዝያዳ ንተዛረብቲ ብሄረ ትግርኛን ክርስትናን ስለ ዝፈቱ ረብሓኦምን መሰሎምን ድማ ስለ ዘኽበር ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ብኣውራጃውነት፡ በታኒ ተወንጅሉ ዝተቐንጸለ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973፣ የሚን ብዝብል ኣጠሚቑ ዘጥፍኦም፣ ንሕቡእ ሰልፊ ብቅዋም ዝተበገሰ ብጎይታኦም በርሀ ዝምራሕ ምንቅስቓስ፣ ኣብ 2001 ብሃገር ደረጃ ጽገናዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክተኣታቶ ዝጠለቡ መራሕቲ ግንባርን መንግስትን ነበርን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት ክርስትና፡ መራሕተንን ንብረተንን ብቐጻሊ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ ጸላኢ ብሄረ ትግርኛን ሃይማኖት ክርስትናን ደኣምበር ፈታዊኡ ምዃኑ ኣየመልክትን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ሰሪሑ ህይወቱ ከይመርሕ፡ ክደኪ፡ ብስግኣት ክነብር፡ ተበታቲኑ ክስደድ ዝገብር ዘሎ ጉጅለ፡ ኣበይ ከባብን ኣውራጃን ብዘየገድስ ፈታዊ ህዝቢ  ክኸውን ኣይክእልን።  እዚ ወኪልን ተጣባቕን ጽግዕተኛ ቢሮክራስያውያን ኤርትራውያን’ዩ።

ኣብ ብሄረ ትግርኛ  ብኣውራጃን ከባብን  ፈላልዩ ነቲ ሓደ ደጋፊ ነቲ ካልእ ጸላኢ ናይ መንግስቲ ብምባል ጽዑቕ ጎስጓሳት ከም ዘካየድ  ግን ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ።  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወግዒ ንመንግስትና ዝቃወሙ ደቂ ሓደ ከባብዮም ምባሉ፡ ንብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ትግረዎት’ዮም ዝብል ዘካየድዎ ዘለው ወፍሪ ጸለመ፡ ደምበኛ ጸላኢ ደኣምበር ፈታውን ተሓላቕን ብሄረ ትግርኛን እምነት ክርስትናን ከም ዘይኮነ መረጋገጺ’ዩ።

 በዚ መዕቀኒ ማሕበራዊ መሰረት ናይ’ዚ ጉጅለ ብመልክዕ ከባቢ፡ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት ከም’ዚ’ዩ ኢልካ ውዱእ ነገር ከተቐምጥ  ሚዛናዊ ኣይኸውንን። ብርግጽ ከም’ቲ እዚ ስርዓት’ዚ ኣይናትናን ናይ እከለ’ዩ ዝብልዎ ዘለው፡ ከም’ቲ ልዕል ክብል ተገሊጹ ዘሎ  ናትና መንግስቲ’ዩ ኢሎም ዘምልኹ ጽግዕተኛ ቢሮክራስያውያንን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ግሩሃት ሰባት ኣለው’ዮም።  እቶም ኣይናትናን ዝብሉ ብርግጽ ኣይተጋገዩን። ንዘይውክሎም ንዘይናቶም ኣይናትናን ምባሎም ቅኑዕ’ዩ። ነዚ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ከም መንግስቲ ደው ኣቢሎም ዘለው ደቂ ክስቶ ኣውራጃን ከባብን’ዮም ዝብል ከም ዘለዎ ክትቅበል ግን ይኸብድ። ሓደ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ንሓደ ከም’ዚ ዝበለ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ተሰኪሙ ከቕጽል ዝኽእል ኩለ-መዳያዊ ዓቕምን እምነትን ዘለዎ ኣውራጃን ከባብን የለን። ካልኣይ ደጋፊ ኮይኑ ብጭቡጥ ብሓለፋ ዝተጠቕመ ካብ ቅድም ዝነበሮ ኣነባብራ ዝተመሓየሸ ውሕስነት ዘለዎ ርጉእ ማሕበራዊ ህይወት ዝመርሕ ብኣውራጃን ከባብን ዝግለጽ ህዝቢ የለን። ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ብደርቂ ናይ ሰብ ኣብ ዝተጠቕዓሉ፡ ዜጋታት ኤርትራ   ብድኽነት ኣብ ዝማስንሉ፣ ብጭውያን ማእሰርትን ሃለዋቶም ኣብ ዝጠፍእሉ፣፡ ሃዲሞም ብስደት ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍሱ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ገጾም ዘማዕድውሉ፣ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓውደ ውግኣት ከንቱ ሞት ኣብ ዝሞትሉን ዘለው ወቕቲ ማሕበራዊ መሰረቱ ህዝቢ ኣውራጃን ከባብን ክስቶ’ዩ ዝብል ርድኢት ምሓዝ ብንቕሓት ክእረም ዘለዎ ግጉይ ጃምላዊ ክሲ’ዩ።

