ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ 1993 ብተነጻጻሪ ደሓን ዝበሃል ውሽጣዊ ስኒት ነይሩና። ብፍላይ ካብ ድሕሪ 1993 ንነጀው ግን ዘይንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ብቕዓት ዘይብሉ ምሕደራናን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።  ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዘሎ 33 ዓመታት፡ ውሽጣዊ ሓድነትና ኣንቆልቊሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ። ብፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ስለ ዝወደቕና ብቑጠባ’ውን ደኺና። ስሩት ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታትና ሒዝዎ ዝነበረ እምነት ተበሪዙ ናብ ነበረ ይሰጋገር ኣሎ።

ቅድሚ ዝኾነ ነገር ድማ ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና መን ጠንቂ ክንሓትት መልሲ ድማ ክንረክብ ኣለና። ነፍስ ወከፍ በዚ ከም ህዝቢ ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ዝቑንዞ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዜጋ፡  ዘቤታዊ ጸላእን ኣምለኽቱን ብዝነዝሕዎ ዘለው ፕሮጋንዳ ከይተደናገረ፡ ኣነ መን’የ? እንታይ ዓይነት ባህሪ’ዩ ዘለኒ?  ናይ መን ወገን’የ?  ወገን ዝተገፍዐ ህዝቢ? ወገን ጸላኢ? ወይስ ኣብ ማእከል ዝንሳፈፍ መርገጽ ኣልቦ?  እወ ኣነ እንታዩ ዕላማ፡ ፕሮግራመይ?  ብተግባር ከ እንታይ ይሰርሕ ኣለኹ? ምስ መን’የ ዝኸይድ ዘለኹ?  ብስምዒት ዘይኮነ ብርድኢት ገዛእ ርእሱ ክፍትሽ’ሞ፡ ኣረኣእያኡን ኣካይዳኡን ከመዓራሪ ይግባእ። ስለምንታይ’ሲ ብውሽጥኻ ከይነጻህካ ከይዓረኻ፡ ንኻልኦት ክትኣሊ ክትገርሕ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ምፍታሕ ህልዊ ህዝባዊ ጸገምና ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ስለዘይትኽእል።

ምንጪ ህልዊ ህዝባዊ ሃገራዊ ጸገምና ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና’ዩ። ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ነዊሕ ድሕረ ባይታ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኮሮሻ ስልጣን ዝርከብ ዘቤታዊ ገዛኢ ከምኡ ክኸውን ኮነ ኢሉ ብመደብ ሰሪሕሉ ዩ። ፖለቲካዊ ንቕሓት ዜጋታት ከይምዕብል፡ ንመሰሉ ዝጣበቕ ሓታቲ ተማጓቲ ትውልዲ ከይፍጠር፡ ምትእምማን ንምጥፋእ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ከምኡ’ውን ባዕሉ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ናይ ግዳም ጸላእቲ ፈጢሩ፡ ቅድሚ ድሕነት ሰብ “ሃገር” ቅድሚ ምርግጋጽ ልኡላውነት ህዝቢ “ ምኽባር ልኡላውነት መሬት” ብዝብል መሰረት ኣልቦ ሽበራዊ ፕሮፖጋንዳን ፋሽሽታዊ ጭካኔን ኣተሓሳስባ ዜጋታት ክዛባዕ፡ ካብ ንቡር ናብ ዘይንቡር ከድህብ፡ ውሽጣዊ ዘቤታዊ ሽግሩ ገዲፉ ናብ ስግረ ዶብ ዘለው ህዝብታትን መንግስታት ከማዕዱ ይገብር ኣሎ። እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ፡  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ባይታ ከይረክብ፡ ልዕልነት ከይሕዝ፡ ህዝቢ መርሆ ስኢኑ ብዝርገተ ሓሳብ ክሕቆን ፋሽሽታዊ ተግባር ይፍጽም  ኣሎ። ንሱ ከምኡ ምግባሩ ድማ  ኣይገርምን። ስኒት ህዝቢ ምዝራግ፡ ብዘይለው ተጻባእትን ጸላእትን ክስከፍ፡ ክደኪ፡ ክርዕድ ምግባር ቀንዲ  ዋኒኑ ዩ።

 ህዝቢ ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ ብፍላይ ውዲት ጸላኢ ንምብርዓን ኢልካ’ውን ንምውጋድ  እንታይ ኣማራጺ ሓሳብ ኣለዎም? ብተግባር ከ እንታይ ተሰሪሑ ኢልካ ምሕታትን መልሲ ምርካብን ድማ ይግባእ። ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ካብ’ቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ብዓይነቱ ኮነ መልክዑ ዝተፈልየ’ዩ። ዝተፈልየ ስለዝኾነ ድማ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ሓሳብ ወኒንካ ምቅላስ የድሊ ኣሎ። ብናይ ቀረባ  ርሕቀት (ስልታዊ) ብናይ ርሑቕ ርሕቀት ( ስትራተጂ)  መደባት ሓንጺጽካ ንጸላኢ ምውጋድ፡ ናይ ሰብ ህይወት ምድሓን፡ ዘይድፈር ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ምርግጋጽ ዘኽእል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ወኒንካ ናብ ተግባር ምትርጓም’ዩ። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ምውናን ማለት፡ ናብ’ቲ ዝተገፍዐን ዝበዝሐን ህዝቢ ምቕራብ፡ ድምጹ ምስማዕ፡  ሽግሩ ብግቡእ ምርዳእ፡  ምስኡ ተላዚብካ ብሓባር መፍትሒ ሓሳባት ምንዳይ፡ ከም ማይን ጸባን ተወሃሂድካ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኻ ብሓባር ምቅላስ’ዩ። እዚ ምሩጽ መፍትሒ ህልዊ ጸገምናን ከም ህዝብን ሃገርን ድማ ዋሕስ ቀጻሊ ስኒትናን ዕቤትናን ዩ።

ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ምውናን ማለት፡  ካብ ድሑራት ናይ ትምክሕቲ፣ ጽበት፣ በለጽ፣  ሸፈጥ፣ ኣተሓሳስባ ሓራ ምዃን ማለት’ዩ። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዕጥቅኻ ምግባር፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ንድሕነት መሰል ሰባትን ህዝብታትን ደው ምባል ማለት’ውን እዩ። እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝጠንቁ ካብ ግፉዓት ንዝቐርብ ናይ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሕጋዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ቦታዊ፣ ናይ ተወጺዕና ተጓኒና መሰልና ንምኽባር ክንቃለስ ኢና ዝብል ምርጫን ሕቶን ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ምስማዕ፡ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ኣካል ፍታሕ ኮይንካ ምርካብ ማለት’ዩ።

ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዝወነነ ሰብ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ግፉዓት ንዝመርጽዎ መልክዕ ውደባ ኣይጻባእን። ስለምንታይ ብደርባዊ መልክዕ? ስለምንታይ ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ? ስለምንታይ የማናዊ ስነ-ሓሳብ? ስለምንታይ ብብሄራዊ መልክዕ ውደባ? ስለምንታይ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ? ስለምንታይ ብኸምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ …ወዘተ ኢሉ ዓንቃፊ ተራ ኣይጻወትን። ካብ ጎኒ ውጹዓት ኣይርሕቕን። ንሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ የተባብዕ ይድግፍ ‘ምበር ኣየጸልምን። ብትሕቲ ሃገርነት ኣይሰርዕን። ወጽዓኦምን ሕቶኦምን ሰሚዑ ኣብ ናይ ሓባር ሃገር ክኸውን ዘለዎ ይሓይሽ ዝብሎ መፍትሒ ሓሳባት የቕርብ፡ ብክትዕ ከእምን ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ካልኦት ብዝረኸቦ ሃናጺ ሓሳብ ክሕገዝን ክሕግዝን ይፍትን ደኣምበር ኣየግልልን። ኣነ ብዝበልኹኻ ኪድ፡  ናይ ግድን ኣነ ዝኽተሎ ፖለቲካ እንተዘይተኸቲልካ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን መሬት ኤርትራ ናይ ምውሳእ መሰል የብልካን ሃገራዊ ኣይኮንካን ኣይብልን።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ (ንቕሓት) ዝወነነ ሰብ ወይ ወድብ፡ ብስምዒት ኣይምራሕን። ካብ ተራ ጽልኢ ኣይብገስን። ጠንቅን ሳዕቤንን፣ ፈታውን ጸላእን፣ መሰረታውን ዘይመሰረታውን፣ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝብን ምኽባር ልኡላዊ መሬትን ብግቡእ ተረዲኡ’ዩ ዝሰርሕ። ብዘይ መጽናዕቲ ብድድ ኢሉ ብተረኽቦታት መርገጽ ኣይወስድን። ምስ ጠንቂ ተሰሊፉ ንሳዕቤን ኣይሃርምን። ናብ ጸላኢ ወጊኑ ኣንጻር መሰረታዊ ፈታዊ ኣይስለፍን። ንመሰረታዊ ጸገም ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ግዜኡ፣ ጉልበቱ፣ ገንዘቡ ኣየጥፍእን።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብግቡእ ዝጨበጠ ሰብ ኮነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ሓደ ነገር ክልተ ኣረኣእያ ክልተ መርገጽ ኣይሕዝን። ብዜግነት ድዩ ብትውልዲ ይቕረበኒ ናተዩ ዝብሎ ኤርትራዊ ብካልኦት እንክጋፋዕ ዝቑንዞ ደሞክራስያዊ ተሓላቒ ዝኸውን፡ ካልኦት ሰባት ወይ ህዝብታት ኤርትራዊ’የ ብዝብል ፋሽሽታዊ ሓይሊ ክዝመቱ፡ ክቕተሉ፡ ክጸንቱ እናረኣእያ እናሰምዐ ዘጽቅጥ ወይ ድማ እዚ ንስለ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ክበሃል ዝተወስደ ስጉምቲ ዩ፡ ንሕና ምስ ሰራዊትና ምስ መንግስትና ኢሉ ናብ ጸረ-ህዝቢ ደምበ ኣይውግንን።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ኣበየናይ ኩርናዕ ኣሎ ብዘየገድስ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ጸላኢኡ ኣይገብርን። ንህዝብን መንግስትን ብማዕረ ኣይሰርዕን። ኤርትራዊ እንተበደለ ሓላል፡ ኤርትራዊ እንተተበደለ ግን ጌጋ ዝብል ጸረ-ህዝቢ መርገጽ ኣይሓዝን። ኤርትራዊ ብዘይ ምኽንያት ኣይበደል። ካልእ’ውን ብዘይ ጭቡጥ ምኽንያት ኣይበደል። መን ብዘየገድስ ዝበደለ ብሕጊ ይተሓተት። ናይ ኢዱ ይርከብ። ሓቀኛ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ይረጋገጽ’ዩ እምነት፡ መርገጽን ፍረ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን።

