mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • News: Eritrean leaders orchestrated industrial-scale looting operations in Tigray, alongside atrocities: new report
  • Fostering Peace and Promoting Development in Ethiopia and Eritrea
  • ብንጹር ስነ-ሓሳብ፡ ዓሚቕ ገምጋም ስራሕ፡ ዘይምራሕን ዘይግራሕን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ውጽኢቱ ደምበርበር ክኸውን ግድን’ዩ
  • Eritrean Blue Revolution Front Political Charter
  • Can Eritrea Be a Force for Stability After Its Dictator’s Fall?
  • ዘይናትካ ናተይ ምባል ‘ምበር፡ ምኽንያታዊ ሕቶ ምቕራብሲ ኣየባእስን።
  • Brigade N’Hamedu: Formal Launch of The Eritrean Blue Revolution Front (EBRF)
  • Eritrea: Adopt a strong resolution extending the Special Rapporteur’s mandate
  • جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  • መርድእ: ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት: መግለጺ (መሪር ሐዘን)
  • Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
  • Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
  • Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
  • ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
  • Eritrea is not a safe Country
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
  • ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
  • ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡

We have 37 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡  ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡  

Details
Written by: ደግሓኤ
Published: 11 September 2023

ሃገራዊ ቃልስና ንናጽነት ኣብ ዝካየዶ መስርሕ ቃልሲ ንክዕወት 30 ዓመታት ወሲድሉ፡ጸረ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሰና 30 ዓመታት ወሲዱን ገና ዝቕጽል ዘሎን ቃልሲ እዩ፡፡ብሓፈሻዊ ህዝባዊ ቃልስና ኣብቲ ቀዳማይን ካላኣይን ደረጃታት ቃልሲ ልዕሊ 60 ዓመታት ተኻይዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ’ውን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ እዩ፡፡ህዝባዊ ቃልስና ስለምንታይ  እዩ ብዙሕ ዓመታት ወሲድሉን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉን ዝኸፍል ዘሎን ኢልና ጉድለታቱ ንምርኣይ ምስ እንፍትን መልሱ ቀሊል እዩ፡፡

Read more: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡  ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡  

ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 11 September 2023

ኤርትራዊ ሃገርነት ክውን ብምግባር ጨካናት ገዛኢት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ፡ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ሞራላውን ተግባራት ሓንሳእን ንሓዋሩን ብሓይልን ብሕግን ቀቢርካ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብድምር 50 ዓመት ዝወሰደ ሰላማውን ደማውን ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን ክቡር ዋጋ ረሲዕካ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ህድግለነ ዘይብሉ ብደም ሰብ ዝሰኸረ ሰብ ምስጋድ ምብርካኽ ምስተራእየ፡ ንለባማት ንቡር ይጠፍእ ዘይንቡር የመጽእ ከም ዘሎ ብሩህ ነይሩ።

Read more: ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ...

ቀስ ብቀስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኪገማማዕ ይጅምር ኣሎ። ቃልስና ቀጻሊ ይኹን

Details
Written by: ራዲዮ ኤረና & ኤሪ ሳት
Published: 30 August 2023

https://twitter.com/radioerena/status/1696621231338926547?s=61&t=U-5Cm4d6gNo3rpvx-JXGvA

 Breaking News❗️ Adem Osman, Chargé d’affaires of the Embassy and Permanent Mission of #Eritrea in #Geneva, #Switzerland defected and asked for asylum. Adem was a leading defender of the #Eritrean regime in the #UN #HumanRights Council

@UN_HRC
 
“ እቲ ህግደፍ ንዕለት 2 መስከረም ኣብ ስዊዘላንድ ኣዳልይዎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል ከም ዘይካየድ ፖሊስ ኣፍሊጦም”

ጋዜጣዊ መግለጺ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ካንቶን በርን ሩፈንናኽት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንባሕቲ መስከረም ተጸጊዑ ንዕለት 2 መስከረም 2023 ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ዓቢ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል መደብ፣ እቲ ብፕላን ኤን ቢን ተጠርኒፉ ክቃለስ ዝጸንሐ መንእሰይ ብርጌድ ንሓመዱን፣ ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ገዳይም ተቃለስትን ንሕጋዊን ሰላማውን መንገዲ ቀዳምነት ሂቦም “ወፍሪ ንስለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ጭርሖ ኣንቂሎም ንምፍሻሉ ብንጥፈት ክንቀሳቀሱ ቀንዮም። እቲ ዝተዋሃሃደ ቃልሲ ድማ ፍረ ሂቡ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣዘዝቲ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ እቲ ዕግርግር ክኣጉድ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል ከምዘይካይድ ብጽሑፍ ኣፍሊጦምና ኣለው።

እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፍልልያት ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ስለ ዝነብር፣ ፍልልያት ፈጢሩ ከይኣኽሎ ዓመት መጸ ናይ ጽልእን፣ ዓሌትነትን በንዚን እንዳወሰኸ ከጓሃህሮ ስርሐይ ኢሉ ሒዝዎ ስለ ዘሎ፣ ኩሎም ንስለ ሰላምን ስኒትን ህዝቦም ዝሓልዩ ተቃለስቲ፣ ካብ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃሳት ምስ ዝርእዩ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ድማ ንኣብ ቀረብኦም ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብኣጋ ከፍልጡ በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!

ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ
 
 

መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
Published: 24 August 2023

ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ሃገራዊ ልኡላውነቱ ክውን ብምግባር፡ ኣካል ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ከም ዝኾነ ኣየካትዕን። ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰረዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብውሽጣዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብግዳማዊ ሓይሊ ማለት ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተወልደ፡ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ካርታ ሃገርነት ከም ዝጀመረን ንምርዳእ’ዩ። ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ 1890 ኣብ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ዝነበሩ፡ ከም ቱርኪ፣ ግብጺ፣ ፖርቱጓል፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ከይሓውስካ፡ ብመግዛእታውያን ስርዓታት ጣልያን፣ እንግሊዝ፣ ኢትዮጵያን ብምፍርራቕ ከም ዝተገዛእና ንምርግጋጽ’ዩ። ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ብወሳኒ መልክዑ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝን መሓዙታን ተሳዒሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ምሕደራ ተሓዲጉ ምስ ወጸአን ኤርትራ ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ን10 ዓመት ክትጸንሕ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓማጺ ብይን ክሳብ ምግባር ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) 1993 ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምርብራብ መስርሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ፡ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ጀግንነት፡ ዝተፈጥረ ጥሙር ሃገራዊ ስምዒትን ብጥቕልሉ ንምምልካት’ዩ።

Read more: መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ

ናብ ሓባር መግለጺ ብዛዕባ ስርሒታት ብ ብርጌድ ንሓመዱ ” ዝተ ፈጸሙ ቅያ ታት ህዝቢ

Details
Written by: (ውሓኤ) / (መግሃድኤ)
Published: 24 August 2023

ህዝቢ
ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይና ድማ ብፍላይ ኣብታ ኩልንተናይ ንዓኺ ` ኢሉ ዝዝምረላ ጥራሕ
ዘይኮነስ ብግብሪ ኩሉንተንኡ ዝሃበላ ሃገር፡ ብሰላም ክነብር ስለ ዘይከኣለ፡ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእን ዕድሉ ኣብ
ዝሃቦን እግሩ ኣብ ዝመርሖን ይ ጠፍእ ኣሎ። እዚ ኩሉ ጫካ፡ ምድረበዳ ፡ ባሕርን ምስ ኩሉ ዘጋጠመ
ጸገማት ሓሊፉ እፎይታ ኣብ ዝ ረኽበሉ ሃገር ምስ ኣተወ ፣ እቶም ካብ ሃገሩ ንኽወጽእ ዝደፍእዎ ሹማምንቲ
ህግደፍ ኣብቲ መንእሰያትና ዝተሰደደሉ ሃገር መጺኦም ነተን ኣብ ስደት ጽዒሮም ርሂጾም ዝረኸብወን
ሰናቲም ክኣርዩ ክመጹ ከለዉ ብጣቕዒት ዝቕበል ህዝቢ እናረኣና ነዊሕ ዓመታት እቊጺርና ኢና። ድሕሪ
ሕጂ ዕንደራ ህግደፍ ኣብቂዑዩ ። እንተወሓደ ኣብ ዓዲ ደሞክራሲ ዲክታቶርያውያን ዝሸማቐቑሉ ደኣ
እ ምበር ሸናዕ ዝብልሉ ክኸውን ኣይግባእን።