 እቶም ናትና’ዩ ኢሎም ዝድግፉ ግን ካብ ፖለቲካዊ ድንቁርናኦም ዝምጩ ኣምልኾ ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ መረጋገጺ የብሉን።   ንመደገፊኦም ዘቕርብዎ ምኽንያት ፈጺሙ ፖለቲካዊ ሰረት ዘይብሉ፡ ምስ ሓቅን ፍትሕን ዘይቃዶ ብጽልኢ ጎረቤት ህዝብን ኣምልኾ ሓደ ሰብን ዝዓወረ ጣሕመሽመሽ’ዩ። ገለ ካብ’ቲ መግለጺ ፖለቲካዊ ድንቁርናኦም፡  ኤርትራ ሕጂ’ውን ውልዶ ሃገር’ያ፣ ከም ሰባት ሰብኣዊ ክብሪ፡ ከም ዜጋታት ዜግነታዊ መሰል ገፊፉ ብባርነት ንዝገዝኦም ዘሎ ጉጅለ መንግስትና፣ ሳላ መንግስትና ኣብ ኤርትራ ስርቂ ዝበሃል የለን፣ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኣይፍጸምን፡ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ሕልው’ዩ፣ ኣብ ሃገርና ውግእ ሕድሕድ የለን፣  ብጥሜት ጸሙ ዝሓድር፡ ኣብ ጎደና ወጺኡ ዝልምን ኤርትራዊ የለን፣ ሳላ ሳዋ ንሃገረይ ፈሊጠ፣ ካብ ብር ናይ ኢትዮጵያ ናቕፋ ናይ ኤርትራ ይኸብር እዚ መረጋገጺ ቁጠባዊ ዕቤት ኤርትራ’ዩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንምዕባለ ኤርትራ ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ፣ ለውጢ ድማ የምጽእ ኣሎ፣ ንምዕባለ ኤርትራ ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለው ትግረዎት’ዮም። ነዚኦም ከኣ ኣዳኺምናዮም ኣለና። መሊኦም ክጠፍኡ ስለ ዘለዎም ድማ መንግስትና ንምጥፋኦም ከይሰልከይ ይሰርሕ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ኢና ንድግፎ ... ይብሉ። እዚ መኸወሊ ዘይብሉ መግለጺ ብጽልኢ ዝኸሓነ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ። ነዚ ዝበኸተ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ’ዚ ዝውንኑ ድማ ብዓቐን ክፋላለዩ ይኽእሉ እንተዘይኮይኑ ኣብ ኩሉ ኣውራጃ፡ ብሄርን ሃይማኖትን ኣለው። ብፍላይ ኣብ’ቶም ድሕረ ባይታኦም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነይርና ዝብሉ ወገናት። ስለዚ  ናይ ሓደ ዝተፈለየ ከባብን ኣውራጃን  ህዝቢ ከም ህዝቢ እሙን ኣገልጋሊ ዘስምዕ ኣገላልጻ ቅኑዕ ኣይኮነን።    

ገዛኢ ጉጅለ፡ ካብ’ቲ ፖለቲካ ቁማር’ዩ ዝብል ሕሱር እምነቱ እናተበገሰ፡ ቃና ፕሮፖጋንዳዊ መናፍሑ እናቐያየረ፡ ነቲ ሓደ እዚ መንግስቲ’ዚ ናትካ’ዩ። እዛ ሃገር ናይ ስውኣት’ያ። ዝኾነ ምምሕዳራዊ ጸገማት ይረአ፡ ናይ ገለ ብልሽዋት ሰበስልጣናት ተግባር ደኣምበር፡ ናይ መንግስትን መንግስቲ ዝኽተሎ ፖሊስን ጸገም ኣይኮነን። ስለዚ ካብ’ቶም እዚ መንግስቲ’ዚ ክደክምን ክወድኽቕን ዝምነይሉን ዝቃወምዎን ተኸላኸለሉ። ኣብ ቅድሚ በዓል እከለ ዋላ ተበዲልካ እናሃለኻ ተበዲለ ኣይትበል ሕጉስ ኩን። “እምባሕ በል”  ነዚ መንግስቲ’ዚ ምቅዋም ክሕደት ንስውኣት’ዩ። ሃገራዊ ክድዓት’ዩ። ትግረዋይነት፡ ወያኔነት’ዩ እናበለ ብድሕረት ኣረሳሲኑ የለዓዕሎም። ኣብ ካልእ ከባቢ ከይዱ ድማ ዘረባ ናይ በዓል እከለ ኣይትስምዑ። እሳቶም ስቕ ኢሎም’ዮም። እቲ ሓቂ እቲ ንሳትኹም ትብልዎ ዘለኹም’ዩ።  መንግስቲ ኣብ ኣካይዳኡ ጸገም ኣለዎ’ዩ።  ኩሉ ሃገራይ ይፈቱ’የ ምስ መንግስተይ ኣለኹ ዝብል፡ ፖለቲከኛን ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘለዎን’ዩ ማለት ኣይኮነን። ሃገር ምፍታውን ፖለቲካዊ ንቕሓትን በበይኑ’ዩ። ሳኣን ኣፍልጠኦም ዝብልዎ ዘለው’ዩ። ነገራት ብኸም’ዚ ፈላሊኹም ብሓላፍነት ክትርድእዎን ክትጻወርዎ ኣለኹም ....ወዘተ ነቲ ሓደ ኣትሕት ነቲ ካልእ ሓፍ ኣቢሉ ብምሽምጋልን ቁማርተኛ ኣቀራርባን ከከም ኩነታቱ ክጥቀመሎም ከም ዝፍትን ክዝንጋዕ የብሉን። ነቶም ፈጺሞም ዘይምለሱ፡ ዘይጸዓዱ ምኽንያታውያን ጽኑዓት ተቓወምቲ ዝብሎም ከኣ ብፖለቲካዊ ጥቕራን የጸልሞም። ነቲ ሒዘሞ ዘለው ቅኑዕ ሓሳብ ብኣካላዊ ቅንጸላ ንምጥፋእ ግብራዊ  ስጉምቲ ይወስድ።