እዚ ናይ ህዝቢ ውግንና ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዚ፡ ምሳኻ ዝውለድ ባህሪያዊ ትዕድል’ቲ ኣይኮነን። ብነጻነት ብቀጻሊ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ዝውነን፡ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ክህልወካ ዝገብር ሕልናዊ ሃብቲ ዩ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ቅኑዕ ፍትሓዊ ህዝባዊ ዕላማ፡-

ሀ. ኣብ ትሕቲ ውድብና ካብ ዝኣተኻሉ ዕለት ህይወትካ ናትካ ኣይኮነትን ናይ ውድብ’ያ። ዝተበሃልካዮ ጥራሕ ትገብር። እንተዘይፈጸምካ ዝጽበየካ ሞት’ዩ ዝብል ጨካን ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ እናተነግሮ ዝዓበየ ሰብ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቀሊል ክቕበሎ ምጽባይ የዋህነት’ዩ።

ለ. ናይ ኣረኣእያ ፍትሓውነቱ ፖለቲካዊ ዕቤቱ ብተግባር ዘይረአ፡ ንሕና’ኮ ትማሊ ከም’ዚ ዝነበርና፡ ምስ በዓል እከለ ኣፍልጦ ዘለና ዓበይቲ ኢና ብዝብል ባዶ ትምክሕታዊ ኣስተምህሮ እናተመገበ ንዝዓበየ ሰብ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ’ውን ቀልጢፉ ከም ዘይወሓጠሉ ርዱእ’ዩ።

ሐ.  ፈጺሙ ናቱ ጉድለታት ዘይርኢ፡ ኣብ መንጎ ደምበ ፈታውን ጸላእን እናተገላበጠ ወትሩ ብናይ ተበዲልና ተሰጊርና ፖለቲካዊ ቅኒት ወገነይ ንዝብሎ ህዝቢ ብምድንጋር፡ ኣብ እንግድዓ ካልኦት ተወጢሑ ምንባር ዝለመደ ሰብ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ብተመሳሳሊ   ኣንጻር ህዝብን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ እንተገዓረ  ኣየገርምን።

ስለዚ ከኣ እዚ መፍትሒ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጸገምና ዝኾነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ፡ ኣብ መላእ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ኣብ ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶና ከኣ ብፍላይ ብዕምቆት ከይሰርጽ’ሞ ዝተበታተነ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡን ፖሊሲታቱን ተለልዩ ተሓታትነት ዘለዎ መንገዲ ከይሕዝ፡ ዝግበር ዘሎ ብመን ስለምንታይ ምክትታል ምርዳእን ምቅላስን የድሊ። በዞም ኣብ ላዕሊ ካብ ሀ-ሐ ተገሊጾም ዘለዎ ፖለቲካዊ ማዕበያኦም ዝበደሎም፡ መልከዖም እናቐያየሩ ዝናፈሱ ድሑራት፡ ከፋልትን ኣዕነውትን ተራ ፕሮፖጋንዳ፡  ብፖለቲካዊ ግርህናኦም ኣብ ስኽፍታን ምጥርጣርን ክኣትው’ሞ ስሩት ማሕበራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታቶም ክሃስስ ስለዚ ከኣ ዝነበሮም ኩሉ ዝሰኣኑ ዘየስምዑን ዘየድምዑን ድኹማት ክኾኑ ዝሰረሓሎም ዘሎ ግፉዓት ኤርትራውያን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣብ ምፍታሕ ህልዊ ባዕላዊ ፖለቲካዊ ጸገማትና  ቅድሚት ዝስራዕ ሓደ ኣመራጺ ብምዃኑ፡ ትሕዝቶኡ ትርጉሙን ብንቕሓት ንምርዳእ ክጽዕቱ ይግባእ።  ኣበየናይ ደምበ ኣለው ብዘየገድስ፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብምኽባር ልኡላነት መሬትን ሓድነት ህዝብን ክሕብኡ ዝፍትኑ፡ ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ድማ ዘቆናጽቡ ወገናት፡ ናይ ባህሪ ምሕዝነት ከምዘለዎም ምርዳእ የድሊ። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቕሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃበ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ከም ዘይኮነ’ውን ከምኡ።

                                                          

                                             ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                            8 ሓምለ 2024