ሰብ ኮይንካ ንዝተጸገመ ሰብ ብዓቕምኻ ብሓሳብ፡ ብዓይነት ድዩ ብገንዘብ ምሕጋዝ፡ ናይ መጀመርታ መለክዒ ሓቀኛ ስልጡን ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ምኽንያቱ ሰብኣውነት ሰብ ኮይንካ ምፍጣርን ሰብኣዊ ሕልና ምውናን ‘ምበር፡ ኣፍልጦ ወይ ቀረባን ርሑቕን ዝምድና ምህላውን ዘይምህላውን ኣይሓትትን። ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ዘድልዮ ኩሉን ንኹሉን ብሓሳብን ብተግባርን ተደናጋጽነትንካ ምርኣይ ብዓለማውን ሰማውያን ሕጊ ቅቡል’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ገባሪ ሰናይ ምሉእ ሕልናዊ ዕግበት ዝህብ ቅዱስ ተግባር’ዩ።

ኤርትራዊ ባህሊ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ብነፋግነት ዝሕመ ኣይኮነን። ዘይከም ሎሚ ብህግደፋዊ ዘራጊቶ ብኣሉታ ከይተጸልወ፡ ዝተጸገመ መቕርብ ቤተሰብ ብሓላፍነት ይኣሊ ይሕብሕብ። ኣመት ጎረቤቱ ይገብር ካብ ዘለዎ የካፍል። መንነቱ ንዘይፈልጦ መንገደኛ፡ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ኣብ ገዛ ኣእትዩ ካብ ዘለዎ እኽለማይ ኣቕሪቡ ብፍሕሹ ገጽ የፋኑ ነይሩ። ነቲ ስሩት ኣወንታዊ ሰብኣዊ ተደናጋጽነት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መንነት ምስተወሰኾ ከኣ፡ ከም ህዝቢ ሕድሕዳዊ ሓልዮቱን ምድንጋጹን ወሲኹ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኤርትራዊ/ት ጸገም ኣጋጢምዎ/ዋ ኣብ ትሰምዓሉ ልክዕ ካብ ሓንቲ ማህጻን ከም ዝወጻእካ ትስንብድን ትደናገጽን። ኣይዘመድካን ኣይ ወዲ ዓድኻን ኣይመማህርትኻ ብገጽ ኣይትፈልጦን ኤርትራዊ ስለዝኾነ/ት ግን ብዓቕምኻ ንምድሓኑ/ና ብውሽጥኻ ሰብኣውን ዜግነታውን ሓላፍነት ይስመዓካ’ሞ ብገንዘብ ብጉልበት ድዩ ብፍልጠት ትውፈ ትረባረብ። እዚ እቲ ከም ህዝቢ እንኾርዓሉ ስሩት ኤርትራዊ ባህሊ ምድግጋፍ’ዩ።

ኤርትራ ከም’ቲ ጉጅለ ህግደፍን ተመሳሳሊ ጨፍላቒ ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎም ገለ ወገናትን ዝብልዎ ናይ ሓደ ህዝቢ ሃገር ኣይኮነትን። ብሄራዊ ብዙሕነት፣ ሃይማኖታዊ ብዙሕነት፣ ባህላዊ ብዙሕነት፣ ሓላፍ ዘላፍ ዝበዝሖ መነባብሮን ዘይምዕሩይ ማሕብረ ቁጠባዊ ምዕባለን ዘለዋ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር’ያ። ከምኡ ኮይኑ ግን ዘይጋነን ግን ከኣ ሓባራውን ተደጋጋፍን ህይወት ዘለዎ ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር’ያ። መጥመሪ ናይ’ዚ ክብርታት’ዚ ከኣ፡ ሰብኣውነት፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት፣ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮን ማዕበያን ኢልካ ክግለጽ ይከኣል።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ምስ’ቲ ህዝቢ ዝተፈጥረ ወይ ድማ ብዕድል ኣብ ዝኾነ ግዜ ሃንደበት ዝመጽአ ኣይኮነን። ደረጃ ብደረጃ ድሕሪ ነዊሕ መስርሕ’ዩ ኣብዚ በጺሑ። ነንበይኖም መበቆል ቋንቋን ባህልን ዘለዎም ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ፡ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ብሓንሳብ ስለዝተገፍዑ፡ መንነቶም ስለ ዝተደፍረ፡ ብሓንሳብ ክቕንዘው ተገዲዶም። ነዚ መግዛእታዊ ኣደራዕ ዝጠንቁ ቃንዛ ንምፍዋስ ድማ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ወፊሮም። ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ከኣ ዝያዳ ጎልቢቱ። ምስ’ቲ ኩሉ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ጉጅለታትን ንጸቢብ ሕሳባቶም ክብሉ ዘተኣታተውዎ ዘይ ህዝባውን ዘይመትከላዊ ፖለቲካዊ ምፍትሕፋሕ ዝጠንቁ ደማዊ ውግኣት፡ ኣብ’ቲ ዝተናወሓ ሰላማውን ብረታውን ተጋድሎ ዝያዳ ተቐራሪቦምን ጥምረት ፈጢሮምን።

