መድረኽ ምስግጋር ኣዚዩ ሕልኽልኽ ዝበለን ኣደናጋርን ምዃኑ ደጋጊመ ዝጸሓፍኩዎን ኣጋጣሚ ክርከብ ከሎ ክኣ ዝመደርኩሉን እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ለውጢ ወሳኒ ተራ ስለዝጻወት ዳርጋ ኲልና ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንርከብ ኣብኡ ከነተኲር ዘይስገር እዋናዊ ዕማም ኰይኑ’ሎ። “ኣንቲ መን ሽምኪ? ገመል! እንታይ ድኣ ነነይ ትብሊ? ኣመል!” ዝበሃል ኣዘራርባ ስለዘሎ፡ ኲላትና ኣኣመልናን ዘዝምባሌናን ከነዐውት ንቀዳደም ኣለና። ኲላትና ድማ ኣብ ጭንቀት ንርከብ (stress).

ከምቲ ፍላስፋን ሃጸይን ናይ ሮም ማርኩስ ኣውረሊዩስ (Marcus Aurelius) ዝበሎ፡ “ዓቕምኻ መስቲ ዘለካ ስራሕ ዘይመጣጠን መስ ዝኸውን፡ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ዘየለ ኣይምስልካ” (ዝምድናዊ ኣተረጓጒማ ናተይ’ዩ) ንዓይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ጥቕሲ ኰይኑ ረኺበዮ’ለኹ። ምኽንያቱ ንዂነታት በደረጃ ዓቕመይ ጥራይ ክመዝኖ ከም ዘይብለይ ዝምህረኒ ጥቕሲ ብምዃኑ ኢዩ። ሃጸይ ማርኩስ፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ኢሉ፦ “ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ከተሸንፍ፡ ኣብ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ደው በል” እውን ኢሉ።እዚ’ውን ናተይ ኣተረጓጒማ ኢዩ። ፍላስፋን ሃጸይን ማርኩስ ብዙሕ ኢዩ ተፈላሲፉ። ንዓይ ግን ንግዚኡ እዘን ዝጠቐስኩወን ይኣኽላኒ ኢየን።

ኣበሃህላይ ምእንቲ ብሩህ ክኸውን፡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ኣዚዩ በዳሂ ስለዝዀነ፡ በታ ንእሽቶይ ውልቃዊ ዓቕምና ብምርኣይ ጥራይ ደይስገር መድረኽ መሲሉና ከይንድሃል ንምባል ዝኣክል ዘቕርቦ ዘለኹ ሓሳባት ኢዩ። ብዙሓት ክኢላታት ከም ዘለዉና ኣይንረስዕ። ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎ፡ እቲ ቀንዲ ሓይልና ብጅምላዊ ኣመዛዝና፡ እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ፡ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ዝርከብ መንእሰይና ኢዩ። ብፍሉይ መስፈር ድማ፡ እቲ ካብ ማህጸኑ ዝውለድ ክኢላን፡ እሙንን፡ ንጹህ ካብ ቅርሕንቲ ነጻ ዝዀነ ተባዕን ኣመራርሓ ኢዩ። ተቓለስቲ ነዚ ሓድሽ መርዓት ሓይሊ መንእሰይ፡ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ምሃንዚት ማለት (ቍማር) ከይብሃል ብርቱዕ ሓለዋ ናይ ለውጢ (ሓለዋ ሰውራ) ክገብሩ ከድልዮም ኢዩ።

ምሃንዚት ዝብሉኻ ሓያላት እንተድኣ መጺኦም፡ ኣብ ገጠር ከይዝመት! ኢልካ ደው ትብል፡ ኣብ ከተማ ክኣ ሸውዓቲኣ! ኢልካ ትከላኸል። ኣብ ገጠር እቶም ደቂ ዓዲ ጽቡቕ በትሪ እንተ’ርእዮም’ዮም ምሃንዚት ዝብሉ፡ ኣብ ከተማ ክኣ ፓሊና፡ ባሊቃ፡ ፍጉሪኒ ወዘተ… ቍማር ይብሉኻ። በዘልማድ ከም ሕጊ ስለዝተወስደ ኣብ ገጠር ከይዝመት! ኣብ ከተማ ክኣ ሸውዓቲኣ! እንድሕሪ ኢልካ፡ እቶም ሓያላት ነቲ ንብረትካ ቅርብ ኣይብልዎን ኢዮም። ሕጂ ብዘበን ህግደፋውያን ተደምሲሱ’ምበር ዋላ ናይ ቍማር ሕጊ’ውን ነይሩና። ዕላማይ ኣብ ፖለቲካ’ውን ምሃንዚት ወይ ቍማር ኣሎ ንምባል ዘምጽኦ ዘለኹ ድሕረ-ባይታ ኢዩ። መልእኽተይ ነቲ ፖለቲካዊ ምሃንዚት ኣብ መድረኽ ምስግጋር ክቀላቐል ዝኽእል ናይ ምክልኻል ምድላው ንግበረሉ ንምባል ዝኣክል’ዩ።

