ሓባራዊ ወጽዓን ረብሓን ዘለዎም ሕብረተ-ሰብኣዊ ኣካላት ብቐዳምነት፡ ጠንቂ ጸገሞም መን? መሰሎምን ረብሓኦምንከ ብከመይ የረጋግጹ፡ ዝብሉ ነጥብታት ዝኣክል ግዜ ሂቦም ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ክዛተዩን ኣብ ሓደ ዝጭበጥ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጥሑ ይግባእ። ዝጥርነፍሉ ማሕበር ድዩ ፖለቲካዊ ውድብ ብሕግን ብወግዕን ክምስርቱ ኣለዎም። እቲ ማሕበር ወይ ውድብ ዝምራሓሉ፡ዝተጻሕፈ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂ፡ ስልቲ፡ ሕድሕዶም ተናቢቦም ዝሰርሕሉ ዝቆጻጸርሉ ውሽጣዊ ስርዒታዊ ቅርጻን ሕገ-ህንጻን ከምኡ’ውን ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋዊ መሪሕነትን ኣማሊኦም ክብገሱ ትጽቢት ይግበር። ከም’ዚ ዓይነት ሓባራዊ ኣገንዝቦን ኣሰራርሓን ኣብ ዝወነኑ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ወድባት /ሰልፍታት/ ዝፍጠር ምትእስሳር ወይ ዝምድና ከኣ ናይ ሓሳብ ሓድነት ከምዘሎ የመልክት።
እቲ ብሓባር ተወዲቦም ክሰርሑ ዘገድድ ዘሎ ሓባራዊ ጉዳይ፡ ጠንቁ ዘቤታዊ ጸላኢ፡ ሳዕቤኑ ብማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ምምሕዳራዊ፣ፖለቲካዊ ድዩ ወይ ብካልእ መልክዕ ዝግለጽ ጸገማት ንምፍታሕ ክኸውን ይኽእል። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣብ ንቕሓትን ዕግበትን ዝምስረት ልፍንታዊ ዝምድና ድማ፡ ከም ናይ መጀመርታ ዓወት ዝቑጸር ፖለቲካዊ ብስለት’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ሓባራዊ ጸገምን ሓባራዊ ረብሓን ከምዘለካ ምርዳእ፡ ነዚ ዝተገንዘበ ማሕበር ድዩ ውድብ ምምስራት፡ ንኹልኻ ዝገዝእ ናይ ርሑቕን ቀረባን ስትራተጂ ስኢልካ ምብጋስ ንተቓለስቲ ፍናን ንህዝቢ ተስፋ ዝህብ ንጹር ኣንፈት ስለ ዝኾነ’ዩ። ካብ ሓሳብ ናብ ተግባር ኣብ ምቕያሩ ዘየጸግም ኣወንታውን መሰረታውን ውጥን’ዩ።
ሰባት፡ ማሕበራት፡ ጉጅለታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሓባራዊ ጸገሞም ፈቲሖም ሓባራዊ ረብሓኦም ከረጋግጹ እንኮን ምሩጽን መንገዲ ዓወት ግድን ናይ ሓሳብ ሓድነት ክፈጥሩ ኣለዎም። እዚ ማለት ግን፡ ከም’ቲ ዘቤታዊ ጸላእን ዕሙታት ኣምለኽቱን ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ወጻኢ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እናበሉ ዝገልጽዎ ፍጹም ሓድነት ዝብል ባዶ ጭርሖ ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። ምኽንያቱ ባህርን ኣረኣእያን ድሌትን ናይ ደቂ-ሰባት፡ ዝመሳሰልን ዝፈላለን ስለ ዝኾነ’ዩ። ስለ’ዚ ከኣ ከም መግለጺ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት፡ ናይ ሓሳብ ሓድነት ክበሃል እንከሎ ኣብ ኩሎ ዓውድታት ንናይ ህይወት ምርጫታትን ሓደ ምዃን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ’ቲ ዘሰማማዓካ ነጥብታትን ዘውጻእካዮም ሕግታትን ዓሲልካ ተናቢብካ፡ ተኸባቢርካን ተማእዚዝካን፡ ብተወፋይነት ተመሓዚኻ ምስራሕ ማለት’ዩ።
ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ፡ ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ዝረአ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ምምሕዳራዊ ወድዓዊ ጸገማት ንምፍታሕ ሽፋን ዝገብር፡ግን ከኣ ናይ ርሑቕ ይኹን ናይ ቀረባ ንጹር መትከላዊ ዕላማታትን ትካላዊ ተሓታትነትን ዘይብሉ፡ ከከም ኩነታቱ ዝለዋወጥ ባህርን ኣካይዳን ዘለዎ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት/ውድባት/ ዝረኣየሉ’ዩ። እዚ ኣካላዊ ልፍንቲ’ዚ ብትሕዝቶኡ ኮነ ብመልክዑ ንመሰልን ረብሓን ናይ ውጹዓት ዝጣበቕ ኣይኮነን፡፡ ብተግባር ትምክሕተኛታት፡ ጸበብትን ናይ ፖለቲካ ተበለጽትን እናተጓነጹን እናተሸማገሉን ናይ ለውጢ ተቓለስቲ መሲሎም ጻምእ ውልቀ ስልጣን፡ ዝና፡ ገንዘብ ዝረኽብሉ፡ በዓቲ ድሕረትን ምድንጋርን’ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ናይ ድሕረትን ድሑራትን ምትእኽኻብ’ዚ ሽዑ ንሽዑ ዕንቅፋት ናይ ሓሳብ ሓድነት’ዩ ዝኸውን።
እዚ ተርእዮ'ዚ ድማ ነቲ ናይ ብዙሓት ጭቁናት ሕቶ ብግዜን ብጽፈትን ከይምለስ፡ ከም ዓውደ መኼዳ ኣብ ኮለል ክነብር ዝገብር ጸረ-ደሞክራሲ ምርጫ’ዩ። ኣካላዊ ልፍንቲ ክንዲ ዝኾነ ብምሩጻት ቃላት ዝተወረቐ ንእዝኒ ብዝጥዕም ጭርሖታት ይወዓዋዕ፡ ብንጹር መትከላዊ መርሖ ተገዚኡ ስለ ዘይኸይድ ኣስተዋጽእኡ ኣሉታዊ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ምስ ዝፍተን የፍርስ‘ምበር ኣየድምዕን እዩ። ሓፈሻዊ ከም መእተዊ እዚ ካብ በልና፡ ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ፡ ልፍንታዊ ምትእኽኻብ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ከመይ ይንጸባረቕ፡ ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ተመክሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ብውሽጥን ብደገን፡ ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ 2025 እንታይ ይመስል ብኣብነት ንመልከት።
ፖለቲካ ኤርትራ ብርግጽ ተጸጊሙ እዩ ጸኒሑን ዘሎን። እዚ ፖለቲካዊ ጸገም'ዚ ግን ብሃንደበት ዝተፈጥረ /ዝመጸ/ ኣይኮነን። ከም’ቲ “ውሑጅ እናሰሓቕካ ይወስድ” ዝበሃል፡ ኣብቲ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኻየደ መስርሕ ህዝባዊ ቃልስን ድሕሪኡን ዝተኸፍለ መስዋእትን፡ ብስም ስውኣት፣ ምዕቃብ ነጻነትን ምኽባር ልኡላውነት እናዘናገዐ፡ ደረጃ ብደረጃ ካብ ትዕዝብቲ ናብ ስኽፍታ፡ ካብ ፍርሒ ናብ ራዕዲ፡ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ፡ካብ ተነጻጻሪ ንቡር ናብ ዘይንቡር ኩነታት እናማዕበለ መጺኡ ኣብ’ዚ ሕጂ ንርከበሉ ቀጻልነትና ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ናብ ገምገም ሓደጋ ውድቀትን ምብትታንን ዝብጽሐ’ዩ። እዚ ሓደጋ'ዚ ግን ተቓሊስካ ዘይሰዓር ኣይኮነን፡ ይስዓር’ዩ። ዘይተፈተነ’ውን ኣይኮነን ተፈቲኑ’ዩ። እቲ ቃልሲ ሕጂ’ውን ደው ኣይበለን ይቕጽል’ዩ ዘሎ። ብቑም-ነገሩ ክምዘን እንከሎግን፡ ብዙሕ ዋጋ ሓቲቱ ‘ምበር ገና ኣድማዒ ውጽኢት ኣየምጸአን ዘሎ። ንኣብነት ገለ ተሞኩሮታት ክንጠቅስ፤
