ኣብ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ናተይ ትብላ ሃገር ዘይምህላው፡ ግቡእ ሰብኣዊ ክብሪ ምስኣን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንነት ኣልቦ ምዃን’ዩ። መበገስን መዕረፍን ዘይብሉ ተንሳፋፊ ህይወት ምንባር’ዩ። ስለዚ ከኣ ወናኒ ሃገር ምዃን ፍሉጥ መንነት ዘለዎ፡ ክብሩ ዘዕቆበ ሰብ /ህዝቢ ምዃን ማለት’ዩ። ኤርትራውያን እምቢ ንመግዛእቲ፣ እምቢ ንጎበጣ ሃገርነት፣ እምቢ ንምድምሳስ መንነት ኢሉ ዝተቓለሰ፡ ዝደየመ፡ ኣካሉ ዝተቖርጸ፡ ካብ ኩሉ ዝኸበረ ህይወት ዝገበረ ንካልእ ኣይኮነን ሓርነት ንምርካብ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ሰባት ኣይከውንን፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት’ውን ኣይስቀልን፡ ኣብ ትሕቲ ህዝባውን ቅዋማውን ዝኾነ ስርዓተ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ብማዕርነታዊ ኣተሓሳስባን ሓባራዊ ተጠቃምነትን ቀሲነ ክነብር’የ ዝብል መሰረተ እምነት ብምሓዝ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሃላኽ ዝበዝሖ ነዊሕ ዓመታት ተጋዲሉ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ሰራዊት መግዛእቲ ካብ ምድሪ ኤርትራ ተጸሪጉ ክወጽእ ገይሩ። ብ1993 ድማ ብህዝበ ውሳነ ልኡላውነት ሃገሩ ብሕጊ ኣውሒሱ። ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ብዋጋ ዕድመ ንእስነት፣ ረሃጽ፣ ደም፣ ኣካል ምጉዳል፣ መስዋእቲ ደቂ-ህዝቢ ዝመጽኣት ብፍሉይ ተኸቢራ ክትነብር ዘለዎ ፍልይቲ ዕለት’ያ። መግለጺ ሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትን መንነትን ውጹዓት ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራውያንን’ያ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ወናኒ ነብሱን ሃገሩን ከይከውን ናትካየ ብዝብል ዘቤታዊ ጸላኢ ተገፊዑ ወሰን ምስፋሩ ከኣ የሕዝን የቖጥዕ ድማ። ባዕዳዊ ገዛኢ ጸሪጉ ብዘቤታዊ ገዛኢ ክከላበት ክዋረድ ምርኣይ ከይኣክል፡ ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ንምዝካር ንምኽባር ብግዴታ ገንዘብ ክፈል፡ ኣብ ዘዳለኽዎ ዳስን ኣዳራሽን ተረኺብካ ብግዴታ ሕጉስ ኮይንካ ወዓል፡ ክሳብ ትርህጽ ሳዕስዕ ተቖጻጸ ዝብል ትእዛዝ ምውራድ ድማ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይገርም። ረሃጽ፡ ደም፡ ኣካል፡ ህይወት ንዝኸፈለ ህዝቢ፡ ነቲ ዘኹርዕ ታሪኽካ ሓርበኝነትካ መንነትካ ኣነ ዝተመንኩልካ ገንዘብ ከፊልካ ዘክር ኣኽብር ማለት ቀይዲ ኣልቦ’ዩ። ምቑንቋን ፖለቲካ ኤርትራ ከኣ የመልክት።

ፖለቲካውን ቁጠባውን መትንታት ሃገር ተቖጻጺሩ ዝርከብ ብፖለቲካዊ ሳንቡእ ሓደ ሰብ ዝንቀሳቐስ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ድሙቕን ክቡርን ዓወት ሃገራዊ ነጻነት ዝብርዝ፡ ዘህስስ፡ ዝድምስስ ዘሎ መንግስታዊ ጉጅለ፣ ህዝባዊ ልኡላዊ ስልጣን ሃገሪሙ፡ ብልኡላዊ መሬታዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝዋገ ዘሎ መንግስታዊ ጉጅለ፣ ንህዝቢ ዕለተ ነጻነትካ፡ መዘከሪ መኽበሪ ገንዘብ ክፈል ኢሉ ከገድዶ መንግስታዊ ሽፍትነት ‘ምበር ካልእ ፖለቲካዊ ሚዛን ክወሃቦ ዝከኣል ኣይኮነን።