እምብኣር ኣብ ኣርእስተይ ክኣቱ፦ ስልኪ ንዝዓጽፎ ልውይ-ልውይ - ሳዕስዒት ክኣ ንዝኽእሎ ጥውይ-ጥውይ፡ ክብል ከለኹ፡ ክንቃለስ ከለና፡ ምእንቲ ንፖለቲካዊ ኣንጎሎታት ክንነቕሓሉ’የ። ምንባር ጽቡቕ ስለዝዀነ ብዙሕ የርእየካ። ኣብዚ ለንቅነ ዝርእዮን ዝዕዘቦን ዘለኹ፡ ኣበሃህላይ፡ ሚዛነይ ወይ ርእይቶይ፡ ሕጽረታቱ፡ ኣወንትኡ፡ ኣሉትኡ ንዓይ ዝምልከት ምዃኑ ኣንበብቲ፡ ሰማዕቲ ክትርድኡለይ ብኽብሪ እሓትት። ንነቐፈታን ነብሰ-ነቐፌታን ክኣ ከም መሳርሒ ናይ መአረምታ ክጥቀመሉ ድሉው ምዃነይ እሕብር፡ንኽትዕ’ውን (debate) ድሉው ኢየ።

መቸም ኣብ መንእሰይ ካብ ዝኣምንን ምንእሰይ ብሃንደበት ዘይኰነስ ብንቕሓት ክምክት ከምዝግብኦን ብዝክኣለኒ መጠን ዕድል ኣብ ዝረኸብኩሉ: ዓቕመይ ከበርክት ካብ ዝጅምር እንሆ ዳርጋ ዕስራ ዓመት ኰይኑ’ሎ። ዓቕመይ ውሱን ከም ምዃኑ እፈልጥ ኢየ። ንዝረኣኹዎን ዝሰማዕክዎን ሸለል ኢለ ክሓልፎ ግን፡ ምርጫይ ኣይኰነን ኣየለመድክዎን ክኣ። ምኽንያቱ እቲ መንገዲ ዋላ ይትረር እምበር፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኣብቲ ፍልስፍና ናይ ሃጸይ ሮማ ማርኩስ ተሞርኲሰ፡ ክኢላታት፡ ጀጋኑ ብቑዓት፡ ከምዘለውናን ከምኡ’ውን ክፈርዩ ከምዝኽእሉን ብዕግበት ስለ ዝኣምን፡ ነቲ ዝሰኸረ ፈትሊ ዝፈትሑ ብቓልሲ ጎላዕላዕ ክብሉ’ዮም ብሃላይ ኢየ።

ብዝዀነ! እስከ ነዚ ጒዳይ ንእተዎ፦ ኣብ ሃገር ሽወደን ጒባኤ ናይ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻይዱ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ “ህንጻ ደሞክራሲ” ኣብ ኤርትራ “Building Democracy” ዝብል ጒባኤ ቀንዩ። ክልቲኡ ጒባኤታት አባላቱን ዘዝመስልዎ ደገፍትን ተዓዘብትን ዓዲሙ። መደረታት ምናዳ ናይ ለንደን ብኸፈር ሰሚዕና።

ንእገሪ መንገደይ ቀደም ብዕላል ዝሰማዕክዎ ከካፍለኩም። ሓደ ኤርትራዊ ሽሃይ (ዓሳውርታ) ገመሉ ተወጢሑ ክኸይድ ከሎ፡ ንሓደ ክስታናይ ኣብ በቕሊ ክውጣሕ ርኻብ ረጊጹ ናብ ኰረሻ ክድይብ ምስ ተዓዘበ፡ “ወይ ብልሓት ክስታን! (ክርስትያን) ነዛ በቕልስ መደያይቦ ገይሩላ” ኢሉ ተገሪሙ። ብወገነይ ሓቁ ኢዩ፡ እንተድኣ ርኻብ (መደያይቦ) ርእዩ ዘይፈልጥ ኰይኑ፡ ጽቡቕ ዘረባ ናይ ምስትብሃል ኢዩ። ሕጂ’ውን ብናተይ ትዕዝብቲ ኣብ ሽወደን መብዛሕትኦም ጀብሃውያን ሰብ ገመል ክትብሎም ትኽእል፡ ተራኺቦም ዘትዮም። ብዓወት ናብቲ ዝደልይዎን ዝኣመትዎን መድምደምታ ከም ዝዛዘሙ’ውን ሓቢሮም። ሓድሽ ኣመራርሓ ኣዳልዮም ነዚ መድረኽ ክገጥምዎ ኣዊጆም። በቲ ካልእ መዳይ ክኣ፡ መብዛሕትኦም ሻዕብያውያን ሰብ በቕሊ ንበሎም፡ ምእንቲ እቲ መለለይ ክጥዕመልና፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተጋቢኦም ብዛዕባ “ህንጻ ደሞክራሲ” ናይታ መጻኢት ሃገረ-ኤርትራ ከም ኣበሃህልኦም ዓሚቝ ምቅርራብ ጌሮም።

