ሰብ ኮይንካ ዘረባ ሰብ ክትሰምዕ ፍቐደኛ ዘይምዃን፡ ብኣጉል ትዕቢት ተነፊሕካ፡ ኩሉ ነገር ትፈልጥን ትፈትሕን ብዘምስል ነጻጊ ኣካላዊ ምልክት እናሓበርካ በበይንኻ ጉያ፡ ናይ ድሕረትን ውድቀትን መንጸብረቕታ ‘ምበር፡ ናይ ጥዑይ ብሱል መንፈስ መግለጺ ኣይኮነን። ሰብ ኮይንካ ኣብ መንጎ ሰባት እናነበርካ፡ ክፍታሕ ዘለዎ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ጸገማት ድማ እናሃለወ ናይ ካልእ ሓሳብ ክትሰምዕ ፍቃደኛ

ዘይምዃን መግለጺ ሚዛናውን ብሱልን ኣተሓሳስባ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብነገራዊ ረብሓ ኣንጻር እንተተወሲዱ’ውን ዘዋጽእ።

ዝኾነ ሰብ ካብ ዝኾነ ኩርናዕ ይበገስ፡ ብህድኣት ዘረባ ሰብ ከዳምጽ ሕልናዊ ግዴታ ኣለዎ። ብኣንጻሩ ኣየዳምጽን ኢሉ ንበይኑ ብናይ በይኑ ሓሳብ ጥራሕ ዝምራሕ እንተደኣ ኮይኑ ግን፡ መጀመርያ ተጎዳኢ ገዛእ ርእሱ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ምኽንያቱ ቅድሚ ብዓይኒ ዝረአ ዝቑጸር ዝድህሰስ ረብሓ ምስኣን ተነጽሎ ከጋጥሞ’ዩ። ካብ ተነጽሎ ዝኸፍእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህረምቲ ድማ የለን።

ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ዝሰምዖ ምኽሪ ሓሳብ ክሰማምዓሉ ይኽእል ዘይክሰማምዓሉ ይኽእል። ነቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ርእይቶ ብስነ-ስርዓት ግዜ ሂቡ ኮፍ ኢሉ ናይ ምድማጽ፡ ሓሳቡ ድማ ናይ ምክፋል ድሌትን ቅሩብነት ዘይብሉ ተናጻጊ እንተኾይኑ ግን፡ ካብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ሰብኣዊ ክብርን ዝወረደ’ዩ ዝኸውን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ወይ ኣገንዝቦ ድማ መዘዙ ከቢድ’ዩ። ንውልቀ ሰብ ኣይጽቡቕን። ንሕብረተ-ሰብ ኣይጽቡቕን። ዘቤታዊ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ኣብ ዝግበር ሃገር ለኸ ቃልሲ ከኣ ኣዕናዊ ‘ምበር ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክህልዎ ኣይክእልን።

ብውልቀ ሰባት ዝውነን ፍልጠት ጉልበት ሃብቲ ድሩትን ተደጋጋፍን ‘ምበር፡ ከም ሰብ ንምንባር ዘድልየካ መሰረታዊ ጠለባት ብምልኣት ዝምልስ ኣይኮነን። ንኣብነት ብመምዘኒ ኣካዳሚያዊ ፍልጠት ኣብ’ቲ ዝለዓለ ሊቅነት ዝበጽሑ ሰባት፡ ኣካዳሚያዊ ፍልጠቶም ንበይኑ እንጀራ ኣየብለዖምን። ብሰላም ኣይነብሮምን። ምሉእ ሰብኣዊ ክብሪ ኣየጎናጽፎምን።

እቲ ሊቅ፡ ሊቅነቱ ኣብ ዓውደ ሕክምና እንተደኣ ኮይኑ፡ ምስ ፖለቲከኛታት፣ ናይ ሕርሻ፡ ሕጊ፡ ምህንድስና፡ ስነ-ጥበበኛታት …ወዘተ ሞያተኛታት ምርኻብን ሓሳባቶም ምድማጽን ግድን ከድልዮ’ዩ። ሓደ ዕውት ርቡሕ በዓል ሃብቲ’ውን ዝቁጸር ናይ ወረቐት ገንዘብ፣ ወርቂ፣ ኣልማዝ፣ ፋብርካታት፣ ስለ ዝውንን ካብ ካልእ ዘድልዮ ነገራት የለን ማለት ኣይኮነን። ምስ ካልኦት ሰባት ምርኻብን ሓሳባቶም ምድማጽን ናይ ግድን ከድልዮ’ዩ። ሓደ ንበይኑ ኩንታል ዝሰከም መን ከመይ ኢሉ ዝምካሕ ጉልበተኛ፡ ምስ ካልኦት ከይተራኸበን ሓሳቦም ከይሰምዐን ክነብር ኣይኽእልን።