እዚ ከም መበገሲ ሓሳብ ብምግባር ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ዘጋጠመ ቆራጽ ናይ መንእሰያትና ኣደብ ናይ
ምትሓዝ ዝተፈጸሙ ንጥፈታት ብኹርዓት ከነስተውዕለሎም ጸኒሕና ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማ ታት
ምዕራባውያን ኣብ ሆላንድ፡ ሃገረ ጀርመን ፡ ዓዲ እንግሊዝ ፡ ስዊድን፡ ሲያትል ሕ መ ኣ ፡ ካናዳ ብጀጋኑ
መንእሰያትና ዝተገብ ሩ ቃል ስታት ንህግደፋዊ ዕንደራ ዘበርዓነ ናይ ሳልስቲ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ገባቲ
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብሕፍረት ወጮ ንኽኽደን ዘኽኣ ሉ ፍጻሜታት ዮም ። ስለ ዝ ዀ ነ ከኣ እቶም
ኣብኡ ብኣካል ዝተሳተፍኩም ፡ ብ ሞራል ምሃብን ምትብባዕን ብሩሑቕ ዘስነቕኩም፡ ከምኡ ውን
ብ ፋይናንስ ዘተባባዕኩም ኣብዞም ዕዉታት መስርሓት ብምስታፍኩም ወላኳ ግቡእኩም እንተዀነ ልዑል
ምስጋና ይግብኣኩም ዩ ክንብል ደስእናበለና እ ዩ።
ንልዕሊ ሰላሳ ነዋሕቲ ዓመታት ርእስና ከነድንን ዝገበረና ጭቖና ህግደፍ፡ ደረት ክግበረሉ ኣለዎ ኢልኩም
ክሳድኩም ኣቕኒዕኩም፡ ኣፍ ልብኹም ነፊሕኩም ፡ ይኣክል ብ ምባልኩም ሕቡናት ኢና። ብርግጽ እዚ
ዓወት እዚ ናይ ምንቅስቓስምንቅስቓስኩም ጥራሕ ዘይኰነስ ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓወት ዩ። ብዓቢኡ ድማ
ስርዓት ተቐይሩ ሕግን ስርዓትን ምስ ተተኽለ ዋና ተጠቃሚ ኩሉ ኣካል ሕብረተ ሰብ ህዝብና ዩ።
ኣይተረደኦምን ደኣ እምበር ወላ እቶም ኣብ ዚ እዋንዚ ደገፍቲ ህግደፍ ዘለዉ ዜጋታትና ከይተረፈ
ተጠቐምቲ ናይዚ ቃልሲ እዚ እዮም። ህግደፍ ሕግን ስርዓትን ኢሉ ዝኽተሎ ናይ ህዝቢ ዘይኰነስ ናይ
ውሑዳት ምልካውያን ገበትቲ ረብሓን ጥቕምን ዝሕሉ ጥራሕ እዩ ዝኽተል። ብዝተኻኣለ መጠን
ንውሑዳት ኣገልገልቱ ብጥቕሚ ን ዝበዝሑ ደገፍቱ ድማ ብምድንጋርን ናይ ሓሶ ት ትረኻታትን
ምኽንያታት ን ተጠቒሙ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ደገፍቲ ክረክብ ይጽዕር እዩ።
እቲ ቀንዲ መልእኽትና እምበኣር፡ ንዝተራኣየ ወኒ ዝመልኦ ቃልስን ዓወትን ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን
ለውጥን መንእሰያትና ብሓበራ፡ ዮሃና ንምባል ኮይኑ ኣብ ቶም ቀጺልና እነካይዶም ተመሳሳሊ ቃልስታት
ብዝበለጸ ውደባን ንጹር መደባትን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መልክዕ ዕዉታት ክንከውን ዘለና
ምንዮትን ንምግላጽዩ። ኣብ ዝ ዀ ነ ዝወዓልናዮ ጸረ ህግደፍ ስርሒታት፡ ነቲ ዝቕጽል ስንቅን ሞራልን
ዝህብ ክኸውን፡ እቶም ኣብ ኸምዚ ዝበለ ስርሒታት ዝወዓሉ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ብዝበለጸ
ተዓጢቖም ዝያዳ ዓወታት ከጓናጽፉ ሓይሎምን ሰሲኖምን ክቕጽሉ እምበር ኣብ ማእሰርቲ ተሓይሮም
ጎዲሎሙና ክውዕሉ ዘግብር ስራሕ ክንሰርሕ ኣይግቡእን። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ተታሊሉ ዳስ ህግደፍ
ከማዕርግ ዝውዕል የዋህ ኤርትራዊ ዉሑድ ኣይኮነን እሞ ተመኺሩ ፡ ተማሂሩ ኣብ ደንበ ፍትሕን ለውጥን
ክዓስል ዝኽእል ዜጋ ብዙሕ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣሚንና ቃልስና ንዕኡ ንምኽሳብ እውን ዝዓለመ መታን
ክኸውን ናይ ቃልሲ ሜላታትና ከነማዕብል ከም ዘለና በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክንገልጽ ንደሊ።