እዚ ኣገባብ ቃልሲ ማዕዶ-ማዕዶ ገና ኣይተመንወን፡ እቶም ዝገበሩዎ ድማ እቶም ቅድሚ ሕጂ ማዕዶ-ማዕዶ ዝለመዱን ዝፈኻኸሩን ዝነበሩ ኢዮም። ለውጢ ኣብ ሃገርና ይጭርሑ ኣለዉ። ለውጢ ኣብ ገዛእ ርእሶም ግን ብገምጋመይ ገና ክርኢ ኣይክኣልኩን። ኣብታ ማሕልኦም አለዉ። ምኽንያቱ ሓድነት ኣብ ክልተ ዳስ ኰንካ ዝመረጽካዮም ኣጋይሽ ዓዲምካ ቀቃሕታኻ ምምዳር ኣይኰነን። ኣብርእስኡ’ውን ቅርቡነቶም ነዚ ሓድሽ ወለዶ መንገዲ ናይ ስልጣን ኣብ ምኽፋት ኣታው-ወጻእ ውልቀ ሰባዊ ምትንባህ እንተዘይኰይኑ፡ ብደምዳሚ ዕግበታዊ ናይ ሓባር ውሳኔ ደረጃ፡ ኣይተነበን፡ ኣይተሰምዐን። ሰብ በቕሊ ናይ ቅዋም ሃንደስቲ፡ ዳርጋ ዓዲ ክኣትዉ ቍሩብ ዝተረፎም ይመስሉ። ሰብ ገመል ገመሎም ዘማዕደወቶ ነገር ግዲ ኣሊዩዎም ኰይኑ፡ ብዙሕ ዝተሃወኹ ኣይመስሉን። ዋላ ስእሊ’ውን ብዙሕ ኣይተሳእሉን። ዛሕሊ ግን ምስኦም ዝጸንሐ ስለዝዀነ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን። ዝነበሮም በብዓይነቱ ፖለቲካዊ በሰላታት ክሳዕ ዝሐዊ’ውን ቀሊል ስለዘይኰነ፡ ሰለይ ወይ ረጋእ ኢሎም ነብሶም እንተፈቐዱ ኣይትሓዞምን’ዩ።

ገለ ካብ ሰብ በቕሊ ኣብ ልዑል ጽፍሕታት ናይ ህግደፋዊ ስልጣን ዘገልገሉ፡ ንስርዓት ናይ ኣስመራ ከም ውልቀ-መላኺ ጌሮም ኣቕሪቦሞ። ኣነ ብወገነይ ዝሰማምዓሉ ኣበሃህላ ኣይኰነን። ብዙሓት ዓይነት መለኽቲ ስርዓታት ኣለዉን ሓሊፎምን ኢዮም። ካብ ኩሎም ግን ብውልቀ ዓቕሙ ዝመለኸ ኣብ ታሪኽ ዋላ ሓደ የለን። ናይቲ ስርዓቶም ሰብ ቆጽሊ፡ ኣሕሉቝ ሸፋቱ፡ ኣምባገነናት፡ ቀንዲ ተጸዋዕትን ተዋሳእትን ኣዘዝትን ማለት (Main actors) ተባሂሎም ክጽውዑ ግን ይኽእሉ። ምኽንያቱ ንምሉእ ህዝቢ ወይ ሃገር፡ ዝጭቍን ኣካል ብዘይ መሳርሒ፡ ብዘይ ምሓውር ናይ ቅዝፈትን ግፍዕን ሰኪዐት (network) ዕላምኡ ከተግብር ብፍጹም ኣይክእልን ኢዩ። ኩሉ ማሕበረ ፍጥረት ነናቱ ሽም ኣለዎ። ንንህቢ ከም መረዳእታ ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ኩሎም ኣናህብ ነቲ ሽም ይዓስለዎ። ብዘይ ብኣኣቶም ሽም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ኣንቆራ ማለት ምፍንጫል (split) ዝብሃል ግን ኣሎ። እዞም ሕጂ “ህንጻ ደሞክራሲ” ዝብል መርሖ ወይ መደረ ኣምጺኦም ዘለዉ መብዛሕትኦም ካብ ስርዓት ህግደፍ ዘንቆሩ ስለዝዀኑ ከም መረዳእታ ክንወስዶም ንኽእል ኢና። ውልቀ መላኺ ክብሃል ከሎ ናይ ቅርጻ መሳልል’ምበር ናይ ስርዓት (system) መግለጺ ኣይኰነን።