ሀ. ኣብ ውሽጢ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝተራእየ ተቓውሞ፡-ቀዳማይ፡ ኣብ 1993 ዝተላዕለ፡ ንውሑዳት ውፉያት ግዳይ ገይሩ፡ ናይ ቃልሲ ንያት ኣዘሓሒሉ ብዘይዝኾነ ኣወንታዊ ፍረ ዝበርዓነ ናይ ሰራዊት ዓመጽ፣ ካልኣይ፡ኣብ ወርሒ ሓምለ 1994 ብውጉኣት ሓርነት ዝተበገሰን ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈጸመ ፋሽሽታዊ ተግባር ዝቐሃመን ተቓውሞ፣ ሳልሳይ፡ ካብ 2000 ክሳብ 2001 ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባርን መንግስትን ዘቤታዊ ጸላኢ ዝተፈጥረ ናይ ርእይቶ ፍልልይ፡ ከም ሳዕቤኑ ገለ ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታቶ ብወግዒ ዝጠለቡ መራሕትን ነዚ ዘቃልሑ ጋዜጠኛታትን ብኣልማማ ብምእሳርን ሃለዋቶም ብምጥፋእን ኣብ ሕቑፊ ጸላኢ ተጓሃሂሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ብህድማ ናብ ስደት ዝገዓዘሉ፣ራብዓይ፡ኣብ 2013 ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲዓሊ) ብጀግንነትን ብኽብርን ዝተሰወኣሉ ብዙሓት ድማ ግዳይ ሃለዋት ምጥፋእትን መርሸትን ዝኾንሉ ገለ ካብ’ቶም ብተናጸልን ብእኩብን ዝተራእዩን ሸቶኦም ከይሃረሙ ዝተጨፍለቑን ብዙሓት ፈተነታት፡ ውሑዳት ግን ከኣ ፍሩያት ኣብነታት ተሞኩሮ ናይ ተቓውሞና እዮም።
እዚ ተበግሶን ፍሽለትን’ዚ ናይ ሓሳብ ሓድነትን ዝጭበጥ ውደባን ዘይብሉ፡ ብናይ ምቅላስ ስምዒት ብምብጋስ ዝካየድ፡ ኣካላዊ ልፍንታዊ ምትእኽኻብ ዝፈርስ‘ምበር ዘየድምዕን ዘየዐውትን ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡፡ ሕሉፍ ተመክሮ ብግቡእ ንዝግምግምን ሓቂ ተቐቢሉ ክመሃር ድልዊ ንዝኾነን ተቓላሳይ ውልቀ-ሰብ ኮነ ውድብ ከኣ እኹል ትምህርቲ’ዩ።
ለ. ኣብ ቀረባን ርሑቕን ርሕቀት ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ተቓውሞ፣ ኣብ 1992 ኣብ ጂዳ ስዑዲ ዓረብያ ካብ ዝተገብረ ናይ 4 ውድባት ስልታዊ ግንባር ኤርትራዊ ምሕዝነት ንሃገራዊ ቻርተር (ኤምሃቻ) ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፡ ብውሑዳትን ብዙሓትን ውድባት ዝግለጹ ሓባራዊ ምሕዝነታዊ ግንባራት ተመስሪቶም’ዮም። ኣብነት ከም፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ካልኦት በብግዝይኡ ዝተራእዩን ዝራኣዩ ዘለዉን ልፍንትታትን ናይ ህዝቢ ማዕበላዊ ምንቅስቓሳትን ደሚርካ ክረአ እንከሎ፡ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 34 ዓመታት ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ህዝቢ ኣንቂሑ ወዲቡ ዘይስገር ተጽዕኖ ፈጣሪ ኮይኑ ክርከብ ኣይከኣለን። ንጸላኢ ብዘሕምም በትሪ ወቒዑ ኣየሰንበረን። ብውሕዱ ተናቢቡ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ዘስመዓሉ ውሁዱን ተሓታትነት ዘለዎን ብቑዕ ልፍንታዊ ውደባ ዛጊት ኣይፈጠረን ኣይወነነን።