ብዝተረፈ
ብዝተረፈ በቲበቲ ሓደሓደ ንንውድቀትውድቀት ስርዓትስርዓት ህግደፍህግደፍ፡፡ በቲበቲ ካልእካልእ ድማድማ ንንዓዓወትወት ጭቁንጭቁን ህዝህዝብናብና ክረጋገጽ፣ክረጋገጽ፣ ምስምስ ኩሎምኩሎም ኣህዛብኣህዛብ ጎረባብትናንጎረባብትናን ድማድማ ኣብኣብ ክንዲክንዲ ውግእውግእ ሰላምሰላም ንኽነግስንኽነግስ ኣብኣብ ዝግበርዝግበር ቃልሲቃልሲ ወትሩወትሩ ኣብኣብ ጎድንኹምጎድንኹም ምህላውናምህላውና በዚበዚ ኣጋጣሚኣጋጣሚ ክንገልጽክንገልጽ ንደሊንደሊ።።
ዓወት
ዓወት ንጭቁንንጭቁን ህዝቢህዝቢ ኤርትራኤርትራ
ውድብ
ውድብ ሓድነትሓድነት ኤርትራውያንኤርትራውያን ((ውሓኤውሓኤ) )
መሰረታት
መሰረታት ግንባርግንባር ሃገራዊሃገራዊ ድሕነትድሕነት ኤርትራኤርትራ ((መግሃድኤመግሃድኤ))
22 ነሓሰ 2023

ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
Published: 17 August 2023

ጀግንነት ካበይ ይምንጩ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ገበናዊ ተግባር ጀግንነት’ዩ ዝመስሎም። ገዛእ ርእሶም ሓራ ኣብ ዘይወጽእሉ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ኣብዘየርበሖምን ኣጀንዳ ወፊሮም ብዝፍጽምዎ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባር፡ ከይተሰከፉ መን ከማይ፡ መን ከማና ኢሎም ይፍክሩ። ንምንታይ ዕላማ? ንመን ረብሓ? በየናይ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይሓተቱን ከይፈለጡን ዝኾነ ሕቶ ርእይቶን ኣይፍቀድን፡ ጠምየ ሓሚመ ቦታ የብሉን፡ ተዳሎ ተበገስ፡ ተኩስ ቅተል፡ ዝረኸብካዮ ኩሉ ዝመት ኣዕኑ ኣቃጽል ተባሂልዎም ስለ ዘተግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕብኡ ዝሓፍሩ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ይፍክሩ ይጀሃሩ። ንትርጉም ሓቀኛ ጀግንነት ከዛብዑ ከራኽሱ ከም ዝዓበደ ከልቢ ተዓዊትና ኢሎም ይነብሑ። “ንሕና ንድክር ንስዕር” እናበሉ መሬት ኣይትኹንና ይብሉ። ምስ መን ተዋጊእኩም፡ እንታይ ገይርኩም፡ ኣበይን መዓስን ስዒርኩም ንዝብል ሕቶ ግን ዘእምን መልሲ የብሎምን።

Read more: ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን

  1. ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
  2. ኣብ ሽወደን ዘሎ ሃዋሁ ተኣምር'ዩ! እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጀሚሩ'ሎ
  3. ናይ ሓዘን መግልጺ፡ ንዕረፍቲ መምህር ተስፉ ዘውደ
  4. ነቂልካ ዶ ተስፉ ጅግና ወዲ ኤረ፡ ወደቦይ ዘውደ በዓል ቁምጣ ስረ
  5. መርድእ
  6. ጀርመን ንኤርትራውያን ዝምልከት ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ
  7. ምምስራት ሃገረ ትግራይን ብድሆታቱን፡
  8. ናይ ሓዘን መግለጺ

Page 12 of 18

  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16

Designed by pickjoomla.com