ኣባላት ህግደፍ ነበር ምኒስተራት፡ ጀነራላት፡ ኣምባሳደራት ንህግደፍ ምስገደፍዎ ኢሳያስ ውልቀ-መላኺ ኰይኑ፡ ንሳቶም መሓውራቱ ኰይኖም ከካይድዎ ከለዉ ክኣ ብፓርቲ ደረጃ ይመልኽ ነይሩ፡ ወይ እታ ንሱ ዝመርሓ ፓርቲ ትመልኽ ኔይራ ዝብል ገለጻ ኣምባሰደራት ነበር ኣዚዩ ዓመጸኛ ዝዀነ ፖለቲካዊ ሰግሰጋ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ኢሳያስ ዝኣስርን ዝቕጥቅጥን ድላዩ ክሳብ መሸጣ ሃገር ዝጓየን ዘሎ በተን ውሱናት ውልቀ ህዋሳቱ ጥራይ ኰይኑዶ ይስምዓኩም? ንፍቶ ንጽላእ ግህድቲ ድያ ስውርቲ ብዘየገድስ ኢሳያስ ናቱ ዓንኬል ናቱ መሳሪሒት ፓርቲ ኣላቶ፡ ብእኣ ጌሩ ክኣ ኢዩ ንደቂ ሰባት ዝምንቍሶም። ህግደፍ ምናልባት ናይ ግህዶ መዐሸዊት ብዙሓት ገርሀኛታትን ጻቕጣያትን ዝሳተፍዋ ዝነበሩን ዘለዉን ክትከውን ትኽእል ኢያ። ናይ ኢሳያስ ወረጦ ፓርቲ ግን ንእሾዂ ዝበለቶ ነነቒሳ እተውጽእ ናይ ምልኪ ስርዓት ሽማ ብዘየገድስ ከምዘላን ከምዝነበረትን ክንፈልጥ ይግባእ። በታ ግህድቲ እንተሰለጦ ይቕጽል፡ ከምቲ ኩሎም ህግደፋውያን መራሕቲ ሚኒስተራት ኣምበሰደራት ነበር ዝነበሩዎ ምዃኑ ኢዩ። እንተዘይ ሰለጦ ግን፡ በታ ስውርቲ ናይ ወረጦ ፓርቲ ተጠቒሙ ስጒምቲ ይወስድ። ንዘስተውዕልን ንዝከታተልን ዝሓለፍናዮ ታሪኽ ንሱ ኢዩ ዝምህረና።

ወረ ካብኡ ንላዕሊ ክንከይድ እንተደሊናስ፡ ነቲ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዘራጒድ ዓለም ለኻዊ ሰንሰለት ከይተረፈ ኣለዎ። ዝምድንኡ ምስ ቃሕ ዝበሎ ሓያላን ምንግስታት ዝቐረቡን ዝረሓቑን ዝርግሐ ናይ ምልካዊ ስርዓቱዶ ኣይኰነን? ስለ’ዚ ምሁራት ኣምባሳደራት ንፖለቲካዊ ሳዕስዒት ትያትሮኹም ዳግመ ርእይቶ እንተገበርኩሙሉ ይሓይሽ። ምኽንያቱ ውልቀ-መራሕቲ ዋላ እንተተወገዱ፡ እቲ ስርዓቶም ከይቅጽልዶ ’ይኰነን መሰረታዊ ለውጢ የድሊ ዘብለና ዘሎ! ሱዳንን ኣልጀርያን እንታይ ድዩ ላዕልን ታሕትን ዘብሎም ዘሎ?

ብሕጊ ክንነባበርን፡ ሓድሽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክልን እንተድኣ ኰይኑ ዕላማና፡ ክንግምጥሎ ዘለና ስርዓት (overhauling) ከምዘሎ ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ውልቀ መላኺ ዝብሃል ኣዘራርባ ኣብ ምምሕዳር ህዝብን ሃገርን ብመንጽር ደሞክራሲያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ክምዘን ከሎ፡ ከም ስርዓተ-ምልኪ ኢዩ (dictatorial system) ክምዝገብ ዘግባእ።