ስለዚ ብህይወት ንምንባር ዘድልዩ መሰረታዊ ጠለባት ንምርካብ፡ ፍልጠት የድሊ’ዩ። ሃብቲ የድሊ’ዩ። ጉልበት የድሊ’ዩ። ሓሳብ ንሓሳብ ምድምማጽ እንተዘይሃልዩ ግን፡ እቲ ፍልጠት ሃብቲ ጉልበት በበይኑ ድሌታት ብምልኣት ይምልስ ማለት ኣይኮነን። ሓደ ብዘይካ’ቲ ካልእ ኣይነብርን። ተደላለይትን ተደጋገፍትን’ዮም። እቲ ድሌታት ክማልእን ክደጋግፉን ድማ ክደማመጹ ኣለዎም።

ንሕና ኤርትራውያን ከም ሰብኣውያን ፍጡራት ሰብኣዊ ክብርና ተቐንጢጡ፡ ከም ዜጋታት ዜግነታዊ ደሞክራስያዊ መሰልና ተነፊግና ኣብ መንጎ ምህላውን ዘይምህላውን ተቐርቂርና ከም እንርከብ ዘከራኽር ኣይኮነን። ካብ’ዚ ናይ ጥፍኣት ዕስለ ዝኾነ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለን ማሕበራዊ መሰረቱ ዝኾኑ ውሑዳት መገባርያታቱን ወጻኢ፡ እቶም ንበዝሕ ኣብ እህህታን ቃንዛን ኢና ንነብር ዘለና። ጠንቂ እህህታን ቃንዛናን ድማ ሓደ’ዩ። ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ህግደፍ’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብኹለንተንኡ ድኹም ክንሱ፡ ኣብ ሕመቕናን ድሑር ኣተሓሳስባናን ሓያል መሲሉ ይነብር ኣሎ። “ገረብ ብሓኽላ” ከም ዝተባህለ ባዕልና ንባዕልና ክንቃተል ይገብረና ኣሎ። ካብ እህህታን ቃንዛን ከመይ ንገላግል ወይ ንፍወስ፡ ወነንቲ ነብስና፡ ሰብኣዊ ክብርናን ፖለቲካዊ ስልጣናን ንኸውን ኣብ ዝብል፡ ባህሊ ምርድዳእ ምድምማጽ ስለ ዘይብልና፡ ኣንጉዕና እናፈሰሰ፡ ኣንጉዕ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኮይና ንርከብ ኣለና።

ሓባራዊ ጸላኢ፡ ሓባራዊ ጸገም፡ ሓባራዊ መፍትሒ እናሃለወካ ተቐራሪብካ መን እንታይ ይብል ኣሎ ዘይምድምማጽ “ከላእ” እናበልካ ነቲ ውጹዕ ወገንካ ገዲፍካዮ ምኻድ ብጎቦ ዓይኒ ጥራሕ ምጥምማት መግለጺ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ልቦና ኣይኮነን። ዝባኑ ዝቐልዐ ድንቁርና’ዩ። መርኣያ ዝርገተ ህይወት’ዩ። ምስ ሕሰም ምልማድ’ዩ። ንሕማቕ መነባብሮ ከም ጽቡቕ ናይ ምቕባል ባዶ ዕንደራ’ዩ። ባርነታዊ ኣተሓሳስባ ድማ’ዩ።

ሎሚ ኤርትራውያን ኩለንተናዊ ንቕሓትና፡ ዓቕምናን ብቕዓትናን ኣብ እንምዘነሉ ወቕቲ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ብውዑይ ረመጽ’ዩ ዝልብለብ ዘሎ። ኣብ ቀረባ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝርከብ መዓሰከር ስደተኛታት ዝነብሩ ዘለው ወገናት “ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ” ዓይነት ኣዝዩ ዝሓመቐ፡ ከርፋሕ ህይወት’ዮም ዝነብሩ ዘለው። ኣብ ምድረ ባዳ ሰሃራን ማያት ማእከላይ ባሕርን ዝጠፍኡ ዘለው ዝበዝሑ ዜጋታትና’ዮም። መጻወቲ ጀነራላት ህግደፍን ነጋዶ ሰብን ዝኾኑ ዘለው ዜጋታትና’ዮም።

እዚ ግዜ ከይሃብካ ክፍታሕ ዘለዎ’ዩ። መፍትሒ ሓሳብ ክርከብ ድማ ምድምማጽ የድሊ። ንክትደማማጽ ብሓባር ኮፍ ምባል የድሊ። እዚ ብወሳኔ መልክዑ ብፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ተነጻጸሪ ውሕሰነት ናይ ምእካብን ሓሳብካ ብነጻነት ናይ ምግላጽን ዕድላት ኣብ ዝህብ ምዕራባዊ ሃገራት ዝርከቡ ወገናት ክሳለጥ ዘለዎ’ዩ። ኣብ ሕማቕ ኣለና ለውጢ ንደሊ ኣለና ዝብል መቓልሕ ብዙሕ ግዜ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ’ውን ይስማዕ ኣሎ። እቲ ድምጺ ግን ጥምረትን ቀጻልነት የብሉን። ንግበር ንግበር ሳሕቲ ብገለ ነገራት ይለዓል፡ ግን ሓላፍነታዊ ምድምማጽ ኣይረኣየሉን። ኣብ ዙርያ ዝተነጽረ ፖለቲካዊ ስነ-ሕሳብ ኣጀንዳ ሒዝካ ናይ ምዝርራብ ባህልን ድሌትን ኣይንጸባረቕን።

