- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- The Disappearance of the Eritrean Cabinet of Ministers? – Part 2
- The Disappearance of the Second Eritrean Cabinet of Ministers? Part One
- ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም
- Today: Bologna protest march demanding human rights in Eritrea
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- በወርሒ 10 ሓምለ 1952 ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ብዛዕባ መለይ እንታይ ይብል
- ብወርሒ ታሕሳስ 1950 ዝተውስደ ዉሳኔ 390 A(V) ብዛዕባ ባንዴራ ይዛረብዶ፧
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
We have 405 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
ኣበይ ሃገር ኣሎ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኲናት፣ ዓፈና፣ ድኽነት፣ ኣድልዎ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ መግዛእቲ ይጸልእ። ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተጓደለሉ ወይ ጠቕሊሉ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ይጉዳእ። ብንቡር ዘይኮነ ብዘይንቡር ምሕደራ ክነባበር ይግደድ። ስለዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ወሳኒ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ዘሕድረሉ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ ይደሊ። ካብ’ዚ ዘይንቡር ግዱድ ምሕደራ ሓራ ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ይምነ።
Read more: ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/
ጭቁናትን ግፉዓትን ሕብረተ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ናይ ጭቆናን ሓሳረ-መከራ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብቐዳምነት ካብ ዝህቡዎ ጉዳይ፡ ዕላመኦም ኣነጺሮም ምቕማጥ፡ ፈተውቶምን ጸላቶምን ፈላልዮም ምርዳእን ምቕማጥን እዩ፡፡ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ፍልጠቶምን ሓይሎምን ኣወሃሂዶም ውድብ /መሳርሒ ናይ ቃልሲ/ብምፍጣር ተወዲቦም ምቅላስ እዩ፡፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ እስትራተጅን ፖሊሲን ናይ ቃልሲ ከይጨበጡን ከይሰኣሉን ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ስምዒትን.. ወዘተ ተበጊሶም ጸላእቶምን ፈተውቶምን ብግቡእ ብምልላይ ቃልሲ ምክያድ እንተመሪጾም ግን ጸላእቶም ብቓልሲ ስዒሮም ናብ ዛዛሚ ዓወት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ብኣንጻሩ ዘበገስዎ ቃልሲ እናወደቐን እናተንሰአን ብዙሕ ክሳራታትን ዕንቅፋታትን እናኣጋጠሞ ኣብ መስርሕ ናይ ምፍሻልን ምብትታንን ዕድሉ ዓቢ እዩ ዝኸውን፡፡
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ ደ.ግ.ሓ.ኤ/
መሪሕነት ህግሓኤ /ህግደፍ/ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓያሎይ ዓመታት፡ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝተጻወቶ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብ ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ ጥራሕ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ከባቢ 31 ዓመታት ግን ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውራት /ትካላት/ ብምጥያስ ናብ ገዛኢ ጨቛኒ ደርቢ ነብሱ ብምስግጋር ኩሉ ድሌቱ እምነቱን ስጉምቲታቱን ኣንጻር ድሌት፡ መሰልን ጠቕምን ናይ ህዝብታትና ብምቕናዕ፡ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጭቆናን ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጠናኺሩ ብምቕጻል፡ ህዝብታትና ሓሳረ መከረኦም ክርእዩ እናገበረ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡
Read more: ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡/ደ.ግ.ሓ.ኤ/