ብዓል ሂትለር፡ ብዓል ሙሶሊኒ፡ ብዓል ፈራንኮ፡ ብዓል ማኦ፡ ብዓል ገዳፊ፡ ብዓል ሳዳም ብዓል ሙጋበ፡ ብዓል መንግስቱ፡ ብዓል ዑመር ኣል በሽር ወዘተ… በዘልማድ ውልቀ መለኽቲ ይብሃሉ’ምበር ብፓርቲ ደረጃ ናይ ምልኪ ስርዓት ተጠቒሞም ይጭቍኑ ምንባሮም ዘደናግር የብሉን። ምናልባት ኢሳያስ ከምዚ ሎሚ ከይተመንወ ኸሎ ብዙሓት ይኽተልዎ ነይሮም። ሕጂ ግን ብዓቐን ክርአ ኸሎ፡ እምነት ህዝቢ ምስ ርሓቖ ዝእዘዝዎ ከም ዝወሓዱ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ስርዓተ-ምልኩ ግን ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ክንስሕት የብልናን። ሃገር ገዲፉ ኣብ ድላዩ በጺሑ ክምለስ ከሎ ስርዓተ-መልኩ መን የጽንሓሉ ኢልኩም ትሓስቡ? ኣብቲ ዝኸዶኸ መን ይቕበሎ ትብሉ? ስርዓቱ ምስ ተደምሰሰ ግን፡ ውልቀ ህላውነቱ ካብቲ ተወጢሑዎ ዝነበረ ቅርጻ ይእለ። ንሱ ክኣ ኢዩ በርቲዑና ዘሎ’ምበር ንውልቀ ኢሳያስ ድኣ ሳልስቲ’ኳ ዘይመጽንሓና! ስለ’ዚ ምሁራትና ኣምባሳደራትና ነቲ ኣምር ናይ ምልካዊ ስርዓት ዝያዳ እንተ ተመራመርኩሙሉ ይሓይሽ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቀየስቲ፡ ሃንደስቲ ቅዋም ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ልሉያት ዓበይቲ ምሁራትና፡ ኣብ ጒባኤ ሰብ በቕሊ ዝተሳተፉ፡ ንኢሳያስ ምስትንክራዊ መራሒ ከምዝነበረ ጌሮም ከቕርቡ ከለዉ ንተኣምራት ዝዀነ ተንታንን ገለጻን ንሰምዕ ኣለና። ምስትንክር ዝሰርሑ ተዳጒኖም ዘለዉ ኮፍ ኣቢልካስ፡ ነቲ ዝዳጐኖም ክንድ’ዚ ዝኣክል ታሪኻዊ ክብሪ ምሃብ መን ኣምጽኦ? ብኣባሃህልኦም ኢሳያስ ድሕሪ ነጻናት ኢዩ ገቢሉ። እንታይ ጒዱ? ሓደ-ሓደ ግዜ’ውን ኣይምለስን ኢዩ እምበር ናብ ልቡ እንተዝምለስሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓዳግ ስለዝዀነ ምሕረት ምገበረሉ፡ እንተዝላዘበና ከይተረፈ’ውን ክብሉ ንሰምዕ ኣለና።

ወይ ሰብ ደቀይ! “ነዳይ ናይ ልቡ’ሓሊ” ንሕና ምዓስ ኢና ንኣስሮ ንብል፡ ንሳቶም ክኣ ምዓስ ኢዩ ዝላዘበና ኢሎም ይጽልዩ። ግርም ፖለቲካዊ ሳዕስዒትዶ ኣይኰነን! ወያ ቍዋምሲ እንታይ ኢዩ ክኸውን ስርሓ? ንመለኽቲ ሓራ ትገብሮም (impunity) ነገሊኦም ውሑድ ገበን ዝገበሩ ክኣ ብኽሲ ናብ ሕጊ ከተቕርቦም እንተ ዀይናስ፡ ከመይ ዘበለት ቅዋም’ያ ክትከውን? መቸም ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ እቲ “ህንጻ ደሞክራሲ” ዝብሃል ዘሎ፡ “ኢራን ሰለባን ነንሓድሕደን ይቃረባ” ክትብል ቍሩብ ኢዩ ዝተርፈካ።