ዕለተ ነጻነት ምኽባር፡ ውሽጣዊ እምነትካ ምኽባር፡ መንነትካ ምዕቃብ’ዩ ንውጹዓትን ብዙሓትን ኤርትራውያን። እምነትን መንነት መሰረት ዝገበረ ዝኽሪ በዓል ከኣ ብገንዘብ ዘይኮነስ፡ ብዕግበት ብሕልና’ዩ ዝኽበር። እዚ ንጥፍኣት ኤርትራውያን ዝተዓጥቀ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ግን፡ ሃገራዊ ነጻነት ብኽሕደት ጥልመት ኣደናጊሩ ብምጭዋይ ኣብ ኣገልግሎት ጉጅላዊ ረብሓኡ ምውዓሉ ከይኣክል፡ ነቲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝቢ ልክዕ ከም ተራ ኣብ ዕዳጋ ዝተዘርገሐ ዓይነት ሸቐጥ ክንድዚ ገንዘብ ከፊልኩም ኣኽብሩ ዝብል ጎስጓሳት ምክያዱ ክሳብ ክንደይ ንዒቑና ከም ዘሎ’ዩ ዘርእየና።

መዓልቲ ሃገራዊ ነጻነት መሐጎሲ ደኣምበር መሸማቐቒ መጉሃዪ ክኸውን ከቶ ኣይግባእን። ብቑም-ነገሩ ብሆታን ዕልልታን ዘይኮነ ብሕልና ክኽበር ዘለዎ ሃገራዊ በዓል’ዩ። ኣገዲድካ ገንዘብ ኣዋጽኡ ምባል ግን ኣንጻር ሕልናዊ እምነት’ዩ። ንምዃኑ ህዝቢ ብኣስገዳድ ገንዘብ ምስ ኣዋጸአ፡ እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ምንታይ’ዩ ክውዕል? መን’ዩ ክጥቀመሉ? መን’ከዩ ዝቆጻጸሮ? ናብ ዳስ ሓዘን ተቐይራ ወለዲ ብዘይ ጠዋሪ ቀባሪ፡ ህጻናት ብዘይ ኣቦ ዝተረፉላ፡ ብከለንተንኣ ዝደኸየት ዝዓረቐት ሃገር፡ ብጉልባብ ዝኽሪ ዕለተ ነጻነት እንታይ ክግበር ስለ ዘትደል’ዩ ክንዲ’ዚ ገንዘብ ትኸፍሉ እምቢ እንተበልኩም ሕድሪ ሰማእታት ከም ዝጠለምኩም ተቖጺሩ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደልኩም’ዩ ዝበሃል ዘሎ። ዝተባህልኩሞ እንተዘይገበርኩም፡ ተወሳኺ ዕዳ ክትስከሙን ክትከፍሉን ‘ምበር ከተጉድሉ ወይ ካብ ክፍሊት ሓራ ክትኮኑ ኣይትኽእሉን ዝብል ታህዲድ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ሃገር ሸቐጥ ኣይኮነትን። ሃገራዊ በዓልና ኣብ ልብና። ነቲ በዓል ተባሂሉ ንኸፍሎ ገንዘብ የለን። ኣዳራሽና ኣብ ልብና። ኣብ ኣዳራሽኩም ተኣኪብና ዕለተ ነጻነት ኣይንዝክርን ዝብል ተሪር ግን ብናይ ሓባር ድምጺ ክብርዕን ኣለዎ። 24 ግንቦት ህያብ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነትን ስውኣትን’ያ። መኽበቲት ናይ’ቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኻየደ ዝተናወሐ ቃልሲ ዝኾነት ክብርቲ ዕለት’ያ። ብንጹህ ሕልና ‘ምበር ገንዘብ ኣኪብካ ብምስካር ኣይትዝከርን። ከምኡ ምግባር ነታ ረዛን ዕለት ምብካል’ዩ። ብፍላይ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ፍሉይ ኩነታት ትጽንበል ስለ ዘላ፡ ህግደፍ ብዝገብሮ መጸዋዕታን ዘዳለዎም ጭርሖታትን እናተመራሕካ ዘይኮነ፡ ብሰንጠቕ ነዚ ደመኛ ጸላኢ ብምኹናንን ብምቅላዕን ህግደፍ ዝወገደሉ ስትራተጅን ስልትን ከኣ ብምርቃቕን ኣብ ዘዝጥዕመና ቦታን ኩነታት ብምሉእ ሕልና ክንዝክራ ኣለናን ይግባእን። ስለምንታይ’ሲ ነጻነት ንምምጻእ ዋጋ ንዝኸፈለ ህዝቢ፡ ዕለተ ነጻነት ንምኽባር ገንዘብ ክኸፍል ምስግዳድ ገበን’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 06-05-2019