ኤርትራዊ ባህሊ ምድግጋፍን ሃያብነትን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ምርብራብ ጎሊሁ ዝተራእየሉ መድረኽ ነይሩ። ኤርትራውያን ብመንገዲ ውድባቶም ኣቢሎም ዝልግስዎ ዝነበሩ ገንዘባውን ዓይነታውን ህያብ ማእከሉ ነቶም ፖለቲካዊ ውድባት ዝገበረ ኣይነበረን፡፡ ሕጂ’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ነቲ ሰውራ ኣሐይልካ ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ክውን ንምግባር ዝዓለመ’ዩ። ንኣብነት ብሓፋሽ ውድባት ዝፍለጡ ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት ዝነበራ ኣዴታት ከኣ ብፍላይ ሃገረይ ስልማተይ እናበላ ዝገብራኦ ዝነበራ ኩሉ ሸነኻዊ ወፈያ፡ ንስለ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን መግለጺ ለጋስ ባህሊ ኤርትራውያንን ‘ምበር፡ ካብ ፖለቲካዊ ስኽራን ዝብገስን ንሓደ ውድብ ድማ ንምሕጓስን ንምቕላብን ዝዓለመ ዘይምንባሩ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

እዚ ዘሕብን ሃገራዊ ፍቅርን ሕድሕድ ህዝባዊ ምድግጋፍን ባህሊ’ዚ፡ ብከምቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮ ናህርን ምቖትን ዓቂቡ ኣይቀጸለን። ብሰሪ ሓቀኛ መሪሕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብን፡ ብቑዕ ቀላሲ መሪሕነትን ዘይምርካብ መስመሩ ስሒቱ። ካብ 1991 ንደሓር እቲ ቅድም ዝነበረ ህዝባዊ ሓልዮትን ሃገራዊ ፍቕርን ዝማእከሉ ስምዒትን ወፈያን ናብ ደገፊ ሓደ ውድብን ሓደ ሰብን ተቐይሩ። ካብ ሰናይ ተበግሶን ጭቡጥ ቁጠባዊ ዓቕምን ናብ ፍቶ ጽላእ ዝተበሃልካዮ ትግብርን ትኸፍልን ዝብል ኣስገዳድ ተለዊጡ።

ብፖለቲካዊ ንቕሓት ድዩ ብግዝያዊ ስምዒት (ብይገብሩ ኣለው ኣነ’ውን ክገብር ብላኼማ) ቅድም ክብል ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒትን ልግስን ቀስብቐስ ተዳኺሙ። ህዝብና ሃገርና ማለት ተሪፉ፡ ውድብና መንግስትና መራሒና ናብ ዝብል ዕላማ ኣልቦ ዕሙት ኣምልኾ ተሰጋጊሩ። ፖለቲካዊ መንነት ዝበሃል መምዘኒ ጠፊኡ። ሕልና ኣልቦነት ነጊሱ። መሰረታዊ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ተሃሪሙ። ኢ-ሰብኣውን ፋሽሽታውን ተግባራት ቅቡልነት ክረክብ ክነኣድ ብመደብ ተሰሪሕሉ። ብሃገር ደረጃ ራዕዲ ተእታትዩ።

