mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • ብንጹር ስነ-ሓሳብ፡ ዓሚቕ ገምጋም ስራሕ፡ ዘይምራሕን ዘይግራሕን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ውጽኢቱ ደምበርበር ክኸውን ግድን’ዩ
  • Eritrean Blue Revolution Front Political Charter
  • Can Eritrea Be a Force for Stability After Its Dictator’s Fall?
  • ዘይናትካ ናተይ ምባል ‘ምበር፡ ምኽንያታዊ ሕቶ ምቕራብሲ ኣየባእስን።
  • Brigade N’Hamedu: Formal Launch of The Eritrean Blue Revolution Front (EBRF)
  • Eritrea: Adopt a strong resolution extending the Special Rapporteur’s mandate
  • جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  • መርድእ: ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት: መግለጺ (መሪር ሐዘን)
  • Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
  • Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
  • Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
  • ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
  • Eritrea is not a safe Country
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
  • ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
  • ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
  • ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
  • ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት

We have 95 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Published: 18 April 2024

 ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ፡ ህዝቢ ብብልሓትን ብዘገምታን ተበታቲኑ ክጠፍእ ዓቕሙ ጸንቂቁ ዝሰርሕ ዘቤታዊ ጸላኢ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ጠንቂ ኣሊኻ ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምምላስ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ መዳይ ይርከብ ኣሎ። ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዚ ሓደ ንነብሱ ከም ኣካል ደምበ ተቓውሞ ዝፈልጥ ፖለቲካዊ ውድብ እንታይ ኣማሊኡ’ዩ ክዋሳእ ዘለዎ? “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ፖለቲካ ካብ ተኣትወ፡ ናተይ ዝብሎ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ይግባእ። ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነት ፈጢሩ ብደረጃ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ከዐውቶም ዘለዎ መደባት ሓንጺጹ ክነጥፍ ኣለዎ። ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ነዚ ዘየማለአ ክንሱ፡ ንነብሱ ከም ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ዝርኢ እንተኾይኑ ጌጋ እዩ። ተራ ማሕበራዊ  ምትእኽኻብ ‘ምበር ንጹር ዕላማ ናይ ዘለዎ ፖለቲካ ውድብ ምዃኑ ኣየመልክትን።

Read more: ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።

ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Published: 29 March 2024

ኣበይ ሃገር ኣሎ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኲናት፣ ዓፈና፣ ድኽነት፣ ኣድልዎ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ መግዛእቲ ይጸልእ። ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተጓደለሉ ወይ ጠቕሊሉ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ይጉዳእ። ብንቡር ዘይኮነ ብዘይንቡር ምሕደራ ክነባበር ይግደድ። ስለዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ወሳኒ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ዘሕድረሉ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ ይደሊ። ካብ’ዚ ዘይንቡር ግዱድ ምሕደራ ሓራ ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ይምነ። 

Read more: ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።

ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Published: 26 March 2024

ጭቁናትን ግፉዓትን ሕብረተ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ናይ ጭቆናን ሓሳረ-መከራ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብቐዳምነት ካብ ዝህቡዎ ጉዳይ፡ ዕላመኦም ኣነጺሮም ምቕማጥ፡ ፈተውቶምን ጸላቶምን ፈላልዮም ምርዳእን ምቕማጥን እዩ፡፡ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ፍልጠቶምን ሓይሎምን ኣወሃሂዶም ውድብ /መሳርሒ ናይ ቃልሲ/ብምፍጣር ተወዲቦም ምቅላስ እዩ፡፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ እስትራተጅን ፖሊሲን ናይ ቃልሲ ከይጨበጡን ከይሰኣሉን ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ስምዒትን.. ወዘተ ተበጊሶም ጸላእቶምን ፈተውቶምን ብግቡእ ብምልላይ ቃልሲ ምክያድ እንተመሪጾም ግን ጸላእቶም ብቓልሲ ስዒሮም ናብ ዛዛሚ ዓወት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ብኣንጻሩ ዘበገስዎ ቃልሲ እናወደቐን እናተንሰአን ብዙሕ ክሳራታትን ዕንቅፋታትን እናኣጋጠሞ ኣብ መስርሕ ናይ ምፍሻልን ምብትታንን ዕድሉ ዓቢ እዩ ዝኸውን፡፡ 

