- Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
- Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
- ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
- Eritrea is not a safe Country
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
- ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
- ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
- ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
- ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
- Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
- Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
- Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- ዮሃና ንመበል 50 ዓመት ወርቓዊ ኢዮቤልዩ: ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ
- Bill to deport Eritrean migrants who back regime passes preliminary Knesset reading
- National Dialogue for building democracy in Eritrea
We have 55 guests and no members online
ጋዜጣዊ መግለጺ
- Details
- Written by: UJC, UDC, ENSF-Hidri
ሓድነታዊ መግለጺ ናይ ሰለስተ ኣሓት ውድባት
ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከቢድ ኩሉ መዳያዊ ጸገም ኣትያ ከም ዘላ ዓለም ምሉእ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ዝዀነ ይኹን መባእታዊ ቀረብ ክረክብ ዘይተዓደለ፣ ፖለቲካ ንውሑዳት ኣካላት ጥራት ዝምልከት ኰይኑ ንኻልኦት ኤርትራውያን ገበን ዝዀነሉ፣ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ዘይተኸብረሉ፣ ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐነሉ፡ ብሕጽር ዝበለ ፍርሒ፡ ጥመት፡ ድንቁርና ወዘተ ዓብሊሎም ንህዝብና ከሳቕዩ ይርኣዩ ኣለዉ። ንሱ ከይኣክል እዚ ቋንቋ ውግእ ወረ ውግእ እምበር ቋንቋ ዲፕሎማሲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነጸብራቕ ውሽጣዊ ፖሊስኡ፣ ወግሐ ጸብሐ ነጋሪት ናይ ውግእ ኣዋጅ እንዳሃረመ ምስ ኩለን ዝዳወባና ሃገራት ውግእ ከፊቱ፣ ንህዝብና ኣብ ዘይረብሓሉ ውግኣት ክኣቱ ክስዋእን ክስንክል ክስደድን ክበታተንን ይርአ ኣሎ።
ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ መዓትን መከራን ሃገርና ከኣ መራሕቲ ጃንዳ ህግደፍ ምዃኖም ይፍለጥ። ጉጅለ ህግደፍ ብሕጊ ዘይኰነስ ብዊንታ ሓደ ሰብ ዝውሰን በብግዜኡ ዝወጽእ ኣዋጃት እዩ ንኤርትራ ዝመራሕ ዘሎ። ጉጅለ ህግደፍ ከይተኣለየ ዝዀነ ይኩን ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ ክኽበር፡ ቁጠባዊ ዕብየት ክዓቢ፡ ማሕበራዊ ጠለባት ህዝብና ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ብምዃኑ እቲ እንኮ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝዀነ ኩሉ ዓቕምናን ሓይልናን ኣንጻር ህግደፍ ዝጠመተ ክኸውን ይግባእ ዝብል እምነት ኣለና። ህዝብና ተደጋጋሚ ክጽውዖ ዝጸንሐ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ብምኻኑ፡ እቲ ብተናጸል ክነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ጽምኣት ሓርነት ሓፋሽ ህዝብና ዘርዊ ኮይኑ ብዘይምርካቡ፡ እነሆ ኣብዚ ዘለናዮ ፈታኒ መድረኽ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝምልስ ሓድነት ሰለስተ ውድባት ፈጺምና ንርከብ። ኣስማት ዝሰመራ ሰለስተ (3) ኣሓት ውድባት፡-
- ውድባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
- ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
- ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ
ካብ ዕለት 28 ለካቲት 2021 ጀሚረን ሰሚረን ሓደ ውድብ ከም ዝዀና ንመላእ ህዝብና ከነበስር ከለና ሓጎስ ይስመዓና። ህዝብና’ውን ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት ከም ዘሕጉሶ ንርዳእ። ስም ናይ’ዚ ዝሰመረ ውድብና ከኣ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ይበሃል። ናብ’ዚ ዕዉት ስምረት’ዚ ንኽንበጽሕ ዝሓገዙ ረቛሒታት ክንጠቅስ ኣገዳስነት ዘለዎ ይመስለና። ብመጀመርያ ነቲ ናይ ክድዓት መግለጺ ኢሳያይስ “ኣይከሰርናን”፡ “ሓደ ህዝቢ ኣይኰነን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ” ብምባሉ ሓያል ናይ ህዝብና ተቛውሞ ብሓደ ወገን፣ ብካልእ ወገን ድማ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ከም ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣዕሚቕና ክንሓስብ ከም ዘለናን ዝሓገዘናን ምዃኑ ክንጠቅስ ንደሊ። ቀጺሉ ኣብ ሚነሶታ ዝርከብ ናይ “ተምፖ ኣፍሪቕ” ትካል ንኹሎም ተቛውሞ ዓዲሙ ናይ ዘተ መኣዲ ምፍጣሩን ስልጡን ናይ ዘተ ምክያዱን ተራ ከም ዘለዎ ነመልክት። ስዒቡ ንቕሎ ኣዴታት ዝብል ምንቅስቓስ ዓቢ ተርኡ ከም ዘበርከተ ይፍለጥ። እዞም ዝተጠቕሱ ማዕረማዕረ እንዳሰርሑ ከለዉ ዋዕላ ሎንዶን ብምድላው ዝተገበረ መጸዋዕታን ምትብባዕን ኣገዳሲ ረቛሒ ነይሩ። እኩብ ድምር ናይ’ዞም ኩሎም ምንቅስቓሳት እቶም መራሕቲ ሰለስቲአን ውድባት ተራኺቦም ናይ ዘተ ሽማግለታት ብምቛም ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዘተ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ሎሚ ኣብ መደምደምታ በጺሑ ናይ ሓድነት ብስራቱ ይእውጅ ኣሎ። እቶም ነዚ ክዉን ንምግባር ዘበርከቱ ኣካልትና ምስጋናና ነቕርብ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና ነቕርቦም መጸዋዕታታት ከኣ ኣለዉና፡-
- ዝኸበርኩም ኣባላት ውድባትና ነዚ እንገብሮ ዘለና ተበግሶ ኣብ መዓርፎኡ ንኽበጽሕ ብዝገበርኩሞ ኣበርክቶ ምስጋና ይብጻሕኩም። ብዓቢ ሞራል ክሳብ ዓወት ክትከናኸንዎ ከኣ ንላቦ፣
- ዝሰመረ ውድብና፡ ኩሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስልጣን ዝገበተ፡ህዝብን ሃገርን ዘብርስ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ኣተሓስሳብኡን ንምእላይ ዘለና ዕቑር ሓይሊ ኣብ ነወሃህደሉን ነበራብረሉን ዘለናሉ እዋን፣ኩሉ መዳያዊ ዘይተቘጠበ ደገፍ ህዝብን ሲቪላዊ ማህበራት ኤርትራ ከይፍለየና ነማሕጽን፣
- መሓዙት ውድባትና ብሸነኾም ነዚ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ብምድጋፍ ክጽንበርዎን ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክወስዱን ነተባብዕ።
ህግደፍ ዝፍለጠሉ ቀንዲ ሕላገት ውግእን ዕንወትን ጥራይ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ጽምኢ ደም ኢሳያይስ ንምርዋይ ኣብ ዘይምልከቶም ውሽጣዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክቕዘፉ ንርኢ ኣለና። ነዝን ካልእን ኣመልኪቱ ዝሰመረ ውድብና ነዚ ዘለናዮ ተረኽቦታት ኣብ ትግራይን ካልእ ኣብ ግምት ብምውሳድ ዘቕርቦም ለበዋታትን ምሕጽንተታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-
- ነዚ ብጉጅለ ህግደፍ ተወሲዱ ዘሎ ምእታው ሰራዊት ኣብ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ዘሎ ሰባውን ንዋታውን ዕንወት ኣጥቢቑ ይኹንን፣
- ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ልዑላውነት ሃገርና ዝደፍር ስለ ዝዀነ ብቕልጡፍ ካብ ሃገርና ክውጽእ ንጽውዕ፣
- ሰራዊት ኤርትራ ድማ ብቕጽበት ካብ ቦታ ውግእ ትግራይ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይጽውዕ፣
- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ኩሉ እንተናዊ መቕዘፍቲ ኣጥቢቑ ይኹንን። ሕብረተ-ሰብ ዓለም ከኣ ነዚ ኣመልኪቱ ትዂረት ክገብረሉ ንምሕጸን፣
- ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኤርትራ በኹሩ ዘሎ ፍትሕን፣ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ቆላሕታ ክገብርሉ ንጽውዕ፣
- ሃገራውያን ይኹኑ ኣህጉርውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ዝያዳ ድምጺ ከኻዕብቱ ነተባብዕ፣
ኣፈወርቂ ኪዳነ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ዑቚባዝጊ ድቡስ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ
ንፍትሒ (ውሓድፍ) ለውጢ (ውሓዲለ) (ግሃድኤ-ሕድሪ)
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንኩሎም ስውኣትና
ዓወት ንተቓላሳይ ህዝብና
ኤርትራ ብነጻነታን ክብራን ንዘለኣለም ትንበር!!!
