ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ንምርካብ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ቃልሲ ተኻይዱ። ብዙሕ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ ተኸፊሉ። ካብ’ቲ ጠለባት ሓደ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ብሓይልን ብሕግን ብዘተኣማምን መልሲ ረኺቡ። ሕቶ ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰል ግን፡ ገና ኣይተመለሰን።

እዚ ሕቶ’ዚ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ክምለስ እንከሎ ሽዑ ንሽዑ ብተሳትፎ ምሉእ ህዝቢ፡ ናይ ፖለቲካ፣ ሕጊ፣ ቁጠባ፣ ዲፕሎማሲ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ወተሃደራዊ ሞያተኛታት፡ ምርምራዊ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሃብቲሙ፡ ትካላዊ ተሓታትነት ብዘለዎ ስትራተጅን ፖሊስን ተቐሪጹ ናይ ተግባር መደባት ድማ ወጺእሉ ክብገስ ዝነበሮ መሰረታዊ ዛዕባ’ዩ። ህዝባዊ ልኡላውነትን ህዝባዊ ውሳኔን ማእከሉ ገይሩ ዝሰርሕ ደሞክራስያዊ ትካላት ክህሉ ስለ ዘይተደልየ ግን ከም ጅማሮ’ውን የለን።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ 20 ሰነ 1991 ዝተዛረቦ ቃል ብቓሉ ምዝካር ጽቡቕ’ዩ። “እቲ ዝድለ ሃገራዊ ነጻነት ምምጻእ’ዩ። ንሱ ከኣ ብህዝባዊ ግንባር ተመሊሱ ኣሎ። ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይህሉን። ኣይፍቀድን። እንተደልዮም ከም ውልቀ ሰባት ናብ ሃገሮም ክኣትው ይኽእሉ’ዮም” ዝብል’ዩ ነይሩ።እዚ መልእኽቲ’ዚ ብመሰረታዊ ትሕዝቶኡ ናብ’ተን መሬታዊ ነጻነት ጥራሕ እኹል ኣይኮነን።

ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረን ብዘይኣድልዎን ዘመሓድር ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ኣለዎ። ብክኢላታት ተነዲፉ ብነጻን ምሉእን ተሳትፎ ህዝቢ ብክትዕ በሲሉን ብወከልቲ ህዝቢ ዝጽደቐ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ክህልወና ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ዝነበረን ፖለቲካዊ ውድባት ዘነጻጸረ ኣይነበረን። ናብ’ቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ፡ ዜጋታት ድማ ንስለኡ ክብሉ ዕድመ ንእስነቶም ዝወድእሉ፣ ዝደመይሉ፣ ኣካሎም ዝጎደልሉ፣ ክቡር ህይወቶም ድማ ዝገበርሉ ቀዳማይን መሰረታውን ሕቶ ክብረት ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ንምጭፍላቕ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።

ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይንፈቅድን ማለት፡ ናብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይኮነ፡ ናብ ህዝቢ ዘቕነዐ ሓደገኛ ኣረኣእያ ምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ዘይኮናስ፡ ንባህርን ተግባርን ናይ ሎሚ መሪሕነት ህግደፍ ቀርባ ኣፍልጦ ዝነበሮም ምሁራትን ለባማትን “ ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነይሕድረኒ” ከም ዝተባህለ እዚ መልእኽቲ’ዚ ጥዕና ዘለዎ ኣይኮነን። ነጸብራቕ ውሽጣዊ ምልካዊ ኣረኣእያን ዳግመ መግዛእታዊ ሕልምን ዝሕብር፡ ደወል ኲናት’ዩ ክብሉ ስኽፍታኦም ገሊጾም ነይሮም’ዮም።