ህዝብታት ኤርትራ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ሰላማውን ዓመጻውን ቃልሲ ብምክያድ፡ መጠነ-ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን ክሳራን ከፊሎም፡ ዝተፈላለየ ሓሳረ-መከራን ርእዮም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዕላውነቶምን ከም ዘረጋገጹ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር እዛ ብከቢድን ክቡርን ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዑላውነትን‘ዚ ህዝብታትና ናብ ክብ ዝበለን ዝዓሞቐን ኩነታት ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣከኣሉን፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ስማዊት ተርእዮ ጥራሕ ብምዃን፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ቦታን ስልጣንን ጠቕምን ምቅይያር ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡ እዚ ማላት ካኣ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ፡ ብምልካዊ ጨካን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩን ቀጺሉን፡፡
Read more: ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ንሕና ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ምዕባለና ሃገርነት ኣይፈጠርናን። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ብምሉእ ዘይኮነ ብከፊል ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ነዊሕ ዓመታት ሰፊሮም የመሓድሩ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። መግዛእቲ ጥልያን ብ1890 ብዘይ ፍቃድ፡ ተሳትፎን ውሳኔን ኤርትራውያን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ገይሩ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ሃገርነት ቀሪጹ። ብናቱ ሕግታት ድማ ልዕሊ 50 ዓመት ገዚኡ። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ዘይርጉእ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ውዑል ፈደረሽን ብምፍራስ ናብ መስፋናዊ ንጉሳዊ መግዛእቲ ሃ/ስላሴ፡ ካብ ሃ/ስላሴ ናብ ፋሽሽታዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ደርግ እናተሰጋገርና መጺእና።
ድሕሪ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት፡ ብሳላ ምሉእ ተሳትፎ ዘይሕለል ህዝብን ክቡር ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ብ1993 ወነንቲ ልኡላዊት ሃገር ኮይና። ወነንቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ወነንቲ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምዃን ግን ኣይከኣልናን። ታሪኽና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዝኸፍአ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኮይኑ። ኣብ’ዚ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ብዘይካ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ዝነበረ ብሕጊ እንዳባ (ያታዊ ስርዓት) ዝፍለጥ ሃገር ለኸ ዘይኮነ ኣገባብ ምሕደራ፡ ከም ህዝቢ ብደረጃ ሃገር ናትና ኢልና ብንኣምነሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተመሓዲርና ኣይንፈልጥን። ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ገዛኢ እናሃለና’ውን ቅዋም የብልናን። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ወጺእና እፎይ ዝበልናሉ መድረኽ’ውን የለን።
እቶም ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገርነት ኮነ ድሕሪኡ ዝነበሩ ግዳማውያን ሓይልታት ይውሓድ ይብዛሕ ነናቶም ኣሰር ማለት፡ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ክሳብ’ውን ዘርኢ ገዲፎም’ዮም ሓሊፎም። ስለዚ ከኣ ከም’ቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን በሃማት ኣምለኽቱን ብቋንቋና ባህልና ዘርእና ጀግንነትና ብልሕና ካብ ጎረባብትና ካብ ኣፍሪቃን ዓለምን፡ ዝተፈለና፡ ብሉጻትን ምሩጻትን ኢና እናበሉ ዝነዝሕዎ ኣዝዩ ሕሱር ፕሮፖጋዳዊ ነፍሒ ከም ዘይኮና ምግንዛብ የድሊ። ንሕና ከም ህዝቢ ናትና ኣወንታዊ ክብርታትን ድኽመታትን ዘለና ኣካል ኣምሳል ማሕበረሰብ ዓለም ኢና። ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሓይልታት ምግዛእና ዘሕብን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዓለም ኣባና ጥራሕ ከም ዘጋጠመ ርእስና ነድንነሉ ክኸውን የብሉን። ኣሉታውን ኣወንታውን ሚዛኑ ዝሓለወ ርድኢት ክህልወና ኣለዎ። ምኽንያቱ ነዛ ናይ ሎሚ ርእሰ ሓያል ሃገረ ኣመሪካ ሓዊስካ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ከም’ዚ ከማና ብመግዛእቲ ዝተሰርሓ’የን። ካብ ሰንሰለታዊ ምቕብባል ግዳማውያን ገዛእቲ ሓይልታት ኣድልዎ ዓፈና ግፍዕን ‘ምበር፡ ምሉእ ነጻነት ምዕቡል ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ዘይረኽብና ኢልና ንኸሰሉ ንቑዝመሉ ምኽንያት የለን። ንሳቶም ክረግጹና ከጋፍዑና ከድክዩና ‘ምበር መሰልና ከኽብሩ ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ከውጽኡና ኢሎም ስለ ዘይመጽኡ።