እዚ ብኩራት'ዚ ሰውራ ኤርትራ ክሳብ ክንዳይ ቅኑዕ መርሖ ናይ ቃልስን ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ስኢኑ ይሳቐ ከም ዘሎ መርኣያ’ዩ። ሓባራዊ ወጽዓኻን ረብሓኻን ብግቡእ ኣለሊኻ ናይ ሓሳብ ሓድነት ፈጢርካ ኣብ ክንዲ ምቅላስ፡ ፈታውን ጸላእን፣ ጠንቅን ሳዕቤንን፡ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ነጥበ ስምምዓትን ፍልልያትን ከይመመኻን ከየነጸርካን ብማእበላዊ ፖሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት እናተመራሕካ ብኣካላዊ ልፍንታዊ ምትእኽኻብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ ከም ዘይኽእል ሓባሪ’ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝተፈላለዩ ዝምባሌታት ሓቚፉ ንበይኑ ተቓሊሱ ክዕወት ከም ዝኽእል ዝኣምን ዝነበረ ህዝባዊ ማዕበል /ይኣክል/ ኣብ መስርሕ ካብ ዘጋጠሙዎ ዕንቅፋታትን ጸገማትን ብቓልሱ ፈቲሑ ዝሓሸ ውዳበ ፈጢሩ ምስ ዘተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ተዛሙዱ /ተላፊኑ/ ንምቅላስ ዘርእዮ ዘሎ ኣወንታዊ ናይ ቃልሲ ቅሩብነትን ንጥፈታት ዝነኣድን ዝተባባዕን ምዃኑ ብግልጺ ምጥቃስ ዝካኣል እዩ፡፡
ብተመሳሳሊ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉን፡ ክቡር ናይ ህይወት ዋጋ ዝኸፍል ዘሎን ናይ ህዝቢ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ’ውን ካብ ናይ ቅድሚኡ ዝነበሩ ዘይዕውታት ምትእኽኻባትን ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተሞኩሮን ጉድለታቱን ግቡእ ትምህርቲ ወሲዱ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ውዳብኡ ንምጥንኻር፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ መሪሕነት ብምምዛዝ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ቃልሲ ንጥፈታት ኣጠናኺሩ ክቕጽል ንክበቅዕ ካብ ተቓለስቲ ሓይልታት ምትብባዕን ድጋፍን ክግበረሉ ሃገራዊ ናይ ቃልሲ ግቡእና ክንጻወት እዩ ዝህልወና፡፡
ብወገን ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ድማ፡ ዝተማለአ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ብምውናን ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ተላፊኑ ኣንጻር ሓባራዊ ጸላኢ /መ/ህግደፍ/ ክቃለስ ዘብቀዖ ፖለቲካዊ ምድላዋትን ቅሩቡነትን ብምርግጋጽ፡ ሓቢርካን ተደጋጊፍካን ምቅላስ ዘዐውት ምዃኑ ፈሊጡ ኣብ ልፍንታዊ ሓድነት /ግንባር/ ናይ ደምበ ተቓውሞና ብምስታፍ ተርኡ ክጻወት መድረኻዊ ቃልስና ይጠልቦ ምህላዉ ክፈልጥ ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ እዋናዊ ናይ ቃልሲ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ፤ ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ፡ ኣካላዊ ልፍንታዊ ምትእኽኻብ ዘፍርስ‘ምበር ዘየድምዕን ዘየዐውትን ስለ ዝኾነ፡ ካብ ሕሉፍ ጉድለታትና ንመሃር፡ ናይ ሓሳብ ሓድነት ንክፍጠር ብሓላፍነትን ንቕሓትን ንላዘብ፡ እዋናዊ መልእኽትና’ዩ።
20/02/2025