- ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
- ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤
- ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- Arrangement of transitional government after the removal of dictatorship in Eritrea
- ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡
- ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።
- ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
- نص كلمة رئيس المكتب التنفيذي للمجلس الوطني الإرتري في حفل افتتاح المؤتمر السابع لحزب الوطن الديمقراطي الإرتري
- ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
- The difference between federation and confederation
- Eritrea military training camps raise concerns about security in eastern Sudan
- ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
- ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- Two Eritreans dead and two injured in severe violence in Israel
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
- ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም ኣምልኾ
We have 8 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
ጀግንነት ካበይ ይምንጩ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ገበናዊ ተግባር ጀግንነት’ዩ ዝመስሎም። ገዛእ ርእሶም ሓራ ኣብ ዘይወጽእሉ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ኣብዘየርበሖምን ኣጀንዳ ወፊሮም ብዝፍጽምዎ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባር፡ ከይተሰከፉ መን ከማይ፡ መን ከማና ኢሎም ይፍክሩ። ንምንታይ ዕላማ? ንመን ረብሓ? በየናይ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይሓተቱን ከይፈለጡን ዝኾነ ሕቶ ርእይቶን ኣይፍቀድን፡ ጠምየ ሓሚመ ቦታ የብሉን፡ ተዳሎ ተበገስ፡ ተኩስ ቅተል፡ ዝረኸብካዮ ኩሉ ዝመት ኣዕኑ ኣቃጽል ተባሂልዎም ስለ ዘተግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕብኡ ዝሓፍሩ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ይፍክሩ ይጀሃሩ። ንትርጉም ሓቀኛ ጀግንነት ከዛብዑ ከራኽሱ ከም ዝዓበደ ከልቢ ተዓዊትና ኢሎም ይነብሑ። “ንሕና ንድክር ንስዕር” እናበሉ መሬት ኣይትኹንና ይብሉ። ምስ መን ተዋጊእኩም፡ እንታይ ገይርኩም፡ ኣበይን መዓስን ስዒርኩም ንዝብል ሕቶ ግን ዘእምን መልሲ የብሎምን።
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
መጀመሪያ ‘ዚ “ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ” ዝብል ብዙሕ ከዛርብ ዝኽእል ክልተ ቃላት፡ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ኣብ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ንዝወደብዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንምብርዓን ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ፡ ካብ ገለ ኣባላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ዝሰማዕክዎ ምኳነይ ክገልጽ እፈቱ። ከምእ’ውን ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ብተግባር ዝዛረብ ዝኸፍልዎ ዘለው ክቡር ዋጋ ዘለኒ ኣኽብሮት ከረጋግጽ እደሊ። ንፖለቲካዊ መንነት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ከቃልዑ፡ መደባቱ ከፍሽሉ፡ ገንዘባዊ እቶት ከይረክብ ክዓጽው፡ ንኣሽበርቲ ኣምለኽቱ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ገጢሞም ብተግባር ከርዕዱ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይሮም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቦም ዝኸፈልዎን ገና ዝኸፍልዎ ዘለውን ናይ ማህረምቲ፣ መስበርቲ፣ ማእሰርቲ ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ክሰፍሩ ዘለዎም ፍሩያት ተግባራት ብምዃኑ ሓበን ይሰማዕኩም ክብሎም እደሊ።
- Written by: Mestyat Betna
- Written by: Editor in Chief
መምህር ተስፉ ዘውደ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ብዕለት 02.06.2023 ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ሃገረ ጀርመን ካብ’ዛ ዓለም ምፍላዩ ምስ ተረዳእና፡ ንሕና መቓልስቱ ኣባላት መቓልሕ ኤርትራ ኦርጋናይዘሽን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።
መምህር ተስፉ ዘውደ፡ ምስ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ እናተቓልሰ እንከሎ፡ ብዝወረዶ መውጋእቲ ምስንካሉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብድሕሪኡ’ውን ብሰንክ’ቲ ንምልካዊ ኣገባብ ምሕደራ ዘማዕብል ዝነበረ ኣድሓርሓሪ ጉጅለ መሪሕነት ኢሳያስ ዘቕርቦ ዝነበረ ነቐፌታታት፡ ካብ’ቲ
ንምቕንጻሉ ብምድግጋም ዝውጠን ዝነበረ እከይ ስርሓት ከምልጥ ክኢሉ እዩ። ይኹን’ምበር በቲ ዘየቛረጸ ናይ ምቕንጻል ብድሆታት እቲ’ውን ንስደት ከምርሕ ተገደደ።
- Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን
ነቂልካ ዶ ተስፉ ጅግና ወዲ ኤረ
ወደቦይ ዘውደ በዓል ቁምጣ ስረ
ኣንጊሁ ኣብ ጎቦታት ኤረ ዝሐደረ’’
- Written by: ስድራ-ቤት ተስፉ ዘውደ
እነፍቕሮ ሓውናን ኣቦናን ተስፉ ዘውደ ብዝጸንሖ ሕማም ምኽንያት ሕክምናዊ ኣገልግሎት እኳ ክካየደሉ እንተጸንሐ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን ውጽኢት ስለዘይተረኸቦ ዓርቢ ዕለት 02.06.2023 ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ካብ‘ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ኣሎ።
ነፍሰ-ሄር ተስፉ ዘውደ ንምፍናው እዚ ዝስዕብ መደብ ተሰሪዑ ኣሎ፥