መንእሰይ ኣነ እቲ ዝረኣየኒ ክእምተልካ ኢየ። ንግዝይኡ ከም ገለ ክዃዂየካ ወይ’ውን ድንግርግር ክብለካ ይኽእል ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ መድረኽ’ዚ ሕውስዋስ ምህርቲ ተሰኪሙ ብምህላዉ፡ ንምማዩ ከም ዘሸግረካ እርድኣኒ ኢዩ። ናይ ምስግጋር መድረኽ ረቂቕ ብቐሊሉ ክትርድኦ ዘይትኽእል መጻወድያታት ስለዘጠቓልል፡ ኣብ ዕግሽግሽ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ዝኣመሰለ ባህርያት ስለ ዘለዎ ድማ ኢዩ፡ ምሁራት፡ ሓሰብቲ: (Think tanks) ኩሉ ፖለቲካዊ ምስግጋር ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ኢዩ ዝብሉ፡(any political transition is messy):: እዚ ሎሚ ኣብ ከባቢናን ጐረባብትናን ሃገራት ዘሎ ክውንነት’ውን ጭቡጥ መረዳእታ ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ጽንዓት እንተ’ዋህሊልካን ብንቕሓት እንተ ተኸታቲልካን ግን፡ ክትዳሎን ክትዕወትን ይክኣል ኢዩ። እምብኣር መንእሰይ ምድላው ንዲሞክራሲ ንመጻኢት ኤርትራ ዝብል መልእኽቲ በብዓይነቱ መደረታትን ጽሑፋአትን ኣብዝገነሉ ዘሎ እዋን፡ ነዝን ወዲ ኸምዝን ዝኣመሰለ ጠንቅታት ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን፡ ኣምሰሉ ስርሒታትን ኣቀራርባታትን’ዩ ብዓንተብኡ ክዳለወሉ ዝግባእ። ምኽንያቱ ኲሎም ሰብ ውራይ ኣብ ግዜ ምስግጋር ብዂንታል እንዳተመባጽዑ ናብ ንዓይ ጥራይ ዝዛዝዉ ብዙሓት ኢዮም።

ተካኢ ወለዶ መንእሰይና ሓደ-ሓደ ፖለቲካዊ ግምታተይ ክእምተልካ አንሆ ብተገዳስነት ኣስተብህለሉ፦ ገበነኛ ኢሳያስ ቤት ማእሰርትን ክስን ዘይኰነስ ናይ ሑስኒ ሙባረክ ናይ ጥሮታ መምበር ክትጽበዮ ትኽእል ኢያ። እቲ ረቂቕ ገና ዘይተበጽሐ ዘሎ፡ መን’ዩ ከም ኣምባሳደር ወይ ጀነራል ሲሲ ነይሩ ናብ ፕረሲደንቲ ሲሲ ዝሰጋገር ኢዩ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ህዝባውነተን ዝተሰልባ መቐጸልታ ኣብ ሽግር ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን ተኽእሎ ወይ ምናልባትነት ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ኣረጊት ኣሰራርሓና ኣይበለየን። እቲ ጸገም ኣብ ድንገርግር ዘእቱ ዘሎ ጒዳይ፡ ንመንእሰይ ወለዶ ኲላትና ከም ሽፋን ተጠቒምና መጽረይ ኣፍና ንገብሮ ምህላውና ኢዩ።

እንተዀነ ግን ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልከዎ፡ ጽንዓትን ምስትውዓልን፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ምሕሳብን፡ ብታህዋኽ ናብ ዝጎተቱኻ ዘብ-ዘብ ዘይምባልን እንተኽኢልካዮ መንእሰይ ነብስኻን ህዝብኻን ከተድሕን ኢኻ። እዚ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ ንተኽእሎታት ሰዳዒ መስመርን፡ ንስርዓት ኢሳያስ ዝጠቓቕዕ ጸጋንን (reformist trend) ክትዓግቶ ዘየጸግመካ። እዚ ግን ብዓንተብኡ ብንቕሓት መጻወድያ ኣዳሊኻ እንተጸኒሕካ ጥራይ ኢዩ ክሰላሰል ዝኽእል።

እዞም ሕጂ ዓበይቲ ገበትቲ መንግስታት ልኢኾሞም ምስ ኢሳያስን ምስ ደ/ር ኣቢይን ፖለቲካዊ ዕጥራን (political prostitution) ዘካይዱ ዘለዉ ከም ብዓል ኢማራት፡ ስዑዲ፡ ግብጺ ወዘተ…ናይ አሳያስ መጻኢ ዕድል ቅድሜና ስለዝፈልጥዎ፡ መተካእታ ክደልዩ ምዃኖም ክንዝንግዕ የብልናን። እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ክመጸና ዝኽእል ርቕቕ ዝበለ ንግዜኡ ዘይተጋህደ ብልሓት ገበትቲ ሓይልታት ኢዩ። መንእሰይ ነዚ’ውን ሃንደበት ምእንቲ ከይኰነካ ንኹሉ ስጒምትታት ደምበ ተቓውሞን ዞናውን ዓለም-ለኻውን እስስራቱን ተዳለወሉን።