Read more: ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤

ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Published: 26 March 2024

መሪሕነት ህግሓኤ /ህግደፍ/ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓያሎይ ዓመታት፡ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝተጻወቶ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብ ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ ጥራሕ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ከባቢ 31 ዓመታት ግን ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውራት /ትካላት/ ብምጥያስ ናብ ገዛኢ ጨቛኒ ደርቢ ነብሱ ብምስግጋር ኩሉ ድሌቱ እምነቱን ስጉምቲታቱን ኣንጻር ድሌት፡ መሰልን ጠቕምን ናይ ህዝብታትና ብምቕናዕ፡ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጭቆናን ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጠናኺሩ ብምቕጻል፡ ህዝብታትና ሓሳረ መከረኦም ክርእዩ እናገበረ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡ 

Read more: ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡

ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡/ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Published: 17 March 2024

ህዝብታት ኤርትራ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ሰላማውን ዓመጻውን ቃልሲ ብምክያድ፡ መጠነ-ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን ክሳራን ከፊሎም፡ ዝተፈላለየ ሓሳረ-መከራን ርእዮም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዕላውነቶምን ከም ዘረጋገጹ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር እዛ ብከቢድን ክቡርን ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዑላውነትን‘ዚ ህዝብታትና ናብ ክብ ዝበለን ዝዓሞቐን ኩነታት ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣከኣሉን፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ስማዊት ተርእዮ ጥራሕ ብምዃን፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ቦታን ስልጣንን ጠቕምን ምቅይያር ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡ እዚ ማላት ካኣ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ፡ ብምልካዊ ጨካን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩን ቀጺሉን፡፡   

Read more: ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡

ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።  

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Published: 13 March 2024

ንሕና ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ምዕባለና ሃገርነት ኣይፈጠርናን። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ብምሉእ ዘይኮነ ብከፊል ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ነዊሕ ዓመታት ሰፊሮም የመሓድሩ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። መግዛእቲ ጥልያን ብ1890 ብዘይ ፍቃድ፡ ተሳትፎን ውሳኔን ኤርትራውያን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ገይሩ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ሃገርነት ቀሪጹ። ብናቱ ሕግታት ድማ ልዕሊ 50 ዓመት ገዚኡ። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ዘይርጉእ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ውዑል ፈደረሽን ብምፍራስ ናብ መስፋናዊ ንጉሳዊ መግዛእቲ ሃ/ስላሴ፡ ካብ ሃ/ስላሴ ናብ ፋሽሽታዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ደርግ እናተሰጋገርና መጺእና።

  ድሕሪ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት፡ ብሳላ ምሉእ ተሳትፎ ዘይሕለል  ህዝብን ክቡር ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ብ1993 ወነንቲ ልኡላዊት ሃገር ኮይና። ወነንቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ወነንቲ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምዃን ግን ኣይከኣልናን። ታሪኽና ካብ  ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዝኸፍአ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኮይኑ። ኣብ’ዚ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ብዘይካ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ዝነበረ ብሕጊ እንዳባ (ያታዊ ስርዓት) ዝፍለጥ ሃገር ለኸ ዘይኮነ ኣገባብ ምሕደራ፡ ከም ህዝቢ ብደረጃ ሃገር ናትና ኢልና ብንኣምነሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተመሓዲርና ኣይንፈልጥን። ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ገዛኢ እናሃለና’ውን ቅዋም የብልናን። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ወጺእና እፎይ ዝበልናሉ መድረኽ’ውን የለን።