ነቲ ብድድ ኢሉ ካብ ሕግን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ወጻኢ ዝኣስር ዝቐትል፣ ንብረትን ጥሪትን ዝዘምት ዘድኪ፣ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ኣእትዩ ከንቱ ሞት ክትመው ዝገብር ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍን መራሒኡን ዝዛርቦን ዝግበሮን ኩሉ ቅቡል ዝብል ኣተሓሳስባ ጸብለልታ ረኺቡ፡፡ ነገራት ብርሑቕ ክግንዘቡ ቅኑዕ ኣንፈት ከትሕዙ ትጽቢት ዝግበረሎም ገዳይም ተጋደልቲ፡ ብናይ ቀለም ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ሊቕነት ዝበጽሑ ምሁራት ከይተረፈ “ዝተዛረብካዮ ቀለም፡ ዝረገጽካዮ ለምለም” ይግበረልካ ዕንቅፋት ኣይርከብካ ናብ ዝብል ቅሉዕ ግን ዓሻ ኣምልኾ ዝበጽሕሉ መድረኽ ተራእዩ። “ንበረልና ንበር” ፡ “ንዓኻን ስለኻን” ፡ “ንሕና ንሱ” ፡ “ መንግስትና ንዓና ንሕና ንመንግስትና” ፡ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ፡ “መኸተ” ፡ ዝብሉ ቃላት ከኣ ሓበርቲ ናይ’ቲ ድሕሪ 1991 ዝተጋህደ ዘሕፍር ኣረኣእያ ኣምልኾ ሓደ ሰብ’ዩ።

እዚ እንኮ-ሰባዊ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት፡ ኣዛራቢት ግን ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትመሓደር ንዝነበረት ቁሸት ባድመ ኣብ 1998 ወሪሩ ተቖጻጺርዋ። ካብ’ቲ ወሪርካ ዝሓዝካዮ ውጻእ’ሞ ይግበኣኒ ንትብሎ መሬት ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ሕተት ዝብል ካብ ብዙሓት ወገናት ጻውዒት ቀሪብሉ ዕጭ ሓንፈፍኩ፡ “ዋላ ጸሓይ ኣይትብረቕ ኣይወጽእን’የ” ኢሉ። ክልተ ሃገራት ናብ ዲቕ ዝበለ ኣዕናዊ ኲናት ክኣትዋ ገይሩ። እቲ ካብ ህዝባውን ሃገራውን ፍቕሪ ናብ ኣምልኾ ሓደ ሰብ ዝተቐየረ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ክንዲ ኣይፋል መንገዲ ጽልእን ኲናትን ምርጫና ኣይኮነን፡ ኩሉ ነገር ብሰላምን ብሕግን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጸቕጢ ዝገብር፡ ኣጆኻ በርትዕ ቀጽል ኣብ ጎንኻ ኣለና ኢሉ፡ ብሞራል፣ ብገንዘብ፣ ብዓይነት፣ ብጉልበት፣ ብፍልጠት ኣተባቢዕዎ። ደጊፍዎ። ንመናውሒ ስልጣኑ ብመደብ ኣብራሲ ኲናት ዝወለዐ ውልቀ-ሰብን ጉጅለኡን ከኣ በቲ ደገፍ ሰኺሩ። ከም ሳዕቤኑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ሰብኣዊ ዓቕሚ ሰንኪሉን መይቱን። ብኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም። ሃብቲ ሃገር ዓንዩ። ምስሊ ሃገር ተዓይኑ።

ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ ኣብ’ዚ ጉዳይ እንታይ ጌጋ ፈጺምና? እንታይ ኢልና? እንታይ ገይርን ኢሎም ካብ ተመክሮኦም ኣብ ክንዲ ዝመሃሩ “ሰብኣይ ሓደ ቃሉ” ዓይነት ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ እናጨርሑ ብመንገዲ ጥፍኣት ቀጺሎም። ኣብ 2001 ኣብ ማይቤት እቲ ጉጅለ ንዝተፈጥረ ወርቃዊ ዕድል፡ ጽገናዊ ለውጢ ንዝጠለቡ ወገናት ብመጋበርያ ወያነን ኣውራጃውነት ብምኹናን ንእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዘለዎም ሕሉፍ ኣምልኾ ገሊጾም። ኣስታት 20 ዓመት ከኣ ህዝቢ ይሰደድ፡ ይበተን፡ ይሳቐ፡ ይጽነት ብዘየገድስ፡ ዕድመን ጥዕናን ንመራሒና፡ ዶብና ተሓንጺጹ ልኡላውነትና ክሳብ ዝኽበር ኣብ ጎኒ መንግስትና ብዝብል ፖለቲካዊ ሃላልነት ክዕጅብዎ ጸኒሖም።

