mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • With the media focused on Gaza, Christians across Africa fall to a globalizing jihad
  • No internet, no social media, no digital activity; 99% people in this country live life in old, traditional way
  • Pro-Eritrea TPLF says ready for war against Ethiopia
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
  • Booming cross-border gold smuggling by the Eritrean and Tigrayan military
  • Army 15 Opposes TPLF, Calls Peaceful Resolution to Contested Areas
  • US State Department Report on Human Rights in Eritrea
  • ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።
  • This African country has no mobile internet access; here’s the surprising truth behind its digital blackout
  • News: Eritrean Afar National Congress says ready armed struggle from Ethiopia, opens office in Semera
  • ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን።
  • ድምጺ ግፉዓት ዘይምዃን፡ ዘይተገዳስነት ወይስ ካብ ዝርገተ ሓሳብ ዝብገስ መርሆ ምስኣን?
  • ካብ ድሌቶም ወጻኢ ብኣካል ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣሕዋት ህዝብታት፡ ተራኺቦም ድዩ ክበሃል ዘለዎ ወይስ ተዓሪቖም?
  • Rival Tigrayan Factions Clash in South Tigray, Sparking Fears of Renewed Conflict
  • Rusted screws, metal spikes and plastic rubbish: the horrific sexual violence used against Tigray’s women
  • News: Eritrean leaders orchestrated industrial-scale looting operations in Tigray, alongside atrocities: new report
  • Fostering Peace and Promoting Development in Ethiopia and Eritrea

We have 15 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 04 November 2023

መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መውስቦን ፖለቲካ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህልው ዘለዎም መሰረታዊ ነገራት’ዮም። ክህልው ዝገብሮም ከኣ፡ መውስቦ ኣብ ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብ (ህዝቢ) ፖለቲካዊ ኣባልነት ድማ ኣብ መዳይ ምሕደራ ህዝቢ ብዘለዎም ወሳኒ ቦታ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብወለዶታት እናተተኻኸአ ክቕጽል፡ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣነስታይ ናይ ግድን መውስቦ ክህሉ ኣለዎ። ክዋሰቡ እንከለው ኸኣ ከም እንስሳ ብፍኑው ዘይኮነ፡ ስርዓት ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ዝኣምነሉ ዘኽብሮን ሕጋዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓተ መውስቦ ዝተኸተለ ክኸውን ይግባእ። ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ፡ ንጹር ራእይን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ኣነባብራ እንስሳ ዝፈልዮ ስለ ዘይብሉ፡ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ። ፖለቲካ  ከም ቀላሲ ወሳኒ ኩለንተናዊ ዛዕባ ህዝብን ሃገርን መጠን፡ ፖለቲካዊ ኣባልነት ሰብ ረኣኹ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ክኸውን የብሉን። ሓሳብ ወይ ኣረእእያ መሰረት ዝገበረ ኣባልነት ክኸውን ይግባእ።

Read more: መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡

Details
Written by: Super User
Published: 25 October 2023

“እዚኣ’ውን ኣይክትከውንን’ያ”

ካብ’ቲ ኣውያት ቐዳማይ ኽፋሉ

 

“ . . . . . እቲ ዝገርም ግን፣ ቀ/ሚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ብስልሕም ኣቐዲሙ ወጢንዎ ምንባሩን ምዕዶታት መንግስቲ ኤርትራ ዕሽሽ ክብል መሪጹ ዝነበረ ሰብ'ዩ።

 

እምበኣርከስ ናይ'ዚ ዕሸል ጌጋታት ብንጹር ንምቕማጥ፥ 

#1 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ምስ መራሕቲ ወያነ ዝነበሮ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ ካብ ምምዓድ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ክህሉ ከም ዘይብሉ ንቀ/ሚ ኢትዮጲያ ብግልጺ ነጊሩዎ'ዩ። ንመራሕቲ ወያነ'ዉን ኣብ ህድኣት ክዓስሉ ካብ ምምካር ቦኺሩ ኣይፈልጥን። ምስ ፕ/ት ትግራይ ነበር ዶ/ ደብረጼን ኣብ ዝተገብረ ርክብ'ዉን፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ፣ ኣብ ዞባና ግጭት ከም ዘየድሊ ብግልጺ ምዒዱ'ዩ። 

