ብጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ብታሪኻዊት መስከረም ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ እንዳ ተዘከረት ትበር።
ንታሪኻዊት ሐደ መስከረም ኣብ መበለ 64 ዓመታ
ብሽም ጀጋኑ ሰማእታት ብልሳን ውጹዓት መጸዋዕታ
ከምቲ ጅግንነት ጎቦ ኣዳል ንመግዛእቲ ህግደፍ እንቢ
ባርነት ህግደፍ ብሐርነት ክዛዘም ቅሳነት ክረክብ ህዝቢ፣
ኤረና ኣብ ታሪኻዊት መስከረም ሐባሪ መንገዲ
ጅግና ከም ስዉእ ሐምዲ እድሪስ ዓዋተ ውለዲ
ጅግና ክንዲ ሽሕ ንህዝቢ ኣዋሃሂዱ ዘእቱ ንዓዲ፣
ብሉኡኽ ኣስራተ ካስ ኢሰያስ ሎኽመኛ
ስምረት እንዳ ጨራሕና ብውዲት በቲኑና
ካብ 66 ክሳብ ሎሚ ይደሚ ኣሎ ንህዝብና፣
ደቂ ኤረይ ብስኒት ሻማ ሻማ
ተባራበሩ ደቂ ሔማ ደቂ ስኬማ
ኤረና ብከም ጅግና ስዉእ ዓዋተዩ
ብክንዲ ሽሕ እዩ ዝፍታሕ ጸገማ፣
ናይ እቶም ክቡር ሂወቶም ዝሃቡዋ
ንኤርትራ ሃገርና ምስ ህዝባ ክርህዋ
ተጠሊሙ ናይ ጀጋኑ ሱዉኣት ለበዋ፣
ሕድሪ ሰማእታትና ብኣጋ ነሕድሶ
ንጉጅለ ህግደፍ ብስኒት ክንፍድሶ
ክብሪታትና ናብ ንብር ክንመልሶ፣
እዚ ኩሉ ደም ዕሸላት ጀጋኑና ፈሲሱ
ብህግደፋዉያን ሕልና ኣሎቦ ንሕና ንሱ
ክብርታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሃሲሱ፣
ከምቲ ናይ 91 ክትውላዕ ሽምዓ
ክነተግብሮ ጉያ ጉያ ንበል ብሻዓ
ኣደታት ክሳብ ማዓስ እየን ክነብዓ፣
መናውሒ ዕምሪ ህግድፍ ጉጅለይ ጉጅለኻ ንግደፎ
ህዝቢ ኤርትራ ያኣኽሎ ሽግርን መከራን ዝሐለፎ
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥልመት ዝፈጸመ መን ይንሕፎ፣
ከምቲ ሕማቕ ጓሳ
መፍተት ዝብኢ ምስ ኮና ጥሪቱ
ጥራይ ኢዱ በትሩ ሒዙ ንዓዲ ዝኣቱ
መልሐስ ጥራይ ስለ ዝኾና ተቃወምቱ
ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ተኻላቢቱ፣
ተቃወምቲ ብኣጋ ቀዳድኩም ለግቡ
ውሽጥኹም ፈትሹኩም ተላዘቡ
ህዝቢ ኤርትራ ክረክብ ዓስቡ፣
ለበዋ ጀጋኑ ካብ ፈላሚት ገድሊ ጎቦ ኣዳል
ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዓንተር ምዃን ያኣክል
ጸረ ህግደፍ ብውሽጥን ብደገን ክንቃባበል
ንዓመታ ንመስከረም ኣብ ዓድና ክነጸንብል፣
ብሽም ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ
የእዳው ደለይቲ ፍትሒ ስመራ፣
ህዝቢ ኤርትራ
ካብ ባርነት ህግደፍ ክኸውን ሐራ፣
ንውዲት ዝኣመሎም በዳሃዮም ኢኻ፣
ናትካ
መሲሎም ክሳብ ማዓስ ከታሉሉኻ፣
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ብበርሀ ዑቅባዝቢ ኣባል ተሐኤ ካብ ሃገር ጀርመን።