11 የካቲት ህዝቢ ትግራይ ብውሑዳት ሙሁራት መንእሰያት ደቁ አቢሉ፡ አንጻር ገዛእቲ ደርብታት አምሓራ፡ ሽግ ሐርነቱ ዝአወጀላ ታሪኻዊት ዕለት`ያ። እዛ መዓልቲ እዚአ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ናይ ቃልሲ መሐዙቱ ህዝብታት ዓለም፡ ናይ ሓርነትን ጽንዓትን መዓልቲ ስለ ዝኾነት ብክብ ዝበለ ሞራል ክዝክርዋን ከኽብርዋን ክነብሩዩም። 

 

መሰለይ ኢሉ ካብ በረኻ ደደቢት ዝተበገሰ ናይገስገስቲ ማሕበር ተጋሩጸኒሖምህወሓትተሰምዮም ገባርን ሰራሕተኛን ካልእ ደርብን፣ ህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኣንቂሖምን ወዲቦምን ኣዕጢቖምን ንፋሺሽቲ መንግስቲ ደርግን ነቶም ንዘመናት ብትርክቲ ክብረ ነገስትንግስነትና ሉኡላዉነትና ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበናዝብሉ ዝነበሩ መሳፍንቲ ሲዒሮም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ መንቛሕቋታ ዲሞክራስያዊ ዘእተዉን፡ ኢትዮጵያ ብድኽነትን፣ ደርቅን፣ ጥሜትን፣ ሕማምን፣ ድሕረትን እትልለ ዝነበረት ድማ አብ ዞባናን ዓለምን ወላ ንሐጺር ግዜ ይኹን ተራአ እተበርክት መርአያ ሰላምን ልምዓትን ምትሕግጋዝን ክትከውን ገይሮማ’ዮም። 

 

ኢሂወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ካብ 1991ዓም ምስ ተተኽለ፣ ተረፍ መረፍ መስፍንነትን ናይ ዓለም ርእሰማላዉያንን ብግሓቱ ጸረ እዚ ዕሸል ህዝባዊ ዓወት ደዉ ከም ዝበሉ ኩሉ ዝፈልጦን ዝርእዮን ዝነበረዩ።  ብፍላይ ቐድማይ ሚንስተር መለስ ብሞት ምስ ተፈልየ (መንግስተ ሰማይ የዋርሶ) ምቹእ ግዜ ስለ ዝረኸቡ ነዚ መንግስቲ ንምግምጣል፣ ሰበር ዜና እናበሉ  ናይ ሓሶት ፕሮጋንዳ ብሚድያ እናነዝሑ፡ ነቲ ሐቀኛ ጠለባት ዝነበሮ መናእሰይ  ኣታሊሎም ብኣራንሻዊ ናዕቢ ሰላም ንዝነበረት ሃገር 27ተን ዓመት ኣብ ጸላም ኣጽኒሖምና እናበሉ ናዕብን ሽበራን ኣለዓዒሎም ንዲሞክራስያዊ መንግስቲ ነቅነቅ ከብልዎ ኪኢሎም።

 

ናይ ለዉጢ መንግስቲ ክቆዉምን ክግስግስን ክልተ ዓንድታት የድልዮ። ንሰን ድማ ብሳይንሳዊ ሓሳብ ዝመርሕ ዉድብን ንቑሕ ተሳትፎ ህዝብንየን። ህወሓት ከም ዉድብ ምስ ዝነበሮ ሓጺር ተሞኩሮን ብፍላይ መራሒኡ ብምስኣንን፣ እቲ ክሕግዞ ዝግባእ ንቑሕ ህዝቢ ኣብ ጫፍ ኢትዮጵያ ዝነብር ስለ ዝኾነን ኣብ ዉሽጡ ብዝተዘርኤ ክርዳድን ብወጻእን ብዉሽጥን ዝተጠጅኤ ደዉ ከብሎ ዓቅሚ ስለ ዘይነበሮ ካብ ማእከል ከንሳሕብ ግድን ኮይንዎ ርእሰ ከተማ ለቂቁ ወጺኤ። ንመንግስቲውን ምስ ኩሉ ዓቕሙ እቶም ዕሱባት ተረከብዎ።

 

ነዚ መንግስቲ ዝተረከቡ ብመስዋእትን ቓልስን ህዝቢ ትግራይ ካብ ባዶ ሂወት ክሳብ መራሕትን ጀነራላትን ዝበጽሑዮም። ኤረ ገለስ ኣብ ኲናት ዝተማረኹ ተርፍ ሞትዮም። ዉድብን ህዝብን ትግራይ እንተሎ ንደርባዊ ድልየትና መስፍንነትን ንግስነትን ኣንረክብን ኢሎም ናይ ለዉጢ ሓይሊ’ና እንበሉ ንሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣታሊሎም፣ ኣድሓርሓርቲ ዓለምና ዓዲሞም ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኡዎ፣ ክዓጥቁ ዘይሕሰብ ዝነበረ። ገብርዎ ድማ እዞም ነውሪ ዘይፈልጡ ክልተ ዓመት ዘይዓደምዎ ሓይሊ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ዘይደርብይዎ ቦምባ መኣስ ተሪፍዎም።

 

