ስርሒት ፎርቶ 8ይ ዓመቱ ሎሚ

ፍረ ነጻነትና ሐርነት ኮይኑ ሕልሚ

ብዋጋ ደምና ንውሑዳት ጠቕሚ

ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ተጠቃሚ

ንሰሐቕ ኢሰያስ ብክያት ዩ ዝዛዘሚ’’

(ትም ምበልና ሞ ንመን ክሕሾ)

እንተ ዘይትጉንጸኒ መን መውደቐኒ

ሐቂ ሒዘ ክገጥም ሕድሪ ጀጋኑ ኣለኒ

ንሐቂ ክደፍን ኣይኮኑን ሕድሪ ዝሃቡኒ’’

ህግደፍ እሾኽ ኳዂቶ ኮይኖምና

ንነጻነት ን30 ዓመት ፈሲሱ ደምና

ሕጊ ኣልቦ ምስ ኮነት ኤርትራ ሃገርና

ንሐርነት ክንቃለስ 2ይ 30 ረጊጽና’’

ናይ ፓልቶክን ናይ ፌስቡክን ጀጋኑ

ንምክልኻል ሐይልታት ካብ ትኹንኑ

ትማሊ ምስ ወያነ ንደቀባት ዝበተኑ

ነቶም ሎሚ ድማ ስም ኣቢዩ ዝወገኑ

ንሃንደስቲ ጽልኢ ጃንዳ ህግደፍ ኮኑኑ’’

ኢድ ሸናሒት ጸናሒት

ክልተ መራሕቲ ውዲት

ንኢሰያስ ከም ናይ ስብሐት

ከምኣ እያ ናትካ ትጽቢት’’

(ትም ምበልና ሞ ንመን ክሕሾ)

ንኣቢዪ ኣሕመድ ሒዙ ወፊሩ

ካብቶም ምስኡ ኪዳን ዝኣሰሩ

ኢሰያስ ነይኡ ስብሐት ኣእሲሩ’’

ተዳናገጽቲ ህወሐት

ከም ኢሰያስ ውዲት

ተረኺቡ ንቕሐት’’

ስነ ጥበባዊ ምሕረተኣብ እንታይ በደለ

ዘረግቲ ስኒት መራሕት ክልተ ጉጅለ

ህወሐት ካብ ህግደፍ ብምንታይ ይፍለ

ንተቓወምቲ ክይሳነ ንዓመታት ዝፈላለ’’

(ትም ምበልና ሞ ንመን ክሕሾ)

ሕማም ደሐር ካዂቶ ሐጋይ

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካሕዳይ

ተታሐሒዝዎ ንህዝብና ምድማይ

ህዝቢ ኤርትራ ን29 ዓመት ግዳይ’’

ኣስላም ክስታን ኣይንፋላለን እንቢ

ኣብ ኤርትራዊያን ክፈጥር ናዕቢ

ኤርትራ ኣፍ ኣውጺእኪ ተዛረቢ

ዮሴፍ ገብሪሂወት ከዳናግር ንህዝቢ

ኣንፈቱ ከስሕቶ ንትግርኛ ተዛራቢ’’

ሕጂ ውን ናትና ንግበር

ቅኑዕ መንገዲ ንሐብር

ብደቃ ያ ትድሕን ሃገር’’

(ትም ምበልና ሞ ንመን ክሕሾ)

ኤርትራዊያን ንዳሎ ንዳሎ ንዳሎ

ኤርትራዊያን ዓይንና ቋሕ ነብሎ

ንጥፍኣትና ውዲትዩ ዝእለም ዘሎ

ሐጽቢ ኮና ንውሕጅ ደው ክነብሎ’’

ዓለም ከባብ ያ ከም ኩዑሶ

ንጉጅለ ህግደፍ ሕማም ዓሶ

ኢደይ ኢድካ ኢልና ክነፍርሶ

ኒሕን ሐቦን ናብ ቦቱኡ ንምለሶ’’

ኤርትራዊ ምዃንካ እንታዩ ምልክትካ

ወደባት ኣስላማይ ክስታናይ ሐቢርካ

ኣብ መዓዲ ሸሞንተ ኮፍ ምስ በልካ

ብመሳዋእቲ ኣራጋጊጽካዮ ልእላውነትካ

ንሕን ሐቦን ጀጋኑ ኣይወረስካዮን ዲኻ’’

(ትም ምበልና ሞ ንመን ክሕሾ)

ፋስ ኣይሳሐልን ዩ ብዘይ መብረድ

ሐቂ እንተሎ ሃየ ኣብ ባይታ ንውረድ

ሰኣን ቁምጣ ዓጢቕካ ሐኒቕካ ምውራድ

ብዘይ ድልየቱዩ ናብ ውግእ ክኣቱ ዝግደድ

ብማዕዶ ንምክልኻል ሐይልታት ኣይንፍረድ’’

(ትም ምበልና ሞ ንመን ክሕሾ)

ደቂሱ ኢልኩም ኣይተላግጹ

ዝደቀሰ ኣንበሳ ዓጽሚ መወጹ

ንህወሐት ምድሕን ኤርትራ ኣይትገልጹ

ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ እዮም ክቃበጹ

ለውጢ ኤርትራ ብኤርትራዊያን ኣድምጹ’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ካብ ሰናይ ግርብትና ዝምነ‘‘ኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።