Read more: ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡

ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 23 October 2023

ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ፖለቲካ ንኹሎም’ቶም ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ክረኽቦምን ክግልገለሎምን ዘለዎ ክፍልታት (ትካላት)  ዘጣይስ ዝመርሕን ዝቆጻጸርን ኣውራ’ዩ። ንኣብነት ኩሎም ዓይነት ሚኒስትሪታት ማለት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ-ማይ፣ ዕደና፣ ገንዘብ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ንግዲ፣ ምክልኻል፣ ስርዓተ ፍትሒ ....ወዘተ ዝቖምሉ ዝምርሕሉን ዝመርሑልን ሕግታትን ውጥንን ኣውጺኡ ዘመሓድር ክፍሊ’ዩ። ስለዚ ፖለቲካ ብቐጥታ ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ወሳኒ ክፍሊ ብምዃኑ፡ ክሕደት ዓመጽ ምቅትታልን ስለ ዘይፍለዮ ይትረፈኒ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልካ ክትገድፎን ካብኡ ወጻኢ ክትነብርን ኣይከኣልን። እታ ትረግጻ መሬት ብፖለቲካ’ያ ትመሓደር። እታ ትነብረላ ገዛ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካ’ያ። ዕለታዊ ካብን ናብን ትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ትረኽቦ ፍርያት ብቐጥታ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ብሓጺሩ ከም’ቲ ዓሳ ብዘይ ማይ ክነብር ዘይኽእል ወዲ-ሰብ’ውን ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ምዕሩይን ውሑስን ህይወት ክነብር ኣይኽእልን።

Read more: ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።

ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 23 October 2023

መጀመሪያ ልክዕና መታን ክንፈልጥ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ክፍተሽ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ብውሕዱ መባእታዊ መረዳእታ መታን ክተሓዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ታሪኽና ክግንጸል ክትንተን ብብሩህ ድማ ክቕመጥ ይግባእ። ብከመይ ዝበለ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ መስርሕ ከም ዝመጻእና፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ከም ዘለዎ ከይተደዋወሰ ዝቐርበሉ መድረኽ ክፍጠር ምጽዓር። ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ምሉእ ተሳትፎኦም ዘረጋግጽሉ፡ ብህዝባዊ ክትዕ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምምጻእ ብግዜ የለን ናይ ቃልሲ መንፈስ ብተግባር እንተተወፊርሉ ብዙሓት ብግርህናን ብስምዒትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ደው ኢሎም ገዛእ ርእሶም ክግምግሙ፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሓራ ክወጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ኣብኡ እንተተበጺሑ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸገምና መድሓኒት ንምርካብ ቀሪብና ኣለና ማለት’ዩ።

Read more: ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።

እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 18 October 2023

ብመንጽር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምራሓሉ ንቡር ልምድታትን ሕግታትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ፡ መንግስታዊ መዕቀኒታት ዘየማልእ ስማዊ’ዩ። ናይ ገዛርእ ርእሶም ፖለቲካዊ ሕርያን ህይወትን ብዘይብሎም ስሉባት ሕልና ዝድገፍ፡ ብእንኮ-ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተሰርሐ ብኡ ዝምራሕን ዝግራሕን ኳና’ዩ።  ናይ ሓደ ሕጋዊ፣ ቅቡል፣ ሓላፍነታዊ ህዝባዊ መንግስቲ መሰረታዊ መትከላት ክሰምዕን ክርእን ዘይደሊ፡ ዕድመ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ህላወን ዕድመን ሓደ ሰብ ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ዘይንቡር ኣገዛዝኣ’ዩ። ድኽነትን ጸበባን ህዝቢ ዋሕስ ዘተኣማምን ቀጸልነት ስልጣኑ ብምግባር፡ ንምዕናው ስሩት ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ብዝተወደበን ብተወፋይነትን ዝሰርሕ ናይ ግድን ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ።

Read more: እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
Published: 03 October 2023

ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ዝነበሮ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ባህግታትን ዝኸፈሎ ኩለ-መዳዊ መስዋእትን’ዩ ኣጓኒፍዎ ዘሎ። ኢደ ወነናዊ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ብመደብ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣድኪኻ፡ ኣርዒድካን ከፋፊልካን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ስቓይን መከራን እናተሰጋገረ፣ ብጉልባብ ምዕቃብ ነጻነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ብጨካን ፋሽሽታዊ በትሪ ብጭውያን ቅንጸላን ብዙሓት ወገናት እናኸፈለ 32 ዓመት ተጓዒዙን ገና ይቕጽል ኣሎን።

Read more: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

  1. “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
  2. ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
  3. ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡  ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡  
  4. ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
  5. ቀስ ብቀስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኪገማማዕ ይጅምር ኣሎ። ቃልስና ቀጻሊ ይኹን
  6. መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ
  7. ናብ ሓባር መግለጺ ብዛዕባ ስርሒታት ብ ብርጌድ ንሓመዱ ” ዝተ ፈጸሙ ቅያ ታት ህዝቢ
  8. ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን

Page 12 of 19

  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16

Designed by pickjoomla.com