28 ለካቲት 2021
- Details
- Written by: Super User
تابعنا بكل أسف منذ صباح الرابع من نوفمبر 2020م ما ورد من بيانات رسمية وتصريحات في وسائل إعلام الحكومة الفيدرالية الإثيوبية والحكومات الإقليمية في كل من إقليمي تجراي وأمهرا تشير إلى اندلاع معارك في إقليم تجراي.
ونحن في المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي نعبر عن أسفنا البالغ لاندلاع هذه المواجهات العسكرية بين الأشقاء في إثيوبيا، في الوقت الذي يعاني فيه الشعب الإثيوبي من آثار جائحة كرونا، واجتياح الجراد الصحراوي مساحات شاسعة في المنطقة، وإلحاق أضرارٍ بالغة بالمحاصيل الزراعية
Read more: بيان المجلس الوطني الارتري بشأن اندلاع الحرب في إقليم تجراي الإثيوبي
- Details
- Written by: ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለው
Read more: መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ዘሎ ኩናት
ካብ ወጋሕታ 4 ሕዳር 2020 ማዕከናት ዜናታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ክልላዊ መንግስታት ትግራይን ኣምሓራን፡ ኣብ ትግራይ ኩናት ከም ዝተባረዐ ብወግዒ ዝሕብር በብወገኖም ዝሃብዎ መግለጺታት ተኸታቲልና። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደጋ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን፣ ብሰፊሕ ዘመተ ኣንበጣን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን መርድእ ኩናት ምስማዕ ኣዝዩ ኣጒሃይን ኣሕዛንን’ዩ።
- Details
- Written by: ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ካብ 3 ናብ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውግሕ ናብ ጎንጺ ከም ዝማዕበለ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ተሓበረ ኣዝዩ ኣሕዚኑና። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሕድሕዶም፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከም ዘይፈልጦ ዝገልጽ ኣዋጃት ከውጽኡ እንከለዉ ስክፍታና መሊሱ ክውስኽ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ብሰላም ክፈትሕዎ እዮም ዝብል ተስፋ’ውን ነይሩና።
- Details
- Written by: Eritrean Political Forces Coordination Committee
The Eritrean Political Forces, which on 24 June 2020 issued a joint declaration pledging to coordinate their efforts to bring democratic change in Eritrea, have initiated their joint work on a number of important areas, including diplomacy, media, and mass mobilization activities. The political forces are Eritrean National Council for Democratic Change, Eritrean National Front, Eritrean People's Democratic Party, Unity for Democratic Change, and United Eritreans for Justice. The guiding principles bringing the political forces together are: (1) Protecting the sovereignty and territorial integrity of Eritrea; (2) Removing the autocratic regime with the unified power of the people; (3) Successfully transitioning Eritrea to a multiparty system of democratic governance; and (4) Submitting to rule-of-law and guaranteeing basic liberties and rights to the Eritrean people.
- Details
- Written by: ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ/ሆደ
Read more: ሓደ መስከረም ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን/ኤርትራ/ሆደ
መበል 59 ዓመት ባሕቲ መስከረም እንቋዕ ኣብጽሓና። ባሕቲ መስከረም ነባሪ ንምጸብራቅ ልዑል ዘይተምበርካኺ ባህርያት ኤርትራውያን እያ። ባሕቲ መስከረም ሉኡላዉነትና ወኒንና ኣብ እነብዕለሉ እዋን ማዕረ ማዕሪኡ ን ጅግና ኣቦና ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ቐያሕትን ጸለምትን ሱዉኣትና ብልዑል ሓበንን ክብርን እንዝክረሉ እዋን እውን እዩ። ሕድሪ ሱዉኣትና ንፍትሸላ፣ ዝጎደለ ክንምልእ ቓል ንኣትወላን’ያ።
- ብምኽንያት መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፤
- ንቕዋማዊ ህዝባዊ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ደገፍና ንገልጽ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ/ሆደ ጋዜጣዊ መግለጺ።
- ደምበ ተቓወምቲ ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያትና ብግቡእ እናኣመሓደርና፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር / ጽላል/ መስሪትና ክንቃለስ ሕጂ’ውን ዕቱባት ክንከውን ይግባእ፡
- ሓድነትን ምሕዝነትን ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ብጣዕሚ-ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብ ሕቶ!
- ፖሎቲካዊ ውዲት፡ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ዶር/ኣብይ ኣሕመድን፡
- ስርዓት ህግደፍ ክራማት መጸ ብምግቢ ነብስና ምኽኣል ዝብል ጭርሖ እናልዓለ ዝምድር፡ ሕጂኸ ንመን ከታልል እዩ፡
- ዘበዘብ - ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ንምንታይ ዕላማ??
- ሓባራዊ ውሳኔታት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