ነዚ ርሑቕ ዝጠመተ ሃናጺ ሓሳብ ሰሚዑ ነብሱ ዝፍትሽ ዝመራመር ኣዝዩ ውሑድ፤ብንቕሓትን ኣፍልጦን ዘይኮነ፡ ብስምዒት ብእግረ መንገዳዊ ውሳነ እቲ ዝድለ ሃገራዊ ነጻነት’ዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ብመስዋእቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መጺኡ ኣሎ። ነዛ ንእሽቶ ሃገረ ኤርትራን ውሑድ ህዝባን ዘይኮነ፡ ዓለም ክመርሕ ዝኽእል ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ፡ ምሁር፡ ገዲም፡ በሊሕ፡ ተባዕ፡ መራሒ ወዲ ኣፎም ኣሎ። እዚ ህዝቢ እዛ ሃገር ንወዲ ኣፈወርቂ ምርካብ ዕድል’ዩ። ሕጂ ደሞክራሲ’ዶ ሕጊ’ዶ ዝበሃል ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢና። ሃገር መጺኣ ኣላ። ኲናት ተዓጽዩ ኣሎ። ካብ ወዲ ኣፈወርቂ ንላዕሊ ብቑዕን ሓላዪ ህዝቡን ዝኾነ ሰብ ክርከብ ኣይከኣልን። ከም ደስ ዝበሎ ይምረሓና ዝብል ተረድኦ ናይ ዝበዝሑ ሰባት ርእይቶን ገዛእን ነይሩ።

እዚ ኣረዲእካዮ ዘይርዳእ ንጸሊም ጻዕዳ’ዩ እናበለ ዝጋልብ ድሑር ኣተሓሳስባ’ዚ ምስ ዕድመ ብረታዊ ተጋድሎን ዝተኸፍለ መስዋእትን ዘይኸይድ ውዱቕ ርእይቶ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዋጋ ኣኽፊሉና’ዩ። ፖለቲካዊ ባህሪና ግርጭታት ናይ ምፍታሕን ህዝቢ ናይ ምምሕዳርን ዓቕምና ፈትሹናን ኣቃሊዑናን’ዩ። ከም’ዚ ሕጂ ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ናይ ምልኪ መትከል እግሪ ኮይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ፋሽሽታዊ ተግባራት ግዳማዊ መግዛእቲ እናጸብጸበ፡ ዘቤታዊ ምልኪ ብክለተ እግሩ ረጊጹ ክነግስ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ’ዩ። ግዳማዊ ‘ምበር ወዲ ሃገር፡ ጸረ-ሰላም፣ ጸረ-ህዝቢ፣ ጸረ-ደሞክራስያዊ፣ ጸረ-ፍትሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘይግንዘብን ተነጊርዎ ዘይቅበልን ብስምዒት ዝሰኸረ ኣተሓሳስባ ልዕልነት ሒዙ ስለ ዝነበረ ደርባዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ እንታይ ይኹን እንታይ ብዘየገድስ፡ መሪሑ ሃገራዊ ነጻነት ዘምጸአ ውድብ ስለ ዝኾነ ህዝባዊ’ዩ። ደሞክራስያዊ’ዩ። ሕጋዊ’ዩ። ንሕና ንዕኡ ንፈልጥ ንዕኡ ድማ ንኣምን ዝብል ብሃውሪ ዝተወነነ እምነት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኣፍልጦ ዝተሰረተ ቅኑዕ ርእይቶ ይህጀም ይህደን ነይሩ። ብትሕዝቶን ኣብ ክፉት መድረኽን ዘይኮነ ብሃውርን ቤላቤሎን ወነንቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ርእይቶ ስሞም ይጥፍእ ተነጺሎም ክህረሙ ይግበር ነይሩ።

ንምሉእ መሰልን ክብረትን ዋጋ ዝኸፈልካ ክቡርን ሓርበኛን ህዝቢ ኢኻ’ሞ ናይ ነብስኻን ሃገርካን ወናኒ ኩን። ብዘይትፈልጦ ፖሊሲ ኣይትመራሕ። ዘይመረጽካዮን ዘይህዝባውን መራሒ ኣይትወድስ፡ ኣይትማእዘዝ። መምዘኒኻ መምርሒኻ ብግቡእ ትፈልጦን ዝኣመንካሉን ይኹን። ንዘይውክለካ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ኣይትደግፍ። ብድኻምካ ብመስዋእትኻ ከይትጠዓስ፡ ፍረ ዓወትካ ብተግባር ከተስተማቕር ኣብ ዙርያ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ተሰለፍ ንዝብል ኣስተምህሮ፡ ብምንዓቕ ምንሻው ካብ ባህሪያዊ ሕጊ ወጻኢ “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል መዝሙር ተጀሚሩ።

