ብሓቂ ካብ ህዝባዊ ወጽዓ ተወሊዱ፡ ኩለንተናዊ ህዝባዊ ልኡላውነት ከረጋግጽ ወጢኑ ዝብገስ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ናይ ግድን ከማልኦ ዘለዎ ናይ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን (ስትራተጂን ስልትን) ዕለማታቱ ብዘርኢ ዝተሰነደ ኣንፈት ክምራሕ ኣለዎ። ሕቶ ተማላላኢ ዓቕሚ ዘለዎ ቀላሲ መሪሕነት፡ ሕጋዊት ትካላዊ ኣሰራርሓን ንምምላስ ካብ ቀዳምነት ቀዳምነታት ክሰርዕ ኣለዎ። ቅድሚ ናይ ካልኦት ጉድለታት ምርኣዩ ውሽጡ ክፍትሽ ክግምግም ከመዓራሪ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣባላቱ ንምብራኽ ክረባረብ ይግባእ።
ፖሊሲታቱ ዘይንጹር፡ ቀላሲ መሪሕነት ዘይብሉ፡ ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተል፡ ቀጻልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዘይህብ ውድብ ኮነ ግንባር ብዙሕ ዕዮ ገዛ ዝተርፎ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ካብ ናብ ክበጽሖ ዝደሊ ዝተነጸረ ዕላማ፡ ቀላሲ መሪሕነትን ንቑሓት ኣባላትን ዘይብሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ብሓቂ ፖለቲካ ኢልካ ክትገልጾ ተስፋ ናይ ለውጢ ኢልካ ክትወስዶን ክትጽገዖን ኣጸጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ዝጠልብ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ነዞም መሰረታዊ ናይ ዓወት ረቛሒታት ከይመለስካ ቀልቢ ህዝቢ ምስሓብ ንቕድሚት ምስጓም ኣይከኣልን።
እዚ ከከም ኩነታቱ ዝተሓዝ ተራ ነገር ኣይኮነን። “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ከም ዝበሃል ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ናይ ግድን ክምለስ ዘለዎ’ዩ። ካበይ’ከ ይርከብ ካብ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት። ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ብሰናይ ድሌት፡ ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ፡ ብጉልባብ ልኡላውነት ሃገር ንመሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ሰጊሩ ክኸይድ ዝደሊ ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት፡ ብናይ ተግባር መምርሕን ዝዕመም ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ቀጻልነት ብዘለዎ ፖለቲካዊ ሰሚናር፡ ኮርስ፡ ባህሊ ንባብን ክትዕን ዝርከብ ረቂቕን ወሳንን ስራሕ’ዩ።
ትምረሓሉ ናይ ርሑቕ ርሕቀትን ናይ ቀረባ ርሕቀትን (ስትራተጂን ስልትን) ዕላማታት ከየነጸርካ፡ ኣብ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ፖለቲካዊ ግፍዕን ዝፈተሓሉ ሜላን ብግቡእ ከይገምገምካ፡ ናይ ካልኦት ኣብ ደምበኻ ዘለው ተቓለስቲ ንዝኽተልዎ ፖለቲካ ኣፍልጦን ክብርን ከይሃብካ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ውድብ፡ ሰልፊ ዝብል መጸውዒ ስም ሒዝካ ዘቤታዊ ገዛኢ ኣብ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ደሞክራስያውን ግፍዒ ደጋጊምካ ምግላጽ ንቀርባሪ ምርዳእ’ምበር ኣማራጺ ሓሳብ ከም ዘለካ ኣየመልክትን። ድሌትካ ትዛርብ ‘ምበር ንሓባራዊ ስራሕ ዝዕድም ባህሪ፡ ህዝባዊ ዝኾነ መትከላዊ እምነት፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅሩብነትን ከም ዘለካ ኣየርእን። ብልሳንካ ትገልጾን ትገብሮን ኣይቃዶን።
ብሓሳብ ደረጃ ኣፍልጦን ምክብባርን ዘይብሉ ምትእኽኻብ ክንዲ ዝኾነ ዓቐናዊ ብዝሕን ኣካላዊ ግዝፍን ይሃልዎ ኣብ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ኣይክእልን። ኣብ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጥለብ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ሓሳብ ብቐጥታ ይኹን ብዘይቀጥታዊ ካብ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ድሑራት ኣረኣእያታት ገዛ ርእሱ ሓራ ዝኾነ ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ጠንቁ ሳዕቤኑን መፍትሒኡን ገምጊሙ፡ ብተጽዕኖ ዘይኮነ ሕቶ ህዝቢ ሰሚዑን ኣኽቢሩን ተቓሊሱ ዘቃልስን መሪሕ ሓሳብ ማለት’ዩ። እዚ’ዩ ንኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ ዝዕድም።ካብ’ዚ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝጽውዑ ግን ከኣ ብናይ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን (ስትራተጂን ስልትን) ፖለቲካዊ ዕላማታት፡ እዚ ከም’ዚ እምነቱ ኢልካ ክትገልጾም ዘጸግሙ ምትእኽኻባት፡ ነንበይኖምእንተወፈሩ ኣየድምዑን። ብግምባር ደረጃ እንተተጠርነፉ’ውን ኣየድምዑን። ከም ዓውደ መኼዳ ሕድሕዶም እናተኻሰሱን እናተቋሰሉን ኣብ ኮለልን ጨብረቕረቕን ‘ዮም ዝነብሩ።
ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓኡ፡ ብግቡእ ዝፈለጥን ዘይፈለጥን ሓዋዊስካ ውዕውዕ መድረኻዊ ሕቶ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሕቶ ምርግጋጽ ህልውና ህዝቢ’ዩ። ናይ ተናጸል ውድባት ርሑቕ ዝጠመተ ዕላማታት ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ክለዓል የብሉን። ኩሉ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት፡ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሚታት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ግንባር ተጠርኒፉ ንዘቤታዊ ገዛኢ ኣብ ምውጋድ ይረባረብ ዝብል፡ ካብ ንጹህ ሕልና ዝነቐለ፡ ንእዝኒ ዘይኹርኩሕ ፈታሒ ሽግር’ዩ ዝመስል።እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ካብ ውልደት ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ መጀመርታ 40ታት ክሳብ 1991 ኣብ ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነትን ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣተሓሕዛ ከይዘንጋዕናን ከይሓወስናን፡ ኣብ ዝሓለፈ 34 ዓመት ብዝተፈላለዩ ምትእኽኻባት ካብ ዝተራእየ ጅማሮታት ንረኽቦ ተመክሮ ኣሉታዊ ደኣምበር ኣወንታዊ ኣይኮነን። ኩሉ ፈተነታት ብንግበር ንግበር ተጀሚሩ ብጨብረቕረቕ ንድሕሪት ተመሊሱ ክቋሰል ‘ምበር ተስፋ ህዝቢ ዝኾነ ሓያል ተጽዕኖ ፈጣሪ ኮይኑ ዝወጽአ ግንባር ኣይተራእየን። ኣብ’ዚ ክንጸር ዘለዎ ሰፊሕ ግንባር ስለ ዘየስርሕ ኣየድልን ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ። መን እንታይ ባህሪኡ፡ ስነ-ሓሳቡ? ብግልጺ ካብ መድረኽ መሪሕነት ናብ ኣባላት ወሪዱ ተገምጊሙ ተኣማሚኑ፡ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ስለዘይተሓዝ ከየድምዕ ይኸውን ምህላው’ዩ።
ምኽንያቱ እቲ ዝግበር ምትእኽኻብ መን እንታይ ናይ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን (ስትራተጂን ስልትን) መትከላዊ እምነት ኣለዎ፡ ዘቤታዊ ገዛኢ ኣብ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል እንታይ’ዩ ፖለቲካዊ መግለጺኡ? ብግቡእ ኣጽኒዑ ተፋሊጡን ተኸባቢሩን ዘይኮነ፡ ብስም ቅልጡፍ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብጉባኤ ደረጃ ሕጋውነት ፖለቲካዊ ውድብ ዝለበሰን ዘይለበሰን፣ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎን ዘይብሉን፣ ብባህሪ ካብ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝፍለን ዘይፍለን ብፖለቲካዊ ገምጋም ተነፍዩ ስለ ዘይእቶ፡ ርሑቕ ከይከደ ሕድሕዱ ብሕቶ ስልጣን ክቋሰል፡ ኣብ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ጨብረቕረቕ ክብል ‘ምበር ሰሚሩ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክኸይድ ኣይተራእየን።
ኩልና ኣብ ምውዳቕ ዘቤታዊ ገዛኢ እንተወፊርና ኣብ ሓጺር ግዜ ተኣምራታዊ ለውጢ ከነምጽእ ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ ብውሕዱ ፖለቲካዊ ንጹርነት ዝጎደሎ ንምዃኑ ኣየካትዕን። እዚ ብልዙብ ፖለቲካዊ ኣገላልጻ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ብዙሕ ዝዓይነቱ በደልን፡ ባህርን ኣቃውማን ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ብግቡእ ዝገምገመ ኣይኮነን። እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብምንውሑ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ጥበብ ፖለቲካዊ ምሕደራን ክምዕብል ነይርዎ። ፖለቲካ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብተግባር ኮይኑ ዘሎ ግን ብግልባጡ’ዩ። ንለባማት ዘሕፍር፡ ብናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ከኣ ዘንዕቕ መወዳእታ ዘይብሉ ጨብረቕረቕ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ዛጊት ፍረ ሓባራዊ ስራሕ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብተግባር ኣወንታዊ ውጽኢት የርኢ የለን።
ስለምንታይ? መድረኻዊ ፖሊሲ ካብ ናይ ርሑቕ ርሕቀት ዕላማታት’ዩ ዝቕዳሕ። እንታይ ስነ-ሓሳብን ስትራተጂካዊ መትከላዊ እምነታት ኣለዎም ብግቡእ ዘይተጸንዑ ምትእኽኻባት ዝጠርነፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መስሪትካ፡ ኣብ ልዕሊ ዘቤታዊ ጸላኢ ትርጉም ዘለዎ ውቅዒት ብምዕራፍ ስቓይ ህዝብና ከነሕጽር ንኽእል ኢና ማለት ንኺድ ‘ምበር ከመይ ትኸይድ ዘይምርዳእ ዝተሓወሶ ዘይሰርሕ ፖለቲካዊ የዋህነት’ዩ። ስለዚ ከኣ ብንጹር ስነ-ሓሳብ፡ ዓሚቕ ገምጋም ስራሕ፡ ዘይምራሕን ዘይግራሕን ፖለቲካ ውጽኢቱ ደምበርበር ክኸውን ግድን’ዩ።
ካብ ክብሮም ከሰተ
24 ሰነ 2025