- ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
- ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- With the media focused on Gaza, Christians across Africa fall to a globalizing jihad
- No internet, no social media, no digital activity; 99% people in this country live life in old, traditional way
- Pro-Eritrea TPLF says ready for war against Ethiopia
- ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
- Booming cross-border gold smuggling by the Eritrean and Tigrayan military
- Army 15 Opposes TPLF, Calls Peaceful Resolution to Contested Areas
- US State Department Report on Human Rights in Eritrea
- ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።
- This African country has no mobile internet access; here’s the surprising truth behind its digital blackout
- News: Eritrean Afar National Congress says ready armed struggle from Ethiopia, opens office in Semera
- ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን።
- ድምጺ ግፉዓት ዘይምዃን፡ ዘይተገዳስነት ወይስ ካብ ዝርገተ ሓሳብ ዝብገስ መርሆ ምስኣን?
- ካብ ድሌቶም ወጻኢ ብኣካል ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣሕዋት ህዝብታት፡ ተራኺቦም ድዩ ክበሃል ዘለዎ ወይስ ተዓሪቖም?
- Rival Tigrayan Factions Clash in South Tigray, Sparking Fears of Renewed Conflict
- Rusted screws, metal spikes and plastic rubbish: the horrific sexual violence used against Tigray’s women
- News: Eritrean leaders orchestrated industrial-scale looting operations in Tigray, alongside atrocities: new report
- Fostering Peace and Promoting Development in Ethiopia and Eritrea
We have 16 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
21 ጥሪ 2024 ብጅግና ስዉእ ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝምራሕ ስርሒት ፎርቶ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ኮይኑ፡ ነቲ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንምብዳህን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጎኒ እቲ. ሓርነትን ፍትሕን ዘጠቓለለ ፍትሓዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ
Read more: ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣምልኾ ምስ መለኮታዊ እምነት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሚሊዮናት ዘይኮነ ቢሊዮናት ሰባት ዘምልኽዎ ከኣ ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ ኣብ ሓደ ፈጣሪ ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ተገዲድካ ዘይኮነ ብኣስተምህሮን ዕግበትን ትኽተሎ፡ መትከላውነቱ ካብ ውልቀ ረብሓ፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ኣድልዎ፡ ጭካኔ፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ነጻ ሕልና ክህልወካ፡ ርህሩህ ሓቀኛ ተኻፊልካ ትበልዕ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ክትነብር ዝምህር’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ብዘይምስገዳድ ብዘይ ምፍርራሕ ፖሊስን ጸጥታን ሰባት ብሰናይ ድሌቶም ኣበየ እምነቶም ከይዶም ክጽልዩን ክሰግዱን ዝረኣዩ።
- Details
- Written by: Super User
ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ። ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።
Read more: ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ባህሪኡ፣ ዕላማኡ ኮነ ተግባሩ፡ ደሞክራስያዊ ድዩ ጸረ-ደሞክራስያዊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ስልጣኑ ዓቂቡ ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ረቓሒታት ሓደን ቀንድን ቀዋሚ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ። ምኽንያቱ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ እንተዘይብሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስታዊ መሓውር ከጣይስ ኣይክእልን። ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ምምሕዳራት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቱ ኣብኡ ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ ከፊሉ ከስርሕ ኣይኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ትካላት ዘይብሉ መንግስቲ ድማ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ንቀጻልነትን ውድቀትን ሓደ መንግስቲ ዝውስን ቀንዲ ረቛሒ፡ ሓያልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘይኮነ፡ ነዚኦም ዘንቀሳቕስ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ።
Read more: ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ህዝብታት ኤርትራ ወነንቲ ልኡውነት ናይ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ዳኣ ይኹኑ’ምበር ነዞም ጸጋታት እዚኦም ብከምቲ ዝድለ ገና ክጥቀምሎም ኣይከኣሉን፡፡ ብጭቡጥ ንምዝራብ ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን..ወዘተ ከም ልኡላዊ መሰሎም መጠን’ውን ክሳብ ሕጂ ይጥቀሙሎም የለዉን፡፡ ምኽንያቱ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብታትና ፖለቲካዊ ነጻነቶም ጨቢጦም ነብሶምን ሃገሮምን ዝመርሑሉ፡ ዘማዕብልሉን ዘውሕስሉን ቅዋም ተመያይጦም ከጽድቑን ኣብ ሂወቶም ክጥቀምሉን ዘኽእል ዕድል ብመሰረቱ ስለ ዘይረኸቡ፡፡
Read more: ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
ህዝባዊ ቃልስና ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ዘካየዶ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ቃልሲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትየጵያን ውዲት ናይ ተሓባበርቶምን ብሓይሊ ምስ ተኣገደ፡ መልክዕ ህዝባዊ ቃልስና ናብ ዕጥቃዊ /ዓመጻዊ/ ኣገባብ ክቕየር ግድን እዩ ዝኾነ፡፡ ይኹን ዳኣምበር ኣብቲ ግዜ እቲ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ክመርሕ ዝኽእል ዝተዳለወ ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ዘይነበረ፡ ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ ውሽጢ ሃገር ቀልጢፉ ክብገስ /ክጅምር/ ኣይተኻእለን፡፡
Read more: ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን ሃገርናን ማእከል ብምግባር ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ እዩ:
- ውጽኢት ተኣኪብካ ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ ምጽዋዕ፡ ፖለቲካዊ ድንቁርና እዚ’ዩ።
- ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ክጠፍእ ዝተፍረደ ህዝቢ
- ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ ይበል፡-
- ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።
- ተርእዮ ዘይንቡር ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡
- ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ
- መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን
- ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