እዞም ህግደፍ መንግስትና ኢሳያስ መራሒና ዝብሉ ወገናት ብንቕሓት ይኹን ኣይኹን ምሉእ ንምሉእ ኣካል ኣምሳል ጸላኢ’ዮም።  እቶም ህግደፍ ናይ እከለ ከባብን ኣውራጃን ‘ምበር ናትና ኣይኮነን ዝብሉ ድማ፡ ጠንቅን ሳዕቤንን መሰረታውን ዘይመሰረታውን ነገራት ፈላልዮም ኣብ ምርኣዩ ጸገም ዘለዎም’ዮም።  ስለዚ ከኣ፡ ብፖለቲካዊ ድንቁርና ንኢሳያስ ዘገልግሉ ዘለው ደቂ ክስቶ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት’ዮም ዘስምዕ ኣበሃህላ ክእረም ይግባእ። ሎሚ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ሃገር ከደን’ዩ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ብኣውራጃን ከባብን ብፖለቲካዊ ድንቁርና ዝኸሰሉ ዘነይት ህዝባዊ ንቕሓት ዳርጋ የለን። ሎሚ ቁጽሩ ውሑድ ይኹን’ምበር ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ንሰብኣዊ ክብረትን  ህዝባዊ ልኡላውነትን ሰጊሩ፡ “ሃገር” ብዝብል ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ቃና ንሕና ምስ መንግስትና ምስ ሰራዊትና ዝብል ዘሕፍር ፖለቲካዊ ድንቁርና ዘይስመዓሉ ኣውራጃ ብሄር ሃይማኖት  ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።  ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ድኹም ኩነታት ዝርከብ።

  ምኽንያቱ ካብ ፖለቲካዊ ድኽነት ሓራ ዝወጸ ምዕብሉ ኣተሓሳስባ ልዕልነት እንተዝሕዝ ነይሩ ብውሕዱ ካብ’ዚ ዘለናዮ ዓዘቕቲ ዝርገተ ሓሳብ ዘውጽእ ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈት ምረኣና ነይርና።  ካብ’ቲ ዝመጻእናዮን ዘለናዮን ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ኣካላዊ ምሕዝነትን ኣውጺኡ፡ ናብ ዝሰልጠነ ሓሳባዊ ክትዓት ዝካየደሉ መድረኽ ክንኣቱ ደራኺ ተራ  ምተጻወተ ነይሩ። ብዝነጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መትከላት ዝምራሕን ዝግራሕን ንመትከሉ ድማ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ዝሰርሕ ዝተወደበ መሪሕ ሓይሊ ስለ ዝበኾረ ግን፡ ከም’ዚ ኮይናዮ ዘለና ኮይና ኣለና። ሓቂ ንምዝራብ ፖለቲካ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ኣብ ድንግርግር ዝኣተወ’ዩ። ናይ’ዚ ውድቀት’ዚ ቀዳማይ ተሓታቲ፡ ኣይኮነን  ኣብ ሓደ ከባብን ኣውራጃን ንዝነብር ህዝቢ ከም ህዝቢ ክጠቕምን ክውክልን ብሕጋዊ ዓይኒ ንህግ/ህግደፍ ዘይውክል እንኮ- ሰባዊ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ’ዩ። ካልኣይ እተን ብባህሪ ብተግባርን ተጽዕኖ ፈጠርቲ ንምዃን ዘይበቕዓ ፖለቲካዊ ውድባትን መሪሕነተንን’ዮም። ብሳልሳይ ደረጃ  ዝስራዕ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ’ዩ። እቲ ህልዊ ጸገም ብኸምዚ ተፈላለዩ ክረአን ብኡ መጠን ክግጠምን እንተዘይተገይሩ፡ ኣብ ሓጺር እዋን መሰረታዊ ስርዓታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣጸጋሚ ክኸውን’ዩ።

                                                            ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                              10 ጥቕምቲ 2023