ረጋእ ኢልካ ኣስተውዕሎን

ተኸታተሎን

መሰረታዊ ለውጢ ክምዝገብ ዝክኣል መሰረታዊ ፖለቲካዊ ድልየት (political will) ምስ ዝህሉ ኢዩ። ኣብ መንጎ ውደባ ብዘይ ንቕሓትን፡ ኣብ መንጎ ንቕሓት ብዘይ ውደባን ዘሎ ሳዕቤናት ኣርቂቕካ ምፍላጥ የድሊ። ውደባ ብዘይ ንቕሓት ናብ ምልኪ (dictatorship) ከም ዝኸደ፡ ካብ ታሪኽ ውድብና ህዝባዊ ግንባር ተማሂርና ኢና። ንቕሓት ብዘይ ስጡም ውደባ ድማ ናብ ፋሕ ብትን (disintegration) ዘምርሕ ከም ዝዀነ ካብ ውድብና ተ.ሓ.ኤ. ኣጽኒዕናዮስ ገና’ውን ስለዘይበለየልና የሳቕየና ኣሎ። እዚ ዝገማገም ዘሎ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ብዙሕ ሸታሕታሕ ስለዘለዎ በዚ ዝኣረገ ተመክሮ ክልትኤን ውድባትና ክንወጾ ስለ ዘይንኽእል፡ መንእሰይ ንኽልትኡ ሕጽረታትና ዝእርም ስጡምን ንቑሕን ውደባ ብምግባር፡ ንኤርትራ ሃገርና መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትተኽለላ ትኽእል ኢኻ።

ምልኪ (ገበተ) ኣብ ብዙሕ ጽፍሕታት ናብራ ወድ-ሰብ ምህላዉ ምፍላጥ ከድልየና እዩ። ኣብ ሓዳር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት፡ ኣብ ቍጠባ፡ ኣብ መድያ (ናይ ዜና ማዕከናት) ብቐሊሉ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እፎይታ ናይ ማሕበራዊ ሂወት፡ ቅሳነት፡ ሰላም፡ እንተድኣ ክርከብ ኰይኑ፡ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ጽፍሕታት፡ ብብቕዓት ደረጃ ናይ ተሓላሎ፡ ናይ ውድድር፡ ሚዛናዊ ሰለል ክህሉ የድሊ። እዚ ነቲ ደሞክራሲያዊ ዕብየት፡ ብድሌት ህዝቢ ካብ ፍርሂ ወጻኢ ብዝዀነ ኣገባብ ናይ መሰል ውሕስነት ይፈጥር።

ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ብፍላይ ናይ መድያ ኣተሃላልዋና እንተድኣ ኣስተብሂልና፡ ካብ ውድባትና ብዘይሓይሽ መንገዲ፡ ኣብ ፋሕ ጭንግራሕ ስለዝርከባ፡ ንጭርምራም ፖለቲካዊ ዝምባሌ ከገልግላ ክብላ መብዛሕትኤን ናብ ሓደጋ ክወድቃ ይኽእላ ኢየን። ህላውነተን ከረጋግጻ ዝኽእላ እንተተረኺበን ክኣ ኣብዚ ሓደገኛን ሕልኽልኻውን ዝዀነ መሰጋገሪ መድረኽ ብዘይተደልየ ፖለቲካዊ ዝምባሌ ክዝርዓ ክዝመታ ወይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ምሃንዚት ወይ ቍማር ከጋጥመን ይኽእል ኢዩ። ነዚ’ውን መንእሰይ ኣብ ቅድሜኻ ትዕዘቦ ዘለኻ ወድዕነት ስለዝዀነ ፍታሕ ከተናድየሉ ከድልየካ ኢዩ። ዝዀነ መድያ ንዕኡ ዘገልግሎ ፖለቲካዊ ዝምባሌ ኣለዎ። ንዕላማ ናይቶም ይጠቕሙኒ ኢዮም፡ ይውክሉኒ ኢዮም ዝብሎም ፖለቲካዊ ትካላት ክኣ የገልግል። ከምዚ ስለዝዀነ፡ ፋሕ ዝበላ ናይ ዜና ማዕከናት ብዝመሳሰል መዳየን ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ናይ ሓባር ውደባዊ ኣሰራርሓ ክሰጋገራ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ኣገዳን ጠቓምን ኢዩ። እዚ ዝጠቐስክዎ ነቲ ዓቕምታት ናይ ምሁራት ተቓለስቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ጋዜጤኛታት፡ ጸሓፍቲ፡ ስነ-ኪነታውያን ብምትእምማን ሓባራዊ ኣበርክትኦም ክልግሱ ዕድል ይኸፍተሎም። ነዚ’ውን መንእሰይ ብምስትውዓል ግዴኻ ከተበርክተሉ ትጥለብ። ምኽንያቱ ተዋዳዳሪ ትርኑዕ መድያታት እንተሃልዩ ጥራይ ኢዩ ንመንግስታት ይኹን ንፓርትታት ኣካያይድኦም ናብ ህዝቢ ብግሉጽነት ብምቕራብ ናይ ተሓታትነት ውሕስነት ከም ዝህሉ ዝገብር። ኣብ ክንዲ ምንዕዓቕ ምውድዳር ክነግስ አለዎ።