    እቶም ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገርነት ኮነ ድሕሪኡ ዝነበሩ ግዳማውያን ሓይልታት ይውሓድ ይብዛሕ ነናቶም ኣሰር ማለት፡ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ክሳብ’ውን ዘርኢ ገዲፎም’ዮም ሓሊፎም። ስለዚ ከኣ  ከም’ቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን በሃማት ኣምለኽቱን ብቋንቋና ባህልና ዘርእና ጀግንነትና ብልሕና ካብ ጎረባብትና ካብ ኣፍሪቃን ዓለምን፡ ዝተፈለና፡ ብሉጻትን ምሩጻትን ኢና  እናበሉ ዝነዝሕዎ ኣዝዩ ሕሱር ፕሮፖጋዳዊ ነፍሒ ከም ዘይኮና ምግንዛብ የድሊ። ንሕና ከም ህዝቢ ናትና ኣወንታዊ ክብርታትን ድኽመታትን ዘለና ኣካል ኣምሳል ማሕበረሰብ ዓለም ኢና። ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሓይልታት ምግዛእና ዘሕብን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዓለም ኣባና ጥራሕ ከም ዘጋጠመ ርእስና ነድንነሉ ክኸውን የብሉን። ኣሉታውን ኣወንታውን ሚዛኑ ዝሓለወ ርድኢት ክህልወና ኣለዎ።  ምኽንያቱ ነዛ ናይ ሎሚ ርእሰ ሓያል ሃገረ ኣመሪካ ሓዊስካ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ከም’ዚ ከማና ብመግዛእቲ ዝተሰርሓ’የን። ካብ ሰንሰለታዊ ምቕብባል ግዳማውያን ገዛእቲ ሓይልታት ኣድልዎ ዓፈና ግፍዕን ‘ምበር፡ ምሉእ ነጻነት ምዕቡል ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ዘይረኽብና ኢልና ንኸሰሉ ንቑዝመሉ ምኽንያት የለን። ንሳቶም ክረግጹና ከጋፍዑና ከድክዩና ‘ምበር መሰልና ከኽብሩ ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ከውጽኡና ኢሎም ስለ ዘይመጽኡ።

 ካብ’ቲ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተጀመረሉ 40ታት ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961 ብዝተፈጥራ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ከመይ ነይሩ? ምግምጋም፡ ንዝምጎስ ምምጓስ ንዝንቀፍ ምንቃፍ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ትምህርቲ ምውሳድ ግን ጽቡቕ’ዩ። ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሩ ህዝብታት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ካብ ዘቤታዊ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መለኽቲ ሓራ ኮይኖም፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተኺሎም፡ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልምዓት ኣብነት ኮይኖም’ዮም። ንሕና ኸ ታሪኽ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ካብ ዝቕበር ልዕሊ 30 ዓመት ኮይኑ ክንሱ ኣበይ ደረጃ ኣለና? ነብስና ክንፍትሽ’ሞ ልክዕንካ ክንፈልጥ ይግባእ። ከም ህዝቢ ብብስለት ዝጠቕመናን ዘይጠቕመናን ጠንቅን ሳዕቤንን ፈታውን ጸላእን ፈላሊና ንመዝነሉ ንቕሓት፡ ንዘይንድግፎ ብርእሰ ተኣማንነት ንቃወመሉ ትብዓት፡ ካብ ድሑር ትምክሕታውን ጸቢብን ኣረኣእያታት ሓራ ዝኾነ ኣብ ሓይሊ ሓሳብ ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ‘ዶ ንረክብ ነይርና? ድሕሪት ተመሊስካ ምግምጋም ንናይ ሎሚ ጸገማት ኣብ ምልላይን ምፍታሕን ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ልቦና’ዩ።

Read more: ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።  

  1. ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
  2. ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡  ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
  3. ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
  4. ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
  5. ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
  6. ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም  ኣምልኾ
  7. ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
  8. ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!

Page 7 of 18

  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11

Designed by pickjoomla.com