ሎሚ ዓመት 2,296 ተመሃሮ ካብ ጃት ተመሪቖም እዚ ብረቡዕ 7 ነሓሰ 2024 ካብ ዝወጸ፡ መበል 33 ዓመት 293 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ ኣርእስተ ዜና ዩ። ኤርትራ ሃገርምበር ወረዳ ኣይኮነትን። እቲ ህዝቢ ድማ ልዕሊ 9 ብሄራት ዘለውዎ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝብታትምበር ናይ ሓደ ወረዳ ህዝቢ ኣይኮነን። እተን ኣመሪቐን ዝበሃላ ዘለዋ ጃት ከኣ በቲ ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ ኢሉ ዝገልጽ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝውነና ትካላትምበር፡ ናይ ብሕቲ ጃት ኣይኮናን።

በዚ መሰረት ሽዱሽተ ጃት 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ክበሃል እንከሎ እንታይ የመልክት? ምዕባሌ ስርዓተ ትምህርቲ ወይስ  ውድቀት? ኣብተን ዝማዕበላ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከይከድና፡ ኣብ ቀረባ ጎሬባብትና ብፍላይ ከኣ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ብድሕረትን ድኽነትን ክወራዘየለን ዝስማዕ ሃገራት፡ ብመንግስቲ ካብ ዝውነና ጃትን ዩኒቨሪሲቲታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ዓመታዊ ብውሕዱ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ተመሃሮ ኣብ ዝምረቕሉ ወቕቲ፡ 6 ጃት ኤርትራ 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ዝብል ዜና ምስማዕ የሰንብድ። ብመደብ ንህዝብታት ኤርትራ ንምድንቋር ይስራሕ ከም ዘሎ የረጋግጽ።

እቲ ዜና ቀጺሉኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝርከባ ሽዱሽተ ጃት ሃገርና ሎሚ ዓመት ካብ 13 ሓምለ ክሳብ 3 ነሓሳ 2024 ኣብ ዘካየዳኦ ስነ-ስርዓት ምረቓ 2,296 ተመሃሮ ብናይ ድሕረ ምረቓ፡ ዲግሪን ዲፕሎማን ከምኡውን ብቀዳማይ ዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቐንበዚ መሰረት ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን 736 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን፣ ሕርሻ ሓመልማሎ 350 ብዲግርን ዲፕሎማን፣ ምህንድስናን ተክኖሎጂን ማይ ነፍሒ 381 ብዲግሪን ዲፕሎማን፣ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ 275 ብናይ ድሕረ ምረቓ ዲግሪ፡  ቀዳማይ ዲግርን ዲፕሎማን፣ ስነ-ፍልጠት ማይ ነፍሒ 260 ብዲግሪ፣ ምድላው መማህራን ኣስመራ ድማ 294 ብናይ ድሕረ ምረቓን ዲፕሎማን ኣመሪቐን ኣለዋዝብል ኣስፊሩ ይርከብ።

ኣብ ትሕቲ ዝንቡዕ ናይ ምምሃርን ምስትምህራን ፖሊሲ፣ ኣብ ትሕቲ ዝተበሃልካዮ ግበር ናይ ራዕዲ ኣገዛዝኣን ዓሚቕ ድኽነትን ዝነብር ስነ-ኣእምሮ፣ ሞያዊ ክብርን ግቡእ ክፍሊትን ብዘይረኽቡ መማህራን ዝወሃብ ትምህርቲ ጽፉፍን ዓይነታውን ውጽኢት ከም ዘይርከብ እሙንዩ። ኣብ ዓቐን ወይ ብዝሒ ናይቶም ተመሃሮ መሰረት ርና እንተገምጊምና ከኣ፡ ሃገርና ኤርትራ ካብ ሃገራት ዘይኮነ፡ ካብ ናይ ብሕቲ ትካላት ትምህርቲ ንኢሳ ምህላዋ  ንምርዳእ ይከኣል። እቲ ዝተባህለ 2,296 ናብተን ሽዹሽተ ጃት ምስ እንካፍሎ ነፍስ ወከፍ 382 ተመሃሮ ኣመሪቓ ኣላ ማለትዩ።

ሓንቲ ናይ ክልተ፡ ሰለስተ ድዩ ሓሙሽተ ዓመት ዝወስድ ዓይነታት ትምሀርቲ ዝተኸታተሉ፡ ዓመታዊ ክልተ ሽሕን ልዕሊኡን ተመሃሮ ክትቅበል፡ ክትምህርን ከተመርቕን ይግባእ ነይሩ። ግን ከኣ ኣይኮነን። ነፍስ ወከፍ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዜጋ ድማ፡ ከምኡ ዘይኮነሉ ምኽንያት፡ ካብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ምንኣስ ድዩ? ጽበት ጃት ድዩ?  ዋሕዲ መማህራን ድዩ? ተመሃሮ ስለዘየለው ድዩ? ወይስ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝኽተሎ ዘሎ ቀታሊ ትውልዲ ዝኾነ ፖሊሲ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ክግምግም፡ ክትንትን ምስጢሩ ብመረዳእታ ክፈልጥ ንምቕያሩ ብሕራነ ክቃለስ ይግባእ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ነቶም ተመሪቖም ዝበሃሉ ዘለው ተመሃሮ፡ ኣብ ጃት ኣብ ጉዳይ ማሕበራዊ መነባብሮኦም ከመይ ጸኒሖም፡ ዝተዋህቦም ትምህርቲ ኣብ ኣተሓሳስባኦም ዓይነታዊ ለውጢ ዘምጽእ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ገምጋምን ሚዛንን ንዓታቶም ገዲፉ፡ እንቋዕ ናብ ኣብቀዓኩም እንቋዕ ሓጎሰኩም ይብሎም። ብሃገር ደረጃ እሞ ካብ ሽዱሽተ ጃት 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቕና ዝብል ዜና ግን ንህዝቢታት ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ውድቀት ስርዓተ ትምህርቲዩ። ደግሓኤ እዚ ውድቀት ካብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ምንኣስ፣ ጽበት ጃት፣ ሕጽረት መሳለጥያ፣ ዋሕዲ መማህራን ዘይኮነ፡ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ብኹሉ ሸነኹ ናይ ምድቓቕ፡ ምድካይ፡ ምብትታን ብመ ካብ ዝሓዞ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ዝብገስ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዎ።  

እዚ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ናይ ግድን ክቕየር ኣለዎ። እቲ ፖሊሲ ክቕየር ድማ በዓል ቤት ናይ ፖሊሲ ዝኾነ ገዛኢ በተሓሳስባን ብተግባርን ክውገድ ኣለዎ። ካብ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዝምንጩ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ምልላይ ምኹናን ቀዳማይ ስጉምቲዩ። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ፖሊሲታቱን ብምውጋድ ዝሓሸን ዝማዕበለን ስርዓተ ትምህርቲ ክህልወና ምግባር ናይ መወዳእታ ሸቶ ክኸውን ይግባእ።

                                    ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                                       16 ነሓሰ 2024