በትሪ ሓቂ ትዕጸፍ እንበር ኣይትስበርንከም ዝበሃል ህዝቢ ትግራይ ነቲ ክዉጻእ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ናይ መሬት ገሃነብ ክባን ዕጽዋን ኣላሽ ኣቢሉ ዉዕል ፕሪቶርያ ክፍርሙ ገቢሩ። ፊርማ ፕሪቶርያ ምስክር ዓወት ናይ ህዝቢ ትግራይ’ዩ። ክዕቀብን ክትግበርን ኣለዎ ኢልና ንእምን። ሳላ ጽንዓቱ ህዝቢ ትግራይ ሎሚ ናይ ሓምሳ ዓመት ወርቓዊ በዓል እይቤል ብቂዑ ኣሎ። ሕጂ’ውን “ብዕራይ ኣብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽኒዕ” ከም ዝብሉ ኣበዋት  ህዝቢ ትግራይ ከም ቀደምካ ጽናዕ።

 

ክቡር ህዝቢ ትግራይ፣ ሓቐኛ ፈታዊኻ ህዝቢ ኤርትራዩ። ናይ ቓልሲ አጋርካ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ብጉሓት ናጽነት 1991ዓም ጀሚሩ ንፍትሒ ንቑዋም ክእሰርን ክቅተልን ክስደድን ጸኒሑ። ብናተይ ዝብሎም ተጠሊሙ፣ ጆሆ ተታሒዙ፡ ኣብ ሕሰም ድማ ይነብር ኣሎ። ነቲ ሓሰሙ ከም ናይ ቡን ጠዓሞት፣ ሓሞት እናጠዓመካ ተቋድስካዮ ኢኻ።  ስግር ዶብ ወፊሩ አብ ልዕሊ ህዝብታት ጽንተት ኲናት ዝፍጽመ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩኸ እንታይ ይገብር ንኣኻ ዝኸውል ኣይኮነን። እዚ ጥራይ ስልጣኑ ዘገድሶ ናይ ዉልቐ መራሒ መንግስቲ ዉግእ ክጽሕትር ዝነብር ብዛዕባ ህዝብን ምዕባሌን ሰላምን ዘይገድሶ ሙዃኑ እዚ ከይመጽኤ እንከሎ ክመጽእ ሙዃኑ ንዝምልከቶም ሰብ-ስልጣናት ንሕብር ኔርና። ብአግኡ ክርእይዎ ብዘይምኽአሎም እቲ ዝፈራህናዮ ኮይኑ። ሕጂውን ብሩህ መጻኢ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ክረጋገጽ ቐርኒ ኣፍሪቓ ሰላማ ዝተረጋግኤ ክኸዉን እዚ ፍሽስታዊ ስርዓት ምስ ዝሰዓር ጥራሕ’ ዩ ኢልና ንኣምን። ካልእ ጥፍኣት ከይፋሕተረ ክእለ ኣለዎ።

 

ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቓ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኣፍሪቓ ከምኡውን ማእከላይ ምብርቕን ማእከል ኤዉሮጳን ዝነብር ህዝብታት ሰላም ሲኢኖም ዕጫ ሞትን ስደትን ይኾኑ ኣለዉ። ኩሉ ጠነቒ ገበቲ መራሕቲዩ። ካብ ብዙሓት ገለ ክንጠቅስ፣ ምስ ቓልስና ኣዕሩኹ ዝነበሩ፣ ጎረባብትና ኢትዮጵያ ሱዳን ሶማል ፍልስጤም የመን ርሕቅ እንተበልን ኮንጎ ኡክሬን ህዝቢ ብኲናት ይሳቕ ኣሎ። መራሕቲ ናይ እዚኤን ሃገራት ስልጣን ክብሉ ንህዝቦምን ሃገሮምን ዘዉድሙ ዘለዉ መታን ክእለዩ  ዉጹዕ ህዝቢታት ሰዉራዊ ዝምድናታት ፈጢሩ  እንኮ ፍታሕክኣልዮም ኣለዎ። እዚኦም ከለዉ ሰላም ፍትሒ ኣይሕሰብንዩ።

 

ክቡር ህዝቢ ትግራይን ዓለምን ቓልስና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓኾኸን ኣማራጺታት ድማ እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ።  ንስርዓት ኣስመራ ህዝብና ብሓደ ቓልይኣክልክብል ጸኒሑ ሕጂ ግንተኣለክብል ኪኢሉ ኣሎ። ነዚ ህዝባዊ ማዕበል ጎረባብትና ኮኑ ኣፍሪቓ ብሓቂ ሰላም ዝደልዪ ክድግፍዎ ይግባእ።

 

ክቡር ህዝቢ ትግራይ ብላዕሊን ብታሕትን ናይ ጥፍአት ምሕዝነት ፈጢሮም፡ ብኣውጅ ከጽንቱኻ ንዝመጹ ኣዕጊስካ ነዛ ብልጽቲ ናይ ሱዉኣትካ ዝኽሪ በዓል ሓምሳ ዓመት ወርቓዊት እዮቤል ምብዓልካ ዮሃና!!! ንብለካ። 

 

ዝመጽእ ዓመት

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬቱ ፍትሒ ኣንጊሱ፣ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ መሰላቱ ረኺቡተዛወርየ ማንኪና..” እናበልና ነብዕላ ዕለት ክትኮነና፣ ንምኔ።

 

ደጊምና ዮሃን ህዝቢ ትግራይ።

 

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንናይ ኩልና ሱዉኣት ዉጹዕ ህዝቢ ተዓዋቲዩ።

 

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ ሆደ2/10/25