መድያ እንተተገቢቱ ግን፡ ብሕጽረት ጋዜጠኛታት ሃገርን ህዝብን ናብ ሓደጋ ከም ዝወድቁ፡ ኣብ ሃገርናን ኣብ ከባቢናን ብግህዶ ንዕዘቦ ዘለና ክውንነት ኢዩ። እቶም ትከታተሉ ናይ ኣመሪካ መድያታት ውዕዉዕ ስለዝዀነ ጽቡቕ መረዳእታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ (FOX NEWS AND THE REST CAN BE A GOOD EXAMPLE) ስለዚ መንእሰይ ነዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ማሕለኻታት ናይ መድያ ፍታሕ ከተናድየሉ እንተ ኽኢልካ ሚዛናዊ ፖለቲካዊ ናይ ውድድር ጎስጓስ ክዕንብብ’ዩ። መድያ ብመትከል መሳርሒ ግሉጽነት ስለዝዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ዕድል ናይ ደሞክራስያዊ ልምምድ ክዀነካ ብተግባር ክትዋስኣሉ የድሊ።

እዚ መድረኽ’ዚ ፖለቲካዊ ሪት-ለስ (ንድሕሪት ተመለስ) (status quo) ከጋጥሞ ስለዝኽእል፡ መንእሰይ ንፖለቲካን ፖለቲካዊ ባህልን ክትቅይር ናይ ብዙሓት እምበር ናይ ውሱናት ሐድነት ጥራይ ከም ዘየዋጽኣካ ኣቐዲምካ ክትዳሎ የድልየካ። ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ እንድሕሪ ዘይተጠንቂቕካ፡ ብምስትውዓል እንተዘይተቓሊስካ፡ ሰውራ ንጸረ-ሰውራ ኢዱ ክህብ ይኽእል ኢዩ። ኣስተውዕል መንእሰይ!!!

ኣነ ንመንእሰይ ተልዓል ክብሎን ከተባብዖን ከለኹ፡ ትርጒም “ኣይንፈላለ” ብመንፈሳዊ ማሕላ ዘይኰነስ፡ ብናይ ፍልልያት ሓድነት ኢየ ዝርድኦ። ምኽንያቱ ፖለቲካ ምስጢሩ ግርጭታት ምትዕራቕ እምበር፡ ኣብ ማሕላ ምትእምማን ኣይኰነን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ናይ ቀደም ናይ ቅንዕናን ግርህናን ማሕላ ናይ ኣባሓጎታትና “ኣይንፈላለ” ኢሎም ዝመሓልዎ ምኣኸለና ነይሩ። ስለዚ መንእሰይ ነዚ’ውን ኣስተውዕለሉ’ሞ፡ መካይድትኻ ብማሕላ ዘይኰነስ ብኣፈታትሓ ፍልልያት ናይ ተዛማዲ ሓድነት ምኣዲ ክትተክል ጽዓር። ሓቅን መድረኽ ኣምጽኦ ሃላልነትን፡ ረጋእ ኢልካ ብመዂባዕቲ ጽሞቆ።

ስልጡን ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ካብ ዜሮ ኣይውለድን ኢዩ። እዚ ክኣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘሎ ቍስሊ ከይሓከምካ ከተንጸባርቖ ዝክኣል ኣይኰነን። ህዘቢ ኤርትራ ኣዚዩ ብመራሕቱ ዝተጐድአ ህዝቢ ስለዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ድሌትን ትጽቢትን፡ ርግኣትን ሰላማዊ ምዕባለን፡ ኣብ ድሮ ዓወት ዝስዕስዑ ናይ ውጥም ቅልቅል ፖለቲከኛታት፡ ድሕሪ ደጊም መንእሰይ ክትጥንቀቐሎምን “ይኣክል” ክትብሎምን ከድልየካ ኢዩ። “ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ” ከምዝብሃል፡ ኣብ ተግባራትካ’ምበር ኣብ ግበሩለይ ኣይትሞርኰስ። ቃልሲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ማለት ንሱ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንደሞክራሲያዊ ልምምድ (democratic exercise) ባዕልኻ እተዋ ማለት’ዩ። ኣብ መወዳእታ ቃልስኻ “ወንጮ እነተገምጠልካዮ ወንጮ” ከይኰነካ ብንጒህኡ ተዳሎ። ብዝተረፈ፡ ካውሎ ድርብርብ ክዳኑ፡ ቅልጥ እንተውዓልካስ ንሱ ጥራይ ኰይኑ፡ ከጋጥመካ ስለዝኽእል፡ “ዓርከይ ህበይ! ስጋ ተሰኪመኩም ናበይ”? ምባል ክኣሎ።

ርሑስ ብዓል ነጻነት ይመጸና ኣሎ፡

ቅዱው መድረኽ ምስግጋር ክኣ ንዓና ይበሎ!!!

ጒንበት 01/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)