ካብ’ቲ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተጀመረሉ 40ታት ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961 ብዝተፈጥራ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ከመይ ነይሩ? ምግምጋም፡ ንዝምጎስ ምምጓስ ንዝንቀፍ ምንቃፍ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ትምህርቲ ምውሳድ ግን ጽቡቕ’ዩ። ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሩ ህዝብታት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ካብ ዘቤታዊ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መለኽቲ ሓራ ኮይኖም፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተኺሎም፡ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልምዓት ኣብነት ኮይኖም’ዮም። ንሕና ኸ ታሪኽ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ካብ ዝቕበር ልዕሊ 30 ዓመት ኮይኑ ክንሱ ኣበይ ደረጃ ኣለና? ነብስና ክንፍትሽ’ሞ ልክዕንካ ክንፈልጥ ይግባእ። ከም ህዝቢ ብብስለት ዝጠቕመናን ዘይጠቕመናን ጠንቅን ሳዕቤንን ፈታውን ጸላእን ፈላሊና ንመዝነሉ ንቕሓት፡ ንዘይንድግፎ ብርእሰ ተኣማንነት ንቃወመሉ ትብዓት፡ ካብ ድሑር ትምክሕታውን ጸቢብን ኣረኣእያታት ሓራ ዝኾነ ኣብ ሓይሊ ሓሳብ ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ‘ዶ ንረክብ ነይርና? ድሕሪት ተመሊስካ ምግምጋም ንናይ ሎሚ ጸገማት ኣብ ምልላይን ምፍታሕን ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ልቦና’ዩ።
Read more: ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ንኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ናብ’ዚ ታሪኻዊ ዓለም ለኻዊ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ጸሓክንን ኣብ ጸሓናን ይብል። ቀጺሉ፡ ናይ ሎሚ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት፡ ብደረጃ ሃገርና፣ ዞባና፣ ኣህጉርናን ዓለምን ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ፡ ዝተሓላለኸን ዝኸፍአን ዓይነተ ብዙሕ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮን ጸገማት፡ ብዙሓትን ግፉዓትን ህዝብታት ብህይወት ናይ ምንባር ውሕስነት ስኢኖም ንሓደጋ ኣብ ዝተሳጥሕሉ፣ ዝተራቐቑ ኣዕነውቲ ኣጽዋራት ኲናት ንምውናን ዞባውን ዓለማውን ሓያልነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድድር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብቕሉዕ ኣብ ዝተጣሕሰሉ፣ ህላወን ቀጻልነትን ዘርኢ ወዲ ሰብ ብዘገምታ ክቕህም ዝገብር፡ ኣንጻር ሕጊ ተፈጥሮ ዝኾነ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ብጉልባብ መሰል’ዩ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሳስባ፡ ሕጋውን ወግዓውን ኣፍልጦ ረኺቡ፡ በተሓሳስባን ብተግባርን ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ወቕቲ፣ ማሕበራዊ ሃይማኖታውን ባህላውን ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት፡ ብግዝያዊ ረብሓ ዓገብ ዝብል ስኢኑ ናብ ነበረ ኣብ ዘንቆቁለሉ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽ፣ ሚዛን ፍትሒ ክሕልው ዝተመሰረቱ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድባት፡ ብተግባር ብውሑዳት ሓያላን ኣብ ዝተዓብለለሉ፣ ውጽኢት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብሓደ መዳይ ብዋጋ፡ ብኣጠቓቅማ፡ ብግዜ ጾር ደቂ-ሰባት ኣብ ዘቃልለሉ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፡ያዕ ዝብል ስኢኑ ብፍንጡሕ ኣገባብ ንማሕበራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ኣወንታዊ ክብርታት ብኣሉታ ኣብ ዝጸልወሉ ኩነታት ይኽበር ብምህላው ቅድም ክብ ካብ ዝነበረ ፍሉይነት ከም ዘለዎ ይግንዘብ።
Read more: ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
- ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
- ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
- ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም ኣምልኾ
- ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!
- ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