ምድምማጽን ምስምማዕን በበይኑ’ዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራውያን ኣጋጢሙና ዘሎ ዓቢ ብደሆ ናይዘይምድምማጽ ሱር ዝሰደደ ሕማም’ዩ። ከም ሰባት ከም ዜጋታት፡ ከም ግፉዓት ኣብ ጭቡጥ ህልዊ ጸገምናን ከመይነት ኣፈታትሓኡን፣ ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢ ዕድልና ዝውስን ኣረኣእያን ስትራተጅን ረጊእና ኣሂን ምሂን ከይንበሃሃል ምሕንጋድና’ዩ። መሰረት ምስምማዕ ምድምማጽ’ዩ። ምድምማጽ ኣብ ዘይብሉ ሓደ ንኹን ዝብል መቓልሕ ግን ኣብ ፍረ ክበጽሕ ኣይኽእልን።

ፖለቲካዊ ውጽዓ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ካብ ምድምማጽ ምክብባር ወጻኢ ኣይንጸርን መሰረታዊ ፍታሕ ኣይረክብን። ውጹዕ ምስ ውጹዕ መን እንታይ ይደሊ ኣሎ፡ ብግቡእ ከይተናበብና “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ”፣ “ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ” “ይኣክል” …ወዘተ እንተጨራሕና ንግዝይኡ ዕጋበት ይፈጥረልና ይኸውን። ብተግባርን ግን መፍትሒ ህልዊ ጸገምና ክኸውን ከቶ ኣይክእልን።

ፖለቲካዊ ውድባት መግለጺታት የውጻኡ’ዮም። መደረታት የስምዑ’ዮም። ድሕሪ “ኣይከሰርናን” ብዱዕ መራሒ ህግደፍ ከም እንደገና ብ”ይኣክል” ነጎድጋዳዊ ዝኾነ ድምጺ ይስማዕ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገራት ምዕራብ ኣኼባታት ይግበር ኣሎ። ከምኡ ምባል፡ ከምኡ ምግባር ኣወንታዊ’ዩ። ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ይኹን ግን እዚ ብግቡእ ከም እንደማመጽ መረጋገጺ ኣይኮነን። ወጽዓ ከም ዘለናን በቲ ወጽዓ ከም ዝተማረርናን ደኣምበር ርጉእ ናይ ምድምማጽን ምንባብን ንቕሓት ከም ዘለና ኣየርእን።

ኣብ ፖለቲካ ምድምማጽ ማለት፡ ፖለቲካዊ ራእይ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ፖለቲካዊ ስልትን ስትራተጅን፣ ኣብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ኣብ ደርባዊ ውግንና፣ኣብ ምንጻር ፈታውን ጸላእን ….ወዘተ ምንባብ ማለት’ዩ። ተደማሚጽካ ምስተናበብካ፡ ምስ ርእይቶኻ ዝኸይድን ዘይኸይድን፣ ዘዕወትን ዘየዐውትን ክትፈሊ ትኽእል፡፡ ኣብ ዘሰማምዑኻ ሓቢርካ ክትሰርሕ፡ ንዘየማምዑኻ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ከተመሓድሮም ኮታ ምርጫ ካልኦት ክትፈልጥ፡ ምርጫኻ ድማ ክትሕብር ስለዚ ከኣ እቲ ምዕቡል ዝበሃል ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣንፈቱ ተነጺሩ ክኸይድ፡ ህዝቢ ኣብ ዝምእመኦ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ክውደብ ዕድል ይረክብ። ቀዳማይ ጸላኢ መደናገሪ ሜላ ይስእን’ሞ ተበታቲኹ ነበረ ይኸውን። እቲ ዝድለ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ ብዘተኣማምን ኣገባብ ይመጽእ። ሕድሕድ ምድምማጽ ኣብ ዘይብሉ፡ ኣገባብ ብዝሰሓተ ምትእኽኻብ፡ “ኣውዲቕኻ ሕለፍ” ዓይነት ብጭርሖ ብንግበር ንግበር ብዘብዘብ ካብ ስርዓተ ምልኪ ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንሰጋገር ማለት ግን ዘይመስል’ዩ። ስለዚ እንተ ክንሰማማዕ’ሞ ከነድምዕ፡ መጀመርያ ንከባበር’ሞ ንደማመጽ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 05-11-2019