ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ምህንድስና ትማልን ሎምን
ምህንድስና (Engineering) ክበሃል እንከሎ ቀዲሙ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና ኣወንታዊ ገጹ’ዩ። ምህንድና ግን ክልተ ገጻት ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። እቲ ሓደ ጾር ሕብረተ ሰባት ዘቃልል ሓቀኛ ልምዓታዊ ኣገልግሎት
ኣብ ግዜ ጸበባ ወገን ንወገን ምድጋፍ ጽቡቕ ግን ንመን? ብኸመይ?
ሰብ ኮይንካ ንዝተጸገመ ሰብ ብዓቕምኻ ብሓሳብ፡ ብዓይነት ድዩ ብገንዘብ ምሕጋዝ፡ ናይ መጀመርታ መለክዒ ሓቀኛ ስልጡን ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።
ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ንህግደፍ ምስ ህወሓት ከተነጻጽር ምፍታን፡ ከንቱ ሃለውለው’ዩ።
ኣንበብቲ ነዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሕልና ኣልቦ ኣመለኽቱን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራን ዝፍጽምዎ ዘለዎ ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብሃገር ደረጃ ድማ ፈጢረሞ ዘለው ዕንወትን ምብትታንን ካብ ተሓታትነትን ውርደትን ንምህዳም፡
Weiterlesen: ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ንህግደፍ ምስ ህወሓት ከተነጻጽር ምፍታን፡ ከንቱ ሃለውለው’ዩ።
ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣምለኽቲ ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ነብሰቕትለት።
ሰብኣዊ ፍጡር ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ ይብል ምሁራት ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት። ይኹን ግን ይብሉ እዞም ምሁራት፡ ሰብኣዊ ፍጡር ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ረቛሒታት ኣለዎ። ባዕሉ ተበላሒቱ ዘይኮነስ፡ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ፡ ሕማቕን ጽቡቕን፣ ጎዳእን ጠቓምን፣ ፈታውን ጸላእን ኢሉ ነገራት ዝመምየሉ ልዑል ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ ይብሉ።
ባዕላዊ ውድቀትካ ክትሓብእ ንካልእ ምጽላም ድርብ ስዕረት’ዩ።
ኣብ ሃገራት ዘጋጥም ውድቀት መሰረቱ ብክልተ ምኽንያት’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ሓደ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ዝወለዶ ግጉይ ዘቤታዊ ፖሊስን ኣሰራርሓን ። ካልኣይ ካብ ግዳም ዝመጽእ ተጻብኦን ጽልእን።
ንናይ ሎሚ ሃገራዊ ክሕደትን ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብናይ ትማሊ ሓርበኝነት ከተተዓርቕ ምፍታን ገበን’ዩ።
ሃገር ከደን ህዝባዊ ፖለቲካዊ ወጽዓ ኣጋጢሙና ኣሎ። ነዚ ብውሁድ ህዝባዊ ቃልሲ ክንገጥሞ ግዱዳት ኢና። ንዘቤታዊ ጸላኢ ብህዝባዊ ቃልሲ ንግጠሞ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ብግቡእ ከነስተማቓሮ ኣለና።
Weiterlesen: ንናይ ሎሚ ሃገራዊ ክሕደትን ኢ-ሰብኣዊ ገበንን ብናይ ትማሊ ሓርበኝነት ከተተዓርቕ ምፍታን ገበን’ዩ።