ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክነግስ

ንኢሰያስን ጭፍርኡን ክነልግስ

ብዘይ ወዓል ሕደር ንበል ብግስ‘‘

ኣንጊሆም ህግደፋዊያን እንበር

መን ከዲዑ ንህዝቢ ንሃገር

ዓገብ ዘይብሉ እንዳለ ንደመር‘‘

 ወደባት ዓፋር እንዳ ተሳቐየ

ሃብትና ከማስሖ እንዳ ተጓየየ

ኢደይ ኢድካ ኢልና ንእለዮ ሃየ‘‘

ብህዝቢ ኤርትራን ደቁን እንበር,

ብጉጅለ ኢሰያስ መዓስ ወጊሑ

ጭፍራ ህግደፍ ኣይትጋሕግሑ‘‘

ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 30 ዓመት ኣብቂዑ

ናይ ሐርነት ቃልሲና ውን ኣብ 30 ሽዑ

ክዛዘም እዩ ንባርነት ንጸላምን ብሳሲዑ‘‘

መንዩ ንኤርትራዊያን ዝገፍዔ

ን29 ዓመት ዝርንዝሕ ዝነብዔ

ብተወሊጀ በዚሑና ኣሎ ብደዔ‘‘

ንተቃውሞ ደንበ ኣዳኺምናዮ ኢልካስ,ጀ

እንታይ ከይከውን ንትግራየይ ሒዘ,ወዳጀ

ንመሰልኩም ብግቡእ ተጠቐምሉ ተወሊጀ

ኣይትበሉ እንታይ ከይከውን ንኢሰያስ ሒዘ

ኣብ እንዳበይ ተዓገስ ወይ ዓዲኹልና ከይገዓዘ

ወይ ተጋሩ ኩኑ ወይ ኤርትራዊያን ከሎ ግዜ‘‘

ንኤርትራውነትና መንዩ ዝሐኮ

ደቀባት ኣብ ቃልሲ ታሪኽ ኣለና እኮ

ንሕና ንህግደፍ ንወያነ መዓስ ነምልኮ

ዝሞተ መዓስ ይዛረብ ባኮ ርእስኻ ሕኸኮ‘‘

እንዳ ረኤና ሒዙና ጋህሚ

ኤርትራዊያን ኮና መዛረቢ

ብተወልጀ ይጸንት ኣሎ ህዝቢ

ተጋላጊልና ካብ ሕልሚ ሕጂ

ምውሳን የድልየና ኣሎ ሎሚ‘‘

ብሕጂ ተወሊጀ ኣይመርሕን ወደባት እንበር

ንህዝቢ ኤርትራ ክበታትን ከይደቀሰ ዝሐድር

ንልእላውነትና ናብ ሐደጋ ከውድቅ ሐዊ ዝጽሕትር

ያኣክል ደለይቲ ፍትሒ ኢና ክንብል ኣይንንበር‘‘

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመት ተቃሊሱ

ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ብደሙ ደምሲሱ

ንሕልሚ ኣንድነታዊያን ዳግማይ ኣንጊሱ‘‘

ከም ናይ ሱሳታት ሰብዓታት ንቅሎ

ተባዕ ጎስጓስ ሕጂ የድልየና ኣሎ

ንህዝብና ኣብ ውሽጢ ኣቲና ክነላዓዕሎ

ንስለያዊ ትካላቱ ወስ እንተይሉ ክንክንብሎ

ኢሰያስ መፍተት ኣዛብእ ጎዶቦ ከገበረና ከሎ

ንዳሎ ንሐርነት ዋጋ እዩ ዝኽፈሎ‘‘

ማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ዲክታቶር

ብዘረባ ኣይፈርስንዩ ብግብሪ እንበር

ዘረባ ገዲፍና ናብ ስርሕ ንሳጋገር‘‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።