ኤርትርዊት ማሕዘል ክሳብ ማዓስ ክትብደል
ኤርትርዊት ማሕዘል
ክሳብ ማዓስ ክትብደል
ብሐርነት ክትጽንበል‘‘
ንከም ነፋሒቶ ሕብሩ ዝለዋውጥ
ካብ ያዕ በልዎ ያዕ ንበሎ ይሰልጥ
ንማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ክንልውጥ;;
ኣብ ባይታ ኣርክብ ንበል ሎምሲ
ከም ሱዳናዊታን ክንረክብ ፈውሲ
ንዲክታቶር ክንትክኦ ብዲሞክራሲ‘‘
ኣርዮስ ንሱዳን ጉያ
ውድባት ኤርትረያ
ኢዱ ኣይትምሕን እያ
መራሒ ጉጅለ ማፍያ
ከይቅድመክን ጉየያ‘‘
ናይ ኤርትራዊያን ርኢቶ
ኣብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ
ኮና ንጋኔን ክንምክቶ‘‘
ንዕላምኡ ከርዊ
ንጥፍኣት ኤርትራዊ
ዝደጎሎ ሐዊ
ኣብ ዝባንኩም ከሐዊ‘‘
መራሒ ህግደፍ
ከይረክብ ደገፍ
ከም በሺር ክግለፍ‘‘
ሕልንኡ ኩፉእ
ንኑጹሃት ከጥፍእ
ጋኔን ሐዊዩ ዝተፍእ‘‘
መራሒኦም ኮብራ
ኣማኸርቱ ኣትማን
ተንቤናይ ናይ ቀርኒ ጋኔን
ተጠንቀቑ በልዎም ንሱዳን
ከይከልኣኩም ምትእምማን‘‘
ሐጋዚኣ ዝረኣየት ባርያስ‘‘መዲዳ ትሐብእ ኣብዛ ዓለምና ክንደይ ኣሎ ሕልንኡ ክፉእ
ደላዪ ፍትሒ እየ እንዳበለ ንደላይ ፍትሒ ዝጸልእ‘‘
ንተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ፖሎኛ
ዋላ ምሳኹም እንተ ዘይወዓልና
Weiterlesen: ሐጋዚኣ ዝረኣየት ባርያስ‘‘መዲዳ ትሐብእ ኣብዛ ዓለምና ክንደይ ኣሎ ሕልንኡ ክፉእ
ኤርትራዊያን ደቀባት ደቂ ርስቲ ካብ ጥንቲ ነዘዝመጹ ወረርቲ ዝኸፈልና ረዚን መስዋእቲ‘‘
እታ ኤርትራዊት ዋዕሮ
ሐማደኤ ምስ ኮና ሃረምቲ ኮቦሮ
ብምሕደራ ጃንዳ ህግደፍ ዜሮ
ሩባ ወሪዳ ማይ ብዝባና ትጾሮ
Weiterlesen: ኤርትራዊያን ደቀባት ደቂ ርስቲ ካብ ጥንቲ ነዘዝመጹ ወረርቲ ዝኸፈልና ረዚን መስዋእቲ‘‘
ብግፋ ሃገር ጥራያ ኣትሪፎማ፡ ተቃውሞ ደንበ ድማ፡ዝደሐራ ዝቐደማ፡ክንዲ ዝግደማ፡ኣብ ኣዳራሻት ድራማ።
ቆሉዑ ከለና ከምዚ ንብል ነርና;
ኣመሪካኖ ፈይ ፈይ;ክሎ ሽኮር ንኣፈይ;
ምስ ጎበዝና;ኤርትራ ንኤርትራዊያን ጨሪሕና;
Weiterlesen: ብግፋ ሃገር ጥራያ ኣትሪፎማ፡ ተቃውሞ ደንበ ድማ፡ዝደሐራ ዝቐደማ፡ክንዲ ዝግደማ፡ኣብ ኣዳራሻት ድራማ።
ገመለይ ኣዉልዔይ ኣንበልቢላ;; ከይትብገስ ዕንቅፋት በዚሕዋ; እንበር እንተ ተበጊሳስ;
ንሳ እያ ከም ትማሊ ተምጽእ ራህዋ;;
ከምዚ ሕጂ ኣብ ሰብዓታት;ብኩዑሶ;ህዝቢ ብቲፎዞ ምስ ተባእሰ;ኣውራጃ ንኣውራጃ
Weiterlesen: ገመለይ ኣዉልዔይ ኣንበልቢላ;; ከይትብገስ ዕንቅፋት በዚሕዋ; እንበር እንተ ተበጊሳስ;
ካብ ጌጋና ተማሂርና ዶ እወ እንተኮይኑ ተዳሊና ዶ
እንታይ ደኣ በበይንኻ ኣጉዶ
ንሰላማዊ ስልፊ ዲሲ ዘሰንበዶ
ንኣርዮስ ኣውሪድና ዘይንፈርዶ;;
መለይ ኣንበልብሊ