መሰል ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ዘኽብር ዘይኮነ፡ ዝዕፍን በይናዊ ህግደፋዊ ሕግታት ክወጽእ እንከሎ፡ ስለምንታይ? ብኸመይ? በየናይ ሕጋዊ መስርሕ? ንመን ዝጠቕም? ንመን’ከ ይጎድእ? ብግቡእ ከይተረደአካ መንግስቲ ኣውጁ ወይ መምርሒ ኣውጺኡ ኢልካ ከም ዘለዎ ምቕባል፡ ተቐቢልካ ምትግባር፡ መበገሲኡ ብወግዒ ዘይፍለጥ፡ እከለ ተተናዂሉና፡ ተኲሱልና፡ ብናይ 30 ዓመት ኲናትን ስውኣትን ስብከት ዝተዓጀበ ንልኡላውነትካ ተለዓል ተበገስ ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒ፡ እሞ ትእዛዝ መንግስቲ እንድዩ ሃገር እንድያ ብዝብል የዋህ ኣገንዝቦ ዳግማይ ዘይምለስ ሰብኣውን ነዋታውን ክሳራ ክበጽሕ ጸኒሑ።

እንታይ’ዩ እቲ ከምኡ ዝገበረ ከይፈለጥካ ተበገስ እንክትበሃል ምብጋስ፡ ተኩስ እንክትበሃል ምትኳስ፡ ትም በል እንክትበሃል ትም ምባል፡ ሕሱም ናብራ ተጸመም እንክትበሃል ምጽማም፡ ብባርነት ኣገልግል እንክትበሃል ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ምፍጻም፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ከም ዘይመሓየሽ ዘይስረዝ ሕጊ ተፈጥሮ ተቐቢሎም ክኸዱ ጸኒሖም።

ኣብ ፖለቲካ ክንድዚ ዝኸውን ዋጋ ትኸፍለሉ፡ ንብዙሓትን ውጹዓትን ዝጠቅም ትፈልጦን ትኣምነሉን ዝተነጸረ ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ መስመር ምስ ዝኸውን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ከኣ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣስታት 28 ዓመት ዝሰማዕናዮን ዝረኣናዮን ፖለቲካዊ መግለጺታትን ንጥፈታት ግን ብኣንጻሩ’ዩ፡፡ ናይ “ጊላን ጎይታን” ህይወት ‘ምበር፡ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ክረአ ዝግበኦ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር የለን። ዝተቐርጸ ስትራተጂን ፖሊስን የለን። ኣብ ቦታ’ዚ ኩሉ መሰረታዊ ብኩራት ግን ኣብ ሓደ ገባሪ ሓዳጊ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እምነት ምግባር ጥራሕ ዘይኮነ ኣምልኾ ተራእዩ። እቲ ኣብ ኩሎም ህዝብታትን ሃገራትን ዝስረሓሉ ሃገርና በየናይ ፖለቲካዊ ኣንፈት እንተኸደት ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ተረጋግጽ ኣብ ዝብል ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ዘነጽር፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ወይ ፍሕፍሕ ኣብ ዘይብሉ፡ ህልውን መጻእን ዕድል ሚሊዮናት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ተሓታትነት ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ክወድቕ ኮይኑ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መጋበርያኡ ስማዊ ውድብ ህግደፍን ብኣፍልጦ ብመደብ ንዝሓዝዎ፡ ሓድነት ዘሪግካ፡ ኣተፋኒንካ፡ ኣድኪኻን ኣምበርኪኽካ ናይ ምግዛእ ውጥን ምንባብ ዝተሳእኖም ብዙሓት ወገናት፡ ኢሳያስ ካብ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ዝሓሸ ኮይኑ ክመጽኦም፡ ካብ ቀታሊ ምሕረት እናተተስፈው፡ ብስመ ልኡላውነት ሃገር፡ ፖለቲካዊ መስመር ዘይኮነ ውልቀ ሰብ ኣሚኖም ገዛእ ርእሶም ክሃርሙ ክሳቐዩ ጸኒሖም።

ሎሚ ግን ኣብ’ቶም ካብ ምድሪ ኤርትራ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ ዝርከቡ ዜጋታትን ማሕበራዊ ውዳቤታትን ቅድም ክብል ካብ ዝነበረ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ጠባይ የንጸባርቑ ኣለው። ስቕታ ይስበር ኣሎ። ፍርሒ ይቕንጠጥ ኣሎ። መሰለይ መሰልና ዝብል ድምጺ ብዓውታ ይስማዕ ኣሎ። ብዋጋ ባርነታዊ ሕልፈቱ ንኻልኦት ከኽብር ከንግስ ከምልኽ ከም ዝጸንሐ ብጣዕሳ “ ዋይ ኣነ” ክብል ምረቱ ይገልጽ ኣሎ። ዘቤታዊ መልኪ እግሪ ተኺሉ ናይ ጭፍጨፋን ዓፈናን መሓውሩ ከይዘርገሐ ክተሓዝ ዝነበሮ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ሕጂ ይቀላቐል ኣሎ።

ኣብ ማይ ቤት ህግደፍ ዘይእውጅ ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረት ዝገበረ ናይ ረብሓን ኣረኣእያን ፍልልይ ጎሊሑ ይወጽእ ኣሎ። ኣብዘሓ ህዝቢ ንኢሳያስን መጋበርያኡ ህግደፍን ኣሚኑ መንገዲ ፖለቲካዊ ነብስ ቅትለት ተኸቲሉ ክኸይድ ምጽንሑ፡ መሰረታዊ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ኣሚኑ “ ዝፈሰሰ ማይ ኣይሓፈስን” ብዝብል ጣዕሳኡ ተጻዊቱልና ብዝብል የገልጽ ኣሎ። ኢሳያስን መጋበርያኡ ህግደፍን ካብ ሎሚ ንደሓር ዝበሉ እንተበሉ ኣይኮነን ክእመኑ ክስመዑ ከም ዘይብሎም። ነዊሕ ዕድመ ክጸንሑ ከምዘይግባእ። ዕምሮም ክሓጽር ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ህልውናና ክብርና ንምምላስ ክንቃለስ ኢና ዝብል ምረት ዝወለዶ ፖለቲካዊ ረስኒ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከብ።

ብውድዕነቶም ደገፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ትካል ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝርከቡ፡ ምስ ምሉእ ዕጥቖም ብባርነት ዘገልግሉ ዘለው እኩባት ሰብ ብረት ጠቕሞም፡ ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረቶም ከለል’ዩ ጀሚሮም ኣለው። ታሕተዎት መኮነናትን ተራ ወተሃደራትን ናብ ዝበዝሐን ዝተወጸዐን ህዝቢ ይውግኑ ኣለው። ምስ ህዝቢ ኣፍ ንኣፍ ተዋሂቦም ካብ’ዚ ዘለናዮ ባርነታዊ ህይወት ሓራ ንምውጻእ እንታይ ክንገብር ኣለና ምጥርጣር ወጊድ ኢሎም ብምትእምማን ይዘራረቡ ኣለው። ማእከሎት መኮነናት ማእከለይ መርግርጽ የንጸባርቑ ኣለው። ላዕለዎት መኮነናት፡ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርትን ዝርከብዎ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኢሳያስ ወይ ሞት ይብሉ ኣለው።

እዚ ከም’ዚ ዓይነት ዘይእውጅ ፖለቲካዊ ፍልልይ ነቲ ብጉልባብ ነጻነት ልኡላውነት ቅጥዒ ስኢኑ ተደዋዊሱ፡ መን ነየናይ ደርባዊ ማሕበራዊ ሓይሊ ይውክል፡ መን ናይ የማን ኣረኣእያ ኣለዎ፡ መን’ከ ናይ ጸጋም ኣረኣእያ ሒዙ ኣሎ ንምፍላዩ ብዘጸግም ተደዋዊሱ፡ መፍቶ ኢሳያስን መጋበርያኡ ህግደፍ ገይሩና ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ንጹር ቅርጺ ክህልዎ ዝገብር’ዩ። ዋላ’ኳ ነዊሕ ግዜ ብምውሳዱን ብዙሕ ዋጋ ስለ ዘኽፈለናን ንፖለቲካዊ ንቕሓትናን ብቕዓትናን ብዘይንሓፍነት ኣምሪርና ክነቕፎ ዝግባእ እንተኾነ፡ ሕጂ ንቡር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ መልክዕ ክሕዝ ምጅማሩ ግን ብኣወንታ ተቐቢልና፡ ዝጎደሎ እናመላእና ንቕድሚት ክንደፍኦ መተካእታ ኣልቦ’ዩ።

ሃገር ቅድሚ ኩሉ፡ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ፡ መኸተ፡ ብደሆ፡ ንሕና ንሱ ብወገን ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ኣነ ህዝቢ’የ፡ ኣነ ደላዩ ፍትሒ’የ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ፡ ዳውን ዳውን ኢሳያስ፣ ቅዋም ይተግበር፣ እሱራት ይፈትሑ፡ ደረት ኣልቦ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ይውረድ፡ ይኣክል …ወዘተ ዝብል ጻውዒት ብወገን ደምበ ተቓውሞ ሕድሕዱ ዝላተም፡ መን እንታይ ይብል ኣሎ ንምልላዩ ዘጸግም ሓንፈጽ ርእይቶ ብምጽንሑ ሓደ ካብ ዕንቅፋት ናይ ለውጢ ዝኾነና ንሱ’ዩ።

ስለዚ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብመንጽር ዝውክልዎ ማሕበራዊ ሓይልን ዝምርሕሉ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ካብ ብስምዒት ወይ ብሃውሪ ምድጋፍ ወይ ምኹናን ብስነ-ፍልጠት ክንጸር መን ምስ መን ዕላማኡ ፈሊጡን ተፋሊጡን ክቃለስ ባይታ ዝፈጥር ስለ ዝኾነ፡ ንዝፈላልየና ኣመሓዲርና፡ ኣብ ዘረኽበና ሓቢርናን ተኸባቢርናን ብምስራሕ ዕለተ ዓወትና ዘቃላጥፍ ብምዃኑ ሓንጎጎፋይ ኢልና ክንቅበሎ ዘለና’ዩ።

ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሉ፡ ዜጋ ሃገር ዝብል ሸፋጢ ኣካይዳ ንተበለጽቲ ጥራሕ’ዩ ዘገልግል። እቲ ዝተዘርገ ኣረኣእያ፡ ብተግባር መዘውር ፖለቲካውን ቁጠባውን ሃገር ተቖጻጺሩ ብመንገዲ ጥፍኣት ንዝሃልል ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ከገልግል ጸኒሑ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ንዕዘቦ ዘለና ህዝባዊ ቁጠዐ ግን ካብ’ቲ ቅድሚ ክብል ዝነበረ ካብ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ሃዲምካ ተመሊስካ ንቐታሊኻ ምድጋፍ፤ ሃገረይ ኣይጸላእኩን እናበልካ ንጸላኢኻ ምምጋብ ምግልጋል፣ ህግደፍ ሃገራዊ’ዩ ናይ ግዳም ስርዓት ኣይኮነን። ክምከር ደኣምበር ክኹነን ክህረም የብሉን ዝብል ዝብርቕርቕ ዝበለ ኣንፈት ንምትሓዙ ዘጸግም ኩነታት፡ ዝተፈልየን ብመንጽር ፖለቲካዊ ደርባዊ ኣሰላልፋ ክስፈር ዝኽእል፡ ናተይን ዘይናተይን ዝብል መባእታ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝኾነ፡ ተስፋ ዝህብ ናይ ብሓቂ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ’ዩ።

ህዝቢ እዚ መንግስቲ’ዚ ኣይናተይ ኣይፈልጦን ከልግስ ኣለዎ ኣብ ዝብል እንተበጺሑ፡ ታሕተዎት መኮነናት ረብሓና ምስ ኣብዘሓ ህዝብና ክብሉ እንተጀሚሮም፣ ላዕለዎት መኮነናት፣ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርትን ካልኦትን ካብ ንሕልናኦም ንኸብዶም ኣቐዲሞም ኢሳያስ ወይ ሞት ኢሎም ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረቶም እንተፈልዮም፡ እዚ መድረኽ’ዚ ኣንጻር ምልኪ ንዝግበር ቃልሲ ምቹእ ምህላው’ዩ ዘመልክት።

ምኽንያቱ ገጢሙና ዘሎ ባህሪያዊ ሓደጋ ዘይኮነ ሰብ ኣምጸኦ ፖለቲካዊ ጭቆና’ዩ። እቲ ጨቋኒ ከኣ ግዳማዊ ዘይኮነ፡ ካብ ኣብራኽ ህዝብታት ኤርትራ ዝወጽአ፡ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ተጋድሎ ንሃገራዊ ነጻነት ሓርበኛዊ ተራ ዝነበሮ፡ ዘቤታዊ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ከምቲ ናይ ትማሊ ጸላኢ ኩሎም ህዝብታት ኤርትራ’ዩ ኢልካ ትገልጾ ኣይኮነን። ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ንምርግጋጽ ኣንጻር ዘቤታዊ ገዛኢ ዝግበር ቃልሲ ብባህሪኡ ዝተሓላለኸ ኣረኣእያታት ዘለዎ’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ደስ ዝበሎ ዝውስስን ዝተወሰነሉ ዝፍጽምን። ካብ ሃገራዊ ጸጋታት ብሓለፋ ዝጥቀምን መሰሉ ዝተሓረመን። በረኣእያ ደረጃ ጸገማዊ ወይ የማናዊ፡ ደጋፍን ተቓዋምን፡ ፈታውን ጸላእን …ወዘተ ፍልልያት ዝረኣየሉ’ዩ።

ስለዚ ንኸም’ዚ ዝበለ ወጻዕን ተወጻዕን፣ ገፋዕን ተገፋዕን፣ በላዕን ረኣይን፣ ብዕለታዊ ተግባሩን ኣካሉን ዘይኮነ ብደርባዊ ባህሪኡ ኢኻ ትሰፍሮን ትፈልዮን። ናይ ኣየናይ ማሕበራዊ ሓይሊ ወኪል’ዩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ዲፕሎማስያዊ መዳያት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ይመስል ፈሊጥካን ኣብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ግቡእ ቦትኡ ኣቐሚጥካን ክትቃለሶ እንከለኻ’ዩ ብሩህን ዝቐለለን ግጥሚያ ዝኸውን።

ደምበ ጸላእን ደምበ ፈታውን ብንቕሓት ተረዲእና እንተዘይተቓሊስና፡ ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ ዝብልን ኣይኮነን ፈታዊ’ባ ዝብልን ዘይነጸረ መርገጽ ንቕርቀር እንተደኣ ኮይና፣ ኣብ ህግደፍ ላዕለዎት፡ ማእከሎትን ታሕተዎን ቀጸላታት ከም ዘለው፡ እቲ ላዕለዋይ ቀጸላ ብዘይካ ብዝርደኦ ቋንቋ ሃሪምካ ብምኽሪ ስልጣኑ ክሳብ ፍጹም ስዕረቱ ፈትዩ ዘይለቅቕ ምዃኑ፡ ማእእከሎት ሓይሊ ሚዛን ሪኦም ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ናይ ምባል ባህሪ ከም ዘለዎም፡ ታሕተዎት ኣካል ኣምሳል ኣብዘሓ ህዝብታት ኤርትራ ኮይኖም ካብ ስርዓተ ምልኪ ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክሰግሩ ከም ዝደልዩን ዝተረደአ ቃልሲ ምክያድ መግለጺ መልክዕ ዘለዎ ብሱል ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዩ። እዚ ኣብ ማይ ቤት ህግደፍ ብዘይ እውጅ ኣገባብ ዝረአ ዘሎ ብደረባዊ ኣረኣእያን ደርባዊ ረብሓን ምፍልላይ፡ ምስ’ቲ ኣብ ደገ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ኣብ’ዚ ወርሓት’ዚ “ይኣክል” ብዝብል ዝረአ ዘሎ ናይ ቃልሲ ረስንን በረኣእያን ተግባርን ተኣሳሲሩ ዝሰርሓሉ ኣንፈት እንተተፈጢሩ ዕለተ ዓወትና ብርግጽ ኣብ ቀረባ ርሕቀትና’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 08-04-2019