ኣብ መፋርቕ 2018 ድማ እቲ ዘምልኽዎ፡ መን ከማኻ ዝበልዎ፡ ኩለንተናይ ንዓኻን ስለኻን ዝበልዎ ወሳኒ ባእታ፡ ከም ዘገናዝብ ሕልና ዘለዎም ሰባት፡ ፖለቲካዊ መንነት ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብዘሓ ህዝብታት ኤርትራን ልኡላዊ ግዝኣት ሃገረ ኤርትራን ቃሕ ዝብሎ ክገብር ኩለንተናዊ ደገፍ ዝገብሩ ኣምለኽቲ ክብርን ኣፍልጦን ከምዘይህቦም ብተዘዋዋሪ ኣርዲእዎም። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት “ኣይከሰርናን” “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት’ዮም ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ” ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን። ናይ ሕጂ ኣጀንዳና ምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ ክብል ፍቓደኛታት ባራዩ ምዃኖም ነጊርዎም። ንዕኡን ንስለኡን ክብሉ ሕልናኦም ክሳብ ምሻጥ በጺሖም ክንሶም፡ ብዘይ ምስገና ማይ ዓሚኾም ክተርፉ ገይርዎም። እዚ ንለባም እኹል ትምህርቲ’ዩ። ሓንሳብ ሕልናኦም ሸይጦም ኣብ ውልቀ ሰብ ምምላኽ ስለ ዝጀመሩ ግን፡ ዝተባህልዎ ክፍጽሙ ምበር ኣበይ ነይርና፡ ናበይ ይኸይድ ኣለና ኢሎም ክመራመሩ ኣይተዓደሉን።

ብዓለም ደረጃ መድሓኒት ዘይተረኽበሉ ለበዳ ሕማም ኮረና (ኮቢድ 19) ተኸሲቱ። ሓላፍነቶም ብግቡእ ዝርድኡ ተሓታትነት ዘለዎም መንግስታት ብተርእዮ ናይ’ዚ ቀታሊ ሕማም ሰንቢዶም። ዜጋታት በቲ ሕማም ከይልከፉ’ሞ ከይሞቱ እንታይ ንግበር? እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ዝብል ሞያተኛታት ጥዕና፡ ተመራመርትን ሓዊሶም መድረኽ ከፊቶም ተመያይጦም። ጥዕና ዜጋታት ንምሕላውን ከጋጥም ንዝኽእል ቁጠባዊ ውድቀት ንምክልኻል ይሕግዝ ዝተባህለ ባጀት መዲቦም ክንቀሳቐሱ ተራእዮም። ቀደሙ’ውን ህዝቢ ካብ ናብን ከይንቀሳቐስ ሰሪሑ ከይፍሪ ክደኪ፡ ከይራኸብ ክፈላለ፡ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ኣውጺኡ ከተግብር ዝጸንሐ ፈራሕ ጨካን ጉጅለ ህግደፍ፡ ንሕማም ኮረና ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ወሲዱ፡ ህዝቢ ከመይ ይሰርሕ እንታይ ይበልዕ ከየገደሶ እንኮ መድሓኒት ካብ’ዚ ሕማም ካብን ናብን ዘይምንቅስቓስ ኣብ ገዛ ምዕጻውያ ዝብል መምርሒ ኣይውጺኡ የተግብሮ እነሆ። ከም መንግስቲ ክንድዚ ባጀት ሰሊዐ ክብል ኣይተሰምዐን። ብኣንጻሩ ካብ ለገስቲ ሃገራት ንዝመጽአ ናውቲ ሕክምና ካብ መዓርፎ ነፍርቲ ሰምበል ክምለስ’ዩ ገይሩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ብዘይካ ህዝቢ ክሃልቕ ምፍራድ ካልእ መግለጺ ዝወሃቦ ኣይኮነን።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ መራሒና ‘ምበር መምርሒና ዘይፈልጡ ካብ ሕሉፍ ጉድለቶም ዘይምሃሩ ዜጋታት፡ ብውሽጢ ውሽጢ ንዝገብሮ ዘሎ ጎስጓሳት ተቐቢሎም፡ ህዝብና ካብ ለበዳ ሕማም ኮሮና ንምክልኻል ብዝብል ወፈያ የገብሩ ከም ዘለው ዕለታዊ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ ንሰምዕ ኣለና። ንህዝብና ዝብል ንጹህ ሕልና ዝኾነ ኢንታ ዘይወጽኦ፡ ንቕድሚት’ውን ክቕጽል ዘለዎ ምስጉን ተግባር’ዩ። እንተኾነ ግን፡ ብመምርሒ ህግደፍ ዝተበገሰ፡ ኣብ ካዝና ህግደፍ ዝኣቱ ወፈያ ንመን? ብሓቂ ነቲ ደገፍ ዘድልዮ ህዝቢ ብኸመይ? ወፈያ ዝገብሩ ዘለው ወገናት ገንዘቦም ብስም መን፡ ንመን ይብዎ ከም ዘለው ኣቐዲሞም ኣዳቒቖም ክሓስብሉ ነይርዎም። ሓላፍነት ዝስመዖ መንግስቲ’ዩ ዝብል እምነት እንተደኣ ኣለዎም ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ብወግዒ ክገብሮ ዘለዎ ክገብር ጸቕቲ ክገብሩ ነይርዎም። ንሱ ዝዓቕሙ ገይሩ’ዩ ኣብ ዝበልሉ ከኣ፡ ኣብ’ቲ ደገፍ ዘድልዮ ድኻ ህዝቢ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ብዝተኣማመንሉ መንገዲ ኣቢሎም ከበርክቱ ቅኑዕ ይኸውን።

ህዝቢ ናይ ምስቓይ ምድካይ መደብ ከምዘለዎ፡ ንደቂ ስውኣትን ስድራ ቤት ስውኣት ዝተለገሰ ከም ዝምንዝዕ እናፈለጡ፡ ዓለም ተደጋጊፋ ሕማም ኮሮና (ኮብድ 19) ኣብ ትምክተሉ ዘሎ ፈታኒ ወቕቲ ብዙሕ ወጻኢታት ተገይርሉ ካብ ርሑቕ ተጓዒዙ ንዝመጽኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይቅበልን ኢሉ ዝመለሰ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ምዃኑ እናረኣዩን እናሰምዑን ብመንገዱ ናብ ህዝቢ ክበጽሓሎም ምሕሳቦም ገለ ምሒር የወሃት’ዮም። እቶም ገለ ኸኣ ካብ ሕማም ፖለቲካዊ ኣምልኾ ዘይተላቐቑ’ዮም። ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ዓዲ እከለ ክንድዚ ናቕፋን ኩንታል እኽልን ወፍዮም ክበሃል ንሰምዕ ኣለና ኢና። ንሶም ዝካፈል ዓቕሚ ሃልይዎም ዘይኮነስ ኣውጽኡ ተባሂሎም ተገዲዶም ስለዝኾኑ ኣይውቀሱን። እንተቶም ኣብ ርሑቕ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብሩ ወገናት ግን፡ ንህዝብና ምባሎም ጽቡቕ፡ ብተግባር ግን ከም’ቲ ብስመ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር፡ ድራር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ 2% እናተባህለ ንነዊሕ ዓመታት ዝተገበረ ወፋያ ኣብ ዝተባህሎ መዓላ ዘይወዓለ፡ እዚ ናይ ሕጂ ድማ ኣብ መምላእ ካዝና ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍን መሳቐይን መቕተልን ዜጋታትን ከም ዝውዕል ክርድኡ ይግባእ።

                                                 ካብ ዛራ ማና